ሉኡላዊነት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘውረደ ፡ ደረት ኣልቦ ጉጅለ

ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝነበረ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶ፡ ናብ ዲፕሎማሲያዊ ምትፍናን ኣብ ዝዛወሉ ህግደፋዊ መድረኽ፡ ኣብ ሓበራዊ ረብሓ ዝተደረኸ ህዱእ ምሕዝነት ዝፈጥር ጽምዶ ከምዘየልቦ፡ ካብ ዝሓለፉ ጽሑፋት ምርዳእ ይከኣል፡፡ ብርግጽ ብመንጽር ሃገራዊ ረብሓን ድሕነትን፡ ፈታዊን ጸላኢን ዝበሃል ኣምር (ስነ-ሓሳብ) የለን፡፡ ንጎረባብቲ ሃገራት ክትስልልን፡ ኣብ ምሕዝነት ክትነጥፍን፡ ንቡርን ግቡእን ከምዝኾነ’ውን እኣምን፡፡ እንተኾነ፡ ኣብ ሃገርና ዘሎ ስለያዊ ኮነ ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት፡ ንሃገራዊ ረብሓናን ድሕነትናን ዝጠቅም ዘይኮነስ፡ ንዕምሪ ስልጣን ኢሳይያስ ዘናውሕ ካብ ዝኸውን፡ ዛጊት ዓመታት ኣቑጺሩ ኢዩ፡፡ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ድጉል ህሞት፡ ዝጠሓለ ጉጅለ ኢሳይያስ፡ እታ ዝተረፈቶ እንኮ ኣማራጺ፡ ንጎረባብቲ ሃገራት ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ምህዋኽ ስለዝኾነ፡ ኩለን ውዳቤታት ወጻኢ፡ ኣብ ክንዲ ንሓባራዊ ረብሓ ዝድርኹ ንጥፈታት ምዕማም፡ ኣብ ጸጥታዊን ወትሃደራዊን መደባት ኣተኩረን ክዓማ ብዘኽእል ኣወዳድባ ኢዩ ዝሰርዐን፡፡

ዝኸበርኩም ተኸታተልቲ!!

ንሎሚ ምስ ሱዳን ኣብ ዝነበረ ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ኣድሂበ፡ ጽሑፈይ ምስዝቕጽል፡ እታ ኢሳይያሳውያን፡ “ብሓለንጊ ሰውራ” ዘጉባዕቡዕላ፡ “ሻውዐቲ ዞባና” ዝብሉዋ ሃገረ ሱዳን ንረክብ፡፡ ሱዳን ግዳይ ስውር ህግደፋዊ ተልእኾ ካብ ትኸውን፡ ነዊሕ ኣቑጺራ ኢያ፡፡ ከም ሳክቲዝም፡ ሱዳን ምስ ጅኦ ፖለቲካዊ ረብሓታት ብምትእስሳር፡ ንኤርትራ ስትራተጅካዊ ረብሓታት ክንረኽበላ እንኽእል ሃገር ከምዝኾነት እኣምን፡፡ ጉጅለ ኢሳይያስ ግን፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ጅኦ ፖለቲካዊ ረብሓታት ዘድህብ፡ ብኣዚዩ ደቂቕ ስለያዊ መርበባት ተሰኒዩ፡ ነታ ሃገር ክሕምስን፡ ነቲ ካብ ሃገር ተጨኒቑ ዝተሰደደ ዜጋና፡ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ንምጭዋይን ንምቕንጻልን ብዙሕ ጽዒሩ ኢዩ፡፡ ካብ መሬት ሱዳን ወይ ብስርሒት፡ ወይ ከኣ ብብላዕ ተሓጊዝካ ሰብ ሓሓኒቕካ ምምጽእ “ሓለንጊ ሰውራ ነዊሕ ኢዩ” ኢልካ ብጃህራ ትጭድረሉ ጉዳይ ኣይኮነን፡፡ እቲ ምንታይ ሲ፡ ንባዕላ ሱዳን ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ቅልውላው ዝተሸመመት፡ ብዙሕ ብኮታት ዘለዋ ሃገር ምኻና ስለ ዝፈልጥ፡፡

