5ይ ክፋል

ክቡራት ተኸታተልቲ!

ድሕሪ ማህረምቲ ኮሎኔል ስምኦን ገብረድንግል ናብ ኩሎም አካላት መንግስትን ግንባርን ብዝወረደ ህጹጽ መምርሒ፡ ብጥቆማ ኣማሓዳሪ ን/ዞባ ዓረዛ መሓመድ ሓምድን ኣዛዚ ክ/ሰ 31 ኮ/ል ክብሮም ዳኘው (ወዲ ኣቸቶ)ን ኣብ ደብሪ ኣብነ መርቆርዩስ ከም ዝተረኸበ፡ ድሕሪ ገለ ናይ ተኹሲ ምልውዋጥ ነጋዳይ ሳምሶን ገረዝጊሄር (ወዲ ቀሺ) ብዕለት 19.10.2007 ካብ ኣባላት ክ/ሰ 31 ብዝተተኮሰ ጥይት ኣብ ኣፍ ልቡ ተሃሪሙ ከምዝሞተ ገሊጸ ነይረ፡፡ ሎሚ ኣብዚ 5ይን ናይ መወዳእታን ክፋል ጽሑፍ፡ ብምኽንያት ጉዳይ ፍቕረን ሳምሶን ዝተኣሰሩ ዜጋታትን ስዒቦም ዝተረኣዩ ኩነታትን ክገልጸልኩም፡፡

ኣብ ደብሪ ኣብነ መርቆርዩስ ከባቢ ኣብ ዝተረኸበት ናይ ሳምሶን ሄሊኩስ ዳብል ስፖርቴሎ መኪና፡ ብኣባላት ክ/ሰ 31 4ይ ብርጌድ፡ 3 ክላሽን፡ 15 ወትሃደራዊ ኣልባሳት፡ 3 ሞባይላት፡ 3 ናይ ፖሊስ ሰሌዳን ካልኦት ደቀቕቲ ነገራትን፡ ከምኡ እውን ኣብርሃም ኣስመላሽ ብዝተብሃለ ውልቀ ሰብ ዝወጸ ናይ ባንኪ ቡክ ተረኺቡ ምንባሩ ገሊጸልኩም ነይረ፡፡ እቶም ንምምስሳል ብውጩ ዝተዓደልዎ ወትሃደራዊ ኣልባሳትን መሕለዊ ነብሶም ክላሽናትን ምስተረኸቡ፡ ሳምሶን ወዲ ቀሺ ንፕረሲደንት ክቕንጽል ብCIA (ማወስ) ተወዲቡ ኔሩ ዝብል ወረታት ከላብዑ ጀመሩ፡፡ ብፈተነ ቅትለት ኮ/ል ስምኦን ዝተጠርጠሩ ነቶም ክልተ ምስ ሳምሶን ዝነበሩ ሰባት ንምሓዝ፡ ኣባላት ክ/ሰ 31ን ካልኦት ኣሃዱታትን ብህጹጽ ኣብ ዝተዋፈርሉ እዋን፡ ሃንደበት ካብ ሓይሊ ኣየር ዝተልኣኸት MI 17 ሄሊኮፍተር ካብ ማይዲማ ናብ ዓረዛ መውጽኢ ኣብ ዝርከብ ንእሽተይ ጎልጎል ዓለበት፡፡ ኣብቲ ኩነታት ዝተሳተፉ ኣባላት ክ/ሰ 31ን ኣባላት ሓይሊ ኣየርን በቢወገኖም፡ ዘዝረኣይዎ ስለ ዝዛረቡ፡ ክሳብ ሕጂ ገለ ለወሃት ሳምሶን ብሂወት ዘሎ ይመስሎም ኢዩ፡፡ ስድራቤት ሳምሶን እውን ከምቲ ንቡር፡ ሬስኡ ስለ ዘይተውሃቦም ጥራሕ ክሳብ ሕጂ ኣይቀበጹን፡፡ ኣብ ከምዚ ዓይነት ኩነታት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ባዕሉ ንዝቐዘፎም ሰባት ህልዋት ንምምሳል ናይ ሓሶት ህላወ ወረ ብምንፋስ ስድራ ቤት ከይሓቱ፡ ኮነ ኢሉ ይሰርሕ’ዩ፡፡

ነቶም ካብ ደብሪ ዘምለጡ ክልተ ሰባት ንምህዳን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ምእላሽ መስርሕ፡ ሃንደበት ካብ ኣዛዚ ክ/ሰ 11 ኮ/ል ጊላይ ተወልደብርሃን (ኣብዚ እዋን ኣዛዚ ክ/ሰ 23) “ነቶም ክልተ ካብ ደብሪ ዝጠፍኡ ሰባት ሩባሩባ ገይሮም ናብ ከባቢና ስለ ዝመጹ ኣብ ቀይዲ ኣእቲኖዮም ኣለና” ዝብል ሓበሬታ ናብ ስርሒት ዞባ 03 (ናብ ሜ/ጀነራል ዑመር ሓሰን ጠዊል) ለኣኸ፡፡ ኣብቲ እዋን ካብ ከባቢ ማይ ላም ክሳብ ከባቢታት ማይዲማ ዝነበረት ክ/ሰ 11 ብኮ/ል ጊላይ ተወልደብርሃንን ብወዲ ባሻይን ትምራሕ ዝነበረት ኢያ፡፡ ኣብ ቀረባ ካብ ገለ ምንጭታት ዝረኸብኩዎ ሓበሬታ ድማ፡ ኣብቲ ዕለት ረፋድ ሰዓት 10፡00 እቶም ካብ ደብሪ ዘምለጡ ብክ/ሰ 11 ካልኣይ ብርጌድ ፡ 2ይ ቦጦሎኒ 3ይ ሓይሊ ከምዝተተሓዙን፡ ሳሚኤል (ወዲ ዓብደላ) ዝተብሃለ ኣዛዚ 2ይ ቦጦሎኒ ብቐጥታ ናብ ሓለቓ ስታፍ ክ/ሰ 11 ወዲ ባሻይ ከምዘረከቦምን፡ ምስ ኮ/ል ጊላይ ተረዳዲኦም ብህጹጽ ሓለዋ መዲቦም ናብቲ ሄሊኮፍተር ዝዓለበትሉ ቦታ ከምዘብጽሕዎምን’ዩ፡፡ ከም ሓለዋ ምስታ ሄሊኮፍተር ክሳብ ኣስመራ ዝተጓዓዙ ኣባላት ካብ ክ/ሰ 11.2.2. መራሕ መስርዕ ካብ ጋንታ ድሽካ ሽመንዲ ፍስሃጽዮን (ወዲ ዓንደን) ፍስሃየ (ወዲ ባሻይ) ዝተብሃለ ኣባል 2ይ ብርጌድ ሃ/ኣገልግሎትን’ዮም፡፡

