ኣምባሳደር ሀርማን ኮሀን እንታይ እዮም ዝብሉ ዘለው? ካብ ብዓል ጣፍስ ብዓል ኣፍ። እቲ ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ 1947 ዓ.ም.ፈ. ካብ ኣምባሳደር ፎርስተር ዱለስ ጀምሩ ድኣ ኣብ ኢድ መንግስቲ ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ከይከውን ዘሎ? እስከ መጻሕፍተ ታሪኽ ብምግንጻል ነቲ ታሪኽ ክንፈልጦ ንፈትን

ብምኽንያት መገሻ ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣሜሪካ ረክስ ተለርሰን ኣብ ኣፍሪቃ፡ ንድምጺ ኣሜሪካ ዝተዛረቡ ኣብ ግዜ ቀዳማይ ጆርጅ ቡሽ ሓላፊ ጉዳይ ኣፍሪቃ ዝነበሩ ኣምባሳደር ሀርማን ኮሀን፡ ኩባንያታት ኣሜሪካ ኣብ ኤርትራ ኢንቨስትመንት ክገብራ ከምዝኽእላን፡ ኤርትራ ኣብ ስትራተጂካዊ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ብምህላዋ፡ ንሃገራዊ ጸጥታ ኣሜሪካን ኤርትራ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
እስከ ነዚ ኣብ ታሕቲ ቀሪቡ ዘለ፣ቃለምሕታት ፍሉይን  ገዲምን ኣምባሳደርን መንግስቲ ሕቡራት ኣሜሪካ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ከምኡውን ምክትል ሰክሬታሪ ኦፍ ስቴት ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሄርማን ጀ. ኮሀን፣ እንታይ ከም ምዃኑ ስትራተጂካዊ ዓላማኡ ንከታተሎ።

ብ1991 ዓ.ም.ፈ.ገርሀኛ ህዝብን ተጋዳላይን አርትራ፣ ኣብ ከተማታት ኤርትራ፣ ነጻነት ይኣይ ተረኺባ ኢሉ፣ ክጭፍር ከሎ፣ ኣብ ለንደን ግና ብዘይ ድልየት ህዝብን ሰራዊትን ዝተኻየደ ስዉር ኣጀንዳ፣ ግን ከኣ ንሃገር ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ፣ ኣኼባ ለንደን በዞም ስእሎም ኣብ ላዕሊ ትርእዩዎም ዘሎኹም ውዲታውያን ቶኳሉ ይካየድ ነይሩ።

ነቲ ብCode ፕሮጀክት “ተኽሊ” ወይ “Nurcery” ዝፍለጥ፣
sourc: http://www.ehrea.org/DIA%20Kagnew%20CIA%20Connection.pdf

ግንከኣ ብሰላሊ ኣሜሪካ ኢሰያስ ዝምራሕ ዝነበረ ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ.፣ ተዓዊቱ ነስመራ ክኣቱ ከሎ፣ ብወርሒ ግንቦት 1991 ዓ.ም.ፈ. ድማ፣ ብትእዛዝ መንግስቲ ኣሜሪካን እንግሊዝን፣ ብረቂቕ ውዲት ተኣሊሙ ዝተሓንጸጸ፣ ታሪኻዊ መደብ ዕዮ፣ ኣብ ግብሪ ንምትግባር፣ ብሄርማን ኮሀንብን ብሓደ ኣባል ስለላ መርበብ ኤም.ኣይ.6ን፣ ዝምራሕ ሕቡእ እጀንዳ ዝነበሮ ኮንፈረንስ ፣ ዕሱባት ኢሰያስ ኣፈወርቅን ሒዳሪናይ መለስ ዜናዊንን ተኵኻፊሎሞን፣ ነቲ ምስጢራዊ ውዕል ድማ ውዕል ኣትዮምሉ። እዚ ኮንፈረንስ እዚ ግና ካብ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሕቡእ እዩ። ትርጉሙ ግና ሎሚ ድሕሪ 28 ዓመታት ይግሃድ እሎ።
Interview with Ambassador Herman J. Cohen, former Assistant Secretary of State for African Affairs
መንዩ ኣምባሳደር ሄርማን ጀ. ኮሀን? ካብ 1968 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ 2018 ዓ.ም.ፈ. ማለት ንኣስታት  50 ዓመታት ንመንግስቲ ኣሜሪካ ወኪሉ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ንስትራተጂካዊ ረብሓ መንግስቲ ኣሜሪካ  ዘገልገለ ምኩር ኣባል ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ ሀርማን ጀ. ኮሀን እዩ።

  • ላዕለዋይ ኣማኻሪ ዓለምለኻዊ ምትሕንፋጽ ኣፍሪቃ ካብ 1993 ክሳብ 1998 ዓ.ም.ፈ.

