Reveals the secrets of Washignton D.C.

ብ Anthony T. Browder

ግድነት ክስማዕን ክርኣይን ዘለዎ ቪድዮ። እቶም ኣብ ቫቲካንን ዋሽንግቶንን፣ ሎንደንን ሮማን፣ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ተተኺሎም ዘለው ሓውልታት፣ ካብ ግብጺ ዝተዘምቱ እዮም። እቲ ምልክት ብዙሓት ሃገራት ኤውሮጳን ኣሜሪካን ድማ፣ ምልክት ኣውሳር ዝተባህለ ንጉስ ግብጺ እዩ ዝነበረ። እቲ ስርቅን ፍግርን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኣመል ኤውሮጳውያን፣ (ደቂ ከነኣንን ደቂ ያፌትን) ስለዝኾነ፣ ንመረዳእታ ኣብ 1868 ዓ.ም.ፈ. እንግሊዛውያን፣ ንኢትዮጵያ ክወርዋ ከለው ርኡይ ሽፍነትን፣ ውረራን እዩ ዝነበረ። እቲ ዘስደምም ጉዳይ ድማ፣ ብዕሎም ኮነ ኢሎም ንኽስልዩ ንኢትዮጵያ ዝሰደድዎም 4 ሰለይቲ፣ ሃጸይ ቴድሮስ ምስ እሰሮም፣ ነርባዕተ ሰለይቲ እሱራቶም ንኸድሕኑ፣ንሃጸይ  ንሃጸይ ቴድሮስ ኣጥቂዖም፣ ማእለያ ዘይብሉ ክቡር መለለዩ መንነትን ባህልን፣ 72 ቅዱሳት መጻሕፍቲ ኢትዮጵያ ዘሚቶም፣ ንስኮትላንድን ለንደንን ኣግዒዞሞ። እቶም መጻሕፍቲ ክሳብ ሎሚ ኣብ ሙዝየም ኤዱንቡርግንንለደንን ክሳብ ሎሚ ኣለው። እቲ ምስጢራት ድማ ተርግጒሞም ዘሚቶሞ።ማፍያ ኮሎንያል ጣልያን ድማ ጥንታዊን መለለዪ መንነት ደቂ ኣግኣዝያን ዝኾኑ ሓውልታ ኣኽሱም መንቊሶም ንሮማ ኣግዒዞሞም። ጠንቋሊ ኣባል ፍሪሜሶን ሃይለስላሴ ግና፣ ንብረት ኢትዮጵያ ምለሱዎ ኢሉ ንጎይተቱ መንግስቲ እንግሊዝን ጣልያንን ከመልክት ኣይደለየን። መኽንያቱ ድማ ዕሱብ ጽዮናውያን ስለዝኾነ። ኣብ ግዝየ መንግስቲ ህውሓት ግና፣ ገለ ብኮሎንያል ጣልያን ተዘሚቶም ዝነበሩ ሓውልታት ኣኽሱም፣ ካብ ሃገር ጣልያን ከምዝተመልሱ ተሓቢሩ ነይሩ። እቲ ማፍያ ኮሎንያል ጣልያን ዝዘመቱዎ ኩሉ ድዩ ወይስ ፍርቁ ተመሊሱ ግና ዝተረኽበ ሓበሬታ ክሳብ ሎሚ የልቦን የልቦምን።