መንነት ህዝቢ ኣገኣዝያንን ተጻባእቱን

ጥንታዊ ባህልን ኣፈታሪኽን ደቂ ኣገእዝያን ከምዝሕብሮ፤ ብግምት ኣስታት ካብ ሓደ ሽሕ ዓመታት ንላዕሊ ቅ.ል.ክ. ኣቢሉ ይኸውን፣ ኣግኣዝያን ዝተባህሉ ስማውያን ህዝብታት፣ካብ ከባቢ የመንን ጆርዳንን ኢራቕን ተበጊሶም፣ብቀዪሕ ባሕሪ ኣቋሪጾምን ፈለግ ኒል ተኸቲሎምን፣ንወገን ከበሳ ክሳብ ፈለግ ተክዘ፣ኣብዚ ሎሚ ኤርትራን ትግራይን ዝብሃል ዘሎ ቦታ ተሃዘቡ። ካብኡ ከኣ ንወሎን በጌምድርን ጎጃምን ሰሜናዊ ሸዋን ተስፋሕፍሑ።..

ህዝቢ ምድረ-ባሕሪ ሰለስተ ኣኸዛ ሕርሻ-ማእቶት፣ ማለት ሕርሻ ባሕርን ዓድን ቁሸትን ዝውንን ህዝቢ እዩ። መራሕቱ ድማ በቲ ባዕሉ ብዝሓንጸጾ ዝሓገጎን ሕጊ-እንዳባ ተማእኪሉ ባሕረ ነጋሲ መራሒኡ እንዳሓረየ፣ ንመዋእል ብፍትሒ ተመሓዲሩ ክነብር ዝጸሐ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ምድረ-ባሕሪ  ብገዛእ ርእሱ ዝመሓደር ሓራ ዝኾነ ስርዓት ዝነበሮ ህዝቢ እዩ። ድሕሪ መዋእል ባሕረ ንገስታት ግን፣ እቲ ምሕደራ ኣብ ደቂ ሕዝባይ ወዲ ዛኖይ፣ ካብ ማይቤት ፋሉቝ ወዲ ንጉስ መሮኒ፣ ብኻልእ ኣዘራርባ ኣብ ሚናበ ዘርኣይ ኣከለ ዓገባን ወይከኣ ኣብ 7 ደቀተሽምን 8ናዮም ሙሳ ኣብ ጸዓዘጋ እዩ ተጠቕሊሉ።

እዚ ህዝቢ ምድረባባሕሪ ብልምዲ ካብ ባዕዲ ተሰዲዶም ንዝመጹዎ ስደትኛታት ብሰብኣዊ ርሕራሐ ዑቕባ ይህብን የስተናግን ዝነበረ ብዓል ሕልና ህዝቢ እዩ ዝነበረ። ብዙሕ ግዜ ግና  በቶም ኣጋይሽ ኮይኖም ዝመጹ ደቂ ትግራይ ይህሰ ከምዝነበረ ክርሳዕ ዘይብሉ ታሪኻዊ ሓቂ እዩ።