    Senior Advisor, Global Coalition for Africa (1993-1998)

  • ምክትል ሰክረታሪ ሃገራዊ ጉዳይ ኣሜሪካ፣ ኣብ ፍሉይ ጉዳይ ኣፍሪቃ ካብ 1989 ክሳብ 1989 ዓ.ም.ፈ.

    Assistant Secretary of State for Africa (1989-1993)

  • ፍሉይ ሓጋዚ ንፕረሲደንትታት ኣፍሪቃን፣ ልዑል ዳይረክቶር ኣብ ጸጥታዊ ጉዳይ ኣፍሪቃን Special Assistant to the President and Senior Director for Africa, National Security Council (1987-1989)

  • ቀንዲ ልዑል ምክትል ሰክረታሪ ስለላዊ መርበብን ምርምርን ሃገራት ኣፍሪቃ ፣ ካብ 1980 ክሳብ 1984 ዓ.ም.ፈ. Principal Deputy Assistant Secretary of State for Intelligence and Research (1980-1984)

  • ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ጋምብያን ሰኔጋልን ካብ 1977 ክሳብ 1980 ዓ.ም.ፈ.

  • U.S. Ambassador to Senegal, Gambia (1977-1980)

  • ዳይረክተር ኣብ ጉዳያት ማእከላይ ኣፍሪቃ ካብ 1969 ክሳብ 1974 ዕ.ም.ፈ.

    Director for Central African Affairs (Department of State) (1969-1974)

  • ዋና ሓላፊ ምስዮን  ኣብ ኪንሳሻ ዲሞክራስያዊት ረፓብሊክ ኮንጎ.ካብ 1968 ክሳብ 1969 ዓ.ም.ፈ. Chief of Mission, Kinshasa, Democratic Republic of the Congo (1968-1969)

    ኣስተብህል፣ ኣምባሳደር ሐርማን ጀ. ኮሀን ብ1991 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ከተማ ለንደን ምስ ኢሰያስ ኣፈወርቅን መለስ ዜናዊን ዝተውዓዓሎ ስዉር ውዕል፣ ክሳብ ሕጂ እንዳ ተተግበረ ይኸይድ ኣሎ። ኣብዚ እዋንዚ በብእዋኑ ሓላዪ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኮይኑ፣ብፍላይ ሓንሳብ ኣብ ዶባዊ ጉዳይ ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ሓንሳብ ኣብ መንጎ ህግደፍን ወያኔን ዘሎ ፍልልያት እንዳምጽአ፣ኣብ ሜድያታት ሓላዪ ኮይኑ ክቐርብ ይርአ እዩ። እቲ ሓቂ ግና ጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመሰረቱ ኣብ ኢድ መንግስቲ ኣሜሪካን፣ ዓባይ ብሪጣንያን፣ እስራኤል ድኣንበር፣ ኣብ ኢድ ወያኔን ህግደፍን ከምዘይኮነ፣ ነቶም ብዛዕባ ስትራተጂካዊ ዓላማ ምዕራባውያን፣ ብፍላይ እኳድኣ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝከታተሉ ክኢላታት፣እቲ ሓቂ በሪሁ እዩ ዝርኣዮም።

  • ጽዮናውያን፣ነቲ ዋና ዘይብሉ መስኪን ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ነዞም ክናናን ምናናን ህግደፍን ወያኔን ኣዋፊሮም፣ ብገረብ ብሓኽላ ገሮም  ጸላኢኡ ንኸይፈልጥ የደንቁሩዎ ኣለው። እዚ ፈሪሃ እግዚ-ኣቢሔር ዘለዎ ገርሀኛ ህዝቢ እዚ ክልዓል ከሎ ግና፣እዞም ወረበላ ዝኾኑ ናውቲ ጽዮናውያን ህግደፍን ወያኔን፣ ረሳሕ ታሪኽ ነቲ ወለዶ ገዲፎምን፣ ነቲ ዝዘመቱዎ ገንዘብ ድማ ከይበልዑዎ  ክዓርቡ ከለውን ብዓይኑ ክርእዮም እዩ።

  • ሄርማን ኮሀን ብፍላይ ካብቲ ንነጻነት ኤርትራን ኢትዮጵይታን ዘበርዓነሉ እዋን፣ ብ1991 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሩ፣ ንህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ሶማልን፣ ብሓፈሻ ንቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ንስትራተጂካዊ ረብሓ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ንኽብል፣ ኣብ ህውከትን ኣብ ባርነትን ንክኣቱ ገልዳሕ ይብል ኣሎ። በብግዜኡ ኣብ ሜድያታት እንዳተቓላቐለ፣ ሓልዪ ህዝቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ተመሲሉ ብስነኣእምራዊ ውዲት ዝተላዕጤጠ ሕሱር ፕርፖጋንዳ ከካይድ ክርአ ከሎ ግና ፣ ነቶም ንውዲት ምዕራባውያን ዝፈልጡ ሰባት ኣዝዩ ዘስደምም እዩ።

