ሎሚ ከኣ ፍሊጶስ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ግንከኣ ገባሪ ሓዳጊ፣ ጴጥሮስ ድማ መሽሚሹ ኣብ ኣብ ዒራዒሮ ትሕቲ ምድሪ – ዘመን ግሪንቢጥ ማይ ንቐብ !!

ምንጪ ሓበሬታ ሳኪቲዝም

ብሓደ ዓመት ኣፈላላይ ጴጥሮስ ብ1951 ፍሊጶስ ብ1952 ተወሊዶም፡፡ ዕድመ ንእስነቶም ኣብ መበቆል ዓዶም ኣሕሊፎም ጴጥሮስ ካብ ሳልሳይ ዓመት ዩንቨርሲቲ ብ1971 ፍሊጶስ ካብ 11 ክፍሊ ብ1972 ናብ ሜዳ ወሪዶም፡፡ ኣብ ህ.ግ ጴጥሮስ ኣባል ፖለቲካዊ ቤ/ጽህፈት፡ ፍሊጶስ ተለዋጢ ማእከላይ ሽማግለ በጺሖም፡፡ ናብ ናጽነት ጴጥሮስ እንዳ 72 ፍሊጶስ እንዳ 70 መሪሖም እዮም ኣትዮም፡፡ ክልቲኦም ታሪኽ ዘይክሕዶ ንወለዶታት ዝወራረስ ቅያ ተጋድሎ ኣሕሊፎም እዮም- ምእንቲ ኤርትራ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ጴጥሮስ ብኩሉንትንኡ ብቑዕ ሚኒስተር ፍሊጶስ ከኣ ብወተሃደራዊ ቁጽሪ 72-0890 “ሜጀር ጀነራል” ተሰሚዩ ወተሃደር ኮይኑ፡ ቀጺሎም፡፡

ሎሚ ዘይከም ትማል ዘመን ተገምጢሉ፡ ኩሉ ተረሲዑ፡ ጥልመት ሳዕሪርዎ፡ ብፍቕዲ ፊደላት ጥራሕ ተመሳሲሎም ተሪፎም፡፡ መስከረም 18/2001 እታ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ሕላገት ሓዲጋ ዝሓለፈት ጸላም መዓልቲ፡ ፍሊጶስ ርኻብ ኢሳይያስ ረጊጹ ሃገር ከዕንው ህዝቢ ክህድድ፡ ጴጥሮስ ከኣ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ንስፖርት እንዳተዳለወ ብኮ/ል ርእሶም ኣባይ (ወዲ ማርጋኖ) ትምራሕ ጉጅለ ተዓፊኑ ኣንጉዕኻ ናብ ዘምክኽ ጉድጓድ ክወርድ ተፈሪዱ፡፡ እዛ ዕለት ኢሳይያስን ሒደት ሰዓብቱን ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ ክደብዩ ማህደረ ጥልመት ዝቐልዑላ ዕለት”ያ፡፡

ጉዕዞ ፍሊጶስን ጴጥሮስን ድሕረ-2001

እቲ ጎበታትን መሮርን ጥሒሱ ኣብ ምውሓስ ናጽነት መተካእታ ዘየነበሮ እጃም ዘበርከተ ጴጥሮስ ሰለሙን ካብ 2001 ክሳብ 2003 ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንባትካላ፡ ካብ 2003- 2016 ከኣ ኣብ መዓሙቕ ምድረ-ዒራዒሮ ይርከብ፡፡ ድሕሪ ቀይዲ “ጉጅለ-15” ርኻብ ኢሳይያስ ዝረገጸ ፍሊጶስ ኣብ መሬት ኤርትራ ካብ ኢሳይያስ ቀጺሉ ገባሪ ሓዳጊ ኮነ፡፡ ካብ 2001 ንደሓር ፍሊጶስ ኣዛዚ ስርሒታት ዞባ 2ን 5ን፡ ኣዛዚ ተወርዋሪ እዚን ሓለቓ ስታፍ ሓ/ም/ኤርትራን ብምኻን ቦታን ጽፍሕን እንዳቀያየረ ብኢሳይያስ ዝተመጠወሉ ናይ “ጀነራልነት” መዓርግ ወሲኹ ካልኣይ ኣባጓይላ ጥልመትን ጥፍኣትን ኤርትራ ኮይኑ ቀጸለ፡፡