ብ1768 ክሳብ 1778 ዓ.ም.ፈ. ጀሙስ ብሩስ ዝተባህለ እንግሊዛዊ ወዲ ስኮትላንድ ዳህሳሲ፣ንእግረ መንገዱ ካብ ስኮትላንድ ተበጊሱ፣ንሃገራት ኣዕራብ ኣተወ። ኣብኡድማ ዓረብኛ ቋንቋ ኣጽንዐ። ብምድረ ባሕሪ ብምጽዋዓ ኣቋሪጹ፣ብድባርዋ ክሓልፍ ከሎ፣ ምስ ባሕረነጋሲ ዝብሃል መራሒ ምድረባሕሪ ተራኸበ። ክሳብ ሰሜን ኢትዮጵያ ከኣ ዑደት ዝገበረን፣ ቀንዲ ዓላምኡ ድማ ምንጪ ፈልፋሊ ማይ ፈለግ ኒል ኣበይ ምኻኑ ንኸጽንዕን ክመራመርን ዝወፈረ ቀዳማይ ኤውሮጳዊ ስትራተጂካዊ ሰላዪ ነበረ። ካብ ምድረ-ባሕሪ ድማ ጉዕዞኡ ንትግራይ ኣዙ ዝቐጸለ። ኣብ ትግራይ ድማ ምስ ሓደ ሚካአል ስሑል ዝብሃል መስፍን ትግራይ፣ ኣብታ ራእሲ ዓንደሃይማኖት ብዓል ጸዓዘጋ ዝሰረታ ከተማ ዓድዋ ተራኸበ። ብድሕሪ ርክብ ምስ ጀምስ ብሩስ እዩ ሚካኤል ስሑል ንራእሲ ዓንደሃይማኖት ብቓጻ ዝቐንጸሎም። ካብኣኡ ቀንጺሉ ከኣ ንዓድዋን ንምድረ ባሕርን ንኽገዝኣ ገልዳሕ ዝብል ዝነበረ ወዲ ጓሎም ንእንዳ ጸዓዘጋ እዩ ዝነበረ። “ዘዕበኹዋ ድሙስ ተምጽኣለይ ተመን” ከም ዝብሃል፣ ሚካኤል ስሑል ቀናእን ጎራሕን እዩ ዝነበረ። መጻሓፍቲ ጀምስ ብሩስ ዘንበቡ ሰባት ክምስክሩ ከለው፣ መጀመርያ ስለላ መርበብ ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ ብጀምስ ብሩስ ኣቢሉ ንትግራይ ኣትዩ። ንምካኤል ስሑል ከም ሰላዪ ይሓጸዞ ድማ ጀምስ ብሩስ እዙ ይብሉ። ኣብ እዋን ንጉስ የውሃንስ 4ይ ድማ ኣብ እዋን ንግስንት ቪክቶርዛ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፣ ንንጉስ ዘውሃንስ መዳፍዕን ብዩሕ ማርያተሬዛ ባጠራን ልኢኻትሉ እያ። ንጉስ የውሃንስ ኣምብኣር በዚ ውዲት እዚ ኣብቲ ስለላ መርበብ ሃገር ዓባይ ብሪጣንያ ኣተወ። ብኸምዚ ዓይነት ውዲት ድማ ኣብቲ ምቕንጻል ንጉስ ቴድሮስ ንሰራዊት ዓባይ ብሪጣንያ ዝተሓባበረ። ንጉስ የውሃንስ ርግጽዩ ተጣባቕን ሓላዊን ሃይማኖት ተዋህዶ እዩ ዝነበረ፣ ኣብ ልዕሊ ደቂ ምድረ ባሕሪ ግና ስግኣትን ፍርሕን ነይሩዎ እዩ። ስለዚ ስለላ መርበብ ዓባይ ብሪጣንያ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍላይ ከኣ ኣብ ከባቢ ትግራይን ኢትዮጵያን ሰለልቲ ክምልምሉ ከለው፣ ኣብቲ ሕብረተሰብ ትግራይ ሰሊኾም ኣትዮም እዮም፣ መንዩ ወይ ኣየናይ ዓሌት እዩ ምስጢር ዝዕቅብን፣ ህርፋን ገንዘብ ከኣ ዘለዎን ኢሎም እዮም መጽናዕቲ ኣክይዶም። ስለዚ ድማ እዮም፣ እቶም ጉርሒን ህርፋን ገንዘብን ዘለዎም ትግራዎት ጥራይ ከምዝኾኑ ዘረጋገጹ። ካብኡ ተበጊሶም ከኣዮም ንመስፍን ሚካአል ስሑልን፣ ንንጉስ የውሃንስ 4ይን ኣምሆ ዘመን ዝኸተቡዎም። ብሳላ መሳፍንቲ ትግራይ ከኣ ኮሎንያ ዓባይ ብሪጣንያ ክሳብ መቕደላን ጎንደርን ደዪቦም ንሃጸ ቴድሮስ ከንጺሎሞ። ብሳላ መስፍንቲ ትግራይን እትዮጵያን ከኣ እዩ ኮሎንያል ጣልያን ነስመራ ክኣቱ ዝኸኣለ። ካብኡ ቀጺሎም እዮም እምብኣር ኣብዚ ዘሎናዮ መዋእል እንተኾነውን፣ ጽሩያት ንብረት ጽዮናውያን ዝኾኑ ሰለይቲ፣ ወያኔን ህግደፍን ከቲቦም ብፍላይ ትንፋስ ህዝቢ ምድረባሕሪ፣ ብሓፈሻ ድማ ትንፋስ ህዝቢ ኣግኣዝያን ዘምሉቑ ዘለው። እንተድኣ ብኣድህቦ ኣስተብሂልናሎም ግና፣ ንሓደ ሚእቲ ዓመት ዝኣክል ዝወሰድሎም መጽናዕትን ምርምርን እዩ፣ እዚ ኣብዚ ዘሎናዮ መዋእል፣ ነዞም ባርኖሳይ ዝኾኑ ኣገልገልቶም ወያኔን ህግደፍን ልኢኾምልና ዘለው። ሓቂዶ ሓሶት?

