ኣብዘን ዝሓለፋ 70 ዓመታት፣ብሓጺሩ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ታሪኽ ብዙሓት ውጽዓትን፡ ረብሓ ውሑዳት ገበትን ኮይኑ እዩ ተሪፉ።

ቅድመ 1994

ዘይናትና ክሳብ ዝመስል፡ ብተደጋጋሚ “ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ”ን “ሓጺር ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ”ን ዝብሉ ጽሑፋት፡ ብውሑዱ ድሕሪ ናጽነት ንዘርከበ እኹል መንእሰይ፡ ኣብ ዘዚዝተወዘዓሉ ኣሃዱን ቤ/ጽሕፈታትን ኣርኪቦምሉ እዮም፡፡ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ተባሂሉ ብወግዒ ዝሕበር ታሪኽ፡ ኣብ ወድዓዊነቱን ኣድላይነቱን ጸገም እኳ እንተዘይሃለዎ፡ ኣብ ተዋሳእትን ምኩሕሓል ቅያታትን ግን፡ ብዙሕ ጸገማት ከምዘለዎ ጸሓፍቲ ታሪኽ ይምስክሩ እዮም፡፡ ብሓጺሩ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ 70 ዓመታት፡ ታሪኽ ናይ ብዙሓት ውጽዓትን፡ ናይ ውሑዳት ገበትን እዩ፡፡ ኣብ እዋን ቃልሲ ንናጽነት፡ እቶም ዝበዝሑ ውጽዓት፡ ኣብ ሓደ ሰሚሮም ዝፈጠርዎ ውድብ ድማ፡ ውድብ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ምኻኑ ኩሉ ዝፈልጦ ሓቂ እዩ፡፡ ህግሓኤ ትማልን፡ ህግደፍ ሎምን፡ ዋላ ናይ ሰማይን ምድርን ዝኣክል ኣፈላላይ ይሃልዎም’ምበር፡ እቶም “መራሕቲ” ኢልና ንሰምዮም ቀንዲ ውልቀ ሰባት ግን፡ እቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ስልጣን ተኾይጦም ዘለው ሰባት ‘ዮም፡፡ ሕጂ’ውን እዞም ውሑዳት ናብ ስልጣን ምስተኾየጡ ዳግማይ ታሪኽ ቃልሲ ንሓርነት ደጊሱና ‘ሎ፡፡ ድቂ ስቓይን ጥፍኣትን’ውን በዞም ኣብ መሪሕነት ዝነበሩ ሰባት ካብ ሜዳ ጀሚሩ ክትግበር ዝጸንሐ፡ ብባህጊ ናጽነትን፡ ብሃረርታ ፍትሕን፡ ካባና ዝተኸወለ ምንባሩ እንዳሓደረ በሪሂልና ኢዩ፡፡

ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝርከብ ውድብ፡ ንመትከላቱን ዕላማታቱን ምስ ዘይግዛእ፡ ድሕሪ ቃልሲ መንግስቲ ዝተኸለ ስርዓት ብተሳታፍነት ህዝቢ ዝጸደቑ ሕግታት ምስ ዘይምራሕ፡ ኣፈላላዮም እቲ ናይ ቃልሲ ባይታ እንተዘይኮይኑ ዳርጋ ማዕረ’ዮም፡፡ ውድብ ህግ ንኣሸሓት ተጋደልትን ሓፋሽ ህዝብን ጠርኒፉን መሪሑን ተቓሊሱ፡ ብደሙ መሬታዊ ናጽነት ዘረጋገጸ ውድብ ምኻኑ ዘይከሓድ ‘ዩ፡፡ ይኹን’ምበር ህዝባዊ ግንባር ኣብ ዲሞክራሲያዊን ባህላዊን ቃልሲ ኤርትራ፡ ካብ ሜዳ ጀሚሩ ብዙሓት ኣሉታዊ ባህሪያት ዝነበሮ ውድብ ምንባሩ ዘይከሓድ ሓቂ’ውን ‘ዩ፡፡ ኣብ ሜዳ ናይ ሓሳባት ፍልልይ፡ ከም እውንታዊ ጎድኒ ዘይኮነስ፡ ተጻራሪ ብድሆ ገይርካ ብምሕሳብ፡ ዘይምጽውዋር ዝወለዶም ከም በዓል መንካዕን የሚንን ዝኣመሰሉ ታሪኻትን ብኣኣቶም ተመሳሚሱ ዝሓቐቐ ተጋዳላይን ኣብነታት’ዮም፡፡ ኣብ ውሽጢ እቲ “ወግዓዊ” መሪሕነት፡ “ብኸውሊ” ዝነበረ ምቋም ቀንዲ ፈጻሚ መሪሕነት (ኤማሰ)’ውን እቲ ካልእ መርአያ ጥሕሰት ዲሞክራሲያዊ ባህሊ’ዩ፡፡

ኣብቲ ዝጸደቐ ውድባዊ ህንጻ፡ ካብ ዝሰፈሩ ሕግታት ሓደ፡ ስሩዕ እዋን ዝተገበረሉ በቢ 4 ዓመት ክካየድ ዝጸደቐ ውድባዊ ጉባኤ ኔሩ፡፡ ካብቶም ንምልኪ ዝዕድሙ ምልክታት ሓደ፡ ኣብ ሜዳ ብዝተፋለለዩ ምስምሳት ክደናገን፡ ክናዋሕን ዝግበር ዝነበረ ጉባኤ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ነይሩ፡፡

ንኣብነት፣ንኣብነት ቀዳማይ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ኣብ ወርሒ ጥሪ 1977 ምስተኻየደ፡ ድሕሪ 10 ዓመት 1987 ካልኣይ ጉባኤ ተኻይዱ፡፡ 3ይ ጉባኤ ህ.ግሓ.ኤ. ድማ፡ ድሕሪ 7ተ ዓመት ብ1994 እዩ ተኻይዱ፡፡ ድሕሪ ምቋም ህግደፍ 1994፡ ኣብ ዝሓለፉ 23 ዓመታት ብስሩዕ ዝተኻየደ ውድባዊ ጉባኤ የለን፡፡

እዚ ኹሉ ታሪኻዊ ጌጋታትን ጥሕሰታትን፡ ምስ ዝነበረና ባህጊ ናጽነትን ሃረርታ ብሩህ ዘመንን ብምትእስሳር፡ ንሕና ኤርትራውያን ብዙሕ ኣየስተብሃልናሉን፡፡ ምጥሓስ ብወግዓዊ መገዲ ዝተነድፉ ሕግታት፡ ህንጻን መትከላትን ካብ ነዊሕ ኣትሒዙ ዝነበረ ጸረ ዲሞክራሲያዊ ባህሪን ባህልን ኢሳይያስ ኢዩ፡፡

መቸም! ካልእ ሓዲግና፡ ኣብ ዝሓለፈ ርብዒ ዘመን ዝተሓንጠጡ ህግደፋዊ ጽሑፋት ንዘንበበ ሰብ፡ “እዛ እዚ ኹሉ ዝተወጠነላ ሃገር ከመይ ኮን ትኸውን?” ኢሉ ምህንጣዩ ኣይተርፍን፡፡ ካብ ሃገረዊ ቻርተር ጀሚሩ ክሳብ ኣብ መጫጭሒ ጨቓውት ቤት ትምህርት ካድር ናቕፋ ዝዳለው ጽሑፋት ብሓቂ ገለ ኣበር ዘይርከቦም መንፈሳዊ ጽሑፋት ዝመስሉ’ዮም፡፡