ሃገረ ሱዳን ብምዕራብ ብጉዳይ ዳርፉር፡ ብደቡብ ብጉዳይ ርእሰ ውሳነ ህዝብታት ደቡብ ሱዳን፡ ብሰሜን ብጉዳይ ምስሪን ፈለግ ኒልን፡ ብደቡባዊ ምብራቕ ክፋል እታ ሃገር ብቐቢላዊን ባህሪያዊን ጎንጽታት፡ እትሕመስ ሃገር ኢያ፡፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት፡ ብመንጽር ጸጥታን ሃገራዊ ሓድነትን፡ ስርዓት በሽር ዋላ ብዙሕ እንተሰጎመ፡ ሕጂ ውን ብሰንኪ ወሰኽ ዋጋ ነዳዲን፡ ኣብ ማእከል ካርቱም ኣብ ሞንጎ ሰልፍታት ዝረኣዩ ፖለቲካዊ ኣፋላላያት፡ ናይታ ሃገር ቀንዲ ብደሆታት ኢዮም፡፡ ኣብ ርእሲ እዚ ኹሉ ዘቤታዊ ጸገማት ሃገረ ሱዳን፡ ብምኽንያት ዳርፉር ኣብ ልዕሊ ፕረሲዳንት ኣልበሽር፡ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝወጸ ናይ ምእሳር ዋረንትን፡ ብበዓል ኢሳይያስን ጫድን ዝሕብሐቡ ዕጡቋት ጉጅለታት ዘካይድዎ ስርሒታት፡ ነታ ሃገር ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ቅልውላው ክትሽመም ጌሩዋ ኢዩ፡፡

ስለዚ፡ ኣብዛ ሃገር ዝካየድ ዝኾነ ዓይነት ስርሒትን ስለያዊ መስርሕን፡ ንውሽጣዊ ቅልውላው ሃገረ ሱዳን መዝሚዝካ ዝካየድ”ምበር ኣፍልብኻ ነፊሕኻ ትጀሃረሉ መርኣያ ስለያዊ ዓቕምታት ኣይኮነን፡፡ እንዳ ኢሳይያስ ግን፡ ንዝቃወሞም ከርዕዱ፡ ብሕሉፍ ታሪኽ ክብለጹ፡ ካብ ሱዳን ሰብ ክጭወዩ እንከለው “ሓለንጊ ሰውራ…” እንዳበሉ ክጉስጉሱ ጸኒሖም’ዮም፡፡ ብዝኾነ ናይ ሎሚ መደበይ ኣብ ሱዳን ብቐንዱ፡ ስለያዊ ዕማማት ዝተዓደሎ ኢምባሲ ሃገረ ኤርትራ ዘካየዶም ኣንጻር ረብሓታት ሃገር ዝኾኑ ሽርሒታት ምቅላዕ ስለ ዝኾነ ናብኡ ከስግረኩም፡፡

ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት፡ ካብቶም ኢሳይያስ ብቐጥታ ዝከታተሎም፡ ዘይውግዓዊ ውዳቤታት ሓደ፡ ኣብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝካየድ ስለያዊ ንጥፈታት ዝዓምም ክፍሊ ኢዩ፡፡ ኣብዚ እዋን፡ እዚ ክፍሊ ኮ/ል ዓንደብርሃን በርሀ (ወዲ በርሀ) ዝተብሃለ፡ ገዲም ተጋዳላይ ዝመርሖ ኮይኑ፡ ዘይወግዓዊ “ሓላፊ ምውህሃድ ወፍሪታት ጉጅለታት ኢትዮጵያን ሱዳንን” ዝብል ሓላፍነት ኣለዎ፡፡ ኣብዚ እዋን ወዲ 78 ዓመት ወዲ በርሀ፡ ኣብ ገድሊ ኣባል ኮማንዶ 72 ዝነበረን “ኣብ ቅያ 18 ደቓይቕ” ልዑል ኣበርክቶ ካብ ዝነበሮም ተጋደልቲ ሓደ’ዩ፡፡

ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ውሽጣዊ ጉዳያትን፡ ሃገራዊ ድሕነትን ተመዲቡ ኣገልጊሉ ኢዩ፡፡ ብሰንኪ ኣልኮላዊ መስተ፡ ኣብዚ እዋን ናይ ጥዕና ጸገም ዝገበረ ወዲ በርሀ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ሱዳን ተመዲቡ፡ ብምስምስ ኣስገርቲ፡ ጀብሃ፡ ጀሃድ፡ ተቓወምቲ፡ ሃንደስቲ፡ ኣስገርቲ፡ ተሓባበርቲ…ዝእስሩ፡ ዝጭወዩን ዝቕንጸሉን ዝነበሩ ሰባት፡ ብላዕለዋይነት ዝመርሐን ዝኣዘዘን ሓላፊ ኔሩ፡፡ ወዲ በርሀ ኣልኮሊዛቶ ኮይኑ፡ ብሕማም ምንቅጥቃጥ (Parkinson`s)ን ምሕባጥ መሓውራትን ምስተጠቐዐ፡ ናብ ኣስመራ ተሳሒቡ፡ ብዘይ ስራሕ ኣብ ሆቴል ኒያለ ተቐሚጡ፡ ናብ ቤ/ጽ ፕረሲዳንት ክመላለስ ጸኒሑ፡፡ “ስምዒታት ኣሕዲሩ” ምስ ተብሃለ፡ ኢሳይያስ ናብ ማእከላይ ቤ/ጽ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ቤት ገርግሽ፡ ኣብ ትሕቲ ወዲ ካሳ መዲብዎ፡፡ ኣብ ትሕቲ ወዲ ካሳ ውን፡ ከም ሓላፊ ምውህሃድ ወፍሪታት ተቓወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያን ሱዳንን ኮይኑ ተመዲቡ፡፡ ኣብ ቤት ገርግሽ ነቲ ስራሕ ክዓሞ ስለ ዘይከኣለ፡ ኮ/ል ፍጹም ኢሳቕ -ሌኒን (ሓላፊ ምውህሃድን ወፍሪታትን ተቓወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ጋሽባርካ)ን ሌ/ኮ ግርማጽዮን የውሃንስ-ሃጸይነት (ሓላፊ ስለያ ምብራቓዊ እዚ ነበር)ን ንዕኡ ተኪኦም ይዓይዎ ኣለው፡፡

ስሩዕ ዲፕሎማሲያዊ ጽምዶታት፡ ብስለያዊ ሽርሒታት ምስ ተተክኡ፡ ኣብ መሬት ሱዳን ነዞም ሽርሒታት ክዓዩ ካብ ዝጸንሑ ሰባት ሓደ ክብ ኢሉ ዝተገልጸ ወዲ በርሀ ኔሩ፡፡ ብሰንኪ ምስ ሱዳን ዝነበረ ምስሕሓብን ምትፍናንን፡ ኣብ 1990ታት ኣብ ሱዳን ዝነበራ ቤ/ጽሕፈታት፡ ብተደጋጋሚ ኣብ ምዕጻውን ምኽፋትን ጸኒሐን እየን፡፡ ብመንጽር ሃገራዊ ድሕነት፡ ነቶም ግቡእ ድሕነታዊ ዕዮታት ክዓሙ ዝጸንሑ ሓለፍትን ዜጋታትናን ሓዲገ፡ በቲ እዋን፡ ኣብ ሱዳን ኣብ ምጭዋይ፡ ኣብ ቅንጸላ፡ ኣብ ምድኻም ተቓምቲ ሰልፍታትን ምስግጋር ዘይሕጋዊ ኣጽዋርን ደቂ ሰባት ዝሳተፉ ዝነበሩ፡ ብማአክላይ ቤ/ጽ ክፍሊ ወጻኢ ስለያ ዝተዋፈሩ ቀንዲ ኣባላት ዝስዕቡ ኔሮም፡፡

