ብድሕሪ ነዊሕን ብዙሕን ሞጎት ምስ ሕልናይ ተዓሪቐ ንውሽጠይ ነጻነትን ሓርነትን ካብ ዝጓናጸፍ ልዕሊ ክልተ ዓመት ኮይኑ’ዩ። ብቅሉዕ ካብ ኤርትራዊ ስምረት ንዲ-ሞክራስያዊ ለውጥን ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶን ኣባልነተይ ኣውዱቐ ነጻን ሓራን ካብ ዝኸውን ድማ እንሆ ራብዕቲ ኣቁጺሩ። ቅድሚ ኩለ ካብ ሕልናዊ ቅሳነትን ራህዋን ዝዓቢ ስለዘይህለ፡ መቐረት ሕልናዊ ነጻነትን ሓርነትን ከስተማቕር ብምኽኣለይ ብጣዕሚ ሕጉስ ምዃነይ ከረጋግጽ እፈቱ።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ መሊሰ ኣብ ጉዕዞ ዲሞክራስያውን ፍትሓው ንቃልሲዝርከቡ፡ ብርግጽ ቅድሚ ነቲ ኣብ ዘይተኣደነ መሪር ሕሰምን ሓሳረ-መከራን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ሓቀኛ ነጻነትን ሓርነትን ክጭብጥ ዝምነዩ ንባዕሎም ምስ ሕልንኦም ብምትዕራቕ ቅሳነትን ራህዋን ክጓናጸፉ ይትምነ።

ብዝኾነ ከምቲ ኣብ ትጽቢተይ ዝነበረ ብድሕሪ’ቲግሉጽ ምውዳቕ ኣባልነተይ ብዙሓት ካብ ኣባሊት ፈጻሚ ሽማግለ፡ ማእከሊይ ሽማግለ፡ መሰረታት ኤስደለን ካብኡ ወጻኢ ዝርከቡ ፈተውትን ብዝተፈላለየ መንገዲ ክረኽቡኒ ጸኒሖም ኣለዉ። ኣብመጻኢ’ውን ክረኽቡኒ ዝብህጉ ግደሳት ብጾትን ፈተውትን ከም ዝህልዉ ምግማት ይኸኣል’ዩ። ኩሎም ንዝወሰድክዎ ከቢድ ውሳኔ ብዝምልከት መሪር ጓሂ ተሰሚዕዎም ብተገዲስነት ክረኽቡኒ ዝጸንሑን ብድሕሪ ሕጂ ሕጂ ንምርካበይ ዝብህጉን ድማ ዘለኒ ኣኽብሮት ብድሕሪ ምግሊጽ ዝልዓለ ምስጋናይ የቕርብ።

ርእይቶ ካብ ደቀባት፤

ርግጽ እዩ፣ “ካብ ኣዴታታ ዝነውሐት ማሼላስ ወይ ንዑፍ ወይከኣ ንወንጭፍ”፣ ድኣ ኮይኑና እምበር፣ ኣዳለውቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራስ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚርና፣ ማለት ሎሚ ዓጀውጀው ወዲ ጣባ ሰሚዕና ዘይኮነስ፣ ገና ወዲ ጣባ ኩርኩሮም ከሎ፣ ንእንዳ ህግደፍን እንዳወያነን ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ምዃኖም ሓቢርና ኢን። እቲ ሓቂ ድማ ከምኡ ምዃኑ ስለዝተሰቆረና፣ ክሳብ ሎሚ ንመገሻ ኣዲስ ኣበባን ኤርትራን ሓሊምናዮ ኣይንፈልጥን።

እወ፣ እንተወሓደስ ድሕሪ 40 ዓመታት ቃልሲስ፣ ንጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝዝውሩዎም  ዘለው፣ እቶም ክልተ ገጽ ሓደ ቅርሺ ዝኾኑ ወያኔን ህግደፍን ዘይኮኑስ፣ እቶም ንዕኦም ከም ጹሩያት ኣገልገልቲ ኣቑሓት ገሮም ዝጥቀምሎም ዘለው፣ መሃንድሳት ጽዮናውያን ምኻኖም፣ እወ፣ከም ብዓል ሔርማን ኮሄንን መላፍንቱን ምዃኖም፣ ብፍላይ እኳድኣ ብድሕሪ ቅንጸላ ሓርበኛ ዘካርያስ ንጉሴን፣ መጭወይቲ ሓርበኛ ገብረብርሃን ዘርኤን፣ነቶም ብሓቂ ንኤርትራ ክቃለሱላ ዝብህጉ  ኩሎምን፣ ነቶም ብስም ተቓወምቲ ኤርትራ ኢሎም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኢትዮጵያን ኮንና ንቃለስ ኣሎና ዝብሉን፣ ካብኡ ክወጹ ከምዘለዎም ሓቢርና ኔርና ኢና። ዝሰምዓና ሰብ ግና ኣይረኸብናን።

ዝኾነ ኮይኑ ሕጂውን ማይ ኣይሓለፎን፣ ዝኾነ ይኹን ኤርትራዊ፣ ነብሱ ከታልል እንተዘይድልዩ፣ ምስ  ወያኔን ምስ ህግደፍን ኮይነ ንህዝቢ ኤርትራ ከድሕኖ ኣይክእልን እዩ።

