ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሓርነት፣ ቃልሲ ኢሰያስ ከኣ ንጽዮናውያን ምግልጋልን ንሽመትን!

ህዝቢ-ኤርትራ ኣጋጣሚ ኮይኑ፣ ሕማቕ ዕድል ኣጓኒፉዎ። ከም ኩላቶም ኣፍሪቃውያን ኣሕዋቱ ድማ ብድሕሪ ኣብ ትሕቲ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ን50 ዓመታት ምጽንሑ፣ በተን ጥራሕ ንረብሕአን ዝሓስባ ሓይልታት ድፍኢት ኣብ ትሕቲ ድሑር መስፍናዊ ሥርዓት ንጉስ ኃይለ-ስላሴ፣ ብስም ፈደረሽን ከምዝቝረን ተገብረ ቃልሱን ሥቓዩን ከኣ ተናውሐ። እቲ ብጥርዓንን ብሰላማዊ-ሰልፍን ነጻነቱ ከምዘይረክብ  ዘረጋገጸ ህዝቢ ኤርትራ፣ መወዳእትኡስ ብሓይሊ...

“ኵሕሎ ወለል በሊ” ወይዛ ዕንባባኹም ዘሊላ ዘሊላ ኣባኹም”

ክንድቲ ንቡርን ጥንታዊን ባህሊ ኣግኣዝያን እኮ ክንደየናይ ከይከውን፣ ብመጠኑ ግና ከዘኽኽረና ዝኽእል ባህላዊ ደርፊ ኣግኣዝያን እንሆልኩም፣   ኣንቲ ኵሑሎ፣ ክስየ ቁመታ ንሳ ሰዊታ ኩመል ስገም መሲላ፣ ወዛንየ ወዛንየ !   ሽፎናት ዘለዎየ ናይሎናት ዘለዎየ! ሽፎን ክደነኒ ኣዳነይ ከይሓምያኒ!     ዘይትድፈር በጽሒ! ወዲ ምስሌነ ብዓል ወርቂ ጋማ! እንታ ኣርሓ ሽደን ከማኻ ኣይተወልደን!...

ጽዋእ ጥምየት ምሃንድስ ጥፍኣት ብትዕቢት ዝንእረር ኢሰያስ መሰንኮር!! “ንኹሉ እንቋዕ ኣርከብኩሉ” ተኽሊንኪኤል ገብሩ (ወዲ-ገብሩ)

ጽዋእ ጥምየት ምሃንድስ ጥፍኣት ብትዕቢት ዝንእረር ኢሰያስ መሰንኮር ቀራን ሰይጣን እምበር ዘይብሉ ባህርያት ከም ዝኾነ ፍጡር ፈታዊ ዘይፈልጥ ነዛ ጽላሎቱ ዝጠራጠር ንኣመንተይ ዝብሎም ኲዒቱ ዝቐብር ኣንጻር ራህው ሰላም ጽቡቕ ዘይገብር ደጋዊ ትርኢቱ ንገርሀኛ የዋህ ዘህርር ሕብሩ እምነ-በረድ ውሽጡ ግን መቓብር ጋህሲ ናይ ጀጋኑ ኣስከሬን ዝጸውር ፍልሖ ቁጠባ ቍንቍን ጸጋ-ሃገር ንኸምስል ገበን ዘይገብር ኣብ ቅድሚ ሃዝብና...

ሃገርካን ህዝብኻን ረሲዕካ፣ንሕና ንሱ! ንሱ ንሕና! ግርህነትዶ ንብሎ ወይስ ድንቁርና ?

ዕሽነትዶ ንብሎ ህልኽ ወይ ንቕጽና ግርህነትዶ ንብሎ ወይስ ድንቁርና ኣብ ጀነቫ ኬድካ መራሒና ቃሕ ዝበሎ ይግበር ኣብ ልዕሌና ብራዕድን ብፍርሕን ዋላ ይግዝኣና ብዘይ ክስን ፍርድን ይእሰረና ብዓጸቦ ጥሜት ይሓዘና ከይንምሃር፣ ከይንሰርሕ፣ከይሓርስ፣ከይንነግድ፣ዋላ ይኽልኣና ስኣን ሕክምና ንሙት ኣብ ገገዛና ስርዓቱ ክንሕሉ ጠምነጃ ሓንጊጥና ዋላ ከርተት ንበል ናብራና ረሲዕና ይግሃስ ይድፈር ሰብኣዊ መሰልና...