ብዓል ነጻነት ንመን??

ብህዝቢ ዘይመረጾ ልኡኽ መላኺ እሞ ብግዝያዊ መንግስቲ ጥራይ 27 ዓመታት እትግዛእ ሃገር! ብህዝቢ ዘየጸደቐ በብዓይነቱ ኣዋጃት! ብህዝቢ ዘይወከሎም ሃሱሳት ሚኒስተራት! እትግዛእ ሃገር ብዓል ነጻነት ከተብዕል ንስሙ እምበር ሓቂ ኣይኮነን። እወ፣ ንኣእምሮ ህዝቢ እትሰልብ ማዕከን ተሌቪዥንን፣ ብ”ድምጺ ሓፋሽ፣ ጋዜጣ ሓዳስ ኤርትራ” ብግብሪ ግና ድምጺ ሓሶትን ፕርፓጋንዳን ባዶ 3 ዝኾነት ማዕከን ዜና ህግደፍ ዝዝርግሕ መንግስቲ ህግደፍ እትግዛ ሃገር ብዓል ነጻነት ምብዓል ኣየድልያንዩ። መንነትን፣ እምነትን ዝፍሕቝን ዝሓክኽን ጕዛያዊ መንግስቲ ህግደፍ፣ ንሕዲሽ ወለዶ ንምጽናት ፕሮጀክት ሃገራዊ ባርነት ብምእዋጅ ከይተሓለለ ዘተግብር ዘሎን ጭፍራ ህግደፍ እትዛእ ሃገር ብዓል ነጻነት ኣየድልዛን እዩ።  ኣብ ኤርትራ ነጻነት ዝብሃል ስለ ዘየለ ብዓል ነጻነት እምብኣር ኣይ ቦታኡን እዩ። ጭፍራ ህግደፍ ግና ነጻ ወጺኦም ስለዘለው ብፍላይ ብዓል ነጻነት ህግደፍ ኢሎም ክሰምዩዎ ይኻሉ እዮም። እንቶ ህዝቢሞ ብሰንኪዞም ልኡኻት ሳጥናኤል፣ደም ይነብዕ ስለዘሎ ብዓል ነጻነት ከብዓይ ኣይደልን እዩ ።

  ነቲ ውድዓዊን ህሉውን ሓቀኛን ስእሊ ብዓል ነጻነት ኤርትራ ዝትንትን፣ ትንተና ።  ንሓደ ህዝቢ ውሑድ ግዜ ከተታልሎ ትኽእል ኢኻ፣ ብዙሕ ግዜ ከኣ ከተታልሎ ትኽእል ኢኻ፣ ንዘልኣለም ግና ከተታልሎ ኣይከኣልን ኡዩ። ህግደፍ ግና ንህዝቢ አርትራ ንዘልኣለም ከታልሎ ይረባረቦ ኣሎ።ብኣካየድቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ

እየ ተካል ዘመን! እንዳ ህግደፍ ከኣ፣ ከይ ሓፈሩ “መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ይኣይ መልእኽቲታት ዮሃና ነጻነት ኤርትራ (ባርነት ኤርትራ) ሰዲዶም” ይብሉና ኣሎው። ከምኡውን”በዓል ናጽነት ኣብ ወጻኢ ብክብ ዝበለ ድምቀት ይጽምበል ኣሎ” እንዳበሉ ይግዕሩ ኣለው።

ነጻነት ማለት ትርጉሙ ግና ፣ ነጸየ፣ ጻህየየ፣ ነጻ ገበረ ማለት እዩ። ሓርነት ማለት ከኣ፣ ኣሕረረ፣ ሓረረ፣ ነቲ ዱር ዝነበረ ኣሕሪሩ ሓራ ገበሮ፣ ቆጥቊጡን፣ ዓጺዱን፣ ኣንዲዱን፣ ካብ ለመምታን ባልዕን፣ ኣራዊትን ሓራ ምስኣውጽኦ ድማ ድሕሪኡ ዓዲ ሃኒጹ ኣብኡ ሰፊሩ፣ ህገር ይሃንጽ  ማለት እዩ።