ኣብ ሓይልታት ምክልኻል ካብ ክ/ሰራዊት ክሳብ እዚ ዝተዘርገሐ “ጨንፈር ኣፍረይቲ ወይ ንግዳዊ ትካላት” ዝበሃል ሕርሻ፡ መፍረ ጥሪትን ድኳናትን ዝሓዘ ዋንነቱ ንኣዘዝቲ ሰራዊት ዝኾነ ኣወዳድባ ኣሎ፡፡ ጨንፈር ኣፍረይቲ ትካላት ኣታዊታቱ ኦዲት ተገይሩ ዘይፈልጥ ብናጻ ጉልበት ሰራዊት ዝዕየን ዝፈርን ማእለያ ዘይብሉ ማል ዝውንን ምንጪ ኣታዊታት ካብ ኣዘዝቲ ክ/ሰራዊት ንላዕሊ ዘለው ላዕለዎት ወተሃደራዊ መኮነናት እዩ፡፡ብጉርሒ ዝልለ ጀነራል ፍሊጶስ ኣብ ዘዝተመደበሉ ጽፍሒ ልዕሊ ዝኾነ ይኹን ሓላፊ ብጨንፈር ኣፍረይቲ ትካላት ዝርከብ እቶት ብዘይሓታቲ ንውልቁ እንዳውዓለ ማእለያ ዘይብሉ ርእሰማል ኣጥሪዩ እዩ፡፡ ኣዛዚ ስርሒት ዞባ 02፡ 05፡ ኣዛዚ ተወርዋሪ እዝ ሓለቓ ስታፍ ሚ/ሪ ምክልኻልን ኮይኑ ኣብ ኣብ ዘገልገለሉ ጽፍሒታት ኩሉ ፍልፍል ኣታዊታቱ፡

  • ጨንፈር ኣፍረይቲ ትካላት (ሕርሻ ዓዲ ዑመር፡ ኣስመራ ፍላዎርስ፡ ድኳናት ቀሓውታ)

  • መሸጣ መንቀሳቐሲ ብፍላይ ዘመድ ኣዝማዶም ኣብ ወጻእ ዝነብሩ ዜጋታት ምስ ወዲ ማርቆስ (ሓላፊ ጨንፈር ተወርዋሪ እዚ)፡ ኮ/ል ብርሃነ (ወዲ ውነሽ- ጸሓፊ ቤ/ጽ ጀነራል – ባለነኪ) እንዳተማሳጠረ ናይ ቦርድ: Unfit፡ ምፍናውን ወተሃደራዊ መንቀሳቐሲን ወረቓቕቲ ይሸይጥ፡፡