ኣብ ኣስመራ ሞት ሳምሶንን ምትሓዝ ኣባላቱን ካብ ዝተሰምዓሉ ግዜ ጀሚሩ፡ ኩላቶም ኣካላት ጸጥታ ሰባት እንዳዋፈሩ ተወሳኺ ሓበሬታ ኣብ ምእካብን ኣብ ምቕያድ ዝተፈላለዩ ዜጋታት ተጸሚዶም ነይሮም፡፡ ጎኒ ንጎኒ ከኣ ጉዳይ ሳምሶን ካልእ መልክዕ ንምትሓዝ ማእለያ ዘይብሉ ዕጥቂ ሒዙ ከምዝተረኸበን ብግዳማውያን ተወዲቡ ዕልዋ መንግስቲ ከካይድን ዓበይቲ ሰበስልጣናት ናይ ምቕንጻል መደባት ከምዝነበሮ ብኣካላት 03 ተፈነወ፡፡

ካብ ማይድማ ብነፋሪት ንዝመጹ ናይ ሳምሶን ተሓባበርቲ ተረኪቡ ምሉእ ምጽራይ ከካይድ ሓላፍነት ዝተዓደሎ መጀር ካሕሳይ በየነ ኮይኑ፡ ምስ ሰለስተ ኣባላት ቤ/ጽ ፕረሲደንት ብምኻን ብጸለምቲ መካይን ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ካብ ሓይሊ ኣየር ተረኪብዎም፡፡ ኣብዛ ዕለት ኣብ ልዕሊ ኮሎኔል ስምኦን ገብረድንግል ፈተነ ቅትለት ካብ ዘካየዱ እቶም ካብ ማይ ድማ ዝመጹ እሱራት

  1. እሰይ ኢሳቕ (ወዲ ኢሳቕ)

  2. ኣንገሶም (ወዲ ዓዲ ንፋስ) ዝተብሃሉ እዮም፡፡ ክቡራት ኣንበብቲ ከምቲ ኣብ ቀዳማይ ክፋል ዝገለጽኩዎ ናይዞም ዜጋታት ዝርዝር ሓበሬታን ሰነዳትን ካብቶም ድሕሪ መርመራ ቀልጢፎም ዝተወገዱን ምናልባት ኣብ ውሽጣዊ ጸጥታ ምስ መጀር ካሕሳይ በየነ ጥራሕ ዝርከቡን ‘ዮም፡፡ ምስ ሃገራዊ ድሕነት ለጊቦም ኣብ ኣስመራ ነቶም ጡርጡራት ኣብ ምቕያድ ዝለዓለ ኣበርክቶ ዝነበሮም ብጀነራል (ሽዑ ሜ/ጀነራል) ፍሊጶስ ዝምርሑ ኣባላት ስርሒት 05 (ኣብዚ እዋን ተወርዋሪ እዚ) ነይሮም፡፡ ካብዚኣቶም እቲ ብዝለዓለ ዝተዋስአ ጎብለል ዓዲኣቤቶ ብምኻን ብዙሓት ዜጋታት ዘጋፍዐ ሌ/ኮ ኢሳቕ ሃብተማርያም (ወዲሙቁር) ኮይኑ ንሱ’ውን ዕጫ “ዝቆሰለ ዝብኢ” በጺሑዎ ድሕሪ 4 ዓመት ናብ ጉድጓድ ተድርቢዩ’ዩ፡፡ ብጀካ እቶም ክልተ ብክ/ሰ 11 ዝተተሓዙ ኣባላት፡ ቀጺሉ ኣብ ዝተኻየደ ስርሒታት ካብ ዝተፈለለዩ ከባቢታት ተስፋኣለም ዝተብሃለ ናይ ውጩ ኣውቲስታ (ሓዉ ንኣባል ወ.ሃ.ድ ውሽጣዊ ጸጥታ ኣካል ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝነበረን ደሓር ዝደስከለ ሌ/ኮ ዮናስ ዘርኣይ) ከምኡ’ውን ተስፋኣለምን ጸጋይ ዕቑባይን ዝተብሃሉ ክልተ ደቂ ዓዲንፋስ’ዮም፡፡

ብሓፈሻ ምስ ናይ ኮ/ል ስምኦን ፈተነ ቅትለት ቀጥታዊ ምትእስሳር ዘለዎም ተባሂሎም ዝተፈለዩ እዞም 4 ዜጋታት’ዮም፡፡ ብኣባላት ሃገራዊ ድሕነት (ውሽጣዊ ጸጥታ) ኣሰቃቒ ማህረምቲ ወሪድዎም ኢዩ፡፡ እዞም 4 ዜጋታት ምስተቐየዱ ቐጥታ ኢሳይያስ ንኩለን ዝተዋፈራ ኣሃዱታት እንዳረኸበ ኣብቲ ጉዳይ ይብዛሕ ይውሓድ ዝኾነ ዓይነት ምትእስሳር ዘለዎ ሰብ ኣብ ቁጽጽር ክኣቱ ከምዘለዎ ስለ ዝሓበረ ብሰንኪ ፍቕረን ሳምሶንን ብዙሓት ዜጋታት ኣብ ኩለን መደበራት ዞባ ማእከል፡ ዓዲኣቤቶ፡ ምዕጢር፡ ደቂምሓረ (እንዳ እቡነኣረጋዊን) ዓላን ተቐይዶም’ዮም፡፡ ዳርጋ ኩሎም እሱራት ብዘይዝኾነ ናይ ፍርዲ መስርሕ ብኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታን ጨንፈር ምቁጽጻር ስነ-ስርዓት ስርሒት ዞባ 05 ኣሰቃቒ መርመራ እንደተኻደሎም ቀስ ብቐስ ገሊኦም ብምፍርራሕን ኣብ ዕቱብ ምክትታል ከምዘለው ተሓቢርዎም፡ ካብ መዓልታት ክሳብ ዓመታት ተኣሲሮም ዝተፈትሑ ኮይኖም፡ እቶም ፋይላቶም “ብቐንዲ ተሓባበርቲ” ዝተመሓላለፈሎም ከኣ ናብ ማይ ስርዋ ክኣትው ተገይሮም፡፡

