ዘይወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ቦኽርኣ ትጽሕጽሕ! ማእከላይ ስለላ መርበብን ጸረስለላን ህግደፍ ልኡኻት ሳጥናኤል ትፈልጡዎምዶ?

ዘይወግሕ መሲሉዋስ ኣብ ቦኽርኣ ትጽሕጽ! ዝኸበርኩም ተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት! ኣብዚ በጺሕናዮ ዘሎና መድረኽ፣ እቲ ሕቡእ ምስጢራት እንዳ ህግደፍ ዳርጋ ደፋእ እንዳበለ ክቕላዕ ንርእዮ ኣሎና። መኽንያቱ ድማ ንሓቂ እንተድኣ ብርእሳ ቀቢርካያ ብኣግራ ከኣ ከምትወጽእሲ ባህርያዊ ስለዝኾነ። እወ! መስጣ እቲ ከም ውሕጅ ዝፈስሰ ደም ንጹሃት ጀጋኑ ኤርትራን፣ መስጣ እቲ ራእዪኡ ዝተጠልመ መላእ ህዝቢ ኤርትራን ድኣ...