እወ፣ ሓደ ባዕዳዊ ወራሪ፣  ነታ ደቅታ ዓዲ ነጻን ሓራን ገሮም ዝደኮኑዋ ወሪሩ ክሕዛ ምስ ዝጅምር፣ እቲ ህዝቢ ድማ መኪቱ ፣ ነጽዩን ኣሕሪሩን የጥፍኦሞ፣ ነታ ሃገር ከኣ ነጻን ሓራን የውጽኣ ማለት እዩ። ህዝቢ ኤርትራ እምብኣር ነቶም ነታ ጥንታዊት መሬት ኣቦሓጎታቱን ቅድመ ቀዲማውያን ዝደኮኑዋ፣ መሬቱ ወሪሮም ክጭቁንዎ ዝፈተኑ ባዕዳውያን ገዛእትን ወረርትን ነጽዩን ነጻጽዩን፣ ኣሕሪሩን፣ ንህዝቢ ኤርትራን፣ መሬት ኤርትራን፣ ባሕሪ ኤርትራን ከኣ ካብ ጭቆናን መግዛእትን ብ1991 ዓ.ም.ፈ. ነጻን ሓራን ኣውጺኡዋ እዩ። ብሰንኪ ልኡኽ መላኺ ህግደፍ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ግና፣ እንደገና ኣብ ባርነት ኣትያ ትርከብ ኣላ። እዚዩ እቲ ውድዓዊ ሓቂ እምብኣር! ኣበይ ድኣሎሞ እቲ ብዓል ነጻነት ዝብሃል ዘሎ? እንታይ ድኣ እዩ እዚ ኩሉ  ዓጀውጀው እንዳ ህግደፍ? ሓባእ ቁስሉ ሓባእ ፈውሱ!

እቲ ሎሚ ዘሎ ስእሊ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ከምዚ እዩ።

pe=”big” color=”teal”] ካብታ እቶም 15 ገዳይም ላዕለዎት ሰበስልጣናት ጭፍራ ህግደፍ፣ ኣብታ ብመሃንድሳት ህንጻ ኣሜሪካ ዝተሃንጸት ኣብ ሰሜናዊ ባሕሪ ኣጻድፍ እትርከብ ቤት ማሕቡስ ዝተኣስሩላ እዋን ጀሚሩ እዩ ኢሰያስ ትንፋስ ክረክብ ዝኸኣለ። እዞም ብጾት ኢሰያስ ዝነበሩ 15 ኣባላት ፖሊት ቢሮ ብዘይ ፍርዲ ካብ ዝእሰሩ ዛጊት 18 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ኣብዘን ዝሓለፋ 18 ዓመታት “ብዓል ነጻነት” ህግደፍ ድማ፣ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ሓንቲ ግዜ መሊቛቶ ብሓፈሻ ብዛዕባ እሱራት ብፍላይ ድማ ብዛዕባ ጂ15 ኣልዒሉ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን። እቶም ጂ15 ህግደፍ ብዘይ ፍርዲ ኣብ ማእሰርቲ ክበልዩ ከለው፣ እቶም ጂ15 ኣባላት ፖሊት ቢሮ ወያኔ ግና ጉዳዮም ብቤት ፍርዲ ተራእዩ ተፈቲሖም። እቲ ምስጢር ግና ማእከላይ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ “ተጣዒስና ኢና ኢልኩም እንተድኣ ፎርም መሊእኩምን ፈሪምኩምን ክትፍትሑ ኢኹም” ተባሂሎም እዮም ተፈቲሖም። እቶም ጂ15 ህግደፍ ግና ብመሃንድሳት ሲኣይኤ ምስተሓቱ፣ “ኣይንጥዓስን ኢና፣ ፎርም ጣዕሳውን ኣይንመልእን ኢና” ስለዝበሉ እዮም፣ ክሳብ ሎሚ ንሕልፈቶም ተዳጒኖም ዘለው። ስለዚ እቶም ወሰንቲ ጎይቶት ኢሰያስ ስለላ መርበብ ኣሜሪካ እዮም እንበር ተውሳኺቱ ኢሰያስ። ኣናፍራ ቆቛ ዘይፈልጥስ ኣይሃዳናይን። [/button]

 እቲ ኣብዚ እዋንዚ ሰናኒዖም ኣብ መርበብ ሓበሬታ መስከረም ዝዝርግሑዎ ዘለው ስእሊ ግና ከምዚ ኣይኮነን። እዚ እቲ ህሉው መልክዕ እቲ ልክዕ መልክዕንውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣብዚ እዋንዚ ከምዚ ምስ ዑመር ኣልበሽር ዲክታቶር ሃገር ሱዳን ተሳኢሉዎ ዘሎ ስእሊ እዩ።

እዚ ስእሊዚ ግና ብሜክኣፕ፣ ብፎቶሾፕ፣ ተሳናኒዑ፣ ከም ሓዲሽ ኮይኑ በታ ትካል ህግደፍ ዝኾነት “መርበብ ሓበሬታ መስከረም.ኔት”  ዝዝርጋሕ ዘሎ ስእሊ እዩ። እዚ ስእሊዚ ግና ቅድሚ10 ዓመታት ዝገበረ ስኑዕ ስእሊ እዩ።


