እቲ ሓቂ ግን ክንይኡ እዩ፡፡ ኢሳይያስ ብሃይማኖትን ህላወ ኣምላኽን ዘይኣምን (Pagan or Atheist) ጥራይ ዘይኮነስ ሚዛን እምነቱ ኣዚዩ ዝተዛብዐ ንመዋእል ኣብ ምጥርጣር ዝተሸመመ ይትረፍ ዶ ፈጣሪ ንጽላሎቱ ዘይኣምን ውልቀሰብ’ዩ፡፡

ኣብ ሃይማኖታዊ ትካላት ዝነበሮ መርገጺ ኣብ ሜዳ ብሓደ ወገን ነቲ ብረታዊ ቃልሲ ጽልዋ ከሕድርሉ ይኽእሉ እዮም ብዝል ኮይኑ፡ ድሕሪ ናጽነት ከኣ ሃይማኖታዊ ትካላት ኣንጻር “ፖሊሲታት ህግደፍን” መጫጨሒ “ብፍርሂ ዝረዓደ ትሕተ-ሃገራዊ መንእሰይ” ዝብል ፍልሰፍና ክኣልም ተራእየ፡፡ ከይወዓለ ከይሓደረ ኣብ ፈለማ 90ታት “ቅኑዕ” ዝመስል “ሃይማኖታዊ ጉዳያት” ዝበሃል ሓውሲ ስለያዊ ትካል ክጣየስ ገበረ፡፡ ድሕሪ ምምጻእ “ሃይማኖታዊ ጉዳያት” ኣብ ሃገርና ቀጺሎም ዝሰዓቡ ኣብ ኣመንቲ፡ ቀሳውስቲ፡ ዲያቆናት፡ ፓስተራት፡ መገብቲ፡ ሸኻት፡ ዓሊማትን ኡስታዛትን ኮታስ ኣብ ኩለን ኣካላት ሃይማኖት ዝተራአዩ ጸገማትን ኣደራዕን ደይመደይ ተባሂሉ ዝተግሃደ’ዩ፡፡

ኣብዚ ስሙን ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝወዓዋዕ ዘሎ ጉዳይ “ምፍታሕ” ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ ድሕሪ 10 ዓመት ዳግማይ ተቐስቂሱ መዘራረቢ ኣጀንዳ ብምኻኑ፡ ብሓደ ወገን የሕዝነኒ፡ ብካልእ ወገን ከኣ የስሕቐኒ፡፡ እቲ ዝሓዝነሉ ጉዳይ፡ ህግደፋውያን ነዞም ኣማኒ ኣቦና ን10 ዓመት ኣብ ሓደ ካንሼሎ ሓይሮም ከብቅዑ ኣብ ኣጋ ሞቶም ንብሉይ ፖለቲካዊ ሃልኪ ክውዕሉ ምፍታኖም’ዩ፡፡ እቲ ዘስሕቐኒ ከኣ ኣብዚ ንቕሓት ህዝብና ኣብዝበረኸሉ እዋን፡ ህግደፋውያን ኣብ ከምዚ ዓይነት ናይ ጫቒት ጸወታ ምእታዎም እዩ፡፡ ብዝኾነ ሎሚ እውን ብሰንኪ ሃንደበታዊ “ምፍታሕ” ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ንጉዳይ ሳምሶንን ፍቕረን ኣመልኪተ ዘዳልኹዎ ሓበሬታ ኣወንዚፈ፡ ከቕድሞ መሪጸ ኣለኹ፡፡

ክቡራት ኣንበብቲ!! ይዕበ ይንኣስ ኩሉ ወለዶ ንክፈልጦን ንክርድአን ምሳይ ጥራይ ካብ ዝተርፍ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤ/ክርስትያን ኤርትራ ዘንጸላለወ ሓደጋ ምስ ፈጸምቱ ሎሚ ብዝርዝር እንሆ፡፡

