ቅድሚ ነገስታት ኣብርሃን እጽብሃን፣ (ኤዛናን ሴዛናን) እምነት ምድረ ሓበሣ እንታይ ነይሩ?

እቶም  ኣብርሃን እጽብሃን፣ (ኤዛናን ሴዛናን) ዝብሃሉ ነገስታት እኽሱም፣ መበቆሎም ካበይ እዩ? ኦሪታዊ ሃይማኖትዶ ይቕድምከ ወይስ ክርስትና?

“ፈላጥ ዝብሃል ከምዘይፈልጥ እንተድኣ ፈሊጡ እዩ”።
በለ ሶክራቶስ

ንግስነት ኤዛናን ሴዛናን ኣብ ከተማ ኣኽሱም፣ ካብ 333 ክሳብ 356 ዓመተ ዓለም ድ.ል.ክ እዩ ዝነበረ።  ቅድሚ ንግስነት ኤዛናን ሴዛናን ግና፣ ኣብ መላእ ምድረ-ባሕርን: ኢዮጵያን ኦሪታዊ እምነት እዩ ዝነበረ። ክርስትና ብግሪኻውያን ብኣኽሱም ኣቢሉ ምስተኣታተወ ግና፣ እቲ ቅዱስ ዝነበረ ኦሪታው እምነት ምድረ ሓበሣ፣ ወይ  ምድረ ባሕሪ ረኺሱን ሓሲሩን እዩ።

መኽንያቱ ድማ ካብ ክርስትና ሃይማኖት ዝገደደ፣ ምስልምና ሃይማኖት ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ብባርባራዊ ዝኾነ ጭካኔ ወሪሩ፣ ነቲ መዘና ዘይብሉ ቅዱስ እምነትን፣ መጻሕፍትን፣ ቅዱሳን ገዳማትን ኣቃጺሉን ካህናትን ጳትርያርክታትን ቀንጺሉ። እዚ ከይ ኣክል ድማ፣ ኣብ ርእሲ ሓናትስ ጽግዕ ከምዝብሃል፣እቲ ክርስትና ሃይማኖት ዝብሃል ከኣ ብወገኑ  ንኦሪታዊ እምነት ምርካስ ጥራይ ከይኣኽሎ፣ ብስም ክርስቶስ እንዳነገደ ኣብ ብሓት ጨናፍር ተፋናጭሉ። ክሳብ 13 ክፍለዘመን ሓደ ኦሪታዊ ሃይማኖት ኦርቶዶክስ እዩ ዝነበረ። ካብ 13 ክፍለዘመን ንድሕር ግና ካቶሊክ ዝብሃል ሓዲሽ ሃይማኖት ካብ ኦርቶዶክስ ተፈንጪሉ። ብ15 ክፍለዘመን ድማ ከኒሻ ዝብሃል ብሉተርን ብስዊደንውያንን ተሰናኒዑ ብፍሑፍሑኽ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ልሒሙ። ካብኡ ቀጺሎም ድማ ኣብ 19 ክፍለ ዘመን በብዓይነቶም፣ ብስም ክርስቶስ ዝንግዱ፣ ከም “የሄዋ መሰኻኽር” ዝብሃሉ፣ “ጰንጠቆስጠ”ፔንታጎን፣ ዝብሃሉ ካብ ሃይማኖት ከኒሻ እንዳተጨጭሑ፣ ብኣማኢት ዝቚጸሩ ተፋርዮም።

“በትሪ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን”፣ ከምዝብሃል፣ ነዛ ኣብ ታሕቲ ተዘርጊሓ ዘላ ብመእምር በዅረጽዮን ዝቐረበት ቪድዮ፣ ምስታ ኣብ ላዕሊ ተዘርጊሓ ዘላ ቪድዮ ኣዋዳዲርና እንተድኣ ተኻታቲልናየን፣ ብፍላይ ነቲ ቅዱስን ወይከኣ ክስተት ምእማረ ዓለም ዝብሃል ፊደል “ተ” መሰረት መስቀል ምዃኑን

ኣዝዩ ዓሚቕ ምስጢራዊን፣ ረቂቕ ትሕዝቶን ዘለዎ በኽሪ ፊደል ከምዝኾነ ክንግንዘብ ክንክእል ኢና።

መጻሕፍተ ታሪኽ ከምዝሕብሩዎ፣ “ኤዛና”ን “ሴዛና”ን ግሪኻውያን እዮም ዝነበሩ። እቲ ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ባጤራ ገንዘብ ድማ ከምዚ ይመስል ነበረ።

 ሐደ እዋን ኣብ መርከብ ተጻዒኖም ክጉዓዙ ከለዉ ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ተጕዓዝቲ ክትጥሕሉ ከለው፣ እዞም ክልተ ህጻናት ግና ዲሒኖም ተረኺቦም። ካብኡ በቲ ቦታታት ዝጉዓዝ ዝነበረ፣ ኣባ ሰላማ (ፍረሚናጦስ) ዝብሃል ኣማኒ ክርስትና፣ ነዞም ህጻናት ሒዙ ኣብቲ ሽዑ እዋን ኣዝዩ ሓያል ዝነበረ ንጉስ  ኦዛናስ (Ousanas) ዝተባህለ ቅድሚ ንጉስ  ኣልኣሚዳ (King Alla Amidas) ዝነበረ ንጉስ ኣኽሱም፣ ብሓደራ ንኸዕብዮም ኣረኪቡ ተላበዎ።

ቅድሚ 4 ሽሕ ቅ.ል.ክ. እቲ ቀንዲ ምዕባሌ ካብ መላእ ዓለም ንግስነት ምድረባሕሪ ወይ ኣኽሱምን ኣዱሊስን እዩ ዝነበረ።

ጥንታዊ ንግስነት ኣኽሱም ከምዚ  ካርታዚ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ንግስነት እኽሱም ልዑል ዝነበረሉ መዋእል፣ እተን ዓበይቲ ተጻባእቲ ንግስነት እኽሱም ዝነበራ፣ ግሪኽን፣ ኢራንን ሮማውያንን ድሓር ከኣ ባርባራውያን ኣስላም እዮም ዝነበሩ። እቶም ባርባራውያን ተጻባቲ ንግስነት ኣኽሱም ዝነበሩ መንግስታት እምብኣር፣ ካብ 300 ቅድመ ልደተ ክርስቶስ ጀሚሮም፣ ክሳብ 7ይ ክፍለ ዘመን ድሕሪ ልደተ ክርስቶስ ዝነበሩ፣ ኣዕራብን ግሪኻውያንን ሮማውያንን፣ ጸኒሖም ድማ ቱርካውያያንን እዮም ዝነበሩ።

ኣብቲ ዘመንቲ ህዝቢ ምድረ ባሕሪ  እምነቶም ኣብ ዝጭበጥን  ረቂቕን ዝኾነ ኦሪታዊ እምነት እዩ ዝነበረ። ቅድሚ ክርስትና ሃይማኖት መስመያ ወይ ምልክት እምነቶም ከኣ መስቀል ወይ ፊደል “ወይከኣ ቶ” እዩ ዝነበረ። እቲ ኣውራ ዘብዕሉዎ ዝነበሩ ክቡር ብዓሎም ድማ “በዓል መስቀል” ነበረ።


