7ይ ምዕራፍ

ቅድሚ ብዛዕባ ባህርን ጠባይን ጅግንነትን መሳፍንቲ ትግራይ ምትንታንና፣ ኣቐዲምና ግና ባህርን እንታይነትን ህዝቢ ምደባሕሪ፣ ካብ መሳፍንቲ ትግራይ ብኸመይ ይፍለ? ዝብል ሕቶ ክንምልሽ ኢና።

ሓቂ መራር እያ፣ ግና እቲ ሓቂ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።

ካብ ኣፈ-ታሪኽን ካብ ብዙሓት ጸሓፍተ-ታሪኽን ዝረኸብንዮ መጎታዊን ዝእመንን መርትዖ እዩ። ብፍላይ ንባህርን ጠባይን፣ ጅግንነትን ህዝቢ ኤርትራ ከምዘለዎ ገሩ ስለዝገልጾ ክኣ ኢና መሪጽናዮ። እወ፣ ንሕና ድማ ኣብ ሕመሬት ህዝቢ ኤርትራ ስለዝተወለድናን ዝዓቤናን ብመጠኑ ንባይቶ ህዝቢ ኤርትራ ኣርኪብናሉ ኢና። ሓለገትን ወይ ምልክትን  ህዝቢ ምድረ- ባሕሪ እንታይ ምዃኑ ድማ ንፈልጦ ኢና። ሎሚ ኮነ ሓምለሰነ ኮነ፣ ኮይኑ ድኣዩ እዞም ሎሚ ታሪኽ ኣቦሓጎታቶም መሳፍንቲ ትግራይ ዝደግሙ ዘለው ምጻእተኛን፣ ከደምቲ ባዕዳውያን ጭፍራ ህ.ግ.ደ.ፍ. ድኣ ምርካስ ዘይኮነስ ይጥፍኡዎ ኣሊዮም እምበር፣ ካብ ጥንቲ ጀሚሩስ እዚ ውርዙይ ባህልን፣ ጅግንነት መንነትን፣ ቅዱስ ሃይማኖትን ህዝቢ ምድረባሕሪ፣  ዝነበረ እዩ።

ብመጠኑ እምብኣር ብኸምዚ ዝስዕብ ከነብርህ ክንፍትን ኢና። እዚ ድማ ጃህራን ፈኸራን ዘይኮነስ፣እቲ ሓቂ ንሱ ስለዝኾነ። ንሱ ድማ እዩ እቲ ብሓፈሻ ብምዕራባውያን፣ ብፍላይ ድማ ብማሕበር ቫቲካን፣ ብጽዮናውያን፣ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝተጸንዐ ጉዳይ እዩ፣እቲ ሎሚ ቀንዲ መኽንያት ህልቀት ህዝቢ ምድረባሕሪ ኮይኑ ዘሎ። እወ ንሕና ህዝቢ ምድረባሕሪ ካብ ኩሎም ህዝብታት ኣፍሪቃን ምዕራባዊን፣ ምብራቓዊን ደቡባዊን ሰሜናዊን ህዝብታት ዝተፈልየ፣ባህልን፣ሃይማኖትን ዘሎና ህዝቢ ስለዝኾና፣ ካብዚ ህልኻትን ቅንእን ተበጊሶም፣ ኣብዝተናውሐ ኣራባራብ፣ ብገርብ ብሓኽላ ገሮም እዮም፣ ካብ ርእስና ምውራድ ኣብዮም ዘለው።

