ጽዋእ ጥምየት ምሃንድስ ጥፍኣት
ብትዕቢት ዝንእረር
ኢሰያስ መሰንኮር
ቀራን ሰይጣን እምበር
ዘይብሉ ባህርያት ከም ዝኾነ ፍጡር
ፈታዊ ዘይፈልጥ ነዛ ጽላሎቱ ዝጠራጠር
ንኣመንተይ ዝብሎም ኲዒቱ ዝቐብር
ኣንጻር ራህው ሰላም ጽቡቕ ዘይገብር
ደጋዊ ትርኢቱ ንገርሀኛ የዋህ ዘህርር
ሕብሩ እምነ-በረድ ውሽጡ ግን መቓብር
ጋህሲ ናይ ጀጋኑ ኣስከሬን ዝጸውር
ፍልሖ ቁጠባ ቍንቍን ጸጋ-ሃገር
ንኸምስል ገበን ዘይገብር
ኣብ ቅድሚ ሃዝብና ተጠሊዑ ክጅሃር
ዓመት መጸት ኣብ ቲቪ ኤረ ዘይርብርብ ክምድር
ዘይትግበር መብጽዓ ዝነግር
ወረጃ ዝመስል ቍሩብ ዘይሓፍር
ዘይሓንኽ ብሕቡእ ክፈግር
ጸጋታትና ንግዳም ከሳግር
ደረቈኛ ዓይኒ-ሰብ ዘንቁር
ህዝብና ኣጽኒቱ ምስ ናቱ ኮራዅር
ብቐትሩ ዝሕልም ንበይኑ ክነብር

ጽዋእ ጥምየት ምሃንድስ ጥፍኣት ብትዕቢት ዝንእረር ኢሰያስ መሰንኮር

ግዜ ጽቡቕ እዩ እንቋዕ ድኣ ንተንኮል ኢሰያስ ኣርከብናሉ ፣ እስከ ነዛ ደርፊ ተኵሊንኪኤል ገብሩ እስከ ንከታተላ