ካብ 10- 16 ለካቲት 1994፡ ኣብ ናቕፋ ኣብ 3ይ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ዝጸደቐ ሃገራዊ ቻርተር፡ “ንምህናጽ ዲሞክራሲያዊ ፖለቲካዊ ስርዓት” ኣመልኪቱ ካብ ዘቕረቦም ሓሳባት ዝስዕቡ ከም ሃፋ ዝበነኑ ነጥብታት ይርከብዎም፡፡

“ኣብ ናጻ ኤርትራ፡ ሕግን ስርዓትን ዘኽብር፡ ሓድነትን ሰላምን ዝሕሉ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ካብ ፍርሒን ጭቆናን ሓራ ኮይኑ፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላቱ ተሓሊይሉ፡ ህይወቱ ብቅሳነትን ሓጎስን ንምቕጻልን ንምምሕያሽን ዘኽእል፡ ርጉእ ፖለቲካዊ ስርዓት ክህነጽ መሰረታዊ ድሌትና ‘ዩ፡፡ እዚ ዕለማታት’ዚ ከኣ እንትርፎ ንዕኡ ብዘገልግል ሕግታትን ብሕጊ ዝቖመ ትካላትን፡ ብካልእ ክረጋገጽ ስለዘይከኣል ኣብ ኤርትራ ቅዋማዊ ፖለቲካዊ ስርዓት ክንምስርት ኣለና፡፡” ይብል

ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትራ ብምንጽር “ራእይ”

ቀጺሉ ኣብቲ ቻርተር፡ “ራእይና ንመጻኢ ኤርትራ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ክፍሊ ዝስዕብ ትሕዝቶ ዘለዎ “ቅዱስ ሓሳብ” ተጠቒሱ ኣሎ፡፡

“እቲ ካብ ናጽነት ጀሚሩ ክሳብ ሕጂ ከም ሃገርን ህዝብን ሃንቀው እንብሎ፡ ከምቲ ሕልሚ ናጽነት ጋህዲ ዝገበርና፡ ጽባሕ ጋህዲ ንኽኸውን ንሓልሞ ራእይና ብሓጺሩ… “ኤርትራ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ራህዋ ዝሰፈና ሃገር ክትከውን እዩ፡፡… ራእይና ጥሜት፡ ድኽነትን መሃይምነትን ካብ ኤርትራ ምውጋድ’ዩ፡፡… ራእይና ሕ/ሰብ ኤርትራ መንነቱን ፍሉይነቱን ዓቂቡ እቲ ብሉጽ ስድራቤታዊን ኮማዊ ምትሕልላይ ኣማዕቢሉ፡ ብቑጠባን ትምህርትን ቴክኖሎጅን ክስራዕ’ዩ፡፡… ራእይና ሕ/ሰብ ኤርትራ ብስኒት ኣብ ሞንጎ ዝተፈላለዩ ክፍልታት ብማዕርነት፡ ኣብ ሞንጎ ወዲተባዕታይን ጓል ኣንስተይትን ብፍቕሪ ሃገርን ሰብኣዊ ሓልዮንት፡ ብድስፕሊንን ስራሕን፡ ፍትወት ፍልጠንትን፡ ብምሕባር ሕግን ስርዓትን፡ ብናጽነትን መሃዝነትን ዝልለ ክኸውን’ዩ፡፡… ራእይና ከም ኣብ ሓርነታዊ ኩናት፡ ኣብ ሰላማዊ ምህናጽ ሃገር ተኣምር ምስራሕ ‘ዩ።”  ይብል።
ክልተ በሉለይ ክቡራት ኣንበብቲ!!

እሞ! ካብዚ ንላዕሊ፡ ቅዱስን ቅቡልን መልእኽቲ ዘለዎ ቃላት፡ ዋላ ከም ሃገር፡ ዋላ ከም ህዝቢ ክህሉ ኣይክእልን፡፡ ቀለም ባሕሪ ተጸንቂቑ፡ ሽሕ ግዜ ወረቓቐቲ እንተመልአ፡ ግብራዊ እንተዘይኮይኑ፡ ናይ ወረቐት ነብሪ ጥራይ እዩ ዝኸውን፡፡ ካልእ ይትረፍ፡ እቶም ነዞም ውቅባት ቃላት ዝጸሓፉን፡ ሃገራዊ ቻርተርን ካልኦት መሰረታዊ መትከላት ዝሓንጸጹ፡ መራሕቲ ንባዕሎም መብዛሕትኦም ኣብ ዘየለውሉ መድረኽ ኮይና፡ ብኣምራት ፖለቲካ 26 ዓመታት ንድሕሪት ምስ እንምለስ፡ መንነት ህግደፍ ከም ጸሓይ ንጉሆ ይበርሃልና፡፡

ራእይ ስውኣትናን ቅዋምናን ተጨውዩ ዝብል ስነ-ሓሳብ፡ ንኹሎም ጸገማትና ጠቕሊሉ ዝጥርንፍ መሰረታዊ ኣምር እዩ፡፡ ራእይ ስውኣትና ብሓጺሩ፡

“ስልጣን ንህዝቢ ተረኪቡ፡ ኣብ ናጻ ኤርትራ፡ ሃገራዊ ስኒትን ዲሞክራሲን ዓሲሉ፡ ቁጠባዊን ማሕበራዊን ምዕበላ ተረጋጊጹ፡ ማሕበራዊ ፍትሒ ነጊሱ፡ ባህላዊ ትንሳኤና ብምሕያል፡ ኤርትራ ብዞባዊን ኣህጉራዊን ምትሕብባር እትልለ፡ ብልጽግቲ ሃገር ክትከውን እዩ፡፡” እዚ ሓባራዊ ልሳን ስውኣት ብኣንጻሩ፡ ተጨውዩ ራእይ ዘይብላ ሃገር ካብ እትፍጠር እንሆ ዓመታት ኣቑጺርና ኣለና፡፡

