መንነትን መበቆልን ህዝቢ ኣገኣዝያን

ጥንታዊ ባህልን ኣፈታሪኽን ደቂ ኣገእዝያን ከምዝሕብሮ፤ ብግምት ኣስታት ካብ ሓደ ሽሕ ዓመታት ንላዕሊ ቅ.ል.ክ. ኣቢሉ ይኸውን፣ ኣግኣዝያን ዝተባህሉ ስማውያን ህዝብታት፣ካብ ከባቢ የመንን ጆርዳንን ኢራቕን ተበጊሶም፣ብቀዪሕ ባሕሪ ኣቋሪጾምን ፈለግ ኒል ተኸቲሎምን፣ንወገን ከበሳ ክሳብ ፈለግ ተክዘ፣ኣብዚ ሎሚ ኤርትራን ትግራይን ዝብሃል ዘሎ ቦታ ተሃዘቡ። ካብኡ ከኣ ንወሎን በጌምድርን ጎጃምን ሰሜናዊ ሸዋን ተስፋኽፍሑ።...

ቃልሲ/ሰውራ ኤርትራ ብ1961 ዓ.ም.ፈ. ኣይኮነን ተጀሚሩ!!

 ለባም ወይ ፈላጥ ዝብሃል ሰብ፣ ቅድም ቀዳድም ፈሪሃ-እግዚኣብሄር ዘሎዎ እዩ። ካብኡ ቀጺሉ ድማ ዝተፋላለዩ ሓበሬታት እናኣከብ፣ፍልጠቱ ዘማዕብል ሰብ ፈላጥ እዩ። ብተወሳኺ’ውን ኣብ መጽናዕቲ ዝተመርኮሰን፣ብጭቡጥ መርትዖ ድማ ዝተሰነየ  ዘዋህለሎ ፍልጠት፣ ነቶም ዘይፈልጡ ከፍልጥ ከሎ እዩ። እምብኣር ቃልሲ/ሰውራ ኤርትራ ብ1961 ዓ.ም.ፈ. ኣይኮነን ተጀሚሩ። ቅድሚ መግዛእቲ ቱርኪ ማለት ቅድሚ 15 ክፍለ ዘመን እዩ...