  • እቲ ኩሉ ሄርማን ኮሄን ዘተስፉዎ ዘሎ ዘይፍጸም ተስፋታት ግና፣ ንስልጣን ወያኔን ህግደፍን ኣናዊሕካ፣ ኣብ መወዳእታ እቲ ህዝቢታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ጀጋኑኡን ሓርበኛታትን ስኢኑ፣ ኣላሽ ምስበለ፣ ጽዮናውያን ሽዑ ነቲ መሬቱ ንኽዘምቱዎን ክቆጻጸሩዎ ጥራይ እዩ። ስለዚ እዚ ሰብዚ፣ ኣብ ጉዳይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንኣስታት 50 ዓመታት ዝኣክል ዝቃለስ ዘሎ፣ ወኪል ስቴት ዲፓርትሜንት መንግስቲ ኣሜሪካ ኮይኑ፣ ንስትራተጂካዊ ረብሓ ሃጸያውያን ለይትን መዓልትን ዝሰርሕ ዘሎ እዩ። ሄርማን ኮሀን ንረብሓ ህዝብታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ይሓስብ aዩ ዝብል ሰብ እንተልዩ ግና፣ ዓሻ ጥራይ እዩ።

ሓበሬታ Q: What were the U.S.’s objectives in trying to stabilize Ethiopia, Eritrea, Mozambique and the other countries facing political turmoil?
“ኤርትራ መላኺ ስርዓት ኣለዋ። ፕረዚደንት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣብ ቻይና`ዩ ሰልጢኑ። ብእኡ ሞደል`ዩ ዝመርሕ። ግን ኤርትራ ብተዛማዲ ጽቡቕ ትኸይድ ዘላ ትመስል-ንኣብነት ንኢትዮጵያ ሓገዝ መግቢ ክንህብ ኸለና ንኤርትራ ሓገዝ መግቢ ኣይሃብናያን። ማይን ካልእን ኣለዎም። ዝሓሸ ውዳበታት ድማ ኣለዎም። ናይ ወጻኢ ኢንቨስትመንት`ውን ይመጾም ኣሎ” ኢሎም።

ርእይቶና፤ እንተዘይደፍኣንስ ኣይምጸደፍኩን፣ ከምዝብሃል፣ እሞ ብሓቂ ድያ መንግስቲ ኣሜሪካ ብህዝቢ ኤርትራ ትሕለቕ ዘላ ወይስ፣ ንህዝቢ ንምህማል እዩ። ኢሰያስ ድኣ ንብረት ኣሜሪካ፣ ኤርትራ ድማ ትካል ኣሜሪካ ድኣ ከይትኸውን። እቲ ቃልሲ ኤርትራ ዝብሃል ድማ፣ ብስለላ መርበብ መንግስቲ ድኣ ዝዝወር ዝነበረ ከይከው?

ኤርትራን ኢትዮጵያም ኣብ`ቲ ንቡር ዕዳጋ እንተተመሊሶም፡ ዝሓሸ ከምዝኸውን`ውን ተዛሪቦም። ሀርማን ኮሀን፡ ብዛዕባ ኣብ ምውዳቕ ደርግ ዝነበረ ኩነታትን ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ነበር መለስ ዜናዊን ፕረዚደንት ኢሳያስን ኣብ ወደብ ብሓባር ንምስራሕ ዝተገብረ ስምምዕን፡ ምጅማር ኩናትን ኣልዒሎም`ውን ተዛሪቦም ኣለዉ።

ርእይቶና፤ እዞም ክልተ ውድባት ህ.ግ.ሓ.ኤርትራን ወያኔን ድኣ ብምኽርን ምዕዶን ስለላ መርበብ መንግስቲ ኣሜሪካ ዝምርሑ ከይኮኑ? እቲ ብ1991 ዓ.ም.ፈ. ኣምባሳደር ሄርማን ኮሀንን፣መለስ ዜናውን፣ ኢሰያስ ኣፈወርቅን ዝተኻፈሉዎ፣ ምስጢራዊ ዋዕላ ለንደን፣ኣጀንዳኡ ከመይን እንታይን ከምዝነበረ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ይፈልጦዶ ነይሩ እዩ? ኣብቲ ድሕሪ ነጻነት ዝተገብረ ዶባዊ ኲናት ባዱመከ፣ ኢድ ኣእታውነት መንግስቲ ኣሜሪካ ነይሩዎ ድዩ፣ ወይስ በዞም ክልተ መራሕቲ ህግደፍን ወያኔን ጥራይ እዩ ተወሊዑ? እስከ ነዚስ ጉዳይ እዚ ብምርምርን መጽናዕትን ገርና ንከታተሎሞ፣ ነቲ ውዲታዊ ትሕዝቶኡ መታን ክንፈልጦ።