ስዉር ገበናት ህግደፍን “ቢግ ብራዘር” ንብረት ጽዮናውያን፣ኢሰያስ ኣፈወርቅን ፣ (ነጋዶ ፍቐረን ሳምሶንን)

5ይ ክፋል ክቡራት ተኸታተልቲ! ድሕሪ ማህረምቲ ኮሎኔል ስምኦን ገብረድንግል ናብ ኩሎም አካላት መንግስትን ግንባርን ብዝወረደ ህጹጽ መምርሒ፡ ብጥቆማ ኣማሓዳሪ ን/ዞባ ዓረዛ መሓመድ ሓምድን ኣዛዚ ክ/ሰ 31 ኮ/ል ክብሮም ዳኘው (ወዲ ኣቸቶ)ን ኣብ ደብሪ ኣብነ መርቆርዩስ ከም ዝተረኸበ፡ ድሕሪ ገለ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ነጋዳይ ሳምሶን ገረዝጊሄር (ወዲ ቀሺ) ብዕለት 19.10.2007 ካብ ኣባላት ክ/ሰ 31 ብዝተተኮሰ ጥይት...

ህዝቢ ክፈልጦ ዘለዎ ሕብእ ምስጢር ህግደፍ

ካብ ሳክትዝም ዝትቐድሐ ምስጢራዊ ሰነድ (ነጋዶ ፍቐረን ሳምሶንን) 4ይ ክፋል ኣብ ሳልሳይ ክፋል፡ ተደጕሉ ዝጸንሐ ምፍሕፋሓት ላዕለዎት ሓለፍቲ፡ ብሰንኪ ሞት ፍትው መንእሰይ ፍቕረ ዓንደማርያም ተሳቢቡ ኣብ ጠርዚ ኣብ ዝበጸሓሉ እዋን፡ ሃንደበት ብቀዳም ዕለት 13.10.2007 ሰዓት 7፡00 ምሸት ድሕሪ ጥዕናዊ ስፖርት፡ ሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ ኮ/ል ስምኦን ገብረድንግል ኣብ ከባቢ ባር ኣኪላ ኣብ ጥቓ መንበሪ ገዛ ኣብ መኪና...

ዘይወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ቦኽርኣ ትጽሕጽሕ! ማእከላይ ስለላ መርበብን ጸረስለላን ህግደፍ ልኡኻት ሳጥናኤል ትፈልጡዎምዶ?

ዘይወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ቦኽርኣ ትጽሕጽ! ዝኸበርኩም ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት! ኣብዚ በጺሕናዮ ዘሎና መድረኽ፣ እቲ ሕቡእ ምስጢራት እንዳ ህግደፍ ዳርጋ ደፋእ እንዳበለ ክቕላዕ ንርእዮ ኣሎና። መኽንያቱ ድማ ንሓቂ እንተድኣ ብርእሳ ቀቢርካያ ብኣግራ ከኣ ከምትወጽእሲ ባህርያዊ ስለዝኾነ። እወ! መስጣ እቲ ከም ውሕጅ ዝፈስሰ ደም ንጹሃት ጀጋኑ ኤርትራን፣ መስጣ እቲ ራእዪኡ ዝተጠልመ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ድኣ...

መንነትን መበቆልን ህዝቢ ኣገኣዝያን

ጥንታዊ ባህልን ኣፈታሪኽን ደቂ ኣገእዝያን ከምዝሕብሮ፤ ብግምት ኣስታት ካብ ሓደ ሽሕ ዓመታት ንላዕሊ ቅ.ል.ክ. ኣቢሉ ይኸውን፣ ኣግኣዝያን ዝተባህሉ ስማውያን ህዝብታት፣ካብ ከባቢ የመንን ጆርዳንን ኢራቕን ተበጊሶም፣ብቀዪሕ ባሕሪ ኣቋሪጾምን ፈለግ ኒል ተኸቲሎምን፣ንወገን ከበሳ ክሳብ ፈለግ ተክዘ፣ኣብዚ ሎሚ ኤርትራን ትግራይን ዝብሃል ዘሎ ቦታ ተሃዘቡ። ካብኡ ከኣ ንወሎን በጌምድርን ጎጃምን ሰሜናዊ ሸዋን ተስፋኽፍሑ።...