ኣብ መዋእል ህግደፍ ዘይተነግረ እምበር ዘይተገብረስ የልቦን

ነዚኣቶምከ ትፈልጡዎምዶ? እዚኣቶም እዮም እምብኣር ንህዝቢ ኤርትራ ትዃን ውሻጠ ኮይኖም፣ ፕሮጀክት ኮሎንያል   ጣልያን ሓደ ብሓደ ዘተግብሩ ዘለው። ፈርኦን ኤርትራ ኮይኑ ንወለዶ ህዝቢ ኤርትራ ዘጽንት ዘሎ ኣርሜን እዚ ሰብዚ እዩ። እስማት እቶም ቀተልትን  ቀንጸልትን፣ ወይድማ ኣሕሉቕ እቲ ኣምሆ ዘመን ብ “ሓለዋ ሰውራ”ን  ” እንዳቦይ ተዓገስን” ዝብሃል ይነበረ፣ ሎሚ ድማ ገሃነብ እሳት...

ብሞት ዘይኮነስ ብሕልፈታት ብኸዩ! ሃገረ-ኣስላም ኣይሲስ ብሓይሊ መንግስቲ ሩስያ ምስተደምሰሰ፣ ካብ ሶርያ ኣበይ ገጹ ክግዕዝ ይሓልም ኣሎ ይመስለኩም?

ንሓይሊ ወይ ውድብን ሃገረ-ኣስላም (ኣይሲስ ISIS) መንዮም ምሂዞሞ? ብኣጽዋርን ስንቅን ዕጥቅን ወተሃደራዊ ስልጠናን ታዕሊምንከ ኣየኖት መንግስታት እየን ዝሕግዝኦን ዝምውልኦን? ሃገረ-ኣስላም (ኣይሲስ ISIS) ብሓቂ ንሓቀኛ ምስልምናን ንረብሓ ኣስላምን ዝቃለስ ውድብ ድዩ ወይስ ጸራጊ መንገዲ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት? ንምኻኑኸ ኣይሲስ ISIS ባዕሉ ዝሰርሖ ኣጽዋር ውግእ ኣሎዎ ድዩ? እቶም ንውድብን ሃገረ-ኣስላም (ኣይሲስ...

ኣብ ጉዳይ ነጋዶ ፍቕረን ሳምሶንን ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ዝተሳተፉ ሓለፍቲ

1. መሓመድ ሓምድ (ግዳም ሓደር ወይ ከኣ ግሬነት) 2. ኮሎኔል ክብሮም ዳኘው ዘሚካኤል (ወዲ ኣቸቶ) 3. ኮሎኔል ጊላይ ተወልደመድህን ተላ፡ ኣብ ትሕቲ “ምእንተ’ቶም ጨካናት ሓራምዝ ዝሓለፉ መሳኪን ኣጓብዝ” ዝብል ኣርእስቲ ንኣጠፋፍኣ ነጋዶ ፍቕረን ሳምሶንን ኣመልኪተ፡ ብ5ተ ክፋላት ዝዘርጋሕኹዎ ጽሑፍ ዳርጋ ኣብ መላእ ዓለም ተባጺሑ ብዙሓት ምስገናናን ኣድናቖትን ገሊጽኩምለይ ኢኹም፡፡ ከምቲ ኣቐዲመ ዝሓበርኩኹም፡ ኣብ...

ፍትሓተ ህግደፍ ዘ ኣቡነ ኣንጦንዮስ …ስለ ምንታይ? ገና ብኣግኡ ብ1991 እዩ ኢሳይያስ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖትን መራሕቲ ሃይማኖትን መርገጺኡ ከነጽር ዝጀመረ:: ገለ ለዋሃት መስቀል ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ ክሳለም ምስረኣዩ “ኣማኒ” ክብሉዎ እንከለው፡ ገሊኦም ከኣ ጠንቋሎ ማይሸግሊን ሃበሮን እንዳረቑሑ ብጠንቆልቲ ከምዝኣምን ይዛረቡ፡፡

እቲ ሓቂ ግን ክንይኡ እዩ፡፡ ኢሳይያስ ብሃይማኖትን ህላወ ኣምላኽን ዘይኣምን (Pagan or Atheist) ጥራይ ዘይኮነስ ሚዛን እምነቱ ኣዚዩ ዝተዛብዐ ንመዋእል ኣብ ምጥርጣር ዝተሸመመ ይትረፍ ዶ ፈጣሪ ንጽላሎቱ ዘይኣምን ውልቀሰብ’ዩ፡፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ትካላት ዝነበሮ መርገጺ ኣብ ሜዳ ብሓደ ወገን ነቲ ብረታዊ ቃልሲ ጽልዋ ከሕድርሉ ይኽእሉ እዮም ብዝል ኮይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ሃይማኖታዊ ትካላት ኣንጻር “ፖሊሲታት...

ነዛ ንእሽቶ መዘክር እዚኣስ ትፈልጡዋዶ ?

ኣብ ዘመነ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ እቲ ካብ 1976 ዓ.ም.ፈ. ህ.ግ.ሓ.ኤ ብወግዓዊ ውድባዊ ጉባኤ መሪሕነቱ ዝመረጸ፣ በቲ ርእስኽ ብርእስኽ ምኽኣል ወይ Self Reliance ዝብል ፕሮጀክት ተመሪሑ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሜዳ ኤርትራ፣ብቁጠባዊ መዳይን፣ ሕክምናን፣ ብሚክሮ-ኢንዳስትሪን ተሰኒዩ ነብሱ ክኢሉ ተቓሊሱ እዩ። ስለዚ ድማ ነቲ ኩሉ ህዝባዊ ሰራዊትን፣ ነቲ ካብ መነባብሮኡ ዝተዛናበለ ኣብ ሳሕል ተዓቒቡ ዝነበረ...