“ማንኪ” ብፋስ ንማርተሎን ተጨፍጪፉ፡ አምባሲ አርትራ መንኲሱ፡ ኣባላት ህግደፍ እግረይ ኣውጽእኒ ኢሎም ሃዲሞም፡ ሓደ ጥርጡር ኣብ ቀይዲ ኣትዩ፡ ስደተኛታት ኣብ ፈቐዶ ፕያሳታት ሮማ ብሓጎስ ይስዕስዑ፡ ተሓባበርቲ ጣልያን ንስደተኛታት ኣብ ጎድንኹም ኣለና ይብል ትማሊ ረቡዕ ሰዓት 11፡00 ምሸት ኣቢሉ፡ ኣብ ሮማ ኣብ፡ ቪያሞ ንተብሎ ኣብ ዝርከብ፡ “ረስቶራንተ ማሳዋ“ ዝተባህለ ንብረት ህግደፍ ዝኾነ ረስቶራንተ፡ ክልተ መንነቶም ዘይተፈልጡ ሰባት፡ ኣብ ልዕሊ አምባሲ እርትራ ፍስሃጼንን፡ የማነ “ማንኪ“ ተባሂሉ ዝንገረሉ ካልኣዩን ኣብ ረስቶራንተ ተደሪሮም ክወጹ እንከለዉ፡ ከቢድ ጭፍጨፋ ኣካይዶምሎም፡፡

ድሕርቲ ማህረምቲ ካብቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበረታ ከምዝሕብሮ፡ እዞም ክልተ ሰባት፡ ብሓደ ጎኑ ማሳ ብካልኣይ ጫፉ ፋስ ብልሒ ዘለዎ ማርተሎ ሒዞም፡ ንየማነ ማንኪ ደጋጊሞም ኣብ ርእሱን ካሳዱን,, ክንቀትለ ካኢና፡ ድሕሪ ሕጂ ደምኩም እምበር ደም ህዝቢ ኣይፈስስን እዩ “እናበሉ ኣብ ርእሱ ንክሳዱን ጨፍጪፎምዎ፡፡ እቲ መውቃዕቲ ብርቱዕን ተደጋጋምን ብምንባሩ ድማ፡ ሽዑ ንሽዑ ኣብ ማርሻፐዲ ወዲቑ፡፡

ኢምባሲ ሃገረ ኤርትራ ፍስሃጼን፡ ዋላኳ ዘራይ እንተ ኣተወ፡ ኣብቲ ፈንጠርጠር ኢዱ ተሰይሩን ሞንኲሱን እምበር፡ እቶም ሰባት ኣብኡ ዘተኮሩ ኣይ መስሉን፡፡ እቶም ሰባት ድሕርቲ መጥቃዕቲ ንፕያሳ ኢንደፐንደንሳ ገጾም ብምኻድ፡ ቀልጢፎም ተሰዊሮም፡፡ ኣብቲ ረስቶራንተ ዝነበሩ ኣባላት ህግደፍ፡ ነቲ ዋዕ ዋዕ ሰሚዖም ደገ ምስወጹ፡ ኣብ ክንዲ ምዝራይ ወይ ኣምቡላንስ ምጽዋዕ፡ እግረይ ኣውጽእኒ እናበሉ፡ በኣንጻር መንገዲ መንደቕ መንደቕ ተጸጊዖም፡ ኣብ ኦፊቾ ፊናንሳ ኣቢሎም ንግልብጥሽ ሃቲፎም ተሰዊሮም፡፡

ፖሊስ ሮማ፡ ብዝገበርዎ ምክትታል፡ እቲ መርመራ ቀጻሊ ኮይኑ፡ ንሓደ ኤርትራዊ ብጥርጠራ ሒዞም ኣብ ቀይዲ ኣእትዮምዎ ከምዘለው ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ልዕሊ ኢምባሲ ሓዳስ ኤርትራ ፍስሃጺን ዝወረደ መጥቃዕቲ፡ መስበርቲን ኢድን ምልሕጻጽን ኮይኑ፡ ማህረምቲ ማንኪ ግን፡ ንህይወት ዘስግእ ከቢድ መውቃዕቲ እዩ፡፡ ኣብ ኦስፐዳለ ሮማ ህጹጽ ረድኤት ክግበረሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ንጽብሒቲ ሓሙስ ኣብ ዘይተፈልጠ ሆስፒታል ኣብ ንሚላኖ ተወሲዱ፡፡