  • ኣባል ሓይሊ ዕማም ሃገራዊ ጸጥታ ስለዝኾነ ብምስምስ ሃገራዊ ጸጥታ (National Security) ገለ ዜጋታት ካብ ሃገር ከይወጹ ኣብ ኢሜግረሽን ኣብ Black List ክኣትው እንዳገበረ ኣሰናቢዱ ብመርበባቱ ማእለያ ዘይብሉ ገንዘብ የኻዕብት፡፡ ብከምዚ ዓይነት መገዲ ኣብ 2009ን 2012 ካብ ደገ ዝኣተዋ ኣዋልድ ኤርትራውያን ኣስማተን ኣብ Black list ክኣቱ ብምግባር ካብ ሃገር ከይወጻ ከልኪሉ ኣብ መወዳእታ ጾታዊ ርክብ ፈጺሙ ክወጻ ፈቒዱለን፡፡ (ንኽብሪ እተን ኣሕዋት ክብል ኣስማተን ካብ ምርቋሕ ተቖጢበ ኣለኹ፡፡ ዝኸበርክን ኣሓት ኣብ ዘለኽን ሃሊኽን ብ Inbox ክትረኽባኒ ይጽበ፡፡) ብተመሳሳሊ ኣብ ኣስመራ ክልተ ትሕቲ ዕደመ ኣዋልድ ብግዝያዊ ረብሓ ኣታሊሉ ኣጥኒሱ ብሕቡእ ከውርዳ ገይርወን እዩ፡፡ (ነዚ ጉዳይ ትፍልጡ ደቂ ኣስመራ ብፍላይ ደቂ ገዛ ማንዳ ብ Inbox ክትረኽቡኒ ይጽበ፡፡)

  • ጀነራል ፍሊጶስ ልዕሊ ዝኾነ ዝዓበየ ምንጪ ኣታዊታቱ ኣብ ትሕቲኡ ካብ ዘማሓድረን ቤት ማእሰርታት ዝረኽቦ እዩ፡፡ ኣብ ትሕቲኡ ዝርከባ ካብተን ዜጋታትና ዘሳቐያ ቤት ማእሰርታት ዓዲ ኣቤቶ፡ ማይስርዋ፡ ዓላ፡ ዓዲንፋስን ካልኦትን ዝቕየዱ እሱራት ብስም መርመራ በዓል መርማሪ ሜጀር ብርሃነ ከበደ (ወዲ ከበደ)፡ ካሕሳይ፡ ሚኪኤለ ኢሳቕን ካልኦትን መሰረት ብምግባር ብመልክዕ ህያብ፡ ትሕጃ (ዋሕስ) ማእለያ ዘይብሉ ኣታዊታት ከምዘለዎ ይፍለጥ፡፡

ድሕሪ ቀይዲ ጴጥሮስን ብጾቱን ስልጣኑን ጅብኡን ዘርጎደ ፍሊጶስ ብርክት ዝበሉ ዜጋታት ከም ተንኮለኛን ኣርሒቑ ዝእምትን ገይሮም ይሓስብዎ፡፡ ኢሳይያስ ‘ውን ማዕረኡ ሰብ ከጋፍዕን ማእለያ ዘይብሉ ጸጋታት ሃገር ክግሕጥን እንዳረኣየ ከምዘይረኣየ ዓገብ ከይበሎ እኳ ደኣስ ስልጣን እንዳወሰኾ ይርከብ፡፡ ግን ብሕቡእ ምስ ፍሊጶስ ምጉርፋጥ ዘለዎም ከም በዓል ብ/ጀነራል ተኽለ ማንጁስ፡ ብ/ጀነራል ኣብርሃለይ ክፍለ፡ ኮ/ል ዮናስ ብጹእኣምላክን ሌ/ኮ ሓድሽ ወለላን ብተናጸል መዲቡ ይጸናጸኖ እዩ፡፡ ንኹሉ ፍልፍል ኣታዊታት ተጠቒሙ ኣብ ሃገርና ኣብዚ እዋን”ዚ ንሱን ስድራቤቱን ልዕሊ ሰቦም ይነብሩ ኣለዉ፡፡

ብኣንጻሩ ኤርትራ ኣፍ ኣውጺኣ ተትምስክር ብኣበርክትኡን ብሃገራውነቱን ልዕሊ ፍሊጶስ ዘገልገላ ጴጥሮስ ሰለሙንን ስድራቤቱን ታሪኾም ተረሲዑ ወለዲ ናብ ጉድጓድ ውላድ ናብ ስደት ዘምርሕሉ ዘሕዝን ታኽሪ ተራኢዩ፡፡