ስለዚ ቅድሚ 100 ዓመታት ዝነበሩ ኣቦሓጎታት ኢሰያን እንዳወያኔን፣ ሰለይቲ ነይሮም። ሎሚ ድማ ደቆምን ደቂ ደቆምን ራዛ ናየብኡ ሓዛ ከምዝብሃል፣ ገና መሳርሒ ባዕዳውያን ኮይኖም ህዝቦምን ዓሌቶምን ይምንቁሱ ኣለው። ስለዚ በዂሪ ስላዪ ዓባይ ብሪጣንያ መስፍን ሚካኤል ስሑል ነበረ። ብምኽሪ ጀምስ ብሩስ ከኣ ከምተወደበ መጻሕፍቲ ታሪኽ ምግንጻል ጥራይ እዩ ክፍለጥን ክረጋገጽን ይኻል። ምካኤል ስሑል ነቶም ንከተማ ዓድዋ ዝመስረቱ ራእሲ ዓንደሃይማኖት ብዓል ጸዓዘጋ እኮ እዩ ብቓጻ ዝቐንጸሎም። ኣብ 1885 ዓ.ም.ፈ. እንተኾነውን ሸቃ ኣሉላ ብምኽሪ ንጉስ የውሃንስ እዩ ንራእሲ ወልደሚካኤል ሰለሙን፣ብድሎ ከይትዕሎ ዘይኮነስ ብማሕላ ከምዝእሰሩ ዝገበረ።

ብመሃንድሳት ስለላ መርበብ ሃገር እንግሊዝ ይተዓስቡ ሰለይቲ መሳፍንቲ ትግራይ፣ ንደቂ ምድረባሕሪ ምስ ኣደኣኸምዎም፣ ማለት ስልጣን ደቂ ሓማሴን ከም ብዓል ራእሲ ወልደሚካኤልን ራእሲ ዓንደሃይማኖት ምስተሓየሩን ተቐንጸሉን፣ደቂ ምድረባሕሪ ንኮለንያል ጣልያን ክከላኸልዎ ስለዘከኣሉ፣ ኮለንያል ጣልያን ንምድረጀጋኑ ምድረሓማሴን ምድረ  ባሕሪ ሎሚ ኤርትራ ንኽወራ ከኣለ።

ጀምስ ብሩስ ብዛዓባ ደቂ ምድረ-ባሕሪ መጽናዓቲ ድሕሪ ምክያድ፣ብፍላይ ብዛባ ረፓብሊካዊ ምሕደራ ምድረ-ባሕሪ ታሪኻዊ መጽሓፍ ዝደረሰ እንግሊዛዊ ነበረ። ኣብ መጽሓፉ ግና ብጅግንነት ደቂ ምድረባሕሪ ይቐንእን ይሰግእን ከምዝነበረ ይፍለጥ። ኣብቲ መገሻ ንኑብያ ዝብል መጽሓፉ (Voyage en Nubie et en Abyssinie) ኣብ ገጽ 116 ክትንትን ከሎ፣ ከምዚ ይብል “ብሓረ-ነጋሲ ዝመሓደር ረፓብሊካዊ ሃገር ምድረ-ባሕሪ ተባሂሉ ይስመ ይብል። ጀምስ ብሩስ ኣብቲ ብ1790-1792 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ሎንዶንን ባሪስን ዝተዘርግሐ መጽሓፉ፣ ኣብ ገጽ 119 “ፈለግ መረብ ንትግራይን ንምድረ-ባሕሪ ዘዳውብ ፈለግ እዩ”፣ይብል። ዋላኳ ኣብቲ እዋንቲ ብሰንኪ መስፍን ሚካኤል ስሑል፣ ነቲ ብሕጊ እንዳባ ተማእኪሉ ባሕረነጋሲ ዝምሕደር እንድተመሓደረ ብሰላም ዝነብር ዝነበረ፣ ህዝቢ ምድረባሕሪ ዕግርግርን ውግእን ኣእትዩ ከጋዕዝዮ ጀመረ። እቲ ስልጣን ደቂ ምድረባሕሪ ድሕሪ ባሕረነጋሲ ይሳቐ ኣብ ጸዓዘጋ እዩ ተጠቕሊሉ። ብመሳፍንቲ ትግራይ ድማ ዕንቅፋታት የጋጥሞ ነበረ።

ክቕጽል እዩ. . .