ድሕሪ ናጽነት ኣብቲ ውዕዉዕ ግዜ “ሃገር ናይ ሓባር ሃይማኖት ናይ ውልቂ” እንዳተብሃለ፡ ኢሳይያስ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት “መጋበርያ ግዳማውያን ሓይልታት” ከይኮኑ ብዝብል ሓንቲ ንእሽቶ ጨንፈር ምክትታል ሃይማኖታት ብምጥያስ ኣብ ሃገርና ኣርባዕተ ሃይማኖታዊ ትካላት ጥራይ ሕጋዊ ክኾና ድፊኢት ተገብረ፡፡ እዚኣተን ከኣ ኦርቶዶክስ፡ ካቶሊክ፡ እስልምናን ቀደማይ ወንጌላዊት ቤ/ክርስትያን (ከኒሻ) ኮይነን፡፡ ጎኒ ንጎኒ ብማሕውራት ጸጥታ ዝዕመም ስራሓት ኣብ ውሽጢ እዘን ፍቓድ ዝተውሃበን ትካላት “ሃይማናታዊ ጉዳያት” ክዓምም ጀመረ፡፡ ቀጺሉ ኣኽረርቲ፡ ጥሩፋት፡ ጀሃድን መንፈሳውያንን ዝብላ ሓደሽቲ ቃላት ካብ ባዕሎም ላዕለዎት ሓለፍቲ ክስማዕ ጀመረ፡፡ ብምስምስ ጀሃድን ኣኽረርትን ከኣ ብዙሓት ዜጋታት ተኣሲሮምን ሓቂቖምን፡፡ ዝዓበየ ሓላፍነት ዝተዓደሎ ብስም “ሃይማኖታዊ ጉዳያት” ዝፍለጥ ትካል ምስ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ቀጥታዊ ርክባት ብምምስራት በዓል ብርጋዴር ጀነራል ኣብርሃ ካሳ፡ ብ/ጀ ሰምኦን ገብረድንግልን ኮሎኔል የማነ ዓንደማርያም (ሰኮሎቭን) ትእዛዛት ከመሓላልፉ ተራእዮም፡፡

ምትእትታውሃይማኖታዊ ጉዳያትንቡር ታሪኽ ሃገርና፡ ኣብ ሞንጎ ሃይማኖታዊ ትካላት፡ ሰላምን ስኒትን ንምስፋን፡ ተወከልቲ ኩሎም ሃይማኖታት ዘቖምዎ ሕጋዊ ኣካል ከምዝነበረ ይሕብር፡፡ ሃገር ንምምዕባል ኣብ ሞንጎ ምእመናን ምክብባርን ምትሕልላይን ክህሉ ኣፋላላያት ናብ ጎነጽ ከየምርሕ ዝከላኸል ኣካል ምህላው ሰናይ ተግባር እዩ፡፡ ኣብ ሃገርና ፈለማ “ንቅዱስ ዕላማ” ብዝመስል ኣግባብ ዝቖመ “ሃይማኖታዊ ጉዳያት” ቀስብቐስ ኣብ ሞንጎ ምእመናንን መራሕትን ሕንፍሽፍሽ ብምእታው መጋበርያ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኮይኑ፡፡ ተወከልቲ ካልኦት ሃይማኖታት ሓዲግና ካብ 1991 ጀሚሮም ካብ ኦርቶዶክሳዊት ቤ/ክርስትያን ብሓላፍነት ዝተመዙ ኣባላት ብቐጥታ ሙሉእ ድሕሪ ባይቶም ብወኪል ሃገራዊ ድሕነት ኣካላት ምክትታል ሃይማኖታት ተጸኒዖም፡ ተመምዮም ዝኣትው’ዮም፡፡ ክሳብ ቀረባ ንኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ወኪሎም ዝተመዙ ሓለፍቲ ዝስዕቡ ‘ዮም፡

  • ፍስሃየ ሃብተስላሰ

  • ደራጎን ሃይለመለኮት

  • ደሴ ብርሃነ

  • ዮፍታሄ ዲሞጥሮስ

  • ኮሎኔል ጸጉ ፍስሃየ (ተጋዳላይ)

  • ኣብርሃም ሃብተ (ተጋዳላይ)