ፍሊጶስን ጴጥሮስን ነፍሰወከፎም 4 እዮም ወሊዶም፡፡ ክልቲኦም ስምኦን ዝኣስማቶም ኣወዳት ኣለውዎም፡፡ ወለዲ ጴጥሮስ ሰለሙን (ኣቦይ ሰለሙን ተኽለን ወ/ሮ ምሕረት ገብረሚካኤልን) ንናጽነት ኤርትራ ክልተ ኣወፊዮም ሃናን ጴጥሮስን፡፡ ሃና ሰለሙን ቅድሚ ናጽነት ተሰዊኣ፡፡ ሳራን ሳባን ዝበሃላ ኣሕዋቱ ኣብ ትሕቲ ስውር ክትትል ሃገራዊ ድሕነት ኮይነን ከምዘይ ዜጋታት ተሸቂሪረን ይነብራ ኣለዋ፡፡ ኣስቴር ሰለሙን ኣብ 2002 ብሜጀር ዓንደ ግደወልድ (ወዲ ጅዱ) ኣብ ወኪል ሃ/ድሕነት ሓላፊ ኣካል ሓለዋ ላዕለዎት ሰበስልጣናትን ትካላትን ዝምርሑ ኣባላት ስውር ክትትል ክገብሩላ ድሕሪ ምጽንሖም ኣብ 2002 ካብ ሃገር ወጺኣ ተሰዲዳ፡፡ ኤልሳ ሰለሙን ትበሃል ሓፍቱ ውን ኣብ ስደት ትርከብ፡፡

ኣብ ጸብጻባት ሃ/ድሕነት ከምተገልጸ (ክትእሰር ከላ ጓል 44 ዓመት) ሎሚ ጓል 58 ዓመት ዝኾነት በዓልቲ ቤቱ ንጴጥሮስ ሰለሙን ተጋዳሊት ኣስቴር የውሃንስ መብራህቱ ኣብ 1980ታት ናብ ህ.ግ ዝተሰለፈት እያ፡፡ ድሕሪ ናጽነት ተፋንያ ኣብ ሚኒስትሪ ሃብቲ ዓሳ ተመዲባ ነይራ፡፡ ንዝለዓለ ትምህርቲ ኣመሪካ ከይዳ ተማሂራ ምስተመልሰት ብዕለት 11/12/2003 ካብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ፍዮሪ ሒዞም ዝጽበዩዋ ደቃ ገጽንገጽ ከይተራኸበት ገና ካብ ነፋሪት ምስወረደት ብኮ/ል የማነ ኣፈወርቂ ብዝተኣዘዙ 4 ኣባላት ሃ/ድሕነት ብመኪና ተዓፊና ተወሲዳ፡፡ ኣብዛ ዕለት ዓፊኖም ዝወሰድዋ ኣባላት ዓፈናን ስጉምትን ወኪል ሃ/ድሕነት ብሜጀር ነጋሲ ኪዳነ ትምራሕን ኣብ ቅትለት ኢትዮጵውያን ልዑል ተራ ዝነበሮ በርሀ ባሻይ (ወዲ ባሻይ)ን ዝርከብዋ ጉጅለ እያ፡፡