ሃገራዊ ስኒት ህዝቢ ኤርትራ፡ ብመንጽር ክውንነትን ክረአ እንከሎ፡ ኣብ ኣዚዩ ኣሰካፊ ደረጃ በጺሑ ኣሎ፡፡ ብዘይ ኣፈላላይ፡ ወገን፡ ቀቢላ፡ ቋንቋ፡ ሃይማኖት፡ ጾታ፡ ደርቢ፡ ብኤርትራዊነቱ ተሓቢኑ ብስኒት፡ ብሰላም ብቅሳነት ክነብር ዝግበኦ ህዝቢ ነይሩ፡፡ እንተኾነ ሕደት ጸላእቲ ሰናያት ካብ ዝደግስዎ ንደሓር፡ እንሆ ስኒቱን ሓድነቱን ተደዊኑ፡ ኣፈላላያት ሳዕሪሩ፡ ክትኮስ ርብዒ ዝጎደሎ፡ ህሞት በጺሑ ኣሎ፡፡ ቀደም “ኣውራጃውነት” ኢልና እነንጸርጽረሉ ዝነበረ “ባህሪያዊ” ኣፈላላይ፡ “ዕድመ” ነዞም ጸላእቲ ሰናያት፡ ኣብ ኩሉ ሸነኻት ተጋፊሑ፡ ህዝብና እንተ ብሃይማኖት፡ እንተ ብቐቢላ፡ እንተ ብጾታ ዝተፋነን ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ኣብ ምጥፋእ ስምረትን ሓድነትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ልዕሊ ህግደፍ ኣትሪሩ ዝሰርሐ፡ ስርዓተ ምሕደራ ፍጹም የለን፡፡ ፍልልይ ኣብ ስርዓት ህግደፍ ዋላ ብዙሕ መግለጺታት እንተሃለዎ እቲ ቀንዲ መርኣያ ግን ብሓፈሻ ሓይልታት ምክልኻል ዝብል ስም ተጠሚቑ ብተግባር ግን ኣብ ብዙሕ ጉዚታት ዝተከፋፈለ ኣሃዱ ምክልኻል’ዩ፡፡ ሓይልታት ምክልኻል ኣብ ትሕቲኡ ኣብ ሞንጎ ዋርሳይ- ገዲም ፡ ተጋዳላይ ናይ 70 ናይ 80 ናይ 90 ወጋሕታ፡ ተባሂሉ ብሃሪያዊ ኣፋላላዩ ብኣብርክቶን ግድምናን ክሕሰብ፡ መገዲ ረብሓን ዕበለላን ክኸውን ተገይሩ ኢዩ፡፡

ስውኣትና፡ ህዝቢ ኤርትራ መሰሉ ብሕግን ብግብሪን ከቢሩ፡ ኣብ ምምሕዳርን ምምራሕ ህይወቱን ሃገሩን፡ ኣብ ኩሉ ጽፍሒታትን ሜዳታትን፡ ንጡፍ ተሳታፊን ወሳንን ክኸውን፡ ባህጊ ነይርዎም፡፡ እዚ ባህጊ ብመንጽር ራእይ፡ ሓደ መስርሕ ፖለቲካዊ ዲሞክራሲ እዩ፡፡ ፖለቲካዊ ኩነታት ሃገርና ብኹሉ መለኪዒታት ተሃሲዩ፡ ሃገር ብሃገራ ኣብ ድቕድቕ ጸልማትን ደልሃመትን ካብ እትጥሕል ርብዒ ዘመን ኣሕሊፍና ኣለና፡፡ ድሕሪ ናጽነት ዝኸሰርናዮም ዕድላት ምቋም ቅዋማዊ ስርዓትን፡ ምቕያድ ቅዋማዊ ስርዓት ንኽትከል ዝተበጋገሱ ሓለፍትን ኣብዚ መስርሕ ዝጥቀሱ ‘ዮም፡፡

ሃገርና ብቑጠባ ብማሕበራዊ ኣገልግሎታት፡ ደረጃ ብደረጃ መነባብሮ ዜጋታት ክትምዕብልን ክትግስግስን ውን ባህጊ እቶም ከይበቐቑ ዝሓለፉ ስውኣትን ህዝቢ ኤርትራን’ዩ፡፡ እንተኾነ ይትረፍ ዶ ጽፉፍን ፍትሓዊን ኣገልግሎት ዝህብ፡ ዝርገሐ ትሕቲ ቅርጺ ክህለውና፡ እቲ ተገልጋሊ ሕ/ሰብ ባዕሉ ንምንባር ዘይህንጠወላ ሃገር ተፈጢራ እያ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ዝተሰርሑ ቤት ትምህርታት፡ ትካላት ጥዕና …ብቐረብን ዓቕሚ ሰብ ጸሪሮም፡ ዝተረከብናዮን ዝተሰርሑን ፋብሪካታት ዓንዮም፡ ኣገልግሎታት ትራንስፖርት ባሕሪ፡ ባቡርን ኣየርን ደስኪሎም፡ ከምኡ’ውን ኣገልግሎታት ማይን ልቺን ተሓሪምና ማሕበራዊ ኣገልግሎታት ከም ኮኸብ ሰማይ ሪሖቖምና ‘ዮም፡፡

ኣብ ጽላታት ማሕበራዊ ፍትሒ፡ ከምቲ ገና ብኣግኡ ኣብ ሃገራዊ ቻርተርን ገለ ሕንጻጻትን ዝሰፈረ፡ ሕ/ሰብ ኤርትራ ምዕሩይ ኣተዓዳድላ ሃብቲ፡ ኣገልግሎታትን ዕድላትን ከምኡ’ውን ፍሉይ ቆላሕታ ንዝተወጽዑ ወገናት ንኽህሉ ኢሉ፡ ዝተቓለሰ ህዝቢ ውን’ዩ፡፡ እቲ ክሳብ ሕጂ ጸሓይ ናጽነት ዘይበረቐቶ ህዝብና ይትረፍ ዶ ንባዕሉ ጥዒምዎ ንውጽዓት ወገናት ቆላሕታ ክገብር፡ ባዕሉ ከም ህዝቢ’ውን፡ ሙሉእ ብሙሉእ ተወጽዑ ዝነበር ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ካልኦት ሓዲግና፡ እቶም ትማል ምእንቲ ናጽነት ኢሎም ብዙሕ ዝኸርተቱ ተጋደልትን ኣካላቶም ዝሰኣኑ ስንኩላንን እኳ፡ ንዓመታት ከም ሃፋ ብዝበነነ ዘይጭበጥ ተስፋታት “ተዓንጊሎም” ክንሶም፡ ንዖኦም ዝተብሃለ ርሻናት ተሓዲጉ፡ ነቶም ኣዳኸርቲ ጉጅለ ጠለማት ምስ ውዓለ፡ ብዘሕዝን ኣገባብ ኣእዳዎም ንልመና ኣብ ጎደናታት ክዝርግሑ ካብ ምርኣይ ንላዕሊ ዘሕዝን የለን፡፡ ምዕሩይ ኣተዓዳድላ ሃብቲ ዝብል እሞ ጭራሽ ዘይሕሰብ ‘ዩ፡፡ እንኮ ኮሌኔላት ናይ ዝደሌዎ ሰብ ገዛ ዝምንጥልሉ፡ መሬት ሓረስታይ መንጢሎም ዝሓርስሉ፡ ምንጪ ኣታዊታት ቤት ማሕዩር ዝድኩንሉ፡ ንውላዶም ኣብ ዓለም ለኻዊ ኮለጃት ብዶላራት እንዳምሃሩ ወዲ ድኻን ኣያ ዘይብሉን ኤርትራዊ ግን ካብ ትምህርቲ ተሓሪሙ ኣብ ድፋዓትን በረኻታትን ጨቐቕ ዝብለሉ “ማሕበራዊ ፍትሒ” እዩ ኣብ ሃገርና ዘሎ፡፡

