ፍትሓተ ህግደፍ ዘ ኣቡነ ኣንጦንዮስ …ስለ ምንታይ? ገና ብኣግኡ ብ1991 እዩ ኢሳይያስ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖትን መራሕቲ ሃይማኖትን መርገጺኡ ከነጽር ዝጀመረ:: ገለ ለዋሃት መስቀል ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ ክሳለም ምስረኣዩ “ኣማኒ” ክብሉዎ እንከለው፡ ገሊኦም ከኣ ጠንቋሎ ማይሸግሊን ሃበሮን እንዳረቑሑ ብጠንቆልቲ ከምዝኣምን ይዛረቡ፡፡

እቲ ሓቂ ግን ክንይኡ እዩ፡፡ ኢሳይያስ ብሃይማኖትን ህላወ ኣምላኽን ዘይኣምን (Pagan or Atheist) ጥራይ ዘይኮነስ ሚዛን እምነቱ ኣዚዩ ዝተዛብዐ ንመዋእል ኣብ ምጥርጣር ዝተሸመመ ይትረፍ ዶ ፈጣሪ ንጽላሎቱ ዘይኣምን ውልቀሰብ’ዩ፡፡ ኣብ ሃይማኖታዊ ትካላት ዝነበሮ መርገጺ ኣብ ሜዳ ብሓደ ወገን ነቲ ብረታዊ ቃልሲ ጽልዋ ከሕድርሉ ይኽእሉ እዮም ብዝል ኮይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ሃይማኖታዊ ትካላት ኣንጻር “ፖሊሲታት...