ጥንታዊት መፍትሕ ነገስታት እኽሱምን ፈርዖናውያን ግብጽን ሱዳንን፣ ፊደል “ቶ”  እያ ትመስል ነይራ።

ምልክት ኦሪታዊ እምነት ህዝበ ሓበሣ እምብኣር፣ መስቀል ኮይና፣ ኣብቲ መሰረታዊ ዝኾነ ኣምር  ፊደል ተ ዝተሰረተት ኣዝዩ ረቂቕ ምሢራዊ ትሕዝቶን ትርጉምን ዘለዋ መስመያ
 “  መ ስ ቀ ል እያ።Image result for Original Cros of Orthodox Church Ethiopia

Image result for Lalibela Churchብቲ ካብ ከውሒ ተጸሪቡ ዝተሃንጸ ቤት መቕደስ ላሊበላ፣ ኣብቲ መሳኹቱ ፊደል ተ ወይ መስቀል ኣሎ። እዚ ህንጻዚ ክስራሕ ከሎ ግና ክርስቶስ ኣይተወልደን።

ድሕሪኡ እቶም ክርስትና ዘተኣታተው፣ ግሪኻውያንን፣ ውዲታውያን ይሁዳውያንን፣ ክርስቶስ ዝተሰቕለሉ “መስቀል”  እዚ እዩ ኢሎም ሰኒዖም ምሂዞም። ነቲ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝነበረ ጥንታዊ ምዕባሌን እምነትን ደምሲሶም፣ ንህዝቢ ዓለም “እዚ እዩ እቲ ቅኑዕ መስቀል ክርስቶስ” ኢሎም ብውዲት ኣስዲዖሞ።

ስለምንታይ ግና መራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊክ፣ነታ መስቀል ቁልቁል ኣፋ ደፊኦማ።

ንመረዳእታ፣

ክቡራትን ክቡራንን ተኻታተልት፣ ኣብታ ቆብዕ ጳጳስ ለጊባ ዘላ መስቀል እሞ ኣስተብሁሉላ፣ ኣብቲ ለቢሱዎ ዘሎ ልብሲ ብወገን ድሕሪት ተለጢፋ ዘሎ መስቀልውን፣ ንቁልቁል እዩ ተደፊኡ ዘሎ።

Papst Paul VI. Foto: KNA

ጥንታዊ ብዓል መስቀል ካብ ቅድሚ 5 ሽሕ ዓመታት ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ ካብ መላእ ዓለም፣ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ኢትዮጵያን ጥራይ ይብዓል ኣሎ። ምስቲ ኩሉ ተጻባእነት ንዕራባውያን፣ ኣብ መላእ ዓለም ጥንታዊ ባህልን፣ እምነትን ዓቂቦም ዘለው ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ጥራይ እዮም። ነዚእም ንምጽናት ግና፣ እቶም ማሕበር ድያብሎስ፣ ብፍላይ እኳድኣ ጽዮናውያንን ቫቲካንን፣ ገረብ ብሓኽላ ዝብል ውዲት ተጠቒሞም በብዓይነቶም ካርታታት እንዳቀያየሩ የረብርብዎ ኣለው።

 ቁኖን ስልማትን ደቂ ኣንስትዮ ምድረ ባሕሪ፣ ኣብ መንነት ዝተሰረተ እዩ።


ደቂ ኣንስትዮ ምድረ ባሕሪ ቁንአንን ስልማተንን ኣብ ስሉስ ኩርናዕን ኣብ መስቀልን ዝተመስረተ እዩ።

መግቢ ህዝቢ ሓበሻ ኣብ ባህልን መሰረተ እምነትን ዝተመስረተ እዩ። ኣዴታት ሕንባሻ ዝብህል መግቢ እንዳ ኣዳለዋን እንዳሓምበሻን


እዚ ሕም-ባሻ ዝብህል  ባህላዊ ዓይነት መግቢ እዩ። ኣዴታትና ሕንባሽ ክሕንብሻ ከለው ብጥንቅቐ ኣብ 8  ስሉስ ኪርናዓትመቓቒለን ይሕንብሻ።  ምልክት መስቀል ድማ እዩ።

እዚ ግዓት ዝብህል  ባህላዊ ዓይነት መግቢ እዩ። ምልክት እሳተ ጎመራ ከኣ እዩ፣

ዋላኳ ጽዮናውያን ይኹኑ ማሕበር ቫቲካን፣ ዋላ ትንፈር በጊዕ እያ ኢሎም፣ ንሓቂ ብሓሶት ንክሽፍኑዋ ደጋጊሞም፣ብዙሕ ሓሶታት እንዳመሃዙ ንህዝቢ ከደንቊሩ ገልዳሕ እንተበሉ፣ ሓቂ ግን ዋላ ብርእሳ እንተ ቀበርካያ ብእግራ ከምትወጽእ ክፈልጡ ኣለዎም።

ስለዚ ከኣ’ዮም ቀዳሞት ኣበዋትና፣ “በትሪ ሓቂስ ትቐጥን እንበር ኣይትስበርን” ኢሎም ዝምስሉ። እዞም ብስም “ሊቃውንትን” “ምሁራትን” “ተመራመርትን” ዝጽውዑ ምዕራባውያን ግና፣ ሕንኽ ከይበሉ መንነቶም ዝኸሓዱ፣ ግንከኣ ግዳይ ደለብቲ ሃብቲ ኮይኖም ብገንዘብ ዝተዓደጉ እዮም። ቀንዲ ወፍሮም፣ነቶ ደም ደቂ ሰባት፣ ዝሰትዩ ጽዮናውያንን መሃንድሳቶም፣ ሓሶትን፣ ስርቅን፣ ዓመጽን፣ ብፍላይ እኳድኣ ብደም ኣፍሪቃውያን፣ ባህርያዊ ጸጋ ኣፍርቃውያንን፣ ገንዘብ ንኽዘምቱ መንግዲ ዝጸርጉ ማፍያ እዮም።

ቀጣን በትሪ መስቀልን

Pharaoh.svg
እዛ ቀጣን በትሪ እዚኣእታ ቅድሚ በትሪ ሙስየ ዝነበረት ጥንታዊት በትሪ እያ። በትሪ ማለት ትርጉሙ ከኣ  ካብ ተረረ፣ ምትራር ተሪር፣ብ ት ሪ  ዝብል ግሳዊ ቃል ዝመጸ ግሲ ኮይኑ፣ ሓ ይ ሊ ማለት እዩ። ካብ 332 ቅ.ል.ክ. ጀሚሩ ግና ግሪኻዊ ባርባራዊ ንጉስ ኣለክሳንደር “ዓቢ” ዝተባህለ፣ ንግብጺ ወሪሩ ምስተቖጻጸረ፣ ነቲ ኩሉ እምነትን ባህልን፣ ታሪኻዊ መዘክርን ኣፍሪቃውያን’ውን ብሓይሊ  ዘሚቱ፣ ነቲ እምነት ኣፍሪቃውያን ድማ ከም ባዕሉ ዝምሃዞ መሲሉ ንህዝቢ ግሪኽን ሮምን ከምዝኣምኑ ገሩ።

በትሪ  =  “ብ ት ሪ” ኣብ ምድረ ባሕሪ

ባህልን ታሪኻዊ ትሕዝቶ ዘለዋን እያ። ኣመጻጽኣ “በትሪ” = ብ ት ሪ ማላት እዩ። ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ዝመጸ እምበር፣ ካብ ባዶ ተበጊሱ ዝመጸ ኣይኮነን። በትሪ = ብ ት ሪ”  መለለዪ እምነትና እዩ።