ኣብ ሃገርና ብሰሪ ብርቱዕ ሙቐትን ቀዝሒን ካብቶም ኣንጉዕኻ ዘንቅጹ ኣሰቀቕቲ ቤት ማእሰርታት ሓደ ኣብ 2001 ብሜ/ጀነራል ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ብኸቢድ ገብን ንዝጥርጠሩ እሱራት ተባሂሉ ዝተሃንጸ ካብ ኣስመራ ንመገዲ ከረን ኣስታት 6 ኪ/ሜትር ርሒቑ ኣብ ጥቓ ዓዲሃብተስሉስ ዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ኢዩ፡፡ ጀነራል ፍሊጶስ ኣዛዚ ስርሒት ዞባ 05 (ተወርዋሪ እዚ) ኮይኑ ካብ ዝተመዘዘሉ ግዜ ጀሚሩ ፈለማ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ስነ-ስርዓትን ስርሒት ዞባ 05 ተጠርኒፋ ምስ ቤት ማእሰርታት ዓዲኣቤቶ፡ ዓላ፡ ማይሑጻ (ድሒሩ ዝተኸፈተን) ሰረጀቓን ዝጸንሐት ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ፡ ፍሊጶስ ሓለቓ ስታፍ ሚኒስትሪ ምክልኻል ኮይኑ ምስተመዘ እውን ካብ ግንባር ኣውጺኡ “ምክትታልን ምጽራይ ጉዳያትን” ዝብል ስም ከቲቡ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ክጥርነፍ ጌርዎ ’ዩ፡፡ ኣብዘን ቤት ማእሰርታት ካብ ዝቕየድ ዜጋ ብህያብ (ጉቦ)፡ ብዋሕስ፡ ብመቕጻዕቲ፡ ብምህጋርን ምፍርራሕን ፍሊጶስን ዓሳክሩን ማእለያ ዘይብሉ ሃብቲ ኣኻዕቢቶም እዮም፡፡ ዓዲኣቤቶ ምንጪ ማእለያ ዘይብሉ ማል ስለዝኾነት ጀነራል ፍሊጶስ ናብ ሚኒስትሪ ምክልኻል ክምዘዝ እንከሎ ኩሉ ኣብ ትሕቲኡ ኣብ ተወርዋሪ እዚ ዝነበረ ጨንፈራትን ኣፍረይቲ ትካላትን ንብ/ጀነራል ሓድሽ ኢፍሬም ከርክብ እንከሎ እዘን ቤት ማእሰርታት ግን ብኢደዋኒኑ ኣብ ትሕቲ ሚኒስትሪ ምክልኻል ገይሩወን ‘ዩ፡፡ ንዓመታት ብዙሓት ዜጋታት ዘጋፍዑ በዓል ወዲ ሙቁርን ዮውሃንስ ገብረመስቀል (ወዲ ጋላን) ምስተኣሰሩ ብቦትኦም ብፍሊጶስ ዝተመረጹ መጀር ብርሃነ ከበደ (ወዲ ከበደን) ተጋ/ ካሕሳይ ሃይለ (ወዲ ሃይለን) ምስ ዝተመዙ ታሪኽ ደምን ጥፍኣትን ዘቐጽሉ ከም በዓል መርማሪ ሚኪአለ ኢሳቕ ዓይነት 7 መርመርቲ ተወሲኾም’ዮም፡፡

ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ኣብ ክልተ ዝተመቐለ ኮይኑ ብልሙድ ኣጸዋውዓ፡ ናይ ዝረኣዩን ዘይረኣዩን ተባሂሉ ይጽዋዕ፡፡ እቶም ዝረኣዩ ንሸነኽ መዘናግዒ ማእከል ማይስርዋ ዝርከቡን መብዛሕትኡ ግዜ ብኮንትሮባንድ፡ ኣስገርቲ፡ ስግረዶብ፡ እምነትን ካልኦትን “ቀለልቲ” ገበናትን ዝተጠርጠሩ’ዮም፡፡

እቶም ዘይረኣዩ ድማ ካብቶም ዝረኣዩ እሱራት ኣስታት 400 ሜትሮ ርሒቖም ካብ እንዳ መርመርቲ ንሸነኽ ጸጋም ኣብ ዝርከባ 73 ሸላታትን 32 ኮንተኔራትን ዝተቐየዱ ፍርዶምን ፈራዲኦምን ዘይፈልጡ፡ ሰብ ዘይበጽሖም፡ መገማጠሊ ኣብ ዘይብለን ክልተ ብክልተ ሜትሮ ብካሻስትሮስ ዝተሃደማ ሸላታትን ኮንቲኔራትን ዝነብሩ፡ ብ“ፖለቲካን” ብጉዳይ “ጸጥታን” ዝተጠርጠሩ እሱራት እዮም፡፡ እተን ሸላታት 30 ብ30 ሳ.ሜትር መቐበሊ መግቢ ፊኒስትራ ዘለዎን ኮይነን ልቺ የብለንን፡፡ መደቀሲኦም ተንኮበት፡ መግቦም ዓደስን ወዲ ዓከርን ኮይኑ፡ ኮሎኬ ምእታው ዘይፍቀደሎም፡ ንጉሆ ሰዓት 06፡00 ጥራይ ንቀልቀል ዝወጹ፡ ኣብ ሕድሕድ ሸላ መእከቢ ሽንቲ ኣብርቕ (ቖራዕራዕ) ዝተገብረሎም ኣብ ኣዚዩ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ እሱራት’ዮም፡፡

ብጉዳይ ሳምሶንን ፍቕረን ተታሒዞም ድሕሪ ኣሰቃቒ ማህረምቲ ፋይላቶም “ብቐንዲ ተሓባበርቲ” ዝተመሓላለፈሎም ናብ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ ዝተልኣኹ እሱራት፡ መብዛሕትኦም ነጋዶ፡ ኣባላት ፖሊስን ውሽጣዊ ጸጥታን እዮም፡፡ ካብ ነጋዶ ዘርኣጋብር ገብረሂወት፡ ተስፋለም ጎባይ፡ ጊላይ ኣብርሃ፡ የማነ ኣብርሃ፡ ኣስፍሃ ዘሚካኤል፡ መሓመድ ሓሰን (1.5 ሚሊየን ንጀነራል ፍሊጶስ ጎቦ ሂቡ ቅድሚ 5 ዓመት ከምዝወጸ ሰነዳት ቤ/ጽ ፕረሲደንት ይጥቁም)፡ ሰለሙን ኣባይ፡ በኹረ (ወናኒ ህያብ ፌራሜንታን) ተወልደ (እንዳ ቆራይ) ምስ ሰበይቱን ነይሮም፡፡

ካብቶም ኣብ ፈተነ ቅትለት ኮ/ል ስምኦን ብቐጥታ ዝተሳተፉ 4 ዜጋታት ብተወሳኺ ኣብቲ እዋን ኣብ ዝተፈላለየ ጽፍሕታት ተመዲቦም ዝነበሩ ናብ ማይስርዋ ዝኣተው እሱራት ዝስዕቡ ይርከብዎም፡፡