ኩነታት ተጋዳሊት ኣስቴር ዮውሃንስ ኣብ ካርሸሊ፡

ኣብ ዝተኣሰረትሉ ሰሙን ብሜጀር ካሕሳይ በየነ መርመራ ተገይሩላ እዩ፡፡ ኣብ እዋን መርመራ ብልዑል ርእሰ ተኣማንነት “ሰብኣየይ ኣሲርኩም ደቀይ በይኖም ስለዝተረፉ ሃገረይ ከገልግልን ደቀይ ከናብን መጺአ” እንዳበለት ንመርማሪ ወዲበየነ ትምልሰሉ ነይራ፡፡ ናብ ካርሸሊ ሼላ ቁጽሪ 31 ምስተደርበየት ግን ሓያል ስንባደን ጸቅጢን ገይራ፡፡ “ከምዚ ድዩ ህዝባዊ ግንባር! ነዚ ዲና ተጋዲልና!!” እናደበለት ክተማርርን ክትበክን ጀሚራ፡፡ ኣስቴር ንፈለማ ሒደት ዓመታት ምስ ሞራላ ተስፋ ኣይቆረጸትን ነይራ፡፡ ቀስበቀስ ግን ዓመታት እንዳወሰኸ ናብራ ካርሸሊ እንዳመረረ፡ ይትረፍ ንወዲ ኣዳም ንሰይጣን ኳ ዘይትመነዮ ብጀካ ማይ ዝበዝሖ ዓደስን ዝነቀጸ ባንን ካብ ዓይነታት ምግቢ ተሓሪማ፡ ብጀካ ሓንቲ ሓሙስ መዓልቲ ካብ ደገ ዝኣተወላ ክዳን ካልእ ቅያር ልብሲ ዘይብላ፡ ብመቑነን ካብ ዝተመደበላ ብጀካ ናይ 15 ደቓይቕ ጸሓይ ብርሃን ዝተሓረማ፡ ኩሉሻዕ ኣብ ጸልማት ገዛ ትነብር ንጨና ዝኾና መታዕልልቲ ዘይብላ፡ ከም ጓል ኣነስተይቲ ንጽሬት ደቂ ሂዋን ዘድሊ ዘይቀርበላ ቅይድቲ እያ፡፡

መብዛሕትና እቲ ቀደም እንፈልጦ ውቅብ መልክዓን ምስላን ተደዊኑ ዘይሙሱል መሲላ ኣእሙርኣ ስሒታ ሌትን መዓልትን ብጀካ ኣውያትን ብኽያትን ካልእ የብላን፡፡ ከም ኣስቴር ሓሳባ ብኣግባቡ ክትገልጽ ዘይትኽእለሉ፡ ሓሓሊፉ ዕርቃና ትወጸሉ፡ በይና እንዳተዛረበት ለይትን ቀትርን ብንብዓት እንዳተሓጸበት ብእህህታን ስቓይን ግዳይ ዝተፈላለዩ ሕማማት ኮይና ኣብዚ እዋን ንህይወታ ኣብ ኣሰካፊ ኩነታት ትርከብ፡፡ መቸስ ፈጣሪ ኢልዎ ዝወረዳ ስቓይን መከራን ንህዝባ ትገልጸሉ፡ ብዘይ ወለዲ ዝተረፉ ደቃ ትሓቕፎሉ ግዜ ይሃባ፡፡

ኣብ ቀረባ ብፈላይ ደድሕሪ ተቓዉሞታት ጀነቫ ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲደንትን ላዕለዎት ሓለፍትን ሓያል ሻቕሎት ስለተፈጠረ ኣብ ልዕሊ “መንግስቲ ኤርትራ” ብባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንዝተወሰኑ ውሳነታትን ዝተዘርግሑ ጽሑፋትን ከም መወከሲ ኣብ ደገ ዝነብሩ ደቂ አባላት ጉጅለ-15 ስለዝጥቀሙ “ስድራቤት ኣባላት “ጉጅለ-15” ሃለዋቶም ይጸንዑ” ዝብል መምርሒ ስለዝወረደ ኣብ ወኪል ሃ/ድሕነት ውሽጣዊ ጸጥታ ሓለፍቲ ክፍሊ ሓበሬታን መጽናዕትን ኮ/ል ኣማኒኤል ልጃም (ወዲ ልጃም)ን ሜጀር ብርሃነ ምስግና (ባህሊ) ብዝመርሕዎም ኣባላት መጽናዕቲ ተኻይዱ፡፡ ብውጽኢቱ ደቂ ጴጥሮስ ሰለሙን፡ (ዘርኣይ ጴጥሮስ፡ ሃና ጴጥሮስ፡ መኣዛ ጴጥሮስን ስምኦን ጴጥሮስን) ሓዊሱ ልዕሊ 20 ዝኾኑ ስድራቤታት “ጉጅለ-15” ኣብ ቀረባ ካብ ሃገር ከምዝወጹ ተፈሊጡ፡፡ ኣብቲ ጸብጻብ ጓል መስፍን ሓጎስ (ኤልሳ መስፍን ሓጎስ) ኣብ ገለ እዋን ምስ ሓደ ዓርካ ንሱዳን ክተሰግር ተጠርጢራ ኣብ ጋሽ ባርካ ተታሒዛ ከይተኣስረት ኣጋጣሚ ንስራሕ ናብቲ ከባቢ ተንቀሳቒሱ ዝነበረ ጀነራል ስብሓት ኢፍሬም ሰሚ ከይትእሰር ምግባሩ ተጠቒሱ፡፡