Image result for moses
በትሪ ሙስየ ኣብ ረቂቕ ጥንቆላ እዩ ዝኣምን ዝነበረ። እቲ ትምህርቲ ድማ ካብ ግብጺ እዩ ተማሂሩዎ።

 ኣብቲ ቀጽሪ ቤት መቕደስ ላሊበል ዝርከቡ በትሪ ዝሓዚ ሓደ ካህን

በትሪን መቖምያን መስቀልን ኣብ የማናይ ሒዙ ዘሎ

Image result for ethiopian priest
ኣብቲ ዓዲ ሓሰብትን፣ ዓዲ ምሃዝትን፣ ዓዲ ውርዙይ ባህልን፣ቅዱስ እምነትን፣ ጅግና ምመንነትን ዝኾነ ኣከባቢ፣ ቀይሕ ባሕሪ ዝነብሩ ፈላሲ፣ ምስ በትሮምን መስቀሎምን።

ሓደ ኣኽሱማዊ ጓሳ በትሪ ካብ ኢዱ ኣይፈልን እይ።

እዚ ኣዅሱማዊ ሰብኣይን 3 ኲርናዕ ተወንዚፉ ምስ በትሩን፣ ብዓልቲ ቤቱ ከኣ ብ3 ኲርናዕ ተላቢስ ከላ ዘርኢ ስእላዊ መለለዪ።

Related imageእታ ሰበይቲን እቲ ሰብኣይን ከመይ ተላቢሶም ወይ ተወንዚፎም ከምዘለዉ እሞ ኣስተብህሉሎም። ልክዕ ሰለስተ ኩርናዕ ወይ መስቀላዊ ኣወናዛዝፋ እዮም ተውንዚፎም ዘለው። እዚ ከኣ እቲ ካብ “ተ”  ወይ ካብ “ሀ”ን  “ለ”ን ወይከኣ ምልክት ማህጸን ኣዳማዊት ኣደ ወይድማ መስቀል እዩ።

ካብ ቅድሚ 595 ቅ.ል.ክ. ጀሚሩ ክሳብ 525 ቅ.ል.ክ. ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ዝምለኽ ዝነበረ መለኮታዊ  ልዑል ኣምላኽ (Horus ሐር) እዛ በትሪ እዚኣ ጥንታዊት በትሪ፣ ቅድሚ ሙስየ ዝነበረት እያ። እዚ ልዑል ኣምላኽ ብቋንቋ ትግሪኛ ሑር ወይ ሐር ወይከኣ ሩሕ = ሕይወት ማለት እዩ ።  ሐር ማለት ሃገር ወይ ገዛኢ ብሐር (እግዚኣብሐር) ማለት እዩ። ብግሪኽኛ ወይ ሮማውያን ወይ እንግሊዝኛ ቋንቋታት ድማ ሖሩስ (HORUS) ይብሃል።

Standing Osiris edit1.svg

 ኣንስተይቲ ኣምላኽ ጥንታዊት ገብጺ ዝነበረት (እይዚስ Isis)

እዚ ኣምላኽዚ ስሙ ሐር  እ ግ ዚ ኣ ብ (ሐ ር) ብምዕራባውያን ድማ ሆሩስ (Horus) ወይከኣ RA ይብሃል። ሐር ወይ ሩሕ ትርጉሙ ብቋንቋ ትግሪኛ = ሕይወት ማለትዩ ። ኣብ ጥንታዊት ግብጺ ኣዝዩ ልሉይ ዝኾነ መለኮታዊ ኣምላኽ ዝነበረ እዩ። ካብ ጥንታዊት ግብጺ ጀሚሩ፣ ክሳብ ንግስነት ሮማውያንን ፖቶሎማውያን፣ ግሪኻውያንን ዘምልኹዎ ዝነበሩ ልዑል ኣምላኽ እዩ። ኣብ የማነይቲ ኢዱ በትሪ ሒዙሎ፣ኣብ ጸጋመይቲ ኢዱ ከኣ ፊደል ” ቶ” ንኹሉ እትፈትሕ “መፍትሕ ሕይወት” ሒዙ ኣሎ። እቲ ክዳኑ ድማ ብወገን ታሕቲ፣ ሰለስተ ኲርናዕ ቅርጺ ዘለዎ ኮይኑ፣ ካብ ፊደል “ለ”  ወይ ማህጸን ኣዳሚት ኣደ ዝተቐድሐ እዩ። ፊደል “ለ” ድማ ምስጢራዊ ትሕዝቶ ትርጉሙ ምዕራባዊ ወይ መእተዊ ማህጸን ኣደ ማለት እዩ።

ሓደ ካብቶም ጥንታውያን ቤት መቕደስ ጥንታዊት ግብጺ

 መእተዊ ወይ ሞባእ  ወይ “ባብ” ቤት መቕደስ ከኣ ምልክት ፊደል “በ” እዩ።  ፊደል “በ” ንሓደ ረቂቕ ዝኾነ ሩሓዊ መንፈሳዊ ኣካል፣ ሕይወት፣ ንብሲ፣ ሩሕ ወኪሉ ዝንበብ ፊደል እዩ።

ጥንታዊ ቤት መቕደስ ጥንታዊት ግብጺ ከምዚ እዩ ዝመስል ነይሩ።

ኣብዚ ዘሎናዮ ክፍለ ዘመን ዘሎ ቤተ ክርስትያን ድማ እዚ ሃገረ ቫቲካን ዝብሃል እዩ።

Image result for Lalibela Church ብሓሰብትን መሃዝትን ጥበባውያንን ቅድመ ኣበዋትና ካብ ከውሒ ጸሪቦም ዝሃነጹዎ ቤት መቕደስ ላሊበላ

እቲ ኣብ ቀጽሪ ቫቲካን ዘሎ ሓውልቲ ካብ ግብጺ ተሰሪቑ ዝመጸ እዩ።

ንመረዳእታ፣ ብዙሕ ምስጢር ዝሓዙ ፊደላት ትግሪኛ እዚኦምዮም። እዞም ፊደላት እዚኦም ኩሎም ኣዝዩ ዝኾነ ምስጢርን ትርጉምን ኣለዎም። ንመረዳእታ  ሀ = ምብራቓዊ ማህጸን ኣደ ለ = ምዕራባዊ ማህጸን ኣደ፣  ወይ መእተዊ ማህጸን ሐ = ሐር ሩሕ  ዘይትርአ ነብሲ፣ = ሕይወት፤ሐርነት = ቅድሚ ነጻነት ዝነበረ፣ ኣሕረረ፣ ሐራ ገበረ፣ ብሓዊ ዝሓረረ መሬት። ነቲ ዱር ዝነበረ መሬት ካብ ካብ ለመምታ ኣራዊትን እሾኽን፣ኣሕሪርካ (ኣንዲድካ)  ሓራ ምግባር፣ ካብኡ ከይሰጋእካ ሓራ ኮንካ ኣብኡ ዓዲ ገርካ ምስፋር፣ ምንባር ወዘተ….