ኣብ ዝሓለፈ 26 ዓመታት፡ ካብቶም ኣብ ሃገርና ዝተርኣዩ ጸሊም በሰላታት ሓደ፡ ኣብ ልዕሊ ባህልን ባህላዊ ትንሳኤን ዝበጽሐ ሓደጋ እዩ፡፡ ሃብታም ባህላዊ ውርሻን ብታሪኽ ዘማዕበልናዮም ስልጡን ልምድታትን፡ መሰረት ብምግባር፡ ፍቕሪ ሃገር፡ ኣኽብሮት ወዲ ሰብ፡ ማዕርነታዊ ምሕዝነት ደ/ተባዕትዮን ደ/ኣንስትዮን፡ ፍትውት ሓቅን ፍትሕን፡ ምኽባር ሕጊ፡ ፍቕሪ ስራሕ፡ ርእሰ ምትእምማንን መሃዝነትን ዝመለለይኡ ባህልታት፡ ክብርታትን ያታታትን ክምዕብል፡ ሓደ ካብቶም ቀንዲ ዓንድታት ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ፡፡ ኣብዚ መዳይ ኣብ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ዝተኻየደ ዕንወትን ምምዝባልን፡ ማዕረ ማዕረ ኩሎም ጥሕሰት ክብርታትን ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታትና እዩ፡፡ አእግሪ ኣዋጅ ሃገራዊ ኣገልግሎትን፡ መዋእል ናብ ጊላነት ዝሽምም፡ ወትሃደራዊ መምርሒታትን ስዒቡ፡ ፍቕሪ ስራሕ ዜጋታትና፡ ባይታ ዘቢጡ፡ ርእሰ-ምትእምማኑ ዘትሓተ፡ “ብግበር ኣይትግበር” ዝረዓደ፡ ሰጉም ክበሃል “ክንደይ ስጉሚ?” ዝብል ምሉኽ መንእሰይ፡ ኮነ ተባሂሉ ብህግደፍ ክፍጠር ተገይሩ’ዩ፡፡ ምውርራስ ተሞኩሮን ባህልን ከይህሉ ዘዝተወልደ ናብ ዕስክርና እንዳኣተወ ብኡ ኣቢሉ በቲ ኩነታት ተማሪሩ ናብ ስደት እንዳወጸ፡ ውልድን ወላድን ተራሓሒቖም ሰንሰንሰለት ውርሻ ተበቲኹ ኢዩ፡፡

ኣብ ዝኾነ ሃገር፡ ዝንቡዕ ፖለቲካዊ ኣመራርሓ ምስ ዝህሉ፡ ኣኽብሮት ወዲ ሰብ፡ ፍቕሪ ስራሕ፡ ርእሰ ምትእምማንን ፍትወት ሓቅን፡ ማዕረ ማዕሪኡ ስለዝትንከፍ ፍቕሪ ሃገር ኣብ ሓደጋ ይጥሕል፡፡ ውጽኢት ናይዞም ዝንቡዕ ፖለቲካዊ መሪሕነት ድማ፡ እንሆ በቢዕለቱ ሓድነት ዘጥፍአ፡ ውልቃውነት ዘሳዕርር፡ ምንጻል ዝመለለዬኦም ብስም ማሕበር ዓፋር፡ ኣግኣዚያዊነትን ትግራይ ትግርኝን ዝግለጹ ናይ ምፍንጫል ዝንባለታት ይረኣዩ ኣለው፡፡ ምስ ኩሎም ታሪዊን ጆኦግራፊያዊን ኣፈላላያትና ክልተ ሃገር ሓደ ህዝቢ ኮይና ብስኒት ምንባር እንዳተኻኣለ ብሰንኪ ኢሳይያስ ህዝብና ካብ ሓድነት ምፍልላይ ዝመርጽን፡ ብናይ ከባቢያዉነት ዝንባለታት ዝተጠቐዐ ህዝቢ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ምንጪ እዞም ኩሎም ፋላለዬ ዝንባለታት ኣብ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ኮነ ተባሂሉ ብኢሳይያስን ብናይ ፕሮፖጋንዳ መሓውራቱን ዝተኻየደ ሕንዛም ሽጣራታት ኢዩ፡፡

ካንሸልኡ ዘየጽረየ ሰብ፡ ናይ ካልኦት “ካንሸሎ ረሲሑ” ኢሉ እንተተዘራበ፡ ብኹሉ መምዘኒታት ቅቡልን ዘእምንን ኣይኮነን፡፡ ኣብ ዝንበዐ ዝሰረቦ ሜዳ ኤርትራ፡ ኩሎም ዓይነት ግፍዕታትን ስቅያትን ተፈጺሞም እዮም፡፡ ካንሸልኡ ዘየጽረየ ህግደፍ፡ ቀጽሪ ሰጊሩ ናይ ካልኦት ካንሸሎ ዘመራስሕ ፖሊሲታትን ተግባራትን ክፍጽም ምስ ጀመረ፡ እቲ ብመትከል ዝተተሓዘ ዞባዊን ኣህጉራዊን ምትሕብባር እውን ፈሪሱ እዩ፡፡ ሃገርና ምስ ጎረባብታ ብስኒትን ምትሕባብርን እንዳነበረት፡ ንዞባዊን ዓለማዊን ሰላም፡ ጸጥታን ልምዓትን፡ ብዓቕማ እተበርክት፡ ኣባል ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ክትከውን እንዳተገብኣ፡ ልምዓትን ሰላምን ካልኦት ሃገራት ከም ምቹእ ድርኺት ዘይኮነስ፡ ከም ኣንጻራዊ ተጻብኦ፡ ገይሩ ዝቆጽር ስርዓት ኢሳይያስ፡ ነዚ ዞባዊ ሰላም፡ ህድኣት፡ ምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ንምዝራግ ዘይሓኾሮ ኩርባ የለን፡፡

ካብ ናይ ባዕሉ ገዛ ዕዮ ምስ በኾረ፡ ያኢ! እቶም ንኣሸሓት ዓመታት ምሳና ብስኒት ዝነበሩ ጎረባብቲ ህዝብታት ምንጪ ጸገማትና ከምዝኾኑ ከእምነና፡ ኣንጻሮም ክንስለፍን ኣብ ልዕሊኦም ሕዱር ጽልኢ ክህልወናን፡ ከምኡ ውን ኣብኦም ዝተረኣየ ሰናይ ውራይ፡ ክነቆናጽብ ኮነ ተባሂሉ ተሰሪሕሉ ‘ዩ፡፡ ብሓፈሻ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንገዛእቲ ሓይልታት ምስ ሰዓረ፡ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ክተኽሎ ዝወጠኖ ራእይ ሙሉእ ብሙሉእ ከም ዝተጨውየ ኩሉ ዜጋ ዝፈልጦን ዝምስክሮን ሓቂ ኢዩ፡፡

“ግዝያዊ መንግስቲ“ ኤርትራ ብመንጽር “ቅዋም”