“ማይ እንተተሳእነ ጸገም የልቦን፣ ኣብ ማይ ዘለዎ ምኻድ ጥራይ እዩ”።
ይብል ኢሰያስ

ንምዃኑስ እዚ ሰብዚ ንመን ይመርሕ ከምዘሎስ ይርድኦ ደኾን ይኽውን? ብግዝያዊ መንስቲ ጥራይ ን27 ዓመታት ዝኣክል፣ ብዘይ ሓጋጊ ኣካልን፣ ፈራዲ ኣካልን፣ ፈጻሚ ኣካልን ዝነብር መንግስትስ ብዘይካ ኣብ ኤርትራ ኣበየነይቲ ሃግር ኣሎ?  እሞድኣ ብዓል ነጻነት አርትራ ዝብሃልሲ ትርጒሙ እንታይ እዩ? ንህዝቢ ኤርትራ እጽኒቱ፣ ባህርያዊ ጸጋ ሃገር ከኣ ዛጊት ብጽዮናውያን ትጓሕጒጕሑ ንባዕዲ ሃገር እናግዓዘ ምዕባሌ ህዝቢ ኢሉ ክዛረብ ከሎስ ይርድኦ ይኸውን ወይ ኮነ ኢሉ እዩ ብህዝቢ ኣሽካዕላል ዝጻወት ዘሎ?

ታባን ድፋዕን ኢሰያስ ኮይና ዘላ “ሓጽቢ” ዓዲ ሃሎ!  ህዝቢ ኤርትራ ግና ሎሚ፣ “ኢደይ ኢድካ፣ ኣነባ ክሓልፍ ኣነባ፣ እንዳበልና ዘምጻእናያ እንጀራ፣ ይበልዓኣ ኣለዋ ዘይነበራ” እናበለ ኤህ ክብል ይውዕልን ይሓድርን ኣሎ።

መሓከሊ ኢሰያስ ቁሸት ዓዲ ሃሎ። ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ብዛዕባ ጸገማቱን ሽግሩን ክጠርዕ እንተድኣ ደልዩ፣ ካብ ፈቐዶ ዓድታትን ካብ ኣስመራን ተበጊሱ፣ ጉዳዩ ይኣይ ብልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ክፍትሓሉ ንዓዲ ሃሎ እዩ ዝውሕዝ ዘሎ። እዚውን ሓደ ርእሱ ዝኸኣለ ሕቡእ ኣጀንዳ ዘለዎ ብልኣኽቲ ኢሰያስ ዝተኣልመ ግንከኣ ንጹር ኣጀንዳ ዘለዎ ውዲት እዩ።

ኣብ ዓዲ ሃሎ ዝርከብ ቤተ መንግስቲ ኢሰያስ  እዚ እዩ እምብኣር።

እታ ዝዕቅጠላ ዘሎ ዲጋ ዓዲ ሃሎ እትብሃል ሓጽቢ ድማ እዚኣ እያ። እዚ ፕሮጀክትዚ ግና፣ ርሑቕ ዓዲ መሓሰዊ ከምዝብሃል፣ ክሳብ ሎሚ ንስእነት ማይ ህዝቢ ኣስመራ ከድሕን ኣይከኣለን።

ካብ 1991 ዓ.ም.ሩ. ጀሚሩ ግና፣ እቶም ህግደፍ ዝብሃሉ ጭፍራ ማፍያ  ግንከኣ ኤርትራዊ ሕብሪ ዘለዎም ልኡኻት ባዕዳውያን፣ “ገርብ ብሓኽላ” ብዝብል ውዲት፣ ቀዲ መደብ ዕዮኦም፣ነቲ ካብ ጸላእቱ ባዕሉ መኪቱ፣ ሃገሩን ህዝቡን ነጻን ሓራን ዘውጽአ ጅግና ወዲሃገር፣ በብ ሓደ እንዳ ነጸዩን፣ እንዳሕረሩን፣ እንዳ ኣሰሩን፣  የጽንትዎ ኣሎው። እቲ ኣዝዩ ዘሕዝን ግና ከይሓፈሩ፣ መላእ ሓዲሽ ወለዶ ካብ መዓስከር ባርነት ሃጽ ኢሉ ከምዝጠፍእ ብመደብ እንዳኣጽነቱዎ፣ ተሰልቢጦም ከኣ ብብዓል “ነጻነትን” ብ”ሕድሪ ስውኣትን” እንዳሸቀጡ  ጥራይ ዛጊት 27 ዓመታት ሓሊፉ።


“ባጀላ ወይ ዲግሪ ዘይኮነስ ዱግሪ እዩ ዘድልየና። ፔና ወይ ዲፕሎማ ዘይኮነ ዘድልየና ድማ፣ ባዴላን ገረውኛን እዩ”። መደረ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ኣብ መዓስከር ሳዋ።

