ኣብ ሻዕብያን ህግደፍን ዘይተነገረ እምበር ዘይተገብረስ የልቦን! ቅሉዕ ትንተና (ብቨተራን) ተጋዳላይ “ፎሮ”

“ፎሮ” ብዝብል ብርዒ ስም ዝጥቀም ኣባል ስውርቲ ሰልፊን፣ “ሓለዋ ሰውራን“ ስለያን፣ ህ.ግ.ሓ.ኤ.ን ህ.ግ.ደ.ፍ.ን ኮይኑ ተመዚዙ ንኤውሮጳ ዝተላእከ፣ ግንከኣ እቲ ትካል ህ.ግ.ደ.ፍ.ማፍያ ምዃኑን፣ ንሱ ባዕሉን ህዝቢ ኤርትራን ከኣ ብፍላይ ግዳይ ማሕበር ጸልማት መራሕቲ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ከምዝኾኑ ስለዘረጋገጸ፣ ንስርዓት ህግደፍ ዓኽ-ጡፍ ኢሉ ራሕሪሑዎም ንዔውሮፓ መጺኡ ዝዝርግሖ ዘሎ ሓበሬታ ትሰምዕዎ’ዶ...

ፍሊጶስ Vs ጴጥሮስ፣ ኣብ ግዜ ነጻነት ጴጥሮስ ጉጅለ ስለያ 72፣ ፍሊጶስ ድማ ብሪገድ 70 መሪሖም እዮም ነስመራ እትዮም።

ሎሚ ከኣ ፍሊጶስ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ግንከኣ ገባሪ ሓዳጊ፣ ጴጥሮስ ድማ መሽሚሹ ኣብ ኣብ ዒራዒሮ ትሕቲ ምድሪ – ዘመን ግሪንቢጥ ማይ ንቐብ !! ምንጪ ሓበሬታ ሳኪቲዝም ብሓደ ዓመት ኣፈላላይ ጴጥሮስ ብ1951 ፍሊጶስ ብ1952 ተወሊዶም፡፡ ዕድመ ንእስነቶም ኣብ መበቆል ዓዶም ኣሕሊፎም ጴጥሮስ ካብ ሳልሳይ ዓመት ዩንቨርሲቲ ብ1971 ፍሊጶስ ካብ 11 ክፍሊ ብ1972 ናብ ሜዳ ወሪዶም፡፡ ኣብ ህ.ግ ጴጥሮስ ኣባል...