ፊደል “ተ” = ንሓደ ግዙፍን፣ ክሱትን፣ ዝኾነ ኣካል ኣመልኪቱ ዝንበብ ፊደል እዩ። እዚ ማለት ድማ፤ኣርባዕተ መኣዝናት ዓለም፣ ምብራቕ፣ ምዕራብ ሰሜን፣ ደቡብ፣ ወይከኣ፣ Stratospher:ሀዋህወ ኣርያም Hemispher:  ሀዋህው ከለል (ዑደት ዙረት) Atmospher: ሀዋህው ሩሕ Biospher  ሀዋህወ ባሕረ መሬት ማለት እዩ…ንምውካስ ዝኣክል ኣብ Bokre Acadamy Youtube ተወከሱ።

X =  V  ለ  = ተ  >=  ማህጸን ኣደ ማለትዩ።

= ሎሚ ምዕራባውያን ቀያዪሮም ንዓለም ዝደንቁሩዎ ዘለው መስመያያት ሲምቦላ እስከ ንተዓዘቦም። ካብ ቅኑዕ መንፈሳዊ ምልክት ማህጸን ኣደ ቀዲሖም ኣብ እምነት ድያብሎስ ቀዪሮሞ። እቶም ብስም “ተመራመርትን ክኢላታትን” ዝጽውዑ ኤውሮጳውያን፣ነቲ ንቡርን ጥንታዊን ምልክታት መሰረት ምዕባሌን እምነትን ኣፍሪቃውያን፣ ዘሚቶም ከይሓነኹ ከኣ፣ ከም ባዕሎም ዝመሃዙዎ ገሮም፣ ሰናኒዖም ንህዝቢ ዓለም ከእምንዎ ገልዳሕ ይብሉ ኣለው።  እታ 3 መኣዝን ካብ ጲራሚድ ኣፍሪቃ ዝሰረቑዋ እያ። እታ ዓይኒ ድማ  The Eye of Providence ምስጢራዊt ዓይኒ ኣምላኽ ሆሩስ እያ።

Image result for Illuminati Symbols

Coat of arms Holy See.svg ጳጳስ ቫቲካን ከም መፍትሕ መንግስተሰማያት ኢሉ ዝሕዛ ዝተመሳቐለት መፍትሕ እያ። ካብ መስቀል ዓዲ ሓበሣን፣ ካብ መፍትሕ ሆሩስ ሑር ዝተቐድሐት እያ

 ምልክት ኩለን መካይን ዓለም ድማ ስሉስ ኩርና እዩ። ንመረዳእታ።  እስከ ካብተን ኩለን ማካይን ዓለም ነዘን ዝስዕባ ምልክታት፣ ምልክት ስሉስ ኩርናዕ ምህላወንን ዘይምህላወንን ንከታተል።

መብዛሕትኡ ገዛውቲ ኤሮጳውያን ብስሉስ ኲርናዕ እዩ ተሃኒጹ።

 እዚ ህንጻዚ ብግቡእ እንተድኣ ተዓዚብናዮ ብ4 ዝተፋላለዩ ስሉስ ኲርንዓት ዝተሃንጸ እዩ።    ፊደል = ለ  ማለት እዩ <ማህጸን>

The Eye of Ra

There are different myths regarding the origin of the Eye of Ra symbol. However, most experts believe that the symbol was actually the right eye of Horus and became to known as the Eye of Ra/Re in time. The two symbols mostly represented the same concepts. That being said, according to different myths, the Eye of Ra symbol was identified as the personification of many goddesses in Egyptian mythology such as Wadjet, Hathor, Mut, Sekhmet and Bastet.

እዚኣ የማነይቲ ዓይኑ ንኣምላኽ “ሐር” ወይ “ርሕ” (ሕይወት) Horus እያ። ሎሚ ከኣ ጽዮናውያንን ሃጸያውያንንምልክት ሓንቲ ዓይኒ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ገሮም ይጥቀሙላ ኣለው። ኩሉ ኩቡር ምልክታትን፣ ፎርሙላታት ቁጽርን ኬሚስትርን ፊዚክስን፣ ካብ ኣፍሪቃ ብፍላይ እኳድኣ ካብ እዅሱምን፣ ኬምኔትን፣ ኑብያን ዘሚቶም  ዝሰንዑዎ እዩ። ባዕሎም ዝመሃዙዎ ዋላ ሓንቲ የልቦን። ካብቲ ዝዘመቱዎ ጥንታዊን መሰረታዊ ፍልጠትን ኣፍሪቃ ተበጊሶም ጥራይ aዮም ክምዕብሉ ክኢሎም።

 ኩሉ ነገር ካብ ማህጸን ኣደ ዝተቀድሐ እዩ። ኣደ ማለት ድማ ትርጉም ክልተ እዩ። ኣዳማዊት ኣደ ስጋን ደምን ትንፋስን ዝለበሰት። ዓለማዊት ኣደ ማይን መሬትን፣ ንፋስን ዝለበሰት። ጥንታውያን ኣፍሪቃውያን ኣብ ማህጸን ኣደ እዮም ዝኣምኑ ነይሮም።

ካብ የማን ንጸጋም ኣይዚስ ኣዲኡ ቀጺሉ ኦዛይሪስ  ቀጺሉ ሐሩስ = ሐር ሩሕ = ሕይወት

(እግዚኣ ብሐር )

  Horus as falcon.svg

እዚ ዑፍ ኢዝ ድማ ምልክት ሕዝወት ኮይኑ፣ እዝቱ ክቡር ምልክት፣  ትርጉሙ ብትግሪኛ  ከኣ                      =  ፊደል  “ሐ”  እዩ።

ኦዛይሪስ ሓዉ ሴት ይብሃል ነበረ። እቲ ሥልጣን ንግስነት ግና ንኦዛይሪስ ተዋህበ። ሤት ግና ቀንአሞ፣ ንኦዛይሪስ ሓው ቀተሎ። ኣብ 14 ጉዚታት ከኣ ቆራረጾ። ሰበይቱ ንኦዛይስስ ኢዚስ ግና ነቲ ዝተጎዛዘየ ኣካላት ኦዛይሪስ ኣኻኺባ ኣላጋጊባ ከኣ ብግቡእ ቀቢራቶ። ኣብ 3ይ ምዓልቱ ግናተንሲኡ።

ኣስተብህል ትንሳኤ ክርስቶስ ካበይ ከምተቐድሐ፣ ሐር = ኣቦ፣ ኢሪስ= ኣደ ኦዛይሪስ ድማ = ወዲ እዩ። ስለዚ ኣደ ኣቦ ወዲ = ኣብ፣ ወልድ፣ መንፈስ ቅዱስ = ፊደል “ተ“ ወይ መስቀል ማለትዩ።

ከምቲ “ኣገላልጻ ሊቃውንቲ” ግንከኣ ቀዳሕትን ሰናዕትን ግሪኻውያን፣ “Horus” ማለት = “Hor” ወይ “Ha” እዩ ይብሉ። እቶም ግሪኻውያን ምስጢራት እምነትን ባህልን እኽሱምን ግብጽን ዝዘመቱ ግና ፊደል “ሐ“ ከድምጹ ስለዘይክእሉ “ሆር” Hor ወይ Ha “ሃ” ኢሎም ተርጒሞሞ ።  ኣብቲ ምስጢራዊ ትሕዝቶን ትርጉም ፊደላት ትግሪኛ ብዕምቆት ኣድሂብና ምስ a