ብጹእ ወ ቅዱስ ፓትሪያርክ ተዋህዶ ሃይማኖት ኤርትራ ኣቡነ ኣንጦንዮ ብትእዛዝ ልኡኽ መላኺ  ካብ ዝሕየሩ ብዙሕ ዓመታት ሓሊፉ። ሎሚ ከምዝውረ ዘሎ ድማኒ ብሕይወቶም የለውን እዩ ዝብሃል ዘሎ። ከምዚ እንዳፈጸመ እዩ እምብኣር ኢሰያስ ተጠሊዑ ብዓል ነጻነት ከብዕል ላዕልን ታሕትን ዝብል ዘሎ።

ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ንጸላእቱን ወረርቱን ብዘይሕለል መኸተ፣ ዘየዳግም መጽፋዕቲ ብምግባር፣ ንሃገሩን ህዝቡን ሓራ ኣውጺኡዋ፣ ከብቅዕ ሎሚ ግና ድሕሪ ነጻነት እቲ ብልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ብእካብ ወዲ እካብ ዝቐመ፣ ግንከኣ እታ ኤርትራ ትብሃል መሬት ዘይትብጽሖም ደቂ ወሰን፣ ሎሚ ግና ደቂ ማእከል ኮይኖም ዘለው፣  ቀንዲ መደብ ዕዮኦም ህዝቢ እጽኒቶም ነታ ሃገር ምስ ባሕራን ባህርያዊ ጸግኣን ንባዕዳውያን ከረክቡዋ ገልዳሕ ይብሉ ኣሎው። እወ፣ እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ንገር ግና፣ ህዝቢ ኤርትራ ክሳብ ሎሚ፣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብባዕዳውያን ተመልሚሉ፣ ንኤርትራ ንባዕዳውያን ኣሕሊፍፉ ንከረክብ ከም ዝሰልጠነ ዘይምርድኡ እዩ። ስለዚ እቲ ብልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ዘሎ ጭፍራ ህግደፍ፣ ብባዕዳውያን ተመልሚሉ ቀንዲ መደብ ዕዮኡ፣ ንህዝቢ ኤርትራ ንንምጽናት ጥራይ ኮይኑ ኣሎ።

እዚ ዕደና ወርቂ ብሻ ይብሃል። እተን ነዚ ዕደና ወርቂዚ ዝሓነጻ ካንፓኒታት፣ ካብ ሃገር ጀርመን እየን ቱሰን ክሩብን ከኣ ይብሃላ።
Image result for krupp and thyssenዕደና ወርቂ ብሻ ብባዕዳውያን ተዘሚቱ ንባዕዲ እንዳግዓዘ ከሎ፣ ብኣንጻሩ ከኣ መንእሰይ ኤርትራ ሃገር ገዲፉ ይስደድ ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ማይን ሉቸን ሓሲሙዎ፣ እቲ ናቕፋ ዝብሃል ባጠራ ህግደፍ ድማ፣ ነቲ ግላዊ ንብረት ህዝቢ ግሂሱ ብኢደወነኑ ብኣዋጅ ሃጊሩዎ። እሞ ዓመት ዓመት ድማ ብዓል ነጻነት እንዳተባህለ ኣብ ዔርትራ ይብዓል ኣሎ።

እታ ንወርቂ ብሻን ካልእ ዕደና ወርቂ ኤርትራ ትቆጻጸሮ ዘላ ትካል  ካብ ሃገር ከናዳ ትኹን እምበር ካብቲ እቶት ተጠቀምቲ ርእሰማላውያን ኣሜሪካን ኤውሮጳን ከናዳን እዮም።

Nevsun logo.png

ብርግጽ እምብኣር ጭፍራ ህግደፍ፣ ነዚ ኩሉ ወፍሪ ህልቀት ህዝቢ ኤርትራ ተዋፊሩሉ ከብቅዕ፣ ከይሓፈረን ከይሓነኸን ግና፣ ዓመት ዓመት “ብዓል ነጻነት” እንዳበለ ክሽቅጥን ከብዕል ይርከብ ኣሎ። “ሓጺሩኒ እንተበልኩዎስ ተደቢሩ ይስዕስዕ”።

እቲ ነጻነት ኤርትራ ዘበርዓነ ሕቡእ ኣጀንዳ ዝነበሮ ውዕል ለንዶን

 እምብኣር ምናልባት ኢሰያስ ነዚ ዕለት እዚ የብዕል እንተሃልዩ ይንገረና፣ ብዓል ነጻነት ዝባሃል ግና፣ ኣብ ኤርትራ የለን፣ ብዓል ባርነት እንተዘይኮኑ።

ህዝቢ ኤርትራ እዛ ዓመት 2018 ካብ ባርባራዊ መግዛእቲ ዝገላገለላ ዓመት ይግበረሉ!! ፍጹም ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ!!

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 19 ግንቦት 2018 ዕ.ም.ፈ.