ካብቶም ብዙሓት ጽሓፍቲ ታሪኽ ንህዝቢ ምድረ ባሕሪ ብኸምዚ ዝስዕብ ጌሮም ይምስክሩሉ። እቲ ዝጸገሞ ወይ  ጽጉም ሰብ  ዝዕቆበሉ፣ ዝጠመየ ሰብ ዝዕንገለሉ፣ ተቐባል ጋሻን፣ ገርሀኛን፣ ቂም ዘይሕዝን፣ ሩሕሩሕን፣ ከይተንኬኻዮ ድማ ዘይልዓልን፣ ዘይናቱን ዘይምሬቱን ዝይብሃግ ህዝቢ እዩ እንዳበሉ ይምስክሩ። እቲ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ብሃብትን ብባህሪያዊ ጸጋን ተዓዲሉ ዝነብረሉ ሃገር ምድረ ባሕሪ  እዩ። ንጉስ ላሊበላ ኣውን፣ ንብዓልቲ ቤቱ ብቋንቋ ግእዝ ከምዚ በላ  “ለእመ ይከውን ረሃብ ሁር ብሔረ ሓማሴን”ጥሜት እንተኾነ  ኣብ መሬት ሓማሴን ኬድኩም ተዓቘቢ” ይብሃል። እዚ ካብ ጥንቲ ሓማሴን ዝብሃል ስም (ምድረ-ባሕሪ) ሎሚ ኤርትራ ምስ ትግራይ ሓዊስካ መላእ መሬት ኤርትራ፣ ቆላን ከበሳን ዘመልክት፣ ላዕላይን ታሕታይን ምድረ ባሕሪ ነጋሲ ዘጠቓልል እዩ ነይሩ። ትርጉሙ ድማ ብቋንቋ ዓረብኛ፣ ሳባውያን ምውቝ ሃገራዊ ፍቕሪ ዘለዎ ዓለት እዩ። ገለ ተመራመርቲ ሰባትውን ነዚ “ሓማሴን” ዝብል ቃል፣ “ሓንበሰ፣ መሓምበሲ ባሕሪ ዘለዎ ዓሌት” ኢሎም ዝትርጒሙዎ ኣለው።

እቲ ንዘመናት ብጀጋኑ ባሕረ ነገስታት ዝመሓደር ዝነበረ ህዝቢ ምድረባሕሪ ግና፣ብመሓመድ ግራኝን፣ብቱርካውያንን በቶም ወከልቲ ወራራት ቱርካውያንን፣ግብጻውያንን ኮይኖም መመሪሖሞም ዝወሩዎ ዝነበሩ፣ ከድዓት ደቂ ናይብ፣ደቂ ሕርጊጎ ዘይተዳኸመ፣ብፍላይ ብቀንኣትን ሓሳዳትን መሳፍንቲ ትግራይ፣ ብሃፈሻ ድማ ብደንቝር መሳፍንቲ ኣምሓራንዩ፣ ህዝበ ምድረባሕሪ ካብ 1735 ዓ.ም.ፈ. ክሳብ 1889 ዓ.ም.ፈ. ኣዝዩ ዝተዳኸመ። ይኹን እምበር ምስዚ ኩሉ ውረድ ደይብ፣ ህዝቢ ምድረ ባሕሪ ሓድነቱን ሓርነቱን ዓቂቡ ክሳብ ኮሎንያል ጣልያን ክነብር ጸኒሑ እዩ።

ሩፊሎ ፐርኒ ዝተባህለ ኢጣልያዊ ደራሲ፣ተርጉም መረብ ምላሽ፣ ኣብ ገጽ 76 ከምዝገልጾ፣ “እቶም ኣብ ምድረባሕሪ፣ ድሕሪ ባሕረ ነጋሲ ኢሳቕ ዘማሓድሩ ዝነበሩ ባሕረ ነገስታት፣ ንመሳፍንትን ነገስታትን ኢትዮጵያን ትግራይን ዘርዕድ ስልጣን እዩ ዝነበሮም“። ብፍላይ መሳፍንቲ ትግራይ፣ ክሳብ ወራር ኮሎንያል ጣልያን፣ ካብ ድሑር ቅንኢ ዝተላዕለ፣ ብጅግንነት ደቂ ምድረ ባሕርን፣ ብባህርያዊ ጸጋ ምድረ ባሕርን ክቱር ቅንኢ ስለዝነበሮም፣ ንህዝቢ ኤርትራ ደጋጊሞም ቅሳነትን ይኸልኡዎ ነበሩ።