ካብ ፖሊስ ኤርትራ

ኣብ ፖሊስ ኤርትራ ምእሳር ዝተጀመረሉ ድሕሪ ሞት ነጋዳይ ፍቕረ ኮይኑ መብዛሕትኦም ብኣባላት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት (ውሽጣዊ ጸጥታ) ተኣሪዮም ሓጺር መርመራ እንዳተገብረሎም ብዘይዝኾነ፡ ሕጋዊ መስርሕ ናብ ማይ ስርዋ ዝተደርበዩ እዮም፡፡

  1. ኮ/ል ኣስመሮም ገብረወልድ (ወዲ ገብረወልድ) ሓለፊ ገበን ምክልኻል ፖሊስ ኤርትራ፡

  2. ኮ/ል ጎይቶኦም (ወዲ በኺት) ሓላፊ ገበን መርመራ ፖሊስ ኤርትራ

  3. ኮ/ል ሰሎሞን ብርሃነ ሓላፊ ምምሕዳር ፖሊስ ኤርትራ

  4. ኮ/ል ኢሳያስ ዮሴፍ (ወዲ ዮሴፍ) ምክትል ሓላፊ ገበን መርመራ ፖሊስ ኤርትራ

  5. መጀር ኣስመሮም ኣስገዶም (ባርባ) ሓላፊ መርማሪ ፍሉይ ገበናት

  6. መጀር ፍርዝጊ ህብታይ ሓላፊ ምክትታል ገበናትን ድራግን

  7. መጀር ክብረኣብ ኣብርሃ (መርማሪ)

  8. ካፒተን የማነ መርማሪ

  9. ተለንተ ኪሮስ መርማሪ (ደሓር ዝተፈትሐ)

  10. ተለንተ ተኪኤ ገብረሂወት (ም/ሓላፊ ክፍሊ ድራግ)

  11. ም/ተለንተ ሕሩይ ኣስመላሽ (ካብ ክፍሊ ድራግ)

  12. ሳሚኤል የዕብዮ (ካብ ክፍሊ ድራግ)

  13. ሳሚኤል ትኩእ (ካብ ክፍሊ ድራግ ) ኮይኖም፡ እዞም ኣባላት ፖሊስ መብዛሕትኦም ኣብተን ሸላታት ተሓይሮም ይርከቡ፡፡

ካብ ሃገራዊ ድሕነት ካብቶም ኣብ ከባቢ ኣጅብ ባር ውርሕርሕን ካልኦት ባራትን ምስ ንነጋዳይ ሳምሶን ክዕጅቡን ሓቢሮም ክሰትዩን ዝሓድሩ ኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ ኣብ ቀይዲ ክውዕሉ ብኢሳይያስ ዝተበየነሎም “ብዙሕ ትርጉም የብሎምን” ዝተብሃሉ ክልተ ኣባላት ጥራይ እዮም፡፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ውሽጣዊ ጸጥታ ሓያል ሕንፍሽፍሽ ስለዝተፈጠረ ኩሉ “ካብ ሎም ጽባሕ ወሰዱኒ” እንዳበለ ኣብ ዝዘርጠሉ እዋን፡ ኢሳይያስ ነታ ዓንኬል ኣብ ክልተ ሰባት ጥራሕ ጠጠው ኣቢልዋ፡፡ ንቡር ታሪኽ ሐለዋ ሰውራን ድሕሪ ናጽነት ዝተኻየዱ ስውር ዓፈናታትን ንዝፈልጥ ሰብ፡ ኢሳይያስ ስለምንታይ ከምኡ ከምዝወሰነ ምርድኡ ኣየጸግምን፡፡ ንጅግና ተጋዳላይ ኢብራሂም ዓፋ ንምጥፋእ ካብ ዝተኸየደ ስውር ስርሒት ጀሚርካ፡ ኣብ ኩሉ ክፋእ ተግባራት (እንኮላይ ኣብ ጀርመን፡ ሶማል፡ የመን፡ ኢትዮጵያ፡ ሱዳን) ዝተሳተፈ፡ ኢዱ ብደም ዝተሓጸበ፡ ቀንዲ ታሪኻዊ መጋበርያ ኢሳይያስ ዝኾነ ሓለፊ ወፍርታት ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ኮሎኔል የማነ ኣፈወርቂ፡ ዋላ ሚስጢራት ኮሎኔል ስምኦን ገብረድንግል ዝምልከት ሓበሬታ የዝሩቕ ምንባሩን፡ ምስ ሳምሶን ጥቡቕ ምትእስሳር ከምዝንነበሮን እንዳፈለጠ፡ “ኣያይ ኢሳይያስ” ከምቶም ጨካናት ሓራምዝ (ውጩን ዓፋንን) ከድሕኖ እዩ መሪጹ፡፡ የማነ ኣፍወርቂ ከኣ፡ ዕድሚኡ ምስተናውሐ፡ ነቶም መቕርቡ ኣባላት ውሽጣዊ ጸጥታ ብግዲኡ ዳዕሮ ኮይኑ ከድሕኖም ከኣለ፡፡ ብመሰርት’ዚ ድማ እቶም ኣባላት ዓፈናን ስጉምትን መጀር ነጋሲ ኪዳነ፡ መጀር ግደ ዓንደ ወልድ፡ ካፒተን ጎይቶም ቀይሕ፡ መጀር ሙሉጌታ ኣማረ (ሙለር) ካብ ሸላታት ማይ ስርዋ ዲሒኖም ን“ኣያይ” ከሕጉሱ ኣብ ምጽናት ዜጋታትና ብልዑል ወነ ክነጥፉ ቃልኪዳኖም ሓዲሶም ቀጺሎም’ዮም፡፡ እቶም ኣሕሊፎም ዝሃብዎም “ብዙሕ ትርጉም ዘይብሎም” ዝተብሃሉ ኣባላት፡

  1. መጀር ጎይቶኦም ወዲ ቢኒ፡ ኣባል ዞባ ማእከልን ኣካል ግብረ ሽበራን ዝነበረ ኣብ ሸላ ማስርዋ 3 ዓመት ተኣሲሩ ኣብ 2011 ተፈቲሑ ናብ በለዛ ዝተቐየረ፡ ምስተፈተሐ ብሕርቕርቖት እንዳመስተ ክጣለቐ ሓዲሩ ናብ ማእከላይ ቤ/ጽ እንዳ ጸጥታ (ቻው ሆቴል) ብምኻድ ኣዕገርጊሩ፡ ንየማነ ኣፍወርቂ ክጸርፎ ምስ ጀመረ ንኢሳይያስ ተሓቢሩ፡ ናይ ግሉ መኪና (ራቫ 4) መንጢሎም ዳግማይ ናብ ማይስርዋ ዳጊኖምዎ፡፡ እታ መኪና ክሳብ ቀረባ እዋናት ኣብ ቤ/ጽ ኒያላ ምስበዓል በረኸት ጉዕሽን ወዲ ከረንን ኔራ፡፡