ምርግጋጽ ሃገራዊ ናጽነትን ልኡላዊነትን ኤርትራ፡ መዕጸዊ ናይ ሓደ ዓቢን ክቡርን ምዕራፍ፡ ኣብ ታሪኽ ኤርትራን፡ መኽፈቲ ድማ ናይ ሓደ ሓድሽ ምዕራፍ ‘ዩ፡፡ ድሕሪ ናጽነት፡ እቲ ዝኸበደን ኣዚዩ ዝተሓላለኸን ዕማም ድማ፡ ምህናጽ ሰላምን ፍትሒን ራህዋን ዝሰፈኖ ሕ/ሰብ ነይሩ፡፡ ምህናጽ ሰላምን ቁጠባን ካብ ምዕዋት ኣብ ኩናት ዝበርተዐን ዚያዳ ዝተኻላለኸን ዋላ እንተነበረ፡ ኣብ ኣንጻር ገዛእቲ ኣብ ዝተኻየደ ኩናት ብዙሕ ተሞኩሮ ዘዋህለለ ስሙር ህዝቢ ሒዝካ ግን፡ እቲ መስርሕ ዚያዳ ይቐልል፡፡ እቲ ዝነበረ ወኒን፡ ፍናን ህዝብን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ልዕሊ መሪሕነት ህዝባዊ ግንባር ዝተነብረ ኣምልኾትን፡ ምስ ኩሎም ጸገማቱ ንጎድኒ ሓዲግና፡ ከም ህዝቢ ኣብዚ ዝሓለፈ ርብዒ ዘበን ዝኸሰርናዮ ኪሳራታት ዋላ ክንጽብጽብ እንተፈተና ግዜን ጸዓትን ኣይኣኽለንናን፡፡

ሓበራዊ ራእይ ኤርትራን ኤርትራዊነትን፡ ምስ ጥሕሰት ቅዋም ‘ውን ኣዚዩ ዝተኣሳሰር መዳይ እዩ፡፡ጥሕሰት ቅዋምና፡ ምንጪ ኩሎም ስዒቦም ዝተረኣዩ ምልካዊ ጸገማት’ዩ፡፡ ቅዋም ማለት፡ ብሓጺሩ መንግስትን ህዝብን ዝመሓደርሉ፡ ኣቃውማ መንግስትን ምሕደርኡን፡ ሕግታትን ኣዋጃትን ዝተክል፡ ስርዓት ዝሕንጽጽ፡ ፖሊሲ ዝምስርት፡ ግቡእን መሰልን ህዝቢ ዝገልጽ፡ ሰብኣዊን ዲሞክራሲያዊን መሰላት ዜጋታት ዘረጋግጽን ዝሕሉን፡ ከምኡ’ውን ሕጊ፡ ስርዓት፡ ቅሳነትን ፍትሕን ንኽሰፍን ዘገልግል፡ እቲ ዝለዓለ መሰረታዊ ሕጊ እዩ፡፡ ከም ኤርትራውያን ከኣ ቅዋም ኣይተተግበረን ክንብል እንከለና፡ እዞም ኩሎም ቅዋማዊ ረብሓታት ተሪፎምናን ከሲርናዮምን ኢና ማለትና ኢዩ፡፡

ቅዋማዊ ስርዓት ኣብ ልኡላዊነት ህዝብን ሃገርን ምስ ዘተኩር፡ ዲሞክራሲያዊ መትከልን ኣገባባትን ማለት፡ ተሓታትነት (accountability)፡ ግሉጽነት(transparency)፡ ብዙሑነት (pluralism)፡ ምጽውዋር (tolerace)፡ ዝተመስረተ ዲሞክራሲያዊ ቅዋማዊ ስርዓት ይኸውን፡፡ ዲሞክራሲ ከም ህላወ ብዙሓት ሰልፍታትን ምክያድ ምዱብ ምርጫታትን ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ሃገርና ብዝሰፍሐን ዝዓሞቐን ታሪኻዊ መረዳእታ ክውሰድ፡ ከምኡ’ውን ህላወ ብዲሞክራሲያዊን መትከላትን ኣገባባት ዝመሓደር መንግስትን ሕ/ሰብን፡ ዲሞክራሲያዊ ትካላትን ባህሊን፡ ተሓታትነቱ ንህዝቢ ዝኾነ መንግስቲ ክቖውም፡ ከምኡ’ውን ኣብ መስርሕ ውሳነ ህዝባዊ ተሳታፍነት ክረጋገጽ፡ ዝገብር ስርዓተ ምሕደራ ክጥጥሕ ይግባእ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ውን ነዚ እዩ ተቓሊሱ፡፡ ብመንጽር እዞም መሰረታዊ መትከላት ዲሞክራሲ ዕላማ ህዝቢ ኤርትራን ኤርትራውነትን ግን ብሓፈሻ ተጨውዩ ተሪፉ ኢዩ፡፡

ፈለማ ኣብ 1990ታት፡ “ብሰፊሕ ህዝባዊ ተሳታፍነት ዝንደፍን ዝጸድቕን ሃገራዊ ቅዋም፡ መሰረታዊ ሰብኣዊ መትከላት ዘኽብር፡ ሓጋጊ፡ ፈጻሚን ፈራዲን ኣካላቱ ኣብ ሕድሕዱ ዝቆጻጸርን ዝመዛዘንን (Check & balance)፡ ኣብ ሃገርና ግዝኣት ሕጊ (Rule of law) ዘስፍን፡ ንሓድነትን ምዕባለን ህዝቢ ኤርትራ ዝድርኽ፡ ቅዋማዊ ስርዓት ክንተክል ኢና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ፡ ብሰፊሕ ተሳታፍነት ህዝቢ ብበዓል ዶ/ር በረኸት ሃብተስላሰ መሪሕነት ቅዋምና ምስ ተነደፈ፡ ንቅዋማዊ ባይቶ ቀሪቡ በ527 ኣባላት ሰፊሕ ክትዕን ምይይጥን ተኻይድሉ ጸዲቑ ‘ዩ፡፡ እንተኾነ ከይወዓለ ከይሓደረ፡ ብሰንኪ መላኺ ኢሳይያስ፡ ቅዋምና ኣብ ትሕቲ ከብሒ ካብ ዝድርበ እንሆ 20 ዓመታት ኣቑጺሩ፡፡ ኣብ ውሽጢ ዘን 20 ናይ ኩናትን ወረ ኩናትን፡ መከራን ስቓይን፡ ስደትን ውርደትን ዓመታት፡ እቲ ድርዒ ኩሎም ርህው ባእታታት ዝኾነ ቅዋም፡ ዘይመተግበሪኡ ምኽንያት፡ ኣብ ሜዳ ብኸውሊ ዝጠጠዐ፡ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ቀስብቐስ ዝገበለ፡ “ምልካዊ ባህሪታትን ዕብለላን” ኢሳይያስ ክንሱ፡ ያኢ! እቶም ድሒሮም ዝፈረዩ ተልመዴን ካድራት ግን ኣንፈት ክጥምዝዙን ብዙሕ ክህውትቱን ሰሚዕና ኢና፡፡

