ብዓል ነጻነትዶ ብዓል ባርባራዊ መግዛእቲ ህግደፍ? ሓጺሩኒ እንተበልኩዎስ ተደቢሩ ይስዕስዕ!

ብዓል ነጻነት ንመን?? ብህዝቢ ዘይመረጾ ልኡኽ መላኺ እሞ ብግዝያዊ መንግስቲ ጥራይ 27 ዓመታት እትግዛእ ሃገር! ብህዝቢ ዘየጸደቐ በብዓይነቱ ኣዋጃት! ብህዝቢ ዘይወከሎም ሃሱሳት ሚኒስተራት! እትግዛእ ሃገር ብዓል ነጻነት ከተብዕል ንስሙ እምበር ሓቂ ኣይኮነን። እወ፣ ንኣእምሮ ህዝቢ እትሰልብ ማዕከን ተሌቪዥንን፣ ብ”ድምጺ ሓፋሽ፣ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ” ብግብሪ ግና ድምጺ ሓሶትን ፕርፓጋንዳን ባዶ 3...

ካብ ኦሪታዊ እምነትን ክርስትና ሃይማኖትን፤ ኣየናይ እዩ እቲ ቅኑዕ? (እሩም)

ቅድሚ ነገስታት ኣብርሃን እጽብሃን፣ (ኤዛናን ሴዛናን) እምነት ምድረ ሓበሣ እንታይ ነይሩ? እቶም  ኣብርሃን እጽብሃን፣ (ኤዛናን ሴዛናን) ዝብሃሉ ነገስታት እኽሱም፣ መበቆሎም ካበይ እዩ? ኦሪታዊ ሃይማኖትዶ ይቕድምከ ወይስ ክርስትና? “ፈላጥ ዝብሃል ከምዘይፈልጥ እንተድኣ ፈሊጡ እዩ”። በለ ሶክራቶስ ንግስነት ኤዛናን ሴዛናን ኣብ ከተማ ኣኽሱም፣ ካብ 333 ክሳብ 356 ዓመተ ዓለም ድ.ል.ክ እዩ...

ሄርማን ኮሀን፡ ምምሕዳር ትራምፕ፡ ምስ ኤርትራ ነቲ ኣብ ግዜ ኦባማ ዝተበላሸወ ዲፕሎማሲያ ምሕዝነት ናብ ንቡር ንምምላስ ድልየት ከምዘለዎ ካብ`ቲ ምምሕዳር ሰሚዐ`ለኹ ኢሎም

ኣምባሳደር ሀርማን ኮሀን እንታይ እዮም ዝብሉ ዘለው? ካብ ብዓል ጣፍስ ብዓል ኣፍ። እቲ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ 1947 ዓ.ም.ፈ. ካብ ኣምባሳደር ፎርስተር ዱለስ ጀምሩ ድኣ ኣብ ኢድ መንግስቲ ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ከይከውን ዘሎ? እስከ መጻሕፍተ ታሪኽ ብምግንጻል ነቲ ታሪኽ ክንፈልጦ ንፈትን ዋሽንግተን — ብምኽንያት መገሻ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ረክስ ተለርሰን ኣብ ኣፍሪቃ፡ ንድምጺ ኣሜሪካ ዝተዛረቡ...

ጅግና ኃይለ ወልደትንሳኤ ዑቕቡ (ድሩዕ)፣ነቲ ን30 ዓመታት ዝተቓለሰሉ ሓርነታዊ ሕልሚ ኤርትራ ከየስተማቐሮ፣ብሰንኪ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣብ ቤት ማእሠርቲ ዒራዒሮ ዓሪፉ ይብሃል ኣሎ።

ብ2001 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኤርትራ፣ እቶም ነቲ ብሄርማን ኮሀን ኣብ ለንደን ዝተወሰነ ውዲታዊ ውሳኔ መሸጣ ኤርትራ ዝተቓወሙ 15 ገዳይም ሰበስልጣን ህ.ግ.ሓ.ኤ. ክእሰሩ ከለው፣ ብወገን ወያኔ ከኣ ነቲ ውዲት ኮሀን ዝተቋወሙ 15 ገዳይም ሰበ ስልጣን ተኣሲሮም። እቶም 15 ሰበስልጣን ወያኔ ግና ንስለላ መርበብ ሲኣይኤ ንኸገልግሉ ናይ ጣዕሳ ወረቐት ስለ ዝመልኡ፣ ነጻ ተፈሪዶም።  ገሊኦም ንኣሜሪካ ተላኢኾም፣ ገሊኦም ከኣ ክሳብ...

ስለላ ኣብ ምድረ ባሕሪ (ሎሚ ኤርትራ) መዓስ ተጀሚሩ?

7ይ ምዕራፍ ቅድሚ ብዛዕባ ባህርን ጠባይን ጅግንነትን መሳፍንቲ ትግራይ ምትንታንና፣ ኣቐዲምና ግና ባህርን እንታይነትን ህዝቢ ምደባሕሪ፣ ካብ መሳፍንቲ ትግራይ ብኸመይ ይፍለ? ዝብል ሕቶ ክንምልሽ ኢና። ሓቂ መራር እያ፣ ግና እቲ ሓቂ ከምዚ ዝስዕብ እዩ። ካብ ኣፈ-ታሪኽን ካብ ብዙሓት ጸሓፍተ-ታሪኽን ዝረኸብንዮ መጎታዊን ዝእመንን መርትዖ እዩ። ብፍላይ ንባህርን ጠባይን፣ ጅግንነትን ህዝቢ ኤርትራ ከምዘለዎ ገሩ ስለዝገልጾ ክኣ...