    2. በርሀ ባሻይ፡ ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ ትሕቲ ኣካል ግብረ ሽበራን ዓፈናን ንጡፍ ዝነበረ መበቆል ዓዱ ካብ ትግራይ ኮይኑ ሓፋሽ ወድባት ብምኻን ናብ ናጽነት ዝኣተወ፡ ኣብ ኣጻምእ ማይኣጣል 2001 ኣብ ምቕንጻል ኢትዮጵያውያን ዝተሳተፈን ብጉዳይ ሳምሶን 3 ዓመት ተኣሲሩ ዝተፈተሐ እዩ፡፡ ሕጂ ደስኪሉ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ኣብ ፎሮቪያ (ጥቓ እንዳሚዛን) ኮፍ ኢሉ ይርከብ፡፡

ኣብ ማይ ስርዋ ዝርከቡ እሱራት ብሰሪ ዝወረዶም ማህረምትን ሓያል ስነ-ኣእምራዊ ጸቕጥታትን ዳርጋ ኩሎም ግዳያት ዝተፈላለዩ ሕማማት ኮይኖም’ዮም፡፡ ብፍላይ እቶም ገዳይም ተጋደልቲ ኣባላት ፖሊስ ብብርቱዕ ዛሕልን ሙቐትን ዝለመሱን ድኻም ማሕውራት ዝጎነፎም፡ ደገ ስለዘይወጹ ብጸልማትን ደሮናን ኣዕንቶም ምርኣይ ዝጽገሙ፡ ኣዝማን ሕጽረት ምስትንፍሳን ዘጓነፎም፡ ከምኡ ውን ቀጻሊ ብሕማማት ውጽኣት፡ ሓኻኺንን ብሮንካይትን ዝጥቅዑ ስለዝኾኑ መን ምኻኖም ንምልላይ ኣይከኣልን፡፡ ኣብ 2012 ዓው ኢሉ ስለዝተዛረበ ጥራይ፡ ኮ/ል ኣስመሮም ገብረወልድ (ወዲ ገብረወልድ) ተስፋሚካኤል ዝተብሃለ መራሕ ሓይሊ ቤት ማእሰርቲ ማይስርዋ፡ ናብ ጀነራል ፍሊጶስ ስለዝሓበረ ብመቕጻዕቲ ን5 ወርሒ ዝኣክል እታ ጸባብ መቐበሊት መግቢ ፊኒስትራ ተዓጽያ ኣብ ጸልማት ክቕመጥ ተገይሩ ‘ዩ፡፡

መላእ ኤርትራ ኣብ ጽንኩር ኩነታት ኣብ ዝነበረትሉ፡ ኣብ ኩለን ካብን ናብን ዘራኽባ መገድታት ማእለያ ዘይብሉ ሎኮታት ኣብ ዝተዘርገሓሉ እዋን፡ ጎብለል ስርሒት ዞባ 02 ሜ/ጀ ገረዝጊሄር ዓንደማርያም (ውጩ) ካብ መእዘዚ ማእከሉ ባረንቱ ናብ መንደፈራ ከይዱ ነቲ ኩነታት ይከታተሎ ነይሩ፡፡ ደብሪ ኣብነ መርቆርዩስ ብሳምሶን ብዝተገብረ ሓገዝ ዝተሃነጸ ኮይኑ፡ ኣብቲ እዋን ውጩ ንኣዛዚ ክ/ሰ 16 ነበር ሃብተጽዮን ጽገ (ሓኔታይ) ኣብ ምህናጽ ሓገዝ ክገብሩሎም ስለ ዝኣዘዞ ብፍላይ ኣባላት ስለያ ክ/ሰ 16 ኣብቲ እዋን ሓጊዞምዎም ኢዮም፡፡ ብዕለት 13 ኮ/ል ስምኦን ክህረም ከሎ፡ ማዕረ ማዕረ ኢሳይያስ ካብቶም ብህጹጽ ሓበሬታ ዝረኸቡ ሓደ ውጩ ኮይኑ ሞባይሉን ቴሌፎናት ቤ/ጽሕፈቱን ኣቐዲሙ ክጥለፍ ጸኒሑ ኢዩ፡፡

ክቡራት ኣንበብቲ!

ኣብቲ ጽንኩር እዋን፡ ብሓፈሻ ናይ 7 ጀነራትን ምስኣቶም ምትእስሳር ኣለዎም ናይ ዝበሃሉ ገለ ሃብታማት ቴሌፎናት፡ ብትእዛዝ ኢሳይያስ ኣብ ክፍሊ ጠለፋ ኣትዩ ነይሩ፡፡ ኣብ’ቲ እዋን ሰለስተ ኣካላት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ’ቶም ወትሃደራውያንን፡ ሓለፍቲ ጸጥታን፡ ቀጻሊ ጠለፋታት የካይዱ ነይሮም፡፡ ካብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ክፍሊ መራኸቢታትን ጠለፋን መጀር ኣክሊሉ ሃብተማርያም (ቸንቶ)፡ ሌ/ኮ ሙሉጌታ (ጆሮ)ን ኣብርሃምን ዝተብሃሉ ሓለፍቲ ተመዚዞም፡፡ ካብ ማእከላይ ቤ/ጽ ውሽጣዊ ጸጥታ ሓላፊ ክፍሊ መራኸቢታት ሌ/ኮ ጥዑማይ ዝመርሖ ጉጅለን ከምኡ ውን ካብ ማእከላይ ቤ/ጽ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ብሓላፊ “ጨንፈር 2” (ክፍሊ ጠለፋ) ኮ/ል ሊንጎ ዝለኣኹ ሓበሬታታት እውን ነይሮም፡፡ ብፍላይ ብበዓል ቸንቶ ኣብቲ እዋን ካብ ዝነበራ 8 ናቑጣታት ጠለፋ ማለት ካብ ዓራቶ፡ ራምሎ፡ ደብረ ጥሉል፡ ዓይገት፡ ጨለማ፡ ኦማል፡ ኣውላን ጀበል ሓሚድን ዝተኣኻኸብ ሓበሬታ ዕዙዝ ተራ ነይርዎ፡፡ ንኣብነት ንኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ሜ/ጀነራል ተኽላይ ሃብተስሉስን ብቑጽሪ 07137627 ዝተዓደለቶ ናይ ኢዱ ቴሌፎንን ካልኣዩ ናይ ዝነበረ ብ/ጀነራል ነጋሽ ትስፋጽዮን ብቑጽሪ 15 16 22 ቴሌፎኑን ብቑጽሪ 07 13 68 27 እትፍለጥ ሞባይሉን ኣብ ምጽንጻን ክፍሊ ጠለፋ ተመዝጊበን ነይረን፡፡ ውጩ ‘ውን ብገርሁ ዝዛረቦ ዘረባታት ከይተረፈ በብበዓል ቸንቶ ተኣሪዩ ናብ ፕረሲደንት ይበጽሕ ነይሩ፡፡