እንሆ ነቲ “ብሉጽ፡ ፍሉይ፡ንቑሕ” ኢሎም ዝጠቐስዎ ህዝቢ፡ ኣብ ትግባረ ቅዋም ምስ ዝመጽእ “…ብድኽነት፡ ድንቁርናን ሕማምን ዝግለጽ፡ ካብ ሓፈሻዊ ድሕረት ዘይተገላገለ፡ ኣምር ዲሞክራሲን ቅዋምን ዘይብሉ፡ ኣብ ቅዋማዊ ስርዓት ትሑት መረዳእታ ዘለዎ ሕ/ሰብ” ኢሎም ብምግላጽ ገና ብኣግኡ ከቆናጽብዎ ምፍታኖም፡ ሃየንታ ዘይብሎም ምኻኖም ኣመስኪሮም እዮም፡፡ እቲ ካልእ ይትረፍ! ካብ ቅድመ ታሪኽ ጀሚሩ ዝተሃንጸ ያታታትን፡ ሕጊ እንዳባን ዘማእኸሎ ኤርትራዊ ሕ/ሰብ፡ ኣብ ዘበነ መግዛእቲ ውን ኣምራት ቅዋም ዝሰረጾ ማሕበረሰብ በዞም ተልመዴን ካድራት ህውተታ፡ እቲ ቅዋም ንከይትገበር ምኽኑይ ንምግባር ምፍታኖም ካልእ መርአያ ኢዩ፡፡

ብሰፊሕ ተሳታፍነት ህዝቢ፡ ሻቡ ምስ ሞራልናን ፍናንናን እንከለና፡ ድቂ ዲሞክራሲ ክዓስል ኢልና፡ ኣብ ዝበሃግናሉ እዋን፡ ኢሳይያስ ብሓደ ገጽ መገርሂ ቅዋማዊ ባይቶ፡ ትግባረ ቅዋምን፡ ዝሰዓቦ ኮሚሽን ምርጫን ኣጣይሱ፡፡ ብካልእ ወገን ከኣ ኣብ ምሽብሻብ ንዳግማይ ኩናት ምስ ኢትዮጵያ ከምዝነበረ፡ ንኹላትና ድሒሩ ዝተገሃደ ሓቂ እዩ፡፡ ከይወዓለ ከይሓደረ ነቲ ብጸጋማይ ዓይኑ ክጥምቶ ዝጸንሐ፡ መስርሕ ቅዋም ብዘቤታዊን ግዳማዊን ምኽንያታት ኣመሳሚሱ፡ እቲ ብዙሕ ድኻምን ጸዓትን ዝፈሰሰሉ ቅዋምና ኣደስኪልዎ፡፡ ኣብ ታሪኽ ድሕሪ ናጽነት እታ ልዕሊ ኹሉ ብጸላም ሕብሪ ዝተጸሓፈት ዕለት እምበኣር፡ እዛ ቅዋም ዝተነጸግትላ ዕለት’ያ፡፡

ድሕሪ’ዚ ኢሳይያስ፡ ኣብ መሬት ኤርትራ ኮነ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ዘዕነዎን ዘበላሸዎን ‘ምበር ዝሃነጾን ዘማሓየሾን ነገር የለን፡፡ ኣብ ፖለቲካ፡ ቁጠባ፡ ማሕበራዊ ህይወትን ባህልን፡ ንኤርትራ ንድሕሪት ንምምላስ ከምድላዩ ዝእዝዞም ሰዓብቲ እንዳዋፈረ፡ ብዘይምስልካይ ብሓርፋፍ ጎነጽ ሰሪሑ፡፡ ኣብ ሃገርና ክጥጥዕ ጀሚሩ ዝነበረ ተኽሊ ፖለቲካዊ ዲሞክራሲ፡ ምሕዩ ዘመነ ሕሱም ምልኪ ኣምጺኡ፡፡ ንቑጠባን ትሕቲ ቀርጽን ማሕበራዊ ኣገልገልትን ኤርትራ ብምዕናው፡ 30-40 ዓመት ንድሕሪት መሊሱና፡፡ እቲ ዝኸፍአን ንምፍዋሱ ዝበርተዐን፡ ነዊሕ ግዜ ዝወስድን ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዘስዓቦ ግፍዕን ኢሰብኣዊ በሰላታትን እዩ፡፡ እዚ ብሰንኪ ሓደ ምልካዊ ውልቀ ሰብ፡ ኣብ ሕ/ሰብና ዝሰረበ ድሑርን ኣነዋሪን ሓድጊ ኣብ ኩሉ ሸነኻት እታ ሃገር ሳዕሪሩ ኢዩ፡፡

ንጸቢብ ፖለቲካዊ መኽሰብ፡ ፍልልያት ህዝቢ ኤርትራ ንምግፋሕን፡ ጸቢብ ስምዒታት ብምስዋር፡ ኢሳይያስ ብሓቂ ብሓዊ ክጻወት ንምውሳኑ መርአያ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ’ቶም መዋእሎም ከርተት ዝበሉ፡ ምስኡ ብላይ ኮቦርታ ተነጺፎም፡ ኣብ ሳሕል ዝነበሩ ተጋደልትን ሓለፍትን ዝወሰኖ ውሳነታት እዩ፡፡ መዋእል ብሓባር ከርቲቶም፡ ምእንቲ ናጽነት ኩሉ እንዳፈለጡ ከምዘይፈለጡ፡ ኣብ ከብዶም ጸይሮም ዝጸንሑ ሓለፍቲ፡ ጉዳይ ምንጻግ ቅዋምን ዘይምኹኑይ ኩናት ምስ ኢትዮጵያን ብምልዓል፡ ብድፍረት ክጻብእዎ ምስ ጀመሩ፡ ኢሳይያስ ነታ ድርሳነ መናውራ ሳሕል ገንጺሉ፡ ብሓደ ወገን ንህዝቢ ከተዓሻሽው ዝኽእሉ ሓደስቲ ቆጣቑጢ ካድራት ከተኣኻኽብ፡ ብካልእ ወገን ከኣ ነዞም “ተጻባእቲ” ከሕቅቕ መደባት ኣብ ምስራዕ ተጸምደ፡፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2000 ማእከላይ ሽማግለ ህግደፍ ፕረሲዳንት ቅዋም ከተግብር፡ ብዙሑነት ሰልፍታት ዘሳትፍ ምርጫ ክገብርን ጻዊዒት ገይሮም ነይሮም፡፡

ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ መንበሩ ዝህቀኑ ተቓዉሞታት፡ ብዘይቅደመ ኩነት ንምቑጻይ ድለው ምንባሩ፡ ብወግዒ ዝተረኣየሉ እዋን’ውን ሽዑ እዩ ነይሩ፡፡ ሓለቓ ስታፍ ሚ/ሪ ምክልኻል ነበር ጀነራል ዕቑበ ኣብርሃ፡ ንኣተኣላሊያ ኩናት ፕረሲዳንት፡ ብውልቁ ምስ ነቐፈ፡ ካብ መዝነቱ ሰጊጉ ናብ ካልእ ክዛወር ምግባሩ’ውን ኢሳይያስ ብትም ሕትም፡ ሕቶ ሪእይቶ ዘይብሉ ምልካዊ ስርዓት ክሃንጽ ከምዝወሰነ እኹል መርአያ ኔሩ፡፡ ድሕሪ”ዚ ዝሰዓበ ምእሳር ኣባላት ጉጅለ-15፡ ምድስካል ሃገራዊ ባይቶ፡ ምሕራይ ሓደስቲ ሰብ ግዜ ኣዳኸርቲ፡ ምብታን ስሙያት ኣመሓደርቲ፡ ተኽሊጥ ኣሃዱታት፡ ምቋም ማእለያ ዘይብለን ናይ ትሕቲ ምድሪ ናይ ዓፈና ቤት ማእሰርታትን ናይ ዓፈና ጉጅለታትን ስዒቦም ዝተረኣዩ፡ ምድላዳል ጥጡሕ ባይታ ንምልኪ ነይሮም፡፡