እንፍትሽን እንመራመርን ግና፣  “ሐር“ = ርሕ = ሩሕ = ሕይወት ማለት እዩ ትርጉሙ። ሐርስ ክብሉዎ ነይሩዎም፣ ግና ንድምጺ “ሐ” ዘድምጽ ጎረሮ ኣይተዓደሎምን። ስለዚ እዚ ኣምላኽዚ “ሐር” “ርሕ”  “ሩሕ” “ሕይወት” =  ር ሐ ይ –  ሕ ይ ወ ተይ) ከኣ ክትርጎም ዝግብኦ ነይሩ። ሰራቒ ግና ምሉእ የብሉን።

ንኦዛይርስ ኣዲኡ ኢዚስ ኣቦኡ ድማ ሖሩስ ይብሃሉ። ሆሩስን ኦዚርስን ኢዚስን፣ እቦን ኣደን ወድን እዮም፣ ሰለስተ ስላሴ  ከኣ እዮም። እቲ ሰለስተ ስላሴ ዝብሃል ኣብ ክርስትና እምብኣር ቅድሚ ክርስቶስ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ቅድሚ 654 ቅ.ል.ክ. ዝነበረ እምነት እዩ። ግሪኻውያን ንግብጺ ምስተቛጻጸሩዋ ግና ነቲ ኩሉ መጻሕፍትን መዘክርን ዘሚቶም፣ ዝተረፈ ኣብያተ መቕደሳት ኣዕንዮም እዮም፣ ድሕሪኡ ንክሬታ ትብሃል ድሴት ግሪኽ ዲሞክራስያ ከምዝመሃዘት ገሮም ደኲኖማ። ንሱዳንን ንኣኽሱምን ቀጺሎም ብምውራር ድማ ንንግስነት መሮየን ኣኽሱምን፣ ኣዱሊስን ኣዕንዮሞ። ንብረቱ ዘሚቶም ኣብታ መተካእታ  ኬምነት  ገሮም ብንብረት ኬምነት ዝሃነጹዋ ክሬታ ድማ ኣግዓዙዎ።

ሑር ኦዚሪስ ኢሪስ (Horus Osiris Iris)  ቅድሚ 5 ሽሕ ዕመታት እዞም 3 ልዑላት ኣማልኽቲ ዚኦም፣ ኣማልኽቲ ህዝቢ ኣፍሪቃ ዝነበሩ እዮም። ከም ሰለስተ ስላሴ እዮም ዝእመኑ ዝነበሩ።  ሎሚ ከይተረፈ ምዕራባውያን ብተዘዋዋሪ መንገዲ እምነቶም ኣብ ኣብዚኦም ሰለስተ ስላሴ እዩ። ንዓለም ንምድንጋር። ኣብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ ይብሉ እምበር፣ እቲ ምስጢር ግና ኣቦን ሰበይትን ውሉድን እዮም። ዝኣምኑ። ብፍላይ ቫቲካን እምነቶም ኣብ ማርያም እዩ። ንሳ ከኣ ኢሲስ ማለት እያ። ነቲ ሔር  ሑር ከኣ ከም ኣምላኽ ገሮም ክኣምኑዎ፣ ከለው ንክርስቶስ ድማ ከም ኦዛይሪስ ገሮም እዮም ዝኣምኑዎ።

ኬሜት እትብሃል ከተማ ኣብ ጥንታዊት ግብጺ፣ ሓንቲ ዓዲ ምርምርን ምህዞን፣ ላቦራቶሪ ፍልጠን ዝካየደላ ዝነበረት ኣዝያ ብልጽቲ እንዳ ሊቃውንቲ ዝነበረት ጥንታዊት ከተማ እያ። ግሪኻውያንን ሮማውያንን ግና፣ ነቲ ኩሉ ንብረ ኬሜት ዘሚቶም ባዕሎም፣ ነቲ ኩሉ ምህዞታት ኣፍሪቃውያን ሊቃውንቲ ድማ ባዕሎ ከምዝመሃዙዎ ገሮም ንዓለም ኣፊሊጦም።

ንምርምር ዝቐረበ፣ ኣብ ጥንታዊት ግብጺ “ቶ” = ንኹሉ ትፈትሕ መፍትሕ ማለትዩ። ኣብ ፊደላት ትግሪኛ እታ መበል 7ይቲ ተ ቱ ቲ ታ ቴ ት < ቶ > ፍኖተ ታሪክ መንነት ኀበሳ/ሐበሣ/ሐበሻ ብመእምር ቦኽረጽዮን ዝተዳለወ ምርምር። ኣብ ኣስታት 270 ቅ.ል.ክ. ኣብ ኣዱሊስ ዝተረኽበ ጽላት፣ 27 ነገዳት ብሓደ ንጉስ ኣኽሱም ዝምሓደሩ ዝነበሩ። ኣብ 6ይ ክፍለ ዘመን ብሓደ ግሪኻዊ ዜጋ ኮስሞስ ኢንዲኮብለስቲስ ተመራማሪ ስነምሬት ዝተረኽበ ። እቲ ንጉስ ብምብራቕ ካብ ቀዪሕ ባሕሪ ሰጊሩ፣ ክሳብ የመን ይገዝእ ከምዝነበረ፣ ብወገን ደቡብ ክሳብ ፈለግ ኒል ይገዝእ ከምዝነበረን፣ ብወገን ስሜን ድማ ክሳብ ግብጺ ይገዝእ ከምዝነበረ፣ እቲ ኮስሞስ እንዲኮንሌስቲስ ዝብሃል ግሪኻዊ ግሪኻዊ ዜጋ ከምዝነበረ ይሕብር።

ነቲ ጥንታዊ ታሪኽ ህዝቢ ብፍላይ ምድረ ባሕሪ ብሓፈሻ ድማ እቶም ቋንቋ ትግሪኛን ግእዝን፣ ኣምሕርኛን፣ ትግረን ከምኡውን ኣገውን ተዛረብቲ ህዝብታት፣ ኣብ ምርምርን መጽናዕትን ኣድሂብና፣ ጥንታዊ እምነቶም እንታይ ከምዝነበረ ብዕምቆት እንተድኣ ተኻታቲልና፣ ነቲ ሓቂ ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። ሓሶት እንተድኣ ተደጋጊሙ፣ ኣብ ሓቂ ዝተለወጠ ይመስል፣ በትሪ ሓቂ ግና ትቐጥን እንበር ኣይትስበርንያ።

እስከ ነዛ ቪድዮ “ጸለምቲ ንዓለም ይገዝኡ ነይሮም” እስከ ነስተብህለላ

ቅድሚ ምዕባለ ግብጺ ኣብ ኑብያን መሮየን ኣኽሱምን ከባቢ ፈለግ ኒልን፣ ቀይሕ ባሕርን እዩ ነይሩ።

Djed Pillar

Djed pillar, which is also known as “the backbone of Osiris”,  is the symbol that represents strength and stability in ancient Egyptian culture.

It is associated with Ptah (ፍታሕ ፈጣሪ ኣምላኽን ኦዚሪስን፤ ኣምላኽ ሞትን ዕርበትን፣ ዋላኳ ኣብቲ መጀመርያ መዋእል ምልክት ፍታሕ ተባሂላ ትስመ እንተ ነበረት፣ኦዚሪስ ግና ከምዝጢራዊ ምልክት መስመያ ገራ ቀዪራታ። ዓንድ ሕቐ ኦዚሪስ ከኣ ትብሃል። ምልክት ሓይል ወይ ስልጣንን ጽንኣትን ከኣ ነበረት።), the god of creation and Osiris, the god of the underworld and the dead. Although it was firstly known as the symbol of Ptah, the cult of Osiris adopted the djed pillar symbol in time. That is where the name “the backbone of Osiris” comes from.