  1. ኮ/ል ዓንደብርሃን እስቲፋኖስ፡ ካብ 1997 ጀሚሩ፡ ኣብ ሱዳን ተዋፊሩ፡ ዝተፈላለዩ ስለያዊ ስርሓት ዝዓመመ ተጋዳላይ’ዩ፡፡ ቅድሚ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ካርቱም ውግዓዊ ባይታ ምርካቡ፡ ኣብ ካርቱም ብጉልባብ፡ ኣብ ኤምባሲ ንግስነት ሰዑዲ ዓረብ ተቖጺሩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ስለያዊ ሽርሒታት ክነጥፍ ጸኒሑ፡፡ ኣብ መወዳእታ ምስ ሓለፍቲ ስለ ዝተብኣሰ ናብ ኣውስትራሊያ ሃዲሙ፡፡

  2. ሳምሶም ግርማይ፡ ትውልዲ ዓዱ ከባቢ ዓዲ ንፋስ ኮይኑ፡ ብጉልባብ ኣብ ካርቱም፡ ከም ተምሃራይ ብሪትሽ ካውንስል ዝተመደበ ኢዩ፡፡ እዚ ሰብ’ዚ ምስ ብርጋዴር ጀነራል ሚኪኤለ ሓንስ (ወዲ ሓንስ)፡ ናይ ቀረባ ዝምድና ዘለዎን ኤምባሲ ኤርትራ ምስተኸፈተ ውን ከም ግዝያዊ ቆንስል ብምኻን ኣገልጊሉ ኢዩ፡፡ ኣብ መሬት ሱዳን ንልዕሊ 10 ዓመታት ዝተፈላለዩ ስለያዊ ሽርሒታት ምስ ፈጸመ፡ ኣብ መወዳእታ ናብ ኤርትራ ብምእታው ኣብ ዓዲ ንፋስ ብሚሊዮን ዝግመት ወጻኢታት ዝተገብረሉ ኣባይቲ ሃኒጹ፡ ኣብ ከባቢ ኦሞሓጀር ናይ ሓደ ኣለም ወልደስላሰ ዝበሃል ሞዋቲ ጀርዲን ገዚኡ ይሓርስ ኣሎ፡፡ ኣብዚ እዋን ውን ኣሳሳዪ ተኽለ ማንጁስ ኮይኑ፡ ኣብ ዶባት ሓምዳይትን ኦሞሓጀርን ኣብ መሸጣ ሰባት፡ ዘይሕጋዊ ንግዲ ምስ ራሻይዳን፡ ኣብ ምሕብሓብ እቶም ዝተረፉ ዕጡቋት ዳርፉርን ተዋፊሩ ኣሎ፡፡

  3. ዓሊ ዓብደልቃድር፡ ምስ መሓመድ ሸኽ ዝተብሃለ ናይ ኤርትራን ሱዳንን ዜግነት ዝነበሮ ውልቀሰብ፡ ብጉልባብ ኣብ ፖርት ሱዳን ኣብ ወደብ ይስርሕ ኔሩ፡፡ ደሓር ኤምባሲ ምስተኸፍተ፡ ፕሮቶኮል ዝብል ጉልባብ ተዓዲልዎ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ስለያዊ ሽርሒታት ይነጥፍ ኔሩ፡፡

  4. ተስፋይ መንግስትኣብ፡ ፈለማ ኣብ ካርቱም ኮለጅ ካምቦኒ፡ ከም ተምሃራይ ቋንቋ ዓረብ ኮይኑ ብጉልባብ ይሰርሕ ኔሩ፡፡ ድሕሪ ምኽፋት ኤምባሲ ከም ኣውቲስታ ኣምባሳደር ሓምድ ሕምድ ኮይኑ ተመዲቡ፡፡ ኣብ መፋርቕ 2000 ናብ ጁባ ተቐይሩ፡ ብሰንኪ ካብ ደቡብ ሱዳን ናብ ሶማል (ኣልሸባብ) ዝተልኣኸ ግን ዝፈሸለ ሓደ ሓደ ስውር ስርሒት፡ ናብ ኤርትራ ተሳሒቡ ተኣሲሩ ክሳብ ሕጂ ሃላዋቱ ኣይፍለጥን፡፡