ሎሚ ዘይከም ትማል ዘመን ተገምጢሉ፡ ኩሉ ተረሲዑ፡ ጥልመት ሳዕሪርዎ፡ እዋን ወጮ ተገምጠል ኮይኑ ሐደ ኣብ ጉድጓድ ሓደ ኣብ ምህዳድ ህዝቢ ይርከብ፡፡ ብተወፋይነት ተመሪሖምን መሪሖምን ተቓሊሶም ኣብ ምርግጋጽ ናጽነት ዘይትካእ ኣበርክቶ ዘወፈዩ ደቂ ህዝቢ “ስልጣን ካብ ኢድ ወልቀ መላኺ ናብ ህዝቢ ይሰጋገር” ስለዝበሉ ናብ መዓሙቕ ትሕቲ ምድሪ ተደርቢዮም ጠፊኦም፡፡ ስድራቤታቶም ከምዘይ፡፡ ሃገር ፋሕ ብትን ኣትዩዎም ግዳይ ስደት ኮይኖም፡፡ ብኣንጻሩ ኣብ ሃገርና ርኻብ ኢሳይያስ ረጊጾም ኣብ ኮረሻ ስልጣን ተኾይጦም ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝዕንድሩ ዘለዉ ከም በዓል ፍሊጶስ ዝኣመሰሉ ሒደት ሓለፍቲ ናይ ትማል ረሲዖም ህዝብን ሃገርን ናብ ድቕድቕ ጸልማት ይሽምምዎ ኣለው፡፡

ስለ ሃገር ዝተበጀው ትሕቲ ምድሪ ኣሰፊሮም፡ ሕድሪ ስወኣትና ተጠሊሙ፡፡ ጀነራል ፍሊጶስ ብስም ሃገር እንዳሸቀጠ ካብዝን ካብትን ብዝገበቶ ንዋት ሃገር ንሱን ስድራቤቱን ልዕሊ ሰቦም ኣብ ዉሽጢን ወጻኢን ይነብሩ ኣለው፡፡ባዕሎም ዘውጽዎ ሕጊ ኣይምልከቶምን ፡ኣብ ዉሽጢን ወጻኢን እንዳተመላለሱ ኣብ star hotels እንዳተዘናግዑ፡ ከምድላዮም እንዳተማሃሩ ይርከቡ፡፡ እምበኣር ንሎሚ ንምንጽጻር ኩነታት መነባብሮ ፍሊጶስን ጴጥሮስን ተወሳኺ መወከሲ ክኾነኩም ቀጺሉ ዝቐርብ ስእልታት ተዓዚበብኩም ፍርድኹም ሃቡ፡፡ ክቡራት ነበብቲ ደቂ ሓለፍቲ ብገበን ወለዶም ዋላ ተሓተቲ ኣይኩኑ ‘ምበር ብመለኸቲ ዝተዘምተ ሃብቲ ህዝቢን ሃገርን ገለ መዓልኡ ኣበይ ከምዝኾነ ንምግላጽ ይቐርቡ ምህላዎም ክሕብር ይፈቱ፡