  • ሰመረ በይን (ሳሙራይ) እዮም፡፡

‘ዞም ሓለፍቲ ኣብ ትሕቲ “ሃይማኖታዊ ጉዳያት” ኮይኖም ቀንዲ ዕማሞም ኣብ ሞንጎ ሃይማኖታዊ ትካላት ጎነጽ ከይፍጠር ምክልኻልን ምፍታሕን፡ ሕትመት ሃይማኖታዊ መጽሓፍቲ ምቁጽጻርን ምክትታልን ዝብል ኮይኑ ነፍሲወከፎም ብክታም ፓትሪያሪክ ከምዝተወደቡ ዝሕብር ደብዳቤ ዋላ ይወሃቦም”ምበር ክምዘዙ እንከለው፡ ድሕሪ ባይቶኦምን ፖለቲካዊ ኣጠማምቶኦምን ብወኪል ሃገራዊ ድሕነት ተጸኒዑ እዩ፡፡ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ናጽነት ብሓፈሻ 4 ወግዓውያንን ዘይወግዓውያንን ሊቀ ጳጳሳት (ፓትርያርካት) ተሸይሞም’ዮም፡-

  • ኣቡነ ፍሊጶስ (ብሕማም ዝዓረፉ)

  • ኣቡነ ያኢቆብ (ንምትእትታው መንግስቲ ኣብ ሃይማኖት ብምኹናን ተሪር መርገጽ ዝነበሮምን ብሕማም ዝዓረፉን)

  • ኣቡነ ኣንጦንዮስ (ካብ 2005 ጀሚሩ ብሰንኪ ህግደፍ ኣብ ማሕዩር ዝጸንሑ)

  • ኣቡነ ደስቆሪዮስ (ብሕጋጋት ቃል ኣዋዲ ዘይኮነስ ብመንግስቲ ተመዚዞም ዝተሸሙን ኣብ 2016 ዝዓረፉ)’ዮም

ኣብ ትሕቲ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶኩሳዊት ቤተክርስትን ኤርትራ ዝነጥፉ ካብ ኩለን ኣድባራት ዝተወከሉ ክሳብ ቀረባ 11 ኣባላት ነይሮም፡፡ ብቐጥታ ካብ ጸብጻባት ምክትታል ሃይማኖት ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ዝተወስደ ዝርዝር ከምዝሕብሮ ዝስዕቡ’ዮም፡፡

  • ኣቡነ ዴስቆርዮስ (ኣባ ገረዝጊሄር በርሀ)

  • ኣቡነ ማርቆስ (ኣባ መንግስቱ ኣበበ)

  • ኣቡነ ጴጥሮስ (ኣባ ኣርአያ)

  • ኣቡነ ሲኖዳ (ኣባ ማህጸንተ)

  • ኣቡነ ሰላማ (ኣባ ተኽለማርያም)

  • ኣቡነ ማቴዎስ (ኣባ ኣብርሃም)

  • ኣቡነ ልቋስ (ኣባ ጽጌ)

  • ኣቡነ ዮውሃንስ (ኣባ ተኽለማርያም)

  • ኣቡነ ባሲሎስ

  • ኣቡነ ጨርሎስን

  • ኣቡነ ኣትናቲዮስን እዮም፡፡

ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሃገርና ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ዘገልገሉ ሊቀ ጳጳሳትን ሓለፍቲ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ነናይ ገዛእ ርእሶም ኣሉታዊን እውንታዊን እጃም ነይርዎም፡፡ ኣብ ሞንጎ ሊቀ ጳጳሳትን ሓለፍቲ ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ዝነበረ ፍሕፍሕ ዚያዳ ዝተጓሃሃረሉ ካብ 2003 ንነጀው እዩ፡፡ ኢድ ሃይማኖታዊ ጉዳያት እንዳነውሐ መራሕቲ ሃይማኖት በቶም ሓለፍቲ ተጠቂሞም ካብ ስራሕ ክእለዩ፡ ብዘይወዓልዎ ገበን ክእሰሩን ክስወሩን ምስ ጀመሩ፡ ኣብ ሞንጎ እዞም ክልተ ትካላት ዝነበረ ሃጓፍ ናብ ህዝቢ ርዒሙ፡፡ ኣብ 2003 ሃይማኖታዊ ጉዳያት ንምዕባለ ሃገርን መንፈሳዊ ስኒትን ዘይኮነስ፡ ንስለያን ሕንፍሽፍሽን ዝቖመ ህግደፋዊ ትካል ምኻኑ ተግሃደ፡፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ናብ መንበረ ፓትርያርክ ዝተመዝሉ ወርሒ 5/ 2003 ኣብ ሞንጎ ኦርቶደኩሳዊት ቤትክርስትያንን ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ዝነበረ ፍሕፍሕ ናብ ዝለዓለ ጥርዙ በረኸ፡፡

ኣቡነ ኣንጦንዮስ መን እዮም?