እዞም ኣረሜን መሳፍንቲ ትግራይ፣ ወትሩ ግዜ ባዕዳዊ ውራር ክመጾም ከሎ፣ ኣውያቶም ኣብ ህዝቢ ምድረባሕሪ ስለ ዘመሓላልፉ፣ ህዝቢ ምድረ ብሓሪ ከይወዓለ ከይሓደረ እዩ ዝረድኦም ዝነበረ። ንሶም ግና ክጥዕሞም ከሎ ጥሪቱን ሃብቱን ክዘምቱ ኩሉ ግዜ እዮም ዝወርዎ ዝነበሩ። ብሓፈሻ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ብፍላይ ከኣ ኣብ ትግራይ ሕጊ እንዳባ ዝብሃል የብሎምን። ህዝቢ ምድረባሕሪ ካብ 20 ክሳብ 30 ወለዶታቱ ክቖጽር ከሎ፣ ብዘይካቶም መሳፍንቲ፣ እቲ ህዝቢ ትግራይን ኢትዮጵያን ግና፣ ወለድኡ ክሳብ 3 ወለዶታት እኳ ክቖጽር ኣይክእልን እዩ።

ከምዚ ዝኾነሉ እቲ ቀንዲ መኽንያት ድማ፣እቲ ህዝቢ ብነጋውስን መሳፍንትን ይግዛእ ስለዝነበረ፣ እቲ “ክብረ ነገስት“ ወይ “ፍትሓ ነገስት“ ዝብሃል፣ነቶም መሳፍንትን ነገስታትን ዘገልግል ኮይኑ ጥራይ እዩ ዘገልግል ዝነበረ። እቲ “ክብረ ነገስት“ ወይ “ፍትሓ ነገስት“ልዕልና ነገስታትን መሳፍንትን ዘኽብር ሕጊ ጥራይ ክኸውን ከሎ፣ ኣብ ምድረባሕሪ ግና ሓራ ፍትሓዊን ዝኾነ ኣብ ኣውራጃታቱ ፈደራላዊ ትሕዝቶ ዘለዎ ሕገንዳባ ነይሩ እዩ። መሳፍንቲ ትግራይ ሃገርነት ዘይዓጅቦም፣ ዝምታን ሽፍትነትን ከም ሞያ ገሮም ዝወስዱ፣ ብፍትሓዊ ስርዓተ ሕጊ ዘይቅየዱ ፋሉላውያን ኣረሜን እዮም ነይሮም።

መተሓሳሰቢ፣ እዚ ብዛዕባ መሳፍንቲ ትግራይ ነቕርቦ ዘሎና ትንተና፣ ካብ ጽልእን ቅርሕንትን ተበጊስና ዘይኮናስ፣ ነቲ ካብ መጽሓፍቲ ታሪኽን፣ ካብ ኣፈ ታሪኽ ኣባሓጎታትናን ዝረኸብናዮ መርትዖ ዘለዎ መዘክር እምበር፣ ባዕልና ዝፈጠርናዮ ጽውጽዋይ ወይ ዛንታ ኣይኮነን። ምናልባት ገለ ተኻታተልቲ እዚ ትንተና እዚ፣ ካብ ጽልእን ቅርሕንትን ትግራዎት ተበጊስና ዘዳሎናዮ ገሮም ክርድኡዎ እንተድኣ ፈቲኖም “ኣይፋልኩምን ዓገብ ተመራመሩ ግዳ!!” ድኣ ንብሎም እምበር ኣብ መሰሎም ኣይንኣቱን ኢና።

እዚ ትንተናዚ ግና ብሓቂ ዝተፈጸመን ክውንን ምዃኑ፣ መጻሕፍተ ታሪኽ ምግንጻል ጥራይ እኹል እዩ። እዚ በጺሕናዮ ዘሎና ዘመነ ወያነን ህግደፍን፣ ዘመነ ድንቍርናን ሓሶት ስለዝኾነ፣ ካብቲ ደምበ ወያኔን ህግደፍን ወጺእና ክንመራመር እንተድኣ ፈቲና፣ ነቲ ሓቀኛ ታሪኽ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ከነስምረሉ እንደሊ ሓደ መጎት እንተድኣ ሃልዩ ድማ፣ ንዝኾነ ይኹን ነገር ኣብ ትሪኻዊ ትንተና ተመርዂስና፣መጎታዊ መጽናዕትን ምርምርን ከነካይደሉ ምስንኽእል ጥራይ ኢና፣ነቲ ታሪኽ ብግቡእ ጠንቁን ሳዕቤኑን ክንፈልጦን ክንርድኦን እንኽእል እምበር፣ ብሓደ ውድብ ወይ ጉጂለ ንረብሑኡ ኢሉ ዝዝርግሖ ፖለቲካ ወይ ፕሮፓጋንዳ ስነሓሳብ ተኸቲልካ ኣይኮነን።

ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚርና፣ ኣብ መሰረታዊ መጽናዕትን ምርምርን ኣድሂብና ንጉዳይ ኤርትራ ብግቡእ ተረዲእና እንተንቃለስ ኔርና፣ ሎሚ እሞከኣ ድሕሪ ፍርቂ ዘመን ቃልሲ ኣብዚ ሎሚ ወዲቕናዮ ዘሎና ውድቀት ኣይምወደቕናን። ሓቂዶ ሓሶት? እወ፣ ሎሚውን ማይ ኣይሓለፎን፣ በዞም ክናናን ምናናን ህግደፍን ወያኔን ከይተደናገርና፣ኣብ ሓራ ዝኾነ ምርምርን መጽናዕትን ኣድሂብና፣ እንተድኣ ክንመራምር በቒዕና ጥራይ ኢና፣ ጸላእትና ክንፈልጥ እንበቅዕ። ንጸላእትና እንተድኣ ብመጽናዕትን ምርምርን ተሰኒና እለሊናዮም ድማ፣ ነዞም ሎሚ ዝላገጹልና ዘለው ሃዋርያት ባዕዳውያን ህግደፍን ወያኔን ብርግጽ ክንምክቶም ከምንኽእል ዘየጠራጥር እዩ። መኽንቱ ኩሉ ዝዕወት ሓይሊ፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሓቂ ተመርኲሱ ክቃለስ ከሎ ጥራይ እዩ።

“ብላታ” ሚካአል ስሑል ካብ 1735 ክሳብ 1780 ዓ.ም.ፈ. ትርጒም ብላታ = በል ኣታ) ማለትዩ።

ንመረዳእታ ሚካአል ስሑል ዝብሃል መስፍን፣ እቶም ንከተማ ዓድዋ ዝደኮኑዋን ዘማሓድሩዋውን ዝነበሩን፣ ራእሲ ዓንደሃይማኖት ዝብሃሉ ጅግና ብዓል ጸዓዘጋ፣ ንሚካኤል ስሑት  “ብላታ” በል ኣታ ዝብል ሽመት ሂቦም፤ ኣብታ ባዕሎም ዝደኰኑዋ ከተማ ዓድዋ፣ ወኪሎም ኮይኑ ንከምሓድ ዝመርቑሉ፣ “ክንዲ ዘኾለስኩስ ኢደይ ተነኸስኩ“ ከምዝብሃል እዚ ሽፍታ እዚ ንራእሲ ዓንደሃይማኖት፣ ብቓጻ ቀንጺሉ፣ ባዕሉ ገዛኢ ትግራይን ምድረባሕርን ኮነ። ካብዚ እዩ እምብኣር እቲ ክሕደት መሳፍንቲ ትግራይ ዝጅምር። እዚ ነውራም ኣረሜንዚ፣ብርግጽ ካብ 1735 ክሳብ 1880 ዓ.ም.ፈ. ዝነበረ እዋን፣ ንህዝቢ ከበሳ ብፍላይ ንኣውራጃ ሰራየ፣ ካብቲ ዝነበሮ ጥንታዊ ውርዙይ ባህልን፣ ሕጊ ኣከለ ምልጋእን ሰራየ ከርክሶ ጀመረ። ነቲ ህዝቢ ድማ ብሕሱም ኣገዛዝኣ ገዝኦ። እዚ ጥራይ ኣይኮነን፣ እዚ ኣረሜንዚ፣ብሳላ ጸዓዘጋ ገዛኢ ዓድዋ ንክኸውን ተሸሙ ከብቅዕ፣ ኣረሜናዊ ዝኾነ ጭካኔን ጉርሕን ብምርኣይ፣ ነቶም ጎይቶቱ ዝነበሩ እሕዋት ደቂ ጸዓዘጋን ሃዘጋን፣ ነቲ ንቡር ጅግንነታዊ ውርሻታቶም ደፊሩ ኣነወሮ።