 Image result for original Ethiopian Cros
ፊደል  ተ  መስቀል = ሩሕ= ሕይወት፣ ማለት እዩ ትርጉሙ
https://youtu.be/Oy8h-fRrjL4

እታ ጥንታዊት መስቀል ኦሪታዊ ሃይማኖት ምድረ ባሕሪ ወይ ኣኽሱም እዚኣ እያ። ሕቶ ንተኻታተልቲ መርበና፣ እእስከ ንምርምር ዝኣክል፣ መስቀል ድሕሪ ክርስቶስ ምውላዱ  ድዩ ተፈጦሩ፣ ወይስ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ?
እዚ “ዘደንቕ ታሪኽ ነገስታት ኣብርሃን ኣጽብሃን” ብዝብል ኣርእቲ፣ ኣብዚ ቪዶዮ ተገሊጹ ዘሎ ትንተናኸ፣ ሓቂ ድዩ ?

Image result for original Ethiopian Cros እቲ ብንጉስ ላሊበላ ብተኣምራታዊ ጥበብ ካብ ከውሒ ተጸሪቡ ዝተሰርሕ ቤት መቕደስ ኣብ ልዕሊኡ መስቀል ኣለዎ። እዚ ቤት መቕደስ እዚ ድማ ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝተሃንጸ እዩ።

እዞም ክልተ ነገስታት ኣኽሱም ብ”ኤዛናን” “ሴዛናን” ዝፈጡ ዝነበሩ፣ ቅድሚ ኣብ ክርስትያን ምእታዎም ካበይ እዮም መጺኦም?

 ሎሚ ድማ ኣብ ኤርትራ ብባዓል መስቀል፣ ኣብ ትግራይን ኢትዮጵያን ድማ ከም ብዓል ዳሜራ ይብዓል ኣሎ። እዚ ብዓል እዚ ግና ምስ ክርስትና እምነት ዘተሓሕዝ ምንም መኽንያት የብሉን፣ መኽንያቱ ድማ ቅድሚ ክርስትና ዝነበረ ጥንታዊ እምነት ስለዝኾነ።

እዞም ክልተ ነገስታት ኣኽሱም ብኤዛናን ሴዛናን፣ ድሕሪ ብ320 ክሳብ 340 ዓ.ም.ፈ. ድሕሪ ክርስቶስ ምውላዱ ማለትዩ፣ ብኣባ ፍረሚናጦስ ዝብሃል ሶርያዊ ኣቡን ምስ ተጠመቑ ምስ “ተቐብኡ” ግና ኣብርሃን እጽብሃን ተባሂሎም። ካብቲ እዋንቲ  ጀሚሩ እምብኣር፣ ሃይማኖት ክርስትና ኣብ ከባቢና ተኣታተወ። ቅድሚኡ ዝነበረ ዘመናት ግና፣ ማለት ቅድሚ 5 ሽሕ ዓመታት ህዝቢ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ እምነቱ ኣዝዩ ረቂቕን ቅዱስን ባህርያዊን እዩ ዝነበረ። ምስ ክርስትናን ምስልምናን ግና ፈጺሙ ርክብ ኣይነበሮን።  እኳድኣ ሃይማኖት ክርስትናን ምስልምናን ምስወረሮም ሃይማኖቶምን ባህሎምን መንነቶም ክፍሓቕ ጀመረ።

እስከ ነዛ  ብቋንቋ እንግሊዝኛ ብፕሮፈሶር ጄምስ ስሞል ትዘርጊሓ ዘላ ቪድዮ ከኣ ንከታተላ። እቲ ሓቀኛ መልክዕ እምነትን፣ ባህልን፣ መንነትን ግና ኤውሮጳውያን ብፍላይ ግሪኻውያንን ሮማውያንን፣ ካብ ኣፍሪቃውያን ሰሪቖም፣ መልክዖም ጥራይ ከምዝኾነ ገሮም ወኒኖሞ። እቲ ሓቂ ግና ካልእዩ። ኩሉ ሃይማኖትን፣ ባህልን፣ መንነትን ግና መሰረቱ ካብ 8 ሺሕ ዓመታት ቅ.ል.ክ.ጀሚሩ ክሳብ ግሪኻውያን ንግብጽን ሱዳንን ኢትዮጵያን ዝነበረ ዘሚቶም ከም ባዕሎም ዝመሃዙዎ ገሮም ንህዝቢ ዓለም ከእምኑ ገልዳሕ ይብሉ ኣለው። ኣብታ ከሜት ትብሃል ዝነበረት ከተም ግብጺ፣ መሰረት ምዕባሌ ማለት፣ኩሉ መስረት ፍልጠት፣ ከም ከሚስትሪ፣ ብያሎጂ፣ ቂጽሪ፣ ጆሜትሪን መዲሲን ሕርሻ ወዘተ….ካብ ቅድሚ 8 ሺሕ ዓመታት ኣብኣ እዩ ዝነበረ።

ኣብ ነገስታት ኤዛናን ሴዛናን (ኣብርሃን እጽብሃን) ኦሪታዊ ሃይማኖት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክረክስን ክድምሰስን ጀሚሩ። እቲ ካብኩሉ ዘስደምም ድማ እዞም ክልተ ሰባት ካብ ግሪኽ ተሰዲዶም ንኣኽሱም ዝመጹ ምኻኖም ከይፈለጥና፣ ከም ብኣምላኽ ዝተላእኩ ቅዱሳት ገርና ምእማና እዩ። እስከ ነዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ ቪድዮ ብኣድህቦ  ነስተብህለላ፣ ብፍላይ እቶም ኣብቲ ኣብ ከተማ ፣ ምልክታትን፣ ዘለዋ ታሪኻዊትን ጥንታዊትን ዓዲ ወቕሮ፣ ግንከኣ ጥንታዊ ቤተ መቕደስ ዘለዋ፣ ኣብቲ ውሽጢ ቅዱስ ቤተ መቕደስ ድማ፣ ካብ ጥንቲ ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ዝነበሩ፣ ምልክታት፣ ከም “መስቀል” (ፊደል “ተ”) ዝኣመሰሉ ይርከቡ።