ካብ ሜዳ ጀሚሩ ንብረታዊ ቃልሲ ዘዐወቱን፡ ኣብ ናጽነት ልዑል ኣበርክቶ ዝነበሮም ሓለፍቲ ህግሓኤን፡ ብኣግኡ ምስተቐዩ፡ እቲ ውድብ ብሰብኣዊ ዓቕሙ፡ ብፖለቲካዊ መንነቱ፡ ናይ ምውሳን ተኽእሎኡ ማህሚኑ፡ ብሓደ ሰብ ዝዝወር ስማዊ ኮነ፡፡ ብ1987 ካብ ዝነበሩ 9 ኣባላት ፖለቲካዊ ቤ/ጽ ህ.ግ.ሓ.ኤ.፡ ኣብ መጀመሪያ 2000 ኣርባዕተ ጥራይ ማለት ኢሳይያስ፡ ኣልኣሚን፡ ስብሓትን ዓሊ ሰይድን ተሪፎም፡፡ ከም በዓል ማሕሙድ ሸሪፎ፡ ሃይለ ድሩዕ፡ ጴጥሮስ ሰሎሞን፡ መሓመድ ሰይድ በርህ፡ ሮማዳን መሓመድ ኑር ዝኣመሰሉ ላዕለዎት ሓለፍቲ ብማእሰርቲ፡ ብድስከላ፡ በሞትን ብስንብትን ቀስብቀስ ተኣሊዮም፡፡ ብተመሳሳሊ ኢሳይያስ በይኑ ገቢሉ ምስወጸ፡ እቶም ብ1994 ፈጻሚት ባይቶ ህግደፍ ተባሂሎም ዝተመርጹ ዳርጋ መብዛሕትኦም ድስኩላትን ዘይመትከላውያንን እንዳኾኑ መጺኦም፡፡

ብ1994 ዝተመርጹ 19 ፈጻሚት ባይቶ፡ ዳርጋ ብሙሉኦም ኣብ ዝሓለፉ 17 ዓመታት ብሰንኪ መላኺ ባህሪ ኢሳይያስ፡ ኣብ ሓርጎጽጎጽ ዝጸንሑ’ዮም፡፡ ንኣብነት መስፍን ሓጎስን ሙሕየዲን ሸንገብን ናብ ስደት ኣምሪሖም፡፡ ሓምድ ሓምድን ጀርማኖ ናቲን ምስ ጉጅለ 15 ናብ ዒራዒሮ ወሪዶም ብኡ ኣቢሎም ሓቒቖም፡፡ ዓሊሰይድ ዓብደላ ‘ውን ኣብ 2006 ሞይቱ፡፡ ዓብደላ ጃብርን ኣልኣሚን ሸኽ ሳልሕን ድማ ብጉዳይ ስርሒት ፎርቶ ኣብ 2013 ኣብ ቀይዲ ውዒሎም፡፡ ኣብ ሓድሽ መድረኽ ናጽነትን ህንጸት ሃገርን፡ ተሳታፍነት ደ/ኣንስትዮ ክብ ንምባል ተባሂሉ፡ ኣብ 1994 ኣባላት ፈጻሚት ባይቶ ህግደፍ ኮይነን ዝተመርጻ፡ ኣስካሉ መንቆርዮስ፡ ፎዚያ ሓሽምን ኣምና ኑርሑሴንን ውን ቀስብቐስ መጋበርያ ምልኪ ኮይነን ሓደ ግዜ ንላዕሊ ሓደ ግዜ ንታሕቲ እንዳተደርበያ ክሳብ ሕጂ ኣለዋ፡፡

ኢሳይያስ ጸጋታት ሃገርን ቁጠባን ብሓጎስ ኪሻ፡ ከምኡ ‘ውን ወጻኢ ርክባትን ውዳቤን ብየማነ ማንኪ፡ ጸጥታዊ ኩነታት ብወዲ ካሳ፡ ክምእኸል እንዳገበረ፡ ሃገር ብሃገራ ኣብ ትሕቲ ከብዲ ኢዱ ጨቢጠ፡፡ ህግደፍ ዝበሃል ውድብን መንግስትን ሙሉእ ብሙሉእ ምስ በሓቶ፡ ህግደፍ ከም ውድብ ህልውንኡ ጠፊሹ፡ ማእከላይ ባይቶን ፈጻሚት ባይቶን ዝበሃል ውዳቤታት ሓቒቑ፡ ብዘይ ጉባኤ፡ ብዘይ ኢሂን ምሂን፡ እትምራሕ ኣብ ኣፍሪቃ ካልአይቲ ሰሜን ኮርያዊት ሃገር ሃኒጹ፡፡

ኣብ ሜዳ ብወትሃደራዊ ተሞኩሮኦም ስሙያት ዝነበሩ፡ ወትሃደራውያን ሓለፍቲ ናብ ፖለቲካዊ መሪሕነት ክሰሓቡን ኣብ ዘዝጥዕሞም ወትሃደራዊ ድጓናታት ከቑሙን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ሙሉእ ሃገር፡ ክሳብ እቲ ዝተሓተ ኣቃውማ እንዳ ወረዱ፡ ንምምሕዳር ዓዲ ምስ ዓዲ፡ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ከይተረፈ ውን ህዝቢ ብትሪ ንምቁጽጻር ዝከኣሎ ጽዒሩ፡፡ ጎኒ ንጎኒ ብኩፐን ዝተማእዘነ ቁጽጽር ስድራ ቤት፡ ብህግደፍ ዝምራሕ ክሳብ ምምሕዳር ዓድታት ዝተዘርገሐ ውዳቤታት፡ ን”ስግረ ዶብ” ዘምርሑ ዓይነታዊ መቕጻዕቲ፡ ከምኡ ውን ዕቱብ ምክትታላት ሃገራዊ ድሕነት ብምግባር ኢሳይያስ ሓደ በይኑ ግኑን ውልቀ መላኺ ኮይኑ ደልዲሉ ቀጸለ፡፡