እዚ ኣረሜን መሳፍን ትግራይ እዚ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምድረ ባሕሪ፣ ሃብትን ጥሪትን ህዝቢ ብምዝማትን፣ ዓድታት ብምቅጻልን፣ ምብስባስን ዘይንቡር ዝኾነ ኣረሜናዊ ተግባራት ደጋጊሙ ንብዙሕ ዓመታት ይፍጽም ድሕሪ ምንባር። “ኢድ ጸናሒት ሸናሒት“ ከምዝብሃል ግና፣ ኣብ መወዳእታ ጥሪትን ንዋይን ዓድታት ምድረባሕሪ ዘሚቱ ንትግራይ እንዳተጓዕዘ ከሎ፣ ኣብ ምስያም ዝብሃል ወረዳ ሎጎጭዋ፣ ሎሚ ጽልማ ዝብሃል ዘሎ ቦታ ምስበጽሐ፣ በቶም ጅግና በሓርነጋሲ በዅሩ ዝምራሕ ዝነበረ ሰራዊት ምድረባሕሪ፣ ድሎ ከይትዕሎ ኢሎም ምስ ሰራዊቱ ደምሰሱዎ። ሽፍታ ሚካኤል ስሑል ከኣ ነውራም ታርኽ ሒዙ ንሓዋሩ ዓረበ።

ራእሲ ወልደስላሴ ጨለቖት ካብ 1780 ክሳብ 1816 ዓ.ም.ፈ. ድሕሪ ሞት ብላታ ሚካኤል ስሑል ትግራይ ኣብ ኢድ ብዙሓት መሳፍንቲ ወደቐት። ወልደስላሴ ጨለቖት ብዓል እንደርታ ከኣ ምስ ሹማምንቲ ዓጋመ ሓቢሩ ካብ 1780 ክሳብ 1816 ዓ.ም.ፈ. ራእሲ ኣቢሉ ላዕለዋይ ስልጣን ሓዘ። እዚ መስፍን እዚ ድማ፣ብዓቕሙ፣ብዝፈጠሮ ተንኮል ኣብ ምድረ ባሕሪ ቀጻሊ ደም ምፍሳስ ኣስዓበ። ብሰንኩ ድማ እቲ ኣባታዊ ሕጊ ምድረ ባሕሪ ረኸሰ። እዚ ራእሲ ወልደ- ስላሴ ጨለቖት፣ ኣቦ ደግያት ድምጹ ዝብሃል መስፍን ኮይኑ፣ ወዲ ራእሲ ኣርኣያ እዩ። እዚ ሰብዚ እምብኣር ኣኲኡ ንንጉስ የውሃንስ 4ይ ይኸውን ኣሎ ማለትዩ። ኣቦ ደግያት ደበብን ፊተውራ እንባየን ከኣ እዩ። ደግያት እንባየ ድማ ንሰገነይቲ ክወርር ምስ መጸ ብጅግና ደግያት ባህታ ሓጎስ ዝተቀንጸለ መስፍን ትግራይ እዩ። መዋእል ወልደስላሴ ጨለቖት ብ1816 ዓ.ም.ፈ. ምስ ኣብቀዐ፣ ብ1821 ዓ.ም.ፈ. ደግያት ሱባጋድስ ሹም ዓጋመ ወልዱ ዝብሃል ኣብ ትግራይ ካብ 1818 ክሳብ 1830 ዓ.ም.ፈ. ክገዝእ ጀመረ። ካብቶም ብዙሓት ሸፋቱ መሳፍንቲ ትግራይ፣ ደግያት ሱባጋድሥ ወዲ ሹም ዓጋመ ወልዱ ግና፣መስተውዓልን፣ሓያልን፣ ከምዝነበረ እዩ ዝንገረሉ። ብሩኖ ዝተባህለ ኢጣልያዊ ጽሓፊ ታሪኽ ከምዝትርኾ ግና፣ “እንዳ ሱባጋድሥ፣ ወትሩ ንሃብቲ ኣከለጒዛይ፣ ብዓይኒ ቅንኢ ምስ ጠመትዎ እዮም“ ይብል። ደቂ ዓጋመ ኣብ ትግራይ፣ጥንታዊ ስምን ዝናን ስለዝነበርም ግዲ ኮይኑ፣ ቀዳሞት ተጋሩ፣“ካብ ዓጋመ ዘይውለድ ኣይጭዋን“ ክብሉ ይስምዑ ነይሮም።