ካብ 300 ቅ.ል.ክ. ዝነበረት ምዕብልቲ ጥንታዊ ወደብ ኣዱሊስ፣

ወደብ ኣዱሊስ ብተዛረብቲ ትግሪኛ ዝተሃንጻን፣ ዝምርሓን መራኺብ ንግዲ እትውንን ነበረት ወደብ ነበረት። ብቀዪሕ ባሕሪን ህንዳዊ ውቅያኖስን ኣቋሪጻ ዓለምለኻዊ ንግዲ ተካይድ ዝነበረት ዓባይ ወደብን ከተማን ከኣ ነበረት። እቲ ኣዱሊስ ማዕቢላ ዝነበረትሉ  ዘመናት፣ እዘን ሎሚ ታሪኻዊ መሰረት ምዕባለ ኣዱሊስን ኣኽሱምን፣ መሮየን፣ ኬምነታን ዘሚተን፣ “ንሕና ኢና ሓያላት፣ ዋናታት ምዕባሌን ስልጣኔን ንሕና ኢና”፣ ንእንዳ በላ ከም ፖሊስ ዓለም ኮይነንን፣ ግንከኣ ተዛራርየንን ንመንነትን፣ ባህልን፣ ሃይማኖትን፣ህዝቢ ኣፍሪቃ ደምሲሰን፣ ንወለዶኡ ኣጽኒተን፣ ባህርያዊ ጸግኡ ንኽዘምታ፣ገልዳሕ ዝብላ ዘለዋ፣ ከም መንግስቲ ኣሜሪካ፣ መንግስቲ እንግሊዝ፣ መንግስቲ ፈረንሳን ካልኦት ኮራዅር ሃገራት ኤውሮፓን፣ ብፍላይ እኳድኣ እቲ ማሕበር ቫቲካን ካቶሊክ ወይ ብቋንቋ ትግሪኝ ቀታለ-ሊቕ፣ ወይከኣ እቶም ሎሚ ወርቅን ባጤራን በልዚንን ዘሚቶም ወኒኖም ዘለው፣ ይሁዳውያን…ፈጺሞም ዘይነበሩሉ  ዝነበረ።

Related image ንግስነት ኣኽሱም ኣዝዩ ልዑል ዝነበረ ንግስነት እዩ ነይሩ። መራሕቱ ከኣ ትግሪኛ ፊደላት ዝውንኑ እዮም ዝነበሩ።

ቅድሚ 5 ሽሕ ዓመታት ጥንታዊ ምዕባለ ንግስነት ኣሕሱም፣ ቅድሚ ንግስነት ግሪኽን፣ ሮማውያንን፣ ቱርካውያንን፣ ኣዕራብን ልዑላት ነገስታት እዮም ነይሮም። ኣብዚ ዋሓዚ ፈለግ ኒልን ተከዘን ኣዱሊስን ገማግም ቀዪሕ ባሕርን እዩ ዝነበረ።  ነገስታት ኣኽሱም ድማ ብሴሜን ካብ ኣዱሊስ ተበጊሶም ክሳብ ሱዳን፣ ካብ ሱዳን ክሳብ ግብጺ፣ ብምራቕ ከኣ ካብ ኣዱሊስ ክሳብ የመን፣ ብወገን ደቡብ ድማ ክሳብ ቀላይ ጻና እዩ ዝነበረ።  ግሪኻውያንን ግና ብጅግንነትን ቅዱስ እምነትን፣ምዕባሌን ኣኽሱም ስለዝቐንኡ ወሪሮም ኣዕኒዮማ።

Image result for axum empire

 ማርያም ጽዮን ኣኽሱም

In c. 590 BCE Napata was sacked by the Egyptian pharaoh Psammeticus II (595-589 BCE) and the capital of Kush was moved to Meroe. The Kingdom of Kush continued on with Meroe as its capital until an invasion by the Aksumites c. 330 CE which destroyed the city and toppled the kingdom. Overuse of the land, however, had already depleted the resources of Kush and the cities would most likely have been abandoned even without the Aksumite invasion. Following this event, Meroe and the dwindling Kingdom of Kush survived another 20 years before its end c. 350 CE.  ኣስተብህል፣ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ካብታ ከተማ መሮየ ትብሃል ኣብ ሱዳን እትርከብ፣ ነገስታት  መሮንኒ ዝብሃሉ እዮም ዝገዝኡ ነይሮም። መሮኒ ካብ መሮየ ዝመጸ ቃል ዩ። ነገስታት መሮኒ ክሳብ 800 ክፍለ ዘመን ድ.ል.ክ. ኣብ ኣኽሱም ገዚኦም። እታ ፈላሻ  ዮዲት ዝተባህለት ንግስቲ ንኣኽሱም ወሪራ ምስ ስዓረቶም፣ ነቲ ታቦት ካብ ኣኽሱም ንኤርትራ ተማሊኦማ ተመሊሶም። መጀመርያውን ካብ መሮየ ጀሚሮም ክሳብ ኣዱሊስን፣ ላሊበላን እዮም ዝገዝኡ ዝነበሩ። ሓያሎ ተመራመርቲ ብዝዕባ እንታውነትን ምነትን ክትርኹ ከለው ከምዚ ይብሉ፣ “ምናልባት ዮዲት ኦሪታዊ እምነት ስለዝነበራ፣

  ክርስትና ከኣ ኣብ ኣኽሱም ብግሪኻውያን ምስ ኣቶወ፣ ንክርስትና ከተጥፍእ  እያ ነንግስነት ኣኽሱም ዘዕነወታ”፣ እቲ መዘና ዘይነበሮ ጥንታዊ እምነት ምድረ ባሕሪ፣ ብክርስትናን ብምስልምናን እዩ ዓንዩን ተደምሲሱን ይብሉ።

እቶም ቀዳሞት ወረርቲ ማለት ቅድሚ 350 ዓመተ ዓለም፣ ቅድሚል ልደተ ክርስቶስ፣ ነቲ ውሩይ ንንግስነት ኣኽሱም ወሪሮም፣ ባህልናን እምነትናን ዝደምሰሱ ግሪኻውያን እዮም ዝነበሩ። ንግስነት ጥንታዊት ግሪኽ ካብ13 ክሳብ9 ክፍለዘመን ቅ.ል.ክ.  እዩ ዝነበረ። ካብ መላብ ምዕራባውያን ሃገራት፣ ሓንቲ ግሪኽ ጥራይ እያ ካብ 13 ክፍለዘመን ቅ.ል.ክ. ዝነበረት። እቲ ንዘመናት ዓንቢቡ ዝነበረ ምዕባሌ ኣፍሪቃ፣ ግዝኣቱ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክሳብ ኤርትራ፣ ካብ ኤርትራ ከኣ ክሳብ ግብጺ እዩ ዝነበረ። እቲ ብኣለክሳንደር ዓቢ ዝብሃል ባርባራዊ ገዛኢ ዝምራሕ  ዝነበረ ሰራዊት፣ ንግብጺ ወሪሩ ነቲ ኩሉ ምዕባሌታት ኣዕንዩ ተቖጻጸረ። ካብኡ ቀጺሉ ድማ ንንግስነት ኣኽሱም መጠራ፣ ኣዱሊስ ዘዕነወ ወራር ግሪኽ እዩ ዝነበረ።

  1. 1. The Ancient Civilization of KushTeachers Education Institute A Major African Civilization Kush rules Egypt Kush defeats RomeTeachers Education Institute Teachers Education Institute Teachers Education Institute • How many of our students, when they study the ancient cultures of Mesopotamia, Egypt or • How many students would be Greece, are aware that at the same time as these • How many students would aware that a Roman army at the civilizations existed another major civilization be aware that the 25th time of the Emperor Augustus thrived in the interior of

Image result for Greece Empire

መስቀላውያን ዝብሃሉ ብስም ክርስትያን ዝተበገሱ ባርባራውያን እውን ንህዝቢ ምድረባሕሪ ካብቲ ጥንታዊ ሃይማኖቱን ባህሉን፣ መንነቱን ኣዛናቢሎሞ እዮ።