እምበኣር፡ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት፡ ታሪኽ ሃገርና ብጊላነት፡ ብምልክነት፡ ብዕበለላ፡ ብ”ግበር ኣይትግበር”ን፡ ብዕቱብ ስርዓተ እዝን ቁጽጽርን ሓደ ውልቀ ሰብ፡ ዝተመርሐ ጸሊም ታሪኽ እዩ፡፡ ብ1994 ሓድሽ ታሪኽ “ነጥበ መቐይሮ” ተባሂሉ፡ ገዳይም መራሕቲ ሰውራ ንድሕሪት፡ “ሓደሽቲ ደም” ንቕድሚት ብዝብል ዝተጀመረ መናውራታት ዕምሪ ስልጣን፡ ቀጺሉ ብ”ተንበርካኽነት” ተመሳሚሱ፡ እቶም ቀንዲ ኣብ ጎዳጉዲ ምስ ኣተው፡ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ ወናኒ ህዝብን መሬትን ኤርትራ ኮይኑ ምስ ተገሃደ፡ “ንዝኣመነ ብሴፍ ንዝኸሓደ ብሴፍ” ዝዓይነቶም ፖሊሲታት ተጠቂሙ ሃገር ከዕኑ፡ ንጸቢብ ፖለቲካዊ መኽሰብ ፍልልያት ህዝቢ ከጋፍሕ፡ ታሪኽ ሃገር ክድውን፡ ህዝቢ ኤርትራ ወናኒ ታሪኽ ሞትን ስደትን ክኾውን ጌርዎ ኢዩ፡፡

እቶም ትማል ካብ ሓውን ዓረርን ተሪፎም፡ ናጽነት ዘረከቡ ተጋደልቲ፡ ናብ ድኽነትን ጊላነትን ለዊጡ፡ በቢግዝኡ ናብ ልመናን ተመጽዋትነት ይቕሰቡ ኣለው፡፡ ኩሉሻዕ “ተጋዳላይ እከለ ብዝሓደሮ ሕማም ተሰዊኡ” ዝብሉ ዜናታት እንዳለመድና፡ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ቋሕሰም ኣማኢት ዜጋታት እንዳጠፉኡና፡ ኣብ ኣጻምእ በረኻታት ሲናይን ሊቢያን ብሓዊን በዳዊንን ኣሸሓት ዜጋታት እንዳኸሰርና፡ እቲ ምዑት ኤርትራዊ መንእሰይ ሃገር ተሓሪሙ፡ ፈቖዶ ሃገራት ኤውሮጳን ኣፍሪቃን ብሽቕለት ኣልቦነት እንዳተንከራተተ፡ መዓስከራት ጎረባብቲ ሃገራት እንዳጻባብና፡ ኣብ ውሽጥን ኣብ ደገን ዘሎ ህዝቢ፡ ብሓደ ድምጺ ዝርንዝሕ እንዳነብዐ፡ ናብራ ኤርትራውን ሲ! ራህዋን ሓጎስን ዝረሓቖ፡ ናብራ ሕሰምን መከራን ካብ ዝኸውን ዓመታት ሓሊፉ፡፡ እታ ሃገር ከ! መን እዩ ክርከባ? ብስም “ግዝያዊ መንግስቲ” ተኾይጡ፡ ነባሪ ዕንወትን ጥፍኣትን ዝዘርኣልና ኢሳይያስ፡ 18 ሚኒስተራት ናብ ጊላታት ለዊጡ፡ ካብ 56 ጀነራላት ሒደት ምሉኻት ጥራይ ኣስዒቡ፡ በይኑ ጀነራል፡ ባዕሉ ሚኒስተር፡ ባዕሉ ኮሚሽነር፡ ባዕሉ ኢንጅነር፡ ባዕሉ በዓል መዚ፡ ባዕሉ ሓለፊ፡ ባዕሉ ቀሺ፡ ባዕሉ ሸኽ… ኮይኑ፡ ምስ ጎረባብትና ሕዱር ጽልኢ እንዳዘርአ፡ ሕጂ’ውን ይቕጽል ኣሎ፡፡ ብዘይ ተካኢ ወለዶን ዝትክእ መሪሕነትን እንሆ ንልዕሊ ፍርቂ ክፍለ ዘመን ኣብ ስልጣን ተኾይጡ ሞትን እርጋንን ብዘንጸላለዎም ሓለፍቲ ተኸቢቡ ሓደ እግሩ ናብ መቓብር የምርሕ ኣሎ፡፡

ኣብ ታሪኽ ዓለም ብስም “ግዝያዊ መንግስቲ” ን26 ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ዋላ ሓደ መራሒ የልቦን፡፡ ትማሊ ከምዚ ከማና፡ ድሕሪ ናይ ነዊሕ ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ፡ ናጽነትን ዘውሓሳ ሓደስቲ ሃገራት ደቡብ ሱዳንን፡ ምብራቕ ቲሞርን እኳ፡ ካብ “ግዝያዊ መንግስቲ” ሰጊረን ስሩዕ መንግስቲ ኣቒመን ኣለዋ፡፡ ኣብዚ ርብዒ ዘመን እዚ፡ ህዝቢ ኤርትራ ባህሪያዊ ታሪኻዊ ጉዕዙኡ ተኾሊፉ፡ ኣብ ትሕቲ ዳግማይ መግዛእቲ ኣትዩ እዩ፡፡ እቲ ዝኸፍአ ሞትን ስደትን ዘስዓበ ዘቤታዊ መግዛእቲ ሪኡ እዩ፡፡ ከም ህዝቢ ኤርትራ ሓርነታዊ ቃልሲ ዘካየዱ ጭቁናት ህዝብታት ዓለም፡ ሃገሮም ከማዕብሉን ንዓወቶም ዝሕግዝ ሰፊሕ ኣህጉራዊ ደገፍ ክረኽቡ እንከለው፡ ንሕና ግን ብሰንኪ ኢሳይያስን ኢሳይያሳውያንን ካብ ዓለም ተነጺልና፡ ኣብ ጸምጸም በረኻ እተጨረሐት ዳስ ኮይና ኣለና፡፡

እሞ ክሳብ መዓስ…? …..ክሳብ መዓስ …ጊላነት? ክሳብ መዓስ…ማእሰርቲ….ክሳብ መዓስ….መቕዘፍቲ….ክሳብ መዓስ ስደት….ክሳብ መዓስ ሞት…. ካስብ መዓስ ምልኪ….ክሳብ መዓስ ተነጽሎ…? ክሳብ መዓስ ከ “ግዝያዊ መንግስቲ”????

ክቡራት ኣሕዋትን ኣሓትን …እዚ መወዳእታ ዘይብሉ ዝመስል “ክሳብ መዓስ?” ብርግጽ ማዕልቦ ኣለዎ፡፡ ብሓቂ’ውን ክወግሕ’ዩ፡፡ እቲ ጸሊም ድነ ክቕንጠጥ’ዩ፡፡ ንኹሉ ከፋፋሊ ተግባርትን ስሚዒታትን ነጺግና፡ ንምብትታና ዝህቀን ኢሳይያሳዊ ሽጣራታት በዲህና፡ ብሓድነት ንኤርትራን ህዝባን ኣሚና፡ ምእንተ ሓደ ሃገራዊ ዕላማ ተወፊና፡ ንመላእ ህዝብና ኣብ ሓባራዊ ዕላማ ኣስሚርና፡ ተቓሊስና እዚ ርሑቕ ዝመስል “ክሳብ መዓስ…?” ብርግጽ ክነሕጽሮ ኣለና። ነዚ ራእይ ወለዶታት ዝቆጸየ “ግዝያዊ መንግስቲ” እውን ኣብ ግቡእ መዓልኡ ክነብጽሖ ኣለና።

Source