Putin slams ‘aggressive’ new US defence strategy

Maria ANTONOVA AFP22 December 2017 Russian President Vladimir Putin and Defence Minister Sergei Shoigu attend a meeting of Russia’s top military brass in Balashikha outside Moscow. Russian President Vladimir Putin on Friday described the new defence strategy...

ራእይ ወለዶታት ዝቆጸየ “ግዝያዊ መንግስቲ” ክሳብ መዓስ ? (ፖለቲካዊ ኣምራት)

 ኣብዘን ዝሓለፋ 70 ዓመታት፣ብሓጺሩ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ታሪኽ ብዙሓት ውጽዓትን፡ ረብሓ ውሑዳት ገበትን ኮይኑ እዩ ተሪፉ። እዛ ዓዲ ባሕረነገስታት፣ ዓዲ ሕጊ ዓዲ ፍትሒ፣ ዓዲ ቅዱስ ሃይማኖት ኤርትራ፣ህዝባ ጻማ ቃልሱ ከይሓፍስ ተሓሪሙዎ። ባህርያዊ ጸግኡ ብባዕዳውያን እንዳ ተዘምተ፣ መንእሰይ ወለዶኡ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፣ ክብ 5000 ንላዕሊ ነታ ዝፈትዋ ሃገሩ ጠንጢኑ ሃጽ ኢሉ ንስደት የምርሕ ኣሎ። ንስደት ምምራሕ...

እቲ ካልእ መሓውር ዓፈና…ስለያ ግንባር ካልኣይ ክፋል

“ሚኒስተር ኢሰያስ ነበር ዓሊ ዓብዱ፡ መተካእታ ኢሳይያስ ኮይኑ “ሃገር ክመርሕ” እንዳሓለመ እንከሎ፡ ሴፍ ኢሳይያስ ኣብ ባዕሉ’ውን ምስ ቀነዐት፣ ምኽንያት ፈጢሩ ኣቐዲሙ ሃዲሙ፡፡ ስለላ መርበብ ካብ መርበብ ዲፕ ስቴት ኣሜሪካ ፈሊኻ ዘይርአ ስለዝኾነ፣ ዓሊ ዓብዱ ከምቲ ዝብሃል ብሓቂ ድዩ ንወጻኢ ሃዲሙ፣ ወይስ ብመድብ ስለያ ኢሰያስ እዩ ሰፈር ቀዪሩ ዘሎ? ምርምርን መጽናዕትን ዘድልዮ ጉዳይ እዩ።  ስለያ ምክልኻልን ግንባርን...

ቅንጸላታትን ጭውያታትን ሃገረ ሱዳን – 4ይ ክፋል

ሉኡላዊነት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውረደ ፡ ደረት ኣልቦ ጉጅለ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝነበረ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ፡ ናብ ዲፕሎማሲያዊ ምትፍናን ኣብ ዝዛወሉ ህግደፋዊ መድረኽ፡ ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ዝተደረኸ ህዱእ ምሕዝነት ዝፈጥር ጽምዶ ከምዘየልቦ፡ ካብ ዝሓለፉ ጽሑፋት ምርዳእ ይከኣል፡፡ ብርግጽ ብመንጽር ሃገራዊ ረብሓን ድሕነትን፡ ፈታዊን ጸላኢን ዝበሃል ኣምር (ስነ-ሓሳብ) የለን፡፡ ንጎረባብቲ ሃገራት ክትስልልን፡ ኣብ...

ቅሉዕ መጸዋዕታ ንፈጻሚ ሽማግለ ኤ.ስ.ደ.ለ. ካብ ነጸረኣ ኣስመላሽ

ብድሕሪ ነዊሕን ብዙሕን ሞጎት ምስ ሕልናይ ተዓሪቐ ንውሽጠይ ነጻነትን ሓርነትን ካብ ዝጓናጸፍ ልዕሊ ክልተ ዓመት ኮይኑ’ዩ። ብቅሉዕ ካብ ኤርትራዊ ስምረት ንዲ-ሞክራስያዊ ለውጥን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን ኣባልነተይ ኣውዱቐ ነጻን ሓራን ካብ ዝኸውን ድማ እንሆ ራብዕቲ ኣቁጺሩ። ቅድሚ ኩለ ካብ ሕልናዊ ቅሳነትን ራህዋን ዝዓቢ ስለዘይህለ፡ መቐረት ሕልናዊ ነጻነትን ሓርነትን ከስተማቕር ብምኽኣለይ ብጣዕሚ ሕጉስ ምዃነይ ከረጋግጽ...