Image result for crusadersኣኽረርቲ ኣስላማዊ ሓይሊ ድማ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም፣ ብፍላይ ብ7 ክፍለዘመን ንሃይማኖትን ገዳማትን ኤርትራ ደምሲሶም፣ ቅዱሳት መጻሕፍን ክቡራት ምዘከሪታትን ኣንዲዶም እዮም።

ባርባራዊ ወራር ኣስላም ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ዝነበሮ ህዝቢ ሓበሻ ኣብ 7ይ ክፍለዘመን

Image result for ancient muslim war

ክካብዞም ባርባራውያን ኣኽረርቲ ምስልምና ሃዲሞም፣ ኣብጎቦ ዝቢዘን  ተዓቚቦም፣ ቤተ ክርስትያን ዝሃነጹ ብጹኣንን ጀጋኑን ካህናት ምድረ  ባሕሪ።

እዚ ጥንታዊ ቤት መቕደስ ኣቡነ ፍሊጶስ፣ ወይ  ገዳም ኣቡነ ፍሊጶስ ቢዘን፣ ብጀጋኑን ብጹኣንን ሊቃውንትን ካህናትን, ካብ ባርባራውያን ወረርቲ ምስልምና ዝድሓነ ጥንታዊ ቤት መቕደስ እዩ።

ኣብቲ ጎቦ ዝርከብ ገዳም እንዳተፋሓዅካ እዩ ዝድየብ። እዚ ድማ ካብ ኣስላም ንኸሃድሙ ዝገበሩዎ ድሕነት እዩ።

Image result for jihadists
ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ክሳብ 600 ክፍለዘመን ነቢዪ መሓመድ ስብከት እስልምና ዘተኣታቱ፣ ምስልምና ዝብሃል ሃይማኖት ኣይነበረን። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ነገር እንተሎ ግና፣

ብሰንኪ ባርባራውያን ወረርቲ ካብ ኣሽዕራብ ዝመጹ ኣስላም ንምሕባእ ኣብ ኣጻድፍ ምድረባሕሪ ዝተሃንጸ ቤት መቕደስ።


እቶም ሃይማኖት ምስልምና ዝኣምኑ፣ ብነጋሲ ዝብሃል ሰዓቢ መሓመድ ካብ ሃገራት ኣዕራብ ሃዲሞም ንመሬታ ምድረ ባሕሪ ምስተሰዱ፣ እቲ ህዝቢ በቲ ዝኣምንሉ ሃይማኖት ኣኽቢሩ ኣዕቂቡዎም እዩ።  ጸኒሑ ግና ነቲ ኩሉ ዓበይቲ ገዳማት  ኤርትራን ኢትዮጵያን፣ ማለት ካብ ደንከል ጀሚሩ ክሳብ ከሰላ ዝነበሩ ዓበይቲ ገዳማት ብኣመንቲ ምስልምና ነዲዶም፣ ኩሎም ዲያቆናትን ካህናትን፣ ኣቡናትን፣ ፓትሪያርክታትን ተሓሪዶም እዮም። እቶም ውሑዳት ግና ኣብ  ንምድያቡ ዘጸግም ጎቦታት ተሓቢኦም እምነቶም ቀጺሎም።

 ኣብ ኣብ ጎቦን ኣጻድፍን ዝርከብ  ገዳም ዝነብሩ ካህን።ንመረዳእታ፣ ኣብ ደብረብዜን ዝብሃል ቤት መቕደስ ንክትድዩቦ ኣዝዩ ዝኾነ ጎቦ፣ ኣብ 300 ክፍለዘመን  ሰሪሖም። ክሳብ ሎሚ ድማ ኣሎ። ኣብ ከባቢ ሰኒሒትን ዓንሰባን እንዳ ስላሴ ወይ ጻዕዳምባ ዝብሃል ቤት መቕደስውን ፈለስቲ ዝነብሩዎ ጎቦ እዩ። ኣብ ደብረሲናውን ጥንታዊ ገዳም ማርያም ኣሎ። ኣብ ትግራይ ድማ ከብ ደብረታቦርን፣ እንዳባ ኣረጋዊን፣ ካልኦት ንሕትድዪቦም ዘጽግሙ ጎቦታት ተሓቢኦ ካብቲ ባርባራዊ ዝኾነ ወራር ኣስላም ድሒኖም።

ኣስተብህሉ፣ ስለምንታይ ዝሓልከፈ መዋእል ከይኣክልስ ኣብዚ ዘሎናዮ ክፍለዘመን: ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ ብገረብ ብሓኽላ ይጠፍእን ይጸንትን ኣሎ ? እንታይ እዩ እቲ ቀንዲ ጠንቂን መኽንያትንጥፍኣትና? መንዮምከ ዘጥፍኡና ዘለው ስዉራት ሓይልታት?

ጸላም ማዶና ወይከኣ ጸላም ማርያም፣ ኩሉ ግዜ ብሃይማኖት ካቶሊክ እትብዓልን እትኽበርን። ኣብ ውሽጢ ቤትክርስትያን ቫቲካ ተቐሚጣ ኣላ።

ጸላም ማርያም

   1                 2             3
1. እታ ቀንዲ ማርያም  ቅድሚ 5 ሽሕ ዓመታት ኣብ ኣፍሪቃን ኣብ ግብጽን ትምለኽ ዝነበረት ኣደ።

2. እታ ማርያም ኣብ ኣብያተ መቕደሳት ኢትዮጵያ ካብ ጥንቲ ጀሚራ ትምለኽ ዝነበረትን ክሳብ ሎሚ ዘላን ኣደ።

3. ሃይማኖት ካቶሊክን ካርዲናታት ቫቲካንን ማርያምን ክርስቶስን ጽኣዱ ጥራይ እዮም ነይሮም ካብ ዝብል ሓሶት፣ ብሚካኤል ኣንጀሎ ኣስኢሎም ዝሰንዑዋ ጻዕዳ ማርያም። እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝንን ዘስደምምን ነገር ድማ ብዙሓት ኣመንቲ ሃይማኖት ካቶሊክ ኣፍሪቃውያን ነዚ ብቫቲካን ዝተሰንዐ ምስሊ ማርያም ኣሚኖም ክሳብ ዝመቱ ምንባሮም እዩ። በቲ ሓደ ሸነኽ ግና ጳጳስ ቫቲካን ነታ ጸላም ማርያም ክሰግድን ከምልኽን ከሎ እዩ።

እስተብህል፣ ዝበሉኻን ዝሰማዕካዮን ጥራይ ኣሚንካ ክሳብ ትመውት ምንባር፣ ዕሽነት ወይ ድንቁርና ስለዝኾነ፣ ብዝከኣል መጠን ተመራሚርካን ፈቲሽካን፣ ነቲ ሓቀኛ እምነትን ምፍላጥ ካብ ድንቁርና ድሒንካን ግንከኣ እትኣምኖ  ፈሊጥካን ምንባር ጽቡቕ እዩ። ካብኡ ሓሊፉ፣ ከምቲ ገርመናውያን ክምስሉ ከለው፣ “ደንቆሮ ተወሊዱ፣ ደንቆሮ ዓብዩ፣ ደንቆሮ ምዃኑ ከይፈለጠ ከኣ ብድንቁርንኡ ሞተ”፣ ዝብሉዎ ጥራይ እዩ ዝኸውን።

ይቕጽል ……….. >>

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣ 5 ግንቦት 2018 ዓ.ም.ፈ.