ዕሽነትዶ ንብሎ ህልኽ ወይ ንቕጽና
ግርህነትዶ ንብሎ ወይስ ድንቁርና
ኣብ ጀነቫ ኬድካ መራሒና
ቃሕ ዝበሎ ይግበር ኣብ ልዕሌና
ብራዕድን ብፍርሕን ዋላ ይግዝኣና
ብዘይ ክስን ፍርድን ይእሰረና
ብዓጸቦ ጥሜት ይሓዘና
ከይንምሃር፣ ከይንሰርሕ፣ከይሓርስ፣ከይንነግድ፣ዋላ ይኽልኣና
ስኣን ሕክምና ንሙት ኣብ ገገዛና
ስርዓቱ ክንሕሉ ጠምነጃ ሓንጊጥና
ዋላ ከርተት ንበል ናብራና ረሲዕና
ይግሃስ ይድፈር ሰብኣዊ መሰልና
“ከይትትንክዩልና ነዚ ዲክታቶርና”
ንሱ ንሕና፣ ንሕና ንሱ ኢና፣

ኢልካ ንኽትጭርሕ ቁሩብ ዘይትሓፍር
መን’ዩ ወኪሉካ ክንደይከ ትደፍር
ኤርትራ ክትዓኑ ህዝብኻ ክባረር
ክሣቐ ክጭነቕ ክቕተል ክእሰር
ስራሕ ተኸልኪሉ ጸሙ እንክሓድር
ክንዲ ነዊት ዕርፊ ጠመንጃ ክጸውር
ሃገሩ ራሕሪሑ መንእሰይ ክባረር
ኢሰያስ ጥራይ ሓላው ሕዛእቲ ባዕዳውያን ኮይኑ ንበይኑ ክነብር
ቃሕ ዘሎ ክገብር
ኣብ ክንድኡ ኴንካ ተጣቕዕ ትምድር
ክሳብ ምዓስ ኢኻ ብጠቕሚ ትጥበር
ንዓ ታሪኽ ግደፍ ንህዝቢ ንሃገር
ሕግብግብ ኣይትበል በዚ እሾኽ ዳንዴር
ጽባሕ ብጊሓት ገዲፉካ ነይተርፎ ክዕዘር

ህዝብና ክጭቆን ኣብ ገዛእ ዓዱ ክዋረድ
መንእሰይ ከገልግል ኮይኑ ጊላ ገረድ
ሥቓይ በዚሑዎ ክሃድም ክስደድ
ኣብ ባሕሪ ክጥሕል ብኻራ ክሕረድ
እንኳን ወዲ ሃገር ዋላ ናትኩም ዘመድ
ፈሪሕኩም ርዒድኩም ባኢይሰያስ ጎመድ
ብምሒር ኣምልኾ ቀባሕባሕ ሸበድብድ
ዘይምጕሃይ ዘይምብካይ ገርኩሞ ከም ልማድ!
እንቱም ተጣቕዑ በተበተብ ዕበድበድ
ኣብ ዕለተሞቱ ንኢሰያስ ጐልያድ
ሓቂ ብሓቂ ምስኡ ንኽትኣትዉ ኣብታ ናቱ ጕድጓድ
ትኽእሉዶ ክትድበዩ ሓመድ?
ወይሲ ተሓኒቕኩም ትሞቱ ብገመድ?

ገጣሚ፣ ህዝባዊ ኣግእዞ

ብሓልዮ መርበብ ሓበሬታ ደቀባ-ኣግኣዝያን 12.02.2017 ዓ.ም.ፈ.