ብካልእ ሸነኽ ዝመጸ፡ ገና ክጻረ ዝግብኦ ሓበረታ ድማ፡ ዶክተር ሃይለ ምሕጹን ብህጹጽ ካብ ኣስመራ ንዓዲ ጣልያን ኩነታት ማንኪ ንምክትታል መጺኡ እሎ። ማንኪ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ሮማ ንተደናገጽቲ ህግደፍ ኣኼባ ከምዘካየደ ዝዝከር ኮይኑ፡ ንቐዳም ዕለት 09.07. ድማ ኣብ ጀርመን ኣብጊሰን ኣብ ዝካየድ ኣኼባ ተረኺቡ፡ ንኣባላት ህግደፍ መግለጺ ክህብ መደብ ከምዝነበሮ ይፍለጥ፡፡ ኣብቲ ኣብ ጀርመን ዝግበር ኣኼባ መጺኡ መግለጺ ክህብ ዝመደቦ መደብ ግና፣ ዘይተጸበዮ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ስለዝወረዶ ኣይተረኽበን ብፍጹም ድማ ኣይተራእየን፡፡

ተደናገጽቲ ህግደፍ ዝኾና መርበብ ሓበረታታት ከምኒ ማዶት ዝበሃላ ግና፡ ነዚ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፡ “ብኢትዮጵያ ዝተኸፍሉ ተቓወምቲ ዘካየድዎ እዩ ነይሩ“ ክብላ ኮኒነንኦ ኣለዋ፡፡

ኣብ ልዕሊ ማንኪ ዝወረደ ሃንደበታዊ ጭፍጨፋ ኣብ ከተም ሮማ ኢጣልያ ምስ ተሰምዐ ግና፡ ኩሎም ካብ ሊብያ ዝመጹ ኣብ ፈቐዶ ቢንቶን፡ መዕረፍ ኣውቶቡስን፡ ገዛውቲ ዝሓዘ = ሓዘ (ካዛ ኦኩፓታ) ተድርብዮም ዝነብሩ ኣሽሓት አርትራውያን፡ ብታሕጓስ ጓይላን ሳዕሳዒትን ይገብሩ ኣለዉ፡፡

ደርፍታት ወዲ ትኹል እናደረፉ ድማ “ንዓና ዝበልዎ ኣብኣቶም ተጠውዩ፡ ህግደፍ ተደሰቑ፡ ሕቖኦም ተጎዘዩ፡ ዓለም ረኣየቶም ተጠሊዖም ከእውዩ፡ ብዓል ዓንበርበራ፡ ገና ክኾኑ እዮም ድራር ኣሞራ“ እናበሉ ፈቐድኡ ክደርፉ ይስምዑ፡፡ ኣብ ኢጣልያ ዝርከባ ኩነታት ኤርትራ ዝከታተላ ማሕበራትን፡ ውልቀ ሰባትን፡ ኣብ ልዕሊ ማንኪን ፍስሃጼንን ዝተወስደ ስጉምቲ “ደም ንጹሃት ኣብ አርትራ ምፍሳስ ንከቋርጽ ዝተወስደ መኸተ እዩ“፡ ክብላ ይስምዓ፡፡

ካብኡ ሓሊፉ ድማ፡ “ሕጂን ኣብ መጻኢ ግዜን፣ ነዞም ሰባት እዚኦም ጠበቓ እውጺእና ክንጣበቐ ሎምን፡ ገንዘባዊ ሓገዝ ክንገብር ከኣ ድሉዋት ኢና“፡ ይብላ ኣለዋ፡፡

ንማንኪ ንምህራም ዝተጠቕሙለን ማሳን ፋስን ብልሒ ዘለወን ክልተ ማርተሎታት