ኣብቲ ተኣፋፊ እዋን፡ ኮ/ል ስምኦን ብምህራሙ ኢሳይያስ “ሕጉስ ነይሩ፡ ስምኦን ክእለዬሉ ይደሊ ነይሩ” ዝብል ብገለ ሓለፍቲ ይዘረብ ነይሩ፡፡ ከም ሳክቲዝም ኣነ ውን እዚ ዘረባ ምኽኑይ ኮይኑ ይስመዓኒ፡፡ ኢሳይያስ ኣብቲ እዋናት ማህረምቲ ስምኦን ናብ ሞት ከብጸሖ ይምነ ነይሩ እዩ፡፡ ኮ/ል ስምኦን ኣብ ሆስፒታል ምስኣተወ ብመገዲ ኮ/ል ተስፋልደት ኣቢሉ ካብ ዝረኸቦ ሓበሬታ ወጻእ፡ ዋላ ሓንቲ መዓልቲ በጺሑዎ ኣይፈልጥን፡፡ ብካልእ ሸነኽ፡ ንጉዳይ ፍቕረን ሳምሶንን ከምኡ ውን ላዕለዎት ሓለፍትን ኣመልኪቱ ናይ ጠለፋ ሓበሬታት ዘቕርበሉ ዝነበረ መጀር ኣኽሊሉ ሃብተማርያም (ቸንቶ) ብዕለት 13.10.2007 ኮ/ል ስምኦን ፈተነ ቅትለት ክግበረሉ እንከሎ ካብቶም ኣብ ከባቢ ባር ኣኩላ (Aquila) ዝነበሩን ብህጹጽ ኣልዒሎም ናብ ሆስፒታል ዘብጽሑ 4 ኣባላት ሓደ ኔሩ፡፡ ድሕሪ ማህረምቲ ኮ/ል ስምኦን ኣብ ሳልስቱ ሌ/ኮ ኣማኑኤል ተስፋጋብር (ክፍሊ ሓለዋ ቤ/ጽ ፕረሲደንት) ኣብ ካስቴሎ መቐበል ኣጋይሽ ንኣባላት ሓለዋ ቤ/ጽ ኣኪቡ “ብጻይ ስምኦን ሳላ ቸንቶ ድሒኑ፡” ክብል ተዛሪቡ’ዩ፡፡

ኣባላት ሓለዋ ቤ/ጽ ፕረሲደንት፡ ብፍላይ ኣብቲ እዋን ካብ ዝነበረት ብሌ/ኮ በረኸት ወልደሚካኤል ትምራሕ 4ይ ሽፍቲ ቴድሮስ ገብረመስቀል ዝበሃል ኣባል ዝመርሖም ሓንቲ ጋንታ ብህጹጽ ናብቲ ቦታ ምብጽሖም ሌ/ኮ ኣማኑኤል ከም እውንታ ኣልዒሉ ተዛሪቡ ኢዩ፡፡ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ኣብ ምምሕልላፍ ትእዛዛት ኢሳይያስ ተጸሚዱ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ሜ/ጀነራል ውጩን ብ/ጀነራል ዓፋንን ከኣ ንባዕላቶም እንዳተሸቑረሩ በቢወገኖም ንገሊኦም ከድሕኑን ንገሊኦም ከኣ ኣሕሊፎም ክህቡን ተራኢዮም፡፡

ነታ ኣብ 4ይ ክፋል ጽሑፈይ ዝጠቐስኩዋ ኮ/ል ስምኦን ዝተሃርመላ መኪና ሰሚያዊ ሕብሪ ከምዝነበራ ዝገለጽኩሉ ምኽንያት ኣብ ክልተ ሰነዳት “ብሰማያዊ ሕብሪ” ስለ ተሰነደት ኮይኑ እዛ መኪና ኣብ ማይተመናይ ተታሒዛ ድሕሪ ግቡእ ምጽራይ ተሃጊራ ኢያ፡፡ ፈለማ ኣብ ቤ/ጽ ቲራቬሎ በጨርቂ ተሸፊና ምስ ጸንሐት ደሓር ከኣ በዓል በረኸት ጉዕሽ (ወዲ ጉዕሽ) ናብ ዝርከብዎ ቤ/ጽ ኒያላ ተወሲዳ ኢያ፡፡ ድሕሪ ገለ ኣዋርሕ ናብ ጋራዥ ዓምበርበር ተላኢኻ ከም ብሓዱሽ ተመሊጣ ካልእ ዓይነት ሕብሪ ተላኺያ ኣብ ውሽጣዊ ጸጥታ ደው ኢላ፡፡ ድሕሪ ፍጻመ ግን እታ መኪና ሕብራ ቀይሕ ምንባሩን መጀር ነጋሲ ኪዳነ ብዝመርሖም ኣባላት ጸጥታ ከም ዝተረኸበት ተረጋጊጹ ኢዩ፡፡ ድሕሪ ቅትለት ሳምሶን እውን ኣባላት ጸጥታ እንዳተዋፈሩ ኣብ ልዕሊ ስድራቤቱ ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት ኣብጺሖም’ዮም፡፡

ካብ ወዲ 80 ዓመት ወላዲኡ ቀሺ ገረዝጊሄር ጀሚርካ፡ ኣቦ ክልተ ስውኣት ዝኾኑ ሰብኡት ኣሓቱ፡ መሳርሕቱ፡ ኩሉ ንሳምሶን ዝፈልጥ ዘበለ ኣስታት 100 ዝኸውን ሰብ ኣብ ዝተፋላለዩ ቤት ማእሰርታት ተኣሲሩ፡፡ ብርክት ዝበለ ንብረት ሳምሶንን ስድራቤቱን ተሃጊሩ፡፡ ንኣብነት ኣብዚ እዋን ኣብ ትሕቲ ጀነራል ፍሊጶስ ቤት ማእሰርቲ ኮይኑ ዘሎ፡ ኣብ ማይ ሑጻ ዝርከብ ጀርዲንን፡ ኣብኡ ዝነበረ ኣባይትን ናእሽቱ መካይንን ኩሉ ተወሲዱ እዩ፡፡ ንፍርቂ ዝውንኖ ዝነበረ ሚዲያን ሆቴል ንዓመታት ተሃጊሩ ጸኒሑ ኣብ 2016 ንኦሎምፒካዊ ኣትሌት ዘርኢሰናይ ታደሰ ብቑጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ኣቢሉ ተሸይጥሉ እዩ፡፡ ዝተረፈ ትካላቱን ገዛውቱን ድማ ሰራዊት ተመዲብሉ ክሳብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ሓለዋ ይርከብ፡፡