እዞም 4ተ ኣባላት ወጻኢ ስለያ፡ ነፍሰወከፍ ስርሖም ናብ ማእከላይ ቤ/ጽ ወጻእ ስለያ ማለት ናብ ኮ/ል ጋይም ተስፋሚካኤልን ኮ/ል እምናይ ስሌማን (ወዲ ሻምበል) ብመልክዕ ጸብጻብ ቀጻሊ ይልእኹ ኔሮም፡፡ ካብ ትሕዝቶታት ጸብጻብ ስርሒታት ሱዳን ንሎሚ ዝስዕቡ የቕርበልኩም፡፡

  • ስርዓት ኢሳይያስ ህላወ ተቓዎምቲ ውድባት ብወግዒ ምስከልከለ፡ ካብ ሃገርና ናብ ስደት ዘምረሓን መዋእለን ኣብ ስደት ዝነበራን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብክፍሊ ወጻኢ ስለያ ኣቢሉ ስውር መጽናዕቲ የካይደለን ኔሩ፡፡ ብመንጽር”ዚ መደብ፡ ኣብ ሱዳን’ውን ከም ሰውራዊ ባይቶ (እንዳ ቲያር)፡ ሳግም፡ “ጀሃድ” (እንዳ ዓብደላ እድሪስ)ን ኣቡሱሄልን ኣብ ታርጌት ክፍሊ ወጻኢ ስለያ ኣትዮም ኔሮም፡፡ ብፍላይ ግርማይን ሃነጸን (ካብ ሰውራዊ ባይቶ እንዳቲያር)፡ ቀሺ ጴጥሮስን በየነን ዝተብሃሉ ካብ ሳግም፡ ከምኡ ውን ሃለቃ መዝገበን ዝተብሃሉ ኣባላት፡ ኣብ ትሕቲ ዕቱብ ምክትታላት ኔሮም፡፡ ኣብ ሱዳን ንክፍሊ ወጻእ ስለያ ብዛዕባ እተን ሰልፍታት ሓበሬታ ካብ ዘመሓላልፉ ቀንዲ ተሓበበርቲ፡ መሓመድብርሃን (ካብ እንዳ ዓብደላ እድሪስ)ን ገብሩ ዝተብሃለ (ካብ ሰውራዊ ባይቶ)ን ኔሮም፡፡ ብፍላይ መሓመድብርሃን ንዓብደላ እድሪስ ንምቕንጻል መደብ ተዋሂብዎ ኔሩ፡፡ ብጀካ እዞም ክልተ ቀንዲ ተሓባበርቲ፡ ካልኦት ተሓባበርቲ ውን ዝነበሩ ኮይኖም እዞም ክልተ ግን፡ ብዛዕባ እተን ውድባት ደቂቕ ሓበሬታ ዘመሓላልፉን ወርሓዊ ክሳብ 200 ዶላር ዝኽፈሎም ኔሮም፡፡

  • ኣብ ሱዳን ብወጻእ ስለያ ኣቢሉ፡ ካብ ዝትግበሩ ዝነበሩ ስውር ስለያዊ ተልእኾታት ሓደ፡ ኣኼባታት ተቓወምቲ ውድባት ብዝተፈላለየ መገዲ ክቋርጽን ኣባላትን መራሕትን ነንባዕሎም ክናቆቱ ምግባር ኔሩ፡፡ ኣብዚ መስርሕ ካብ ኣጀንዳ ወጻእ ሕቶታት ብምልዓል፡ ንሓለፍቲ እተን ውድባት ዘከሻምሽ ድሕሪ ባይታ ኣብ ኣኼባ ብምልዓል፡’ቶም ብስልኳታት ዝኣተው ኣባላት ኣብ ውሽጢ ሕንፍሽፍሽ ንምፍጣር ብዙሕ ሰሪሖም’ዮም፡፡