ስለዚ ሎሚ ክቡር ሓው ነጸረኣብ ኣስመላሽ! ምስ ሕልናይ ተመያዪጠ ካብቲ ተስፋ ዝሰኣንኩሉ መስርሕ ቃልሲ ዸው ኣቢለ ካብ በልካ፤ ዘይተስልጠሉ ባይታ መቃለሲ ምዃኑ ኣለሊኻ ኣሎኻ ማለት እዩ። ሰናይ ተበግሶ ስለዝኾነ ድማ ነተባብዓካ፣ ነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣሰላን ምስ ጡሩነሽ፣ ኣብ መቐለን ሽረን ድማ ምስ ለተታትዮስ ክዘናግዑ ቀዮም፣ ንኤርትራ ንቃለስ ኣሎና ዝብሉና፣ብዓል ኣቦይን ኣደይን በበይኑ ጸሎቶም ድማ፣ ከምዚ ናትካ ቆራጽ ውሳኔ  ወሲኖም፣ነቲ ብሒቶሞ ዘለው ንኸይትቃለስ ዘቃልስ ዕንክሊሉ ዝኾነ ደምበ 33 ውድባት ጠንጢኖም፣ ነቲ ቃልሲ ንህዝቢ ኤርትራ እንተዝገድፍሉ መመስገናዮም ነርና። ካብኡ ሓሊፉ ግን ንዕድመ ወያኔን ህግደፍን ንከናውሑ እንተ ዘይኮይኖም፣ ንህዝቢ ኤርትራስ ዘምጽኡዎ ቊምነገር ከምዘየለ ኩሉ ሰብ ፈሊጡዎም እዩ። እወ፣ ሕጂውን እንተሓሲቦምሉ ማይ ኣይሓለፎን፣ እኳድኣ እቲ ቃልሲ ኣንጻር ወያኔን እንዳ ኢሰያስን ስለዝኾነ፣ ምስ ደቂ ትግራይን ኢትዮጵያን ኤርትራን ኮንካ እዩ ክዕወት ዝከኣል። ጥራይ ነቲ ሓቂ ንኽትፈልጥን ነቲ ዘሎካ ክትውስኸሉን ተቓለስ እምበር፣ ማለት ነቶም ቀንዲ ጸላእቲ ህዝቢ ኤርትራ ብንቕሓት ከተለልዮም ኣምላኽ ይሓግዝካ እምበር፣ እቲ ሓቀኛ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራስ  ሓቀኛ ጥርናፈ ኣብ  ወጻኢ ዘሎ ህዝብን፣መኸተ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ጥራይ እዩ።ካብኡ ሓሊፉ ግና፣ እቲ ኣብዚ እዋንዚ፣ እዚ ወዲ-ጣባ ዝተባህለ ወይጦ ተዋፊሩሉ ዘሎ ወፍሪ ህግደፍ፣ ጭፍራ ህግደፍ ቅድሚ ውድቀቶም፣ ውድቀት ወያኔ ይቀራረብ ከምዘሎ ስለዝፈለጡ፣ንህዝቢ ንምድንጋር ንሕና ንበልጽ ካብ ዝብል ሕሱር ወፍሪ፣ ይኣይ ንሶም ክድሕኑ ወያኔ ከኣ ክጠፍእ ካብ ዝብል ሕልምታት፣ በቲ ገንዘብ ህዝቢ ገሮም ነዚ ካብ ብኣእምሮኡ ብኸብዱ ዝሓስብ፣ ግንከኣ ስንኩል ህዋሳት ዘለዎ ብወዲ-ጣባ ዝፍለጥ ሰብ ኣዋፊሮም፣ ሰንበት ሰንበት ዓንገረር ከብሉዎ ይሓድሩ ኣለው።

ስለዚ፣ክቡር ነጸረኣ ኣስመላሽ ክንምሕጸነካ እንደልዮ ሓደ ምሕጽንታ እንተድኣ ሃልዩ፣ “ኣናፍራ ቆቛሕ ዘይፈለጠስ ኣይሃዳናይን” ከምዝብሃል፣ ነቲ ወዲ-ጣባ ዝብሃል ንብረት  ህግደፍ ከምዝኽነን፣ግንከኣ ነታ ኣብ ጻዕሪ ሞትትርከብ ዘላ ጋንታ ህግደፍ፣ ይኣይ ትንፋስ ክሰዅዓላ ኢሉ ብመሃንድሳት ህግደፍ ተላኢኹ ከምዝመጸ ኣለሊኻ ረስዓዮ። ንሱ ድማ ህግደፍ ምዃኑ ንስኻ ጥራይ ዘይኮንካስ፣ብዙሓት ሰባት ስለዘለለዩዎ ኣይትገደሰሉ። ንዕኡ ረሲዕካ ኣብ ጉዳይ ምርምርካን ንቕሓትካን እንተተድህብ ጽቡቕ እዩ፣ እንተዘይኮይኑ ግዜኻ ጥራይ ኢኽ ንኮንቱ ተጠፍእ ዘሎኻ፣ እንበር ምስ ወዲ-ጣባ ጣባ ተሃላሊኽካ ትበጽሖ ሸቶ የለን፣ ክንብል ኢና ምኽርና ንልግሰልካ።

ኣብዚ ብምጥዋዕ ቀጽሉ

ካብ ኣካየድቲ መርበብ ሓበሬታ ምደቀባት