ብሓፈሻ ንኣስታት ሓደ ዓመት ኣብ ዝጸንሐ “ስርሒት” ሳምሶንን ፍቕረን ኣብ ታሪኽ ህግደፍ ካብቶም ኣዚዮም ተኣፈፍቲ ጉዳያት ሓደ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ላዕለዎት ሓለፍቲ ዘስዓቦ ምክልባትን ዘይምትምማንን ክሳብ ሕጂ ቀጺሉ ኢዩ፡፡ ኮ/ል ስምኦን ኣብ ዝተሃረመሉ ግዜ ነቲ ጉዳይ፡ ዝተወሰኑ ሓለፍቲ “ጉዳይ ኣከለጉዛይን ሓማሴንን” ዓይነት ኣውራጃዊ መልክዕ ከትሕዝዎ ፈቲኖም ‘ዮም፡፡ ኢሳይያስ ኣውራጃውነት ካብ ቁጽጽሩ ወጻእ ተጓሃሂሩ ንስልጣኑ ሓደጋ ከይፈጥር ልዑል ስክፍታ ስለዝነበሮ፡ ኣብ ሞንጎ እቶም ጎባልል ሕንፍሽፍሽ ኣእቲዩ ዘስደምሙ ስጉምታት ብምውሳድ ነቲ ጉዳይ ከተሃዳድኦ ፈተኑ ‘ዩ፡፡

ንሳምሶን ግዳይ ብምግባር ኣብ ሞንጎ እቶም መናሕንሕቲ ጀነራላት ዝነበረ ምትፍናን ተደጊሉ ክጸንሕ ድሕሪ ምግባሩ፡ ቀጺሉ ካብቶም ኢሳይያስ ዝወሰዶም ማንም ሰብ ዘይተጸበዮም መሰድመም ስጉምታት፡ ኣብ ልዕሊ ኮ/ል ስምኦን ገብረድንግል ዝወሰኖም ውሳነታት እዮም፡፡ ፈለማ ኮ/ል ስምኦን ተሃሪሙ ክበሃል ድምብርጽ ዘይበለ ኢሳይያስ፡ ብህይወት ምትራፉ ምስ ኣረጋገጸ፡ ከም ነፋሒቶ ሕብሩ ለዊጡ ማዕርግን ሓላፍነትን ክገዝሞ ተራእየ፡፡ ብመሰረት እዚ ከኣ፡

  1. ንኣስታት 6 ኣዋርሕ ዝኣክል ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ዝተሓከመ ኮ/ል ስምኦን ድሒኑ ናብ ቤ/ጽ ኣብ ዝኣተወላ መጀመሪያ ዕለት፡ ካብ ቤ/ጽ ጀነራል (ባልነኪ) ካብ ኮሎኔል ናብ ብርጋዴር ጀነራል መዓርግ ከምዝተሰጋገረ ዝገልጽ ደብዳቤ በጺሑዎ፡፡ ቅድሚ እታ ዕለት፡ ምሸት ኢሳይያስ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ንስብሓትን ጸዊዑ ብሓባር ዘቲዮም ዝኣለምዎ መደዓዓሲ ሜላ እዩ፡፡ ብርግጽ ተዓዊቶም ከኣ እዮም፡፡ ስምኦን ኣብ ውሽጢ ወኪል ሃገራዊ ድሕነትን ሓይልታት ምክልኻልን መዓልቲ ቆጺሩ ስሪኡ ከርእዮም ዝደሊ፡ ከም በዓል ሓላፊ ወጻእ ስለያ ኮ/ል ጋይም ተስፋንኪኤል፡ ውጩ፡ ዓፋንን ብ/ጀነራል ኣብርሃለይ ክፍለ ዓይነት መናሕንሕትን ጸላእትን ስለዝነበርዎ ካብ ኢሳይያስ ዝተመጠወሉ “ጀነራልነት” ብጸጋ ተቐቢልዎ ‘ዩ፡፡

ኢሳይያስ፡ ካብቶም ንፍርቂ ዘመን ክሰርሓሎም ዝጸንሐ ተንኮላት “ንሓደ ዝተበከለን ንፋስ ዝሃረሞን፡ ብእከይ ተግባራቱ ህዝቢ ዘለለዮ ሓላፊ” መመሊሱ ዝበለጸ ስልጣንን ጽፍሕን ብምዕዳል መዋእሉ ምእዙዝ ኮይኑ ክነብር ምግባር ‘ዩ፡፡

  1. ኣብ ትሕቲ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ሓላፊ ውሽጣዊ ጸጥታ ብምኻን፡ ንዓመታት ዘገልገለ ኮ/ል ስምኦን፡ ካብ ጀነራልነት መዓርግ ብተወሳኺ “ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን” ዝብል ሓድሽ ኣወዳድባ ተፈጢርሉ ማዕረ ማዕረ ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳ ብምኻን ቐጥታ ተጸዋዕነቱ ንኢሳይያስ ኮነ፡፡ ከም ውጽኢቱ ከኣ ውሽጣዊ ጸጥታ፡ ኢመግረሽን፡ ኣየር ሰኩሪቲ፡ ፖሊስ ኤርትራ፡ ኣገልግሎት ቤት ማእሰርትን ተሃድሶን፡ ጠቕሊሉ ክመርሕ ተገብረ፡፡ ሓላፊ ኣገልግሎት ቤት ማእሰርትን ተሃድሶን ገዲም ተጋዳላይ ብ/ጀነራል ግርማይ መሓሪ “ብማሕዮ (ስምኦን) ኣይምራሕን” ኢሉ ስለ ዝሓንገደ፡ ቤት ማእሰርታት ጸጸራት፡ ሰምበል፡ ሓዝሓዝን ኣብ ኩለን ዞባታት ዝርከባ ድጓናታትን ጠርኒፉ ተፈሊዩ ወጺኡ እዩ፡፡

  1. ብ/ጀነራል ስምኦን ምስቲ ሓድሽ ኣወዳድባ ብተወሳኺ ኣምባሳደራትን ቆንስሊያታትን ኣጽኒዑን መምዩን ናብ ኢሳይያስ ከቕርብ፡ ሲቪላዊ ጥርዓናት ኣባይቲ፡ ጤሳን ክፈትሕ፡ ተወሳኺ ጽፍሕታት ተዓዲልዎ እዩ፡፡

