ህዝቢ-ኤርትራ ኣጋጣሚ ኮይኑ፣ ሕማቕ ዕድል ኣጓኒፉዎ። ከም ኩላቶም ኣፍሪቃውያን ኣሕዋቱ ድማ ብድሕሪ ኣብ ትሕቲ ኤውሮጳዊ መግዛእቲ ን50 ዓመታት ምጽንሑ፣ በተን ጥራሕ ንረብሕአን ዝሓስባ ሓይልታት ድፍኢት ኣብ ትሕቲ ድሑር መስፍናዊ ሥርዓት ንጉስ ኃይለ-ስላሴ፣ ብስም ፈደረሽን ከምዝቝረን ተገብረ ቃልሱን ሥቓዩን ከኣ ተናውሐ።

እቲ ብጥርዓንን ብሰላማዊ-ሰልፍን ነጻነቱ ከምዘይረክብ  ዘረጋገጸ ህዝቢ ኤርትራ፣ መወዳእትኡስ ብሓይሊ ብረት እምበር፣ ነጻነት ብዝኾነ ተኣምር ከምዘይመጽእ ምስ ኣረጋገጸ፣ በቶም ማዮም ዝሰተይቱን፣ ባህሎም ዝፈልጡን፣ ኣኽብሮት  ዓቢ-ሰብ  ዘለዎምን፣ ክም ብዓል እድሪስ ዓዋተ ቃልሲ ጀሚሩዎ። ሰውራ ክንብል ከሎና ግና፣ቅዳሕ ናይተን ኣቐዲመን ቃልስታት ዝጀመራ ኣብ ኤውሮጳን ኣስያን ዝርከባ ሃገራት ጥራይ ኣይነበረን፣ ህዝቢ ኤርትራ ቃልሲ ብ1961 ዓ.ም.ፈ. ኣይኮነን ጀሚሩዎ። ካብ 15 ክፍለዘመን ኣንጻር ቱርኪ፣ ኣብ 18 ክፍለዘምን ኣንጻር ወራር ግብጺ ኣብ 18ን 19ን ድማ ኣንጻር ማህድን ኮሎንያል ጣልያንን እዩ ጀሚሩዎ።

እቶም ኣብ ሰውራ ኤርትራ ዝተኻፈሉ፣ መብዛሕትኦም መንእሰያት ተምሃሮን፣ነቲ ዴሳዊ ምምሕዳር ኣቦታትና፣ ኣብ መሮር ኮነ ኣብ ገደና፣ ዝርከብ መሬት ብትኽክል ዝረቐቐን ዝረጐደን፣ግራተውቲ ኣብ ምዕዳል፣ ጤሳ መስርሒ ገዛ ከኣ ብዓቐን ሓንቲ ብቑዕ ስፍሪ ዘሎዋ ገዛ ስፍሓቱን ጐድኑን መቲርካ ምምሳሕ ዳስ ብሓባር ምስራሕ፣ግራት ብወፈራ ምሕራስን ጽህያይን እኽሊ ብምስየት ምዕጻድ፣ መርዓ ጓል-ድኻ ተሓባቢርካ ብጽቡቕ ከምዝሓልፍ ምግባር፣ ንብኡሳት ሰባት ምዕራቕ፣ ሰናይን ማሕበራዊን ማዕርነታዊን፣ ዘለዎ ምምሕዳር ዘካይዱ፣ብዴስነት ዝልለ ሕገንዳባ ዘለዎም፣ ብዘይ ወተሃደር ፖሊስ ብሰላም ክመሓደሩ ዝኽእሉ ከምዝነበሩ፣ ዓመጽን ገበንን ንኸይፍጸም፣ ሕጎም “ኣፍ ኣይጽረፍ ኢድ ኣይጋረ” ዝብል ምዕዶ ዝሓዘ መጠንቀቕታ ዘለዎ፤ እሞ ኣብ ውሽጦም እዞም ኩላቶም ሎሚ ኣብ ግዜ ውልቀ-መላኺ ኢሰያስ እንርእዮም ኣበሳታትን ገበናትን ሃሰው ኢልካ ዘርከቡ’ዮም ኔሮም።

መንእሰያት ተማሃሮ ግና እንካብ’ቲ ኣቦታት ዝሕደጉልና ዴስነት ክፈልጡ ዝደልዩ ብዝያዳ ነቲ ኣብ ሶቭየት ሕብረት ሩስያ ብብዓል ለኒን ዝተኻየደ ሕንቅልሕንቅሊተይ ቃልስን፣ ብብዓል ማኦ ጼቱንግ ዝመራሕ ዝነበረ ሰውራ ቻይናን ጥራይ ይምስጦም ነይሩ። ኣዲኣ ገዲፋስ ንሓማታ ትናፍቕ።

ናየቦታቶምን ኣባሓጎታቶምን ረሲዖም ሰውራ ምዕራባውያን ተቈቢሎም። ዘሕዝን aዩ። ርሑቕ ዓዲ ምሓሰዊ። ዳርጋ ንሌኒን ከም ሓደ ብጹእ መራሒ ቃልሲ  ጌርካ ምርኣይውን ኔሩ እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘስደምም ግና፣ ንባዕሉ ለኒን መራሒ ሰውራ ጥቅምቲ 1919 ዓ.ም.ፈ. ኮይኑ፣ንንጉስ ኒኮላውስ ኣሌክሳንደሮቪች ዳግማዊ ንግሰነስት ሩስያ፣ ንጉስ ጻር 1894 ክሳብ 1917 ዓ.ም.ፈ. ርህራሄ ዘይብሉ ጭካኔ ምስ ምሉኣት ስድራቤቱ ረሺኑ ኣብ ሓደ ጋህሲ ዝቐበረ ጨካን ሰብዩ። ንማኣለያ ዘይብሉ ውርቂ ንጉሰነገስት ጻር ድማ ዘሚቱ ገቢቱዎ እዩ።

 ጨካን ለኒን ዝፈጸሞ እከይ ተግባር እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ጥራይ ኣይኮነን፣ እቲ ኣዝዩ ንውርን ግፍዕን ግና ንኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ሩስያ ኣዕንዩ፣ ኣብ ምዓስከር ወተሃደራት ቀይሩዎ እዩ። ንርብዒ ሚልዮን ዝኾኑ ጳጳሳትን ኣቡናትን ካህናትን መነኮሳትን ድያቆናትን ከኣ ቀንጺሉ። እቲ ባኣፍ ጥራይ ካብ ሰማይ ማና ከውርድ ከምዝኽእል ገርካ ዝዋጥዩዎ ዝነበሩ ፕሮፓጋንዳ ሰልፊ ቦልሸቪክ (ሎሚ ህግደፍን ወያኔን) ግና ንሃገር ሩስያ ን70 ዓመታት ኣብ ደልሃመት ኣጥሒሉዋ ነይሩ።

ይቕጽል

ብሓልዮ መርበብ ሓበሬታ ደቀባ-ኣግኣዝያን