ዘይበትከላ ምድረባሕሪ፣ደግያት ውቤ ዝብሃል ኣረሜን ምስፍን ከኣ ኣብ ትግራይ ተላዕለ። “ኣነ እየ ብዓል ዓቢ ሓይለ ሥልጣን“ ኢሉ ከኣ መንከመይ በለ። ኣብቲ ዘመንቲ ከኣ ትግራይ ብሓያሎ መሳፍንቲ ትግዛእ ነበረት። ደግያት ሱባጋድሥ ምስ ደቁ፣ ደግያት ሓጎስን፣ ሜዳ-ደበብን፣ ደግያት ካሕሳይን፣ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ደግያት ውቤን ራእሲ ማርየን ኮይኖም እዮም ዝገዝኡዋ ዝነበሩ። እዚኦም ድማ ኣብ ነንሓድሕዶም ተዋግኡ። ኣብቲ ኲናት ከኣ ደጊያት ማርየን፣ ደግያት ሓጎስን ክሞቱ ከለው፣ ደግያት ሱባጋድሥ ድማ ተማረኸ።

ደግያት ውቤ ዝብሃል ኣራዊት መስፍን ትግራይ ካብ 1830 ክሳብ 1855 ዓ.ም.ፈ. 

ድሕሪ ስዕረት መሳፍንቲ ትግራይ፣ ኣረሜን ደግያት ውቤ ንምልእቲ ትግራይ ተቖጻጸራ።
ኣብ እዋን እንዳ ሱባጋድስ መሳፍንቲ ትግራይ ሓሓሊፎም ድኣ ንመሬት ኣከለጉዛይ እንዳ ወረሩ ዘዘሚቶም ይምለሱ ነበሩ እምበር፣ ንመላእ መሬት ምድረባሕሪ ክቆጻጸሩ ኣይከኣሉን። ጽሑፍቶ ህዝቢ ምድረ ባሕሪ ኮይኑ ከኣ፣ “ኣብ ርእሲ ሓናትስ ጽግዕ” ከምዝብሃል፣ህዝቢ ምድረ ባሕሪ፣ መዋእል ሽፍታ ሚካኤል ስሑል ኣሕሊፈ ኢሉ እፎይ ክብል ምስ ጀመረ፣ ድሕሪ ሞት ብላታ ሚካኤል ስሑል፣ ደግያት ውቤ ዝብሃል ኣራዊት መስፍን ትግራይ ተቐልቀለ።

እዚ ኣራዊት እዚ ድማ ንህዝቢ ምድረባሕሪ ካብ 1830 ክሳብ 1855 ዓ.ም.ፈ. ብባርባራዊ መግዛእቲ ቅሳነት ከልኦ። እዚ ኣራዊት ደግያት ውቤ እዚ ድማ ብዙሕ ግፍዕታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምድረ ባሕሪ ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ብንጉስ ቴድሮስ ክልተ ኣዒንቱ ብመስፈ ነቚሩ ተቐንጸለ። በዚ ከኣ መዋእል ደግያት ውቤ ኣብቅዐ። ትግራይ ድማ ብድሕሪ ሞት ደግያት ውቤ ኣብ ኢድ ብዙሓት ሸፋቱ ወደቐት። ሩፊሎ ፐርኒ፣ ቪቶርዮ ሮንካሊ፣ትርጉም መረብ ምላሽ ኣብ ገጽ 80 ተወከሱ።

 

ክቕጽል እዩ…..

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ

18.የካቲት 2018 ዓ.ም.ፈ