  2. ድሕሪ መውጋእቱ ኣብ ድሕሪ ሆቴል ሳንሻይን ዝነበረ መንበሪ ገዝኡ ተቐይርሉ፡ ከም ህያብ ጥቓ ሜጀር ጀነራል ሃይለ ሳሚኤል፡ ብ/ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ብ/ጀ ገብረኪዳን ሃብተኣብ (ወዲ ምነይን) ንኽቕመጥ ን10 ዓመታት ኣብ ሓደ ካንሸሎ ተሓይሮም ናይ ዝርከቡ ኣቦና ኣብነ ኣንጦንዮስ መንበሪ ዝነበረ ኣብ ከባቢ ጣባ ጥቓ ሆስፒታል መካነሂወት ዝርከብ እቲ ዝበለጸ ቪላ ተዓዲልዎ፡፡

ነዚ ብ5 ክፋላት ዘቕረብኩልኩም ጽሑፍ ሎሚ ከጠቓልሎ እንከለኹ፡ እግረ መገደይ ገለ ለቦዋታት ክገልጽ እደሊ፡፡ ከምቲ ዝተዓዘብኩምዎ ነጋዶ ፍቕረን ሳምሶን ናብ መቓብር ዘመርሑሉ ቐንዲ ምኽንያት ብሰንኪ ዝንቡዕን ዘይቅርዑውን ስርዓተ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ኮይኑ፡ ኣብ ሃገር ዝተፈጠሩ ሰብ ግዜ ጎባልል ባህሪያዊን ሰብኣዊን ጸጋታት ሃገር ብሒቶም ክንሱ፡ እንኮ መገድን ፈቐድትን ኩሉ ለውጥን ብልጽግናን ብምኻኖም እዩ፡፡ ነብሶም ንኽልወጡ፡ ልዑል ተበግሶን ድሌትን ካብ ዝነበሮም ዜጋታት ነጋዶ ፍቕረን ሳምሶንን ከኣ፡ ሕጊ ኣልቦ ኣብ ዝኾነ ሃገር “ወይ ጎቦ ኩን ወይ ምስ ጎቦ ተጸጋዕ” ከም ዝበሃል፡ ምርጭኦም ጎቦ ገይሮም፡ መወዳእትኡ ይትረፍ ዶ ክዕቆቡን ክልወጡን ብሕጋዊን ዘይሕጋዊን መገዲ ዘጥረይዎ ሃብቲ ተመንጢሎም ናብ መቓብር ወሪዶም ንታሪኽ ተሪፎም፡፡ ሓቂ እዩ!! ዕድመን ገንዘብን ተወሲኽዎ፡ ብናእዳ ጥራሕ ዘይሕለፍ ክልቲኦም ዝተፈላለዩ ናይ ባህሪ ጸገማት ነይርዎም ‘ዮ፡፡

ኣብ ዘመነ ጎባልል ሰብ ግዜ፡ ዝተፈጠረ እንኮ “ኢሳይሳዊ መናውራ” ፡ ኢሳይያስ በይኑ ገቢሉ ክወጽእ ምኽኣሉ ጥራይ እዩ፡፡ ኩሉ ሃገር ክልውጥ፡ ህዝባዊ ስርዓት ክተክል ዘዘንቀደ ፈቖዶ ኣንደራት ደርቢዩ ከብቅዕ፡ ሒደት ሰዓብቱ ሒዙ ዝተረፈ ኢሳይያስ፡ ኣብ’ቶም ምሉኻት ወትሃደራዊያን ናይ ጸጥታን ጎባልልን ምስ ተዓቆበ፡ ባዕሉ ብዝፈጠሮ ጸገማት፡ ኣብ ብልሽውና ተቖማጢዖም፡ ኣብ ምክልባት ህዝቢ ተዋፊሮም፡ ሕድሕዶም ክተፋፋነኑ እንከለው፡ ነቶም መገዲ ጠፊኡዎም፡ ብዝረኸብዎ መገዲ ተጠቒሞም ነብሶም ክልውጡ ዝተጸግዑ ወልቀ ነጋዶ ግዳያት ብምግባር፡ ነቶም ጎባልል ሰዓብቱ ክድሕን እዩ ዝመረጸ፡፡ እቶም “ሰዓብቱ” ‘ውን ኣይቀሰኑን፡፡ ክሳዱ ዘዘቕነዐ ሓላፊ፡ “ፋይላት” ከም ናይ በዓል ፍቕረን ሳምሶንን ዝኣመሰሉ እንዳገናጸለ “ንስኻ ከምዚ ዝኣበስካ፡ እንዲኻ” እንዳበለ ንመዋእል ደኒኖምን ተመሊኾምን ክነብሩ ገይርዎም እዩ፡፡

ቅልውላው ምምሕዳር እምበር ፍትሓዊን ርትዓዊን ፍታሕ ምሃብ ዘይባህሪኡ ኢሳይያስ፡ ቅድሚ 10 ዓመት ንመዋእል ዝገበለሉ ሜላ፡ ንግዚኡ ፍታሕ እንተመሰሎ፡ እቲ ሓቂ ግን ሃገር ተረሲዓ፡ ህዝባዊ መትከላት ተጨውዩ፡ ህዝብና ዘይንሱ መሲሉ፡ ወናኒ ታሪኽ ሞት፡ ጥፍኣትን ምብትታንን ዝገበረ እዩ፡፡ እቲ ከም ናይ በዓል ፍቕረን ሳምሶንን ዓይነት ንጹሃን ዜጋታት ግዳይ ገይርካ፡ “ገቢልካ ናይ ምውጻእ” ኢሳይያሰዊ ፍልስፍና ከኣ፡ ይትረፍ ዶ ንህዝብና ክጠቅም፡ ኣብ ሞንጎ እቶም ሰዓብቱ ውን ንመዋእል ዝተደጎለ ሓዊ ኮይኑ መመሊሱ ይልብልቦም ኣሎ፡፡

ዝኸበርኩም ኣንበብቲ!

ልዕሊ ዝኾነ እዋን፡ ሃሱሳት ህግደፍ ኣንፈት ህዝቢ ንምጥምዛዝ ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብልሉን ሃገርና ኣፍ ኣውጺኣ ደም እንዳነብዐት “ኣድሑኑኒ” ኣብ ትብለሉ ዘላ ኣብዚ ጽንኩር እዋንን፡ ጭርጭር ዓበደ ነገረ ኢሳይያስ ገዲፍና፡ ውድበይ ውድባካ፡ ቆላን ከበሳን፡ ኣስላማይ ከስታናይ ከይበልና ህዝብና ካብ ብርሰትን ምጽናትን ነድሕን… እዋናዊ ጻውዒት ሳክቲዝም እዩ፡፡