  • ኣብ ሱዳን ጣይፍ ዝተብሃለ ከባቢ ዝተደኮነት ቤተክርስትያን ኣንዳሚካኤል፡ ኣብ ዝነበረ ጎንጽ ተጠቒምካ፡ ኣብ ሞንጎ ደገፍትን ተቓወምትን ሃጓፋት ንምፍጣርን፡ ኣብ ውሽጢ’ቶም ተቓወምቲ ውን ብምስምስ ሃይማኖታዊ ኣፈላላይ ሕንፍሽፍሽ ክኣትዎም ምግባር መደብ ወጺኡ ኔሩ፡፡

ወርሒ 1. 2000 ኣብ ካርቱም ብውግዓዊ መገዲ ዝተሃንጸ ኤምባሲ ኤርትራ፡ ፈለማ ብወጻእ ጉዳያት ሚኒስተር ሃይለ ወልደትንሳኤ (ድሩዕ) ተመሪቑ ምስተኸፈተ፡ እቶም 4ተ ወደብቲ ወግዓውያን ልኡኻት “ሃገረ ኤርትራ” ኮይኖም፡ ኣብቲ ኤምባሲ ክዓዩ ተመዲቦም፡፡ ኤምባሲ ኤርትራ ኣብ ሱዳን፡ ብወግዓዊ ምስተኸፈተ ድማ፡ ንተልእኾታት ወጻኢ ስለያ ጥጡሕ ባይታ ተፈጢሩ፡፡ ሓምድ ሕምድ ከም ላዕለዋይ ሓላፊ ሚሽን ናብ ሱዳን ተሳሒቡ፡፡ ኣብ ትሕቲ ሓምድ ሕምድ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ገድሊ ኣባል እንዳ 72 ኮይኑ፡ ኣብ ስራሕውቲ ፈዳያን፡ ስውር ድብያታት፡ ቅንጸላን መርሸንትን፡ ጸሊም ታሪኽ ዘለዎ፡ ኮሎኔል መልኣከ ተስፋማርያም (ወዲ ፊተውራሪ) ውን፡ ብጉልባብ ሚሊታሪ ሚሽን፡ ናብ ካርቱም ኤምባሲ ተመዲቡ፡፡ ወዲ ፊውተራሪ ምስ ተመደበ፡ ኣብ ሱዳን ዝፍጸም ዝነበረ ስውር ሽርሒታት፡ ናብ ዝለዓለ ደረጃ ኣበሪኽዎ ’ዩ፡፡ ኣብ ሱዳን ዝኾነ ኣንጻር ኢሳይያስ ዝቖመ፡ ኣብ እዋን ደርግ ሓለፍነት ዝነበሮ፡ ምስ ደርግ ርክብ ዝገበረ ሰብ፡ ኣባላትን ሓለፍትን ተቓወምቲ ውድባት (ብፍላይ ከኣ ጅብሃ)፡ ኮታስ ኣንጻር ስነ-ሓስብ ኢሳይያስ ዝቖመ ዝኾነ ሰብ ደቂቕ መጽናዕቲ ምክያድን ሓሓኒቕካ ምሕቓቕ ኮነ፡፡ ከም ወዲ ፊተውራሪ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ንዝነበሩ ሰባት ክኣርን ከሕቅቕን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተዋፈረ ድማ ኮ/ል ዓንደብርሃን በርሀ (ወዲ በርሀ) ነበረ፡፡

ወዲ ፊተውራሪ፡ ናብ ሱዳን ምስተልኣኸ ብኣልማማ ዝፈጸሞም ዘስካሕክሑ ገበናትን ስርሒታትን ንምቑጻር ዳርጋ ኣይከኣልን፡፡ ብኮድ Xls/ 0015 ተሰኒዶም ኣብ ጸብጻባት ካብ ዝሰፈሩ ፍጻመታት ወዲ ፊተውራሪ፡ 11 ኣባላት ተቓወምቲ ውድባት፡ 8 ኮንትሮባንዲስታ ዝብሎም፡ 6 ብጀሃድ ዝተጠርጠሩን ሓዊሱ ልዕሊ 40 ዜጋታት ናብ ውሽጢ ዓዲ ተዓፊኖም ክኣትው ብምግባር ስጉምቲ ኣውሲድሎም ‘ዩ፡፡

ኤምባሲ ሱዳን ተልእኾታቱ ሙሉእ ብሙሉእ ብመደባት ወዲ ፊተውራሪ ምስ ተብሓተ፡ ዕለታዊ መደባት ሱዳን ኣብ ምክትታል ዶባት፡ ምክትታል ንምቅስቓሳት መንግስቲ ሱዳን፡ ምክትታል ተቓወምቲ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን፡ ምድላው ወረቓታዊ መሳለጥያታትን መጓዓዝያን ንተቓወምቲ ጉጅለታት ኢትዮጵያን ሱዳንን፡ ከምኡ ውን ምስላጥ ጭውያታትን ድብያታትን ከድህብ ተገይሩ፡፡ ኩሉ ውዳቤታት ብመንጽር ዞም ዕለማታት ስለዝቖመ፡ ብቐንዱ ምስ ኣባላት ጸጥታ ሱዳን ርክባት ክሰላሰልን ክሕይልን ይድለ ኔሩ፡፡

ምስ ሱዳናውያን ኣብ ዝነበረ ርክባት ውን፡ ንዓብዱራሕማን ሰረልከቲም (ምክትል ሚኒስተርን ኣማሓዳሪ ከሰላን መደኒን ነበር)፡ ቃዝ ሳላሕዲን (ፍሉጥ ጠበቓን ኣብ እዋን ገድሊ ምስ ኢሳይያስ ጽቡቕ ርክብ ዝነበሮን)፡ ሳላሕ ጎሽ (ሓላፊ ጸጥታ ሱዳን ነበር) ዱልዱል ርክባት ክሃንጹ ብዕቱብ ይሕበሮም ኔሩ፡፡ በቢጽፍሑ ዝርከቡ ሓለፍቲ ጸጥታ ሱዳን፡ ብልዝብን ብብላዕን ክሕዝዎም ኣብ ዝግበረሉ ዝነበረ መድረኻት፡ ብፍላይ ኣብ ጭውያን ዓፈናን ኣድሂቦም ክሰርሑን፡ ኣብ መሬት ሱዳን ራዕዲ ክፍጠርን ኮነ ተባሂሉ ተሰሪሒሉ’ዩ፡፡

በዓል ወዲ ፊተውራሪ ጸብጻባቶም ምስ ኣጻፈፉ፡ ግብራዊ ስጉምቲ ክወስድ መደብ ዝተዓደሎ ድማ ብብርጋዴር ጀነራል ተኽለ ማንጁስ ዝምራሕ ኣሃዱ ምክትታል ዶባትን ብጉቦ ዝተዓደጉ ሱዳናውያን ኣባላት ብሄረ ረሻይዳ ‘ዮም፡፡

ኣብ መስርሕ ምእሳርን ምጭዋይን፡ እቲ ኣብ ኣጻምእ ምድሪ ዒራዒሮ ዝተሰውአ ኣምባሳደር ሓምድ ሕምድ ባዕሉ ኣብ መወዳእታ ግዳይ ናይዚ ስውር ስለያዊ መርበባት ኮይኑ ኢዩ፡፡ ኣምባሳደር ሓምድ ሕምድ ካብ ዩንቨርስቲ ዒራቕ ብኬሚስትሪ ዝተመረቐ፡ ኣብ ስደት ኣብ ሱዳን ምስ ህዝባዊ ሓይልታት ተወዲቡ፡ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ብፍላይ ከኣ፡ ኣብ ግብጺ፡ ሊብያ፡ ዒራቕ ማሕበር ተምሃሮ ኣብ ምምስራትን ምውዳብን ሓያል ኣበርክቶ ዝገበረ፡ ውፉይ ኣባል ሓፋሽ ውድባት ኔሩ፡፡ ኣብ ማሕበር ተምሃሮ፡ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ማእከላይ ምብራቕ ብምኻን ውን ኣገልጊሉ ኢዩ፡፡

ኣብ ካልኣይ ውድባዊ ጉባኤ፡ ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ኮይኑ ድሕሪ ምስርሑ፡ ካብ 1994 ክሳብ 2001 ከኣ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚትን ኮይኑ ኣገልጊሉ፡፡ ኣማሓዳሪ ኣውራጃ ሰንሒት፡ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሚኒስትሪ ወጻእ ጉዳያት ኣብ ክፍሊ ማእከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን እንዳሰርሐ፡ ዝምድና ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ምድልዳልን ናብ ንቡር ንምምላስ፡ ኣብ ሽምግልና ማያዊ ዶባት፡ ኣብ ሽምግልና ኣልጀርስ ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ዓቢ ዲፕሎማሲያዊ ኣበርክቶ ዝገበረ መራሒ ኔሩ፡፡ ኣብ ወጻእ ዝነበሮ ተሞኩሮ ተመዝሚዙ፡ ናብ ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ሃገረ ሱዳን ንሓጺር እዋን ምስተልኣኸ፡ ብኡ ንብኡ፡ ኣብ ጉዳይ ጉጅለ 15 ኢድ ከም ዘለዎ ስለ ተጠርጠረ፡ ፕረሲዳንት ኢሳይያስ ብዘውረዶ ትእዛዝ መሰረት፡ ክፍሊ ወጻእ ሰለያ ብጉልባብ ናብ ውሽጢ ከምጽእዎ ተኣዚዞም፡፡ በቲ እዋን ንሓምድ ሕምድ ንምቕያድ፡ ሓላፍነት ዝተዓደሎ’ውን መሳርሕቱ ወዲ ፊተውራሪ ኮይኑ፡ “እቶም ኣስታት 100 ዝኾኑ ኣባላት ተቓወምቲ ደቡብ ሱዳን (SPLA) ምእንቲ ብሓባር ክንኣልዮም ናብ ተሰነይ ንኺድ” ብምባል፡ ብህጹጽ ብመኪና ናብ ዓዲ ክኣቱ ሓበሮ፡፡ በቲ እዋን ነቶም 4ተ ኣባላት ስለያ ኢምባሲ ብስውር ተዓጢቖም፡ ናብ ተሰነይ ከእትውዎ ተኣዚዞም፡፡ ኣብ መፋርቕ መስከረም 2001፡ ብሓንቲ ላንድክሮዘር ብከሰላ ኣቢሉ ናብ ተሰነይ ምስ ኣተወ፡ ተኽለ ማንጁስ ምስ ኣባላቱ ተረኪቦምዎ፡፡

ኣብ ሆቴል ሳብሪን ንሓንቲ ለይቲ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ሓለዋ ሓዲሩ፡፡ ንጽባሒቱ ብሜጀር ብርሃነ ግርሙ (ኣባል ውሽጣዊ ጸጥታ ክፍሊ ምክትታል ወጻእተኛታት ነበር ኣብዚ እዋን ኣባል ክፍሊ ዓፈናን ስጉምትን) ዝምርሑ ኣባላት ተላኢኾም፡ ተዓፊኑ ናብ እምባትካላ ተወሲዱ፡፡ ኣብ እምባትካላ ምስ ቅያር ክዳውንቱ ዝኣተወ እንኮ እሱር ዝነበረ ሓምድ ሕምድ፡ ኣብ መወዳእታ ብዕለት 07.06.2003 ኣብ ሳልሳይ ዙር ብናይ ኮ/ል ሓዱሽ ዓንዶም (ወዲ ወለላ) መኪና ናብ ዒራዒሮ ዝተዛወረ እሱር ኢዩ፡፡ ኣብ ዒራዒሮ ኣብ ሸላ ቁጽሪ 31 ንኣስታት 3 ወርሒ ድሕሪ ምእሳሩ ብሕማም ሳምቡእ ብዕለት 22 መስከረም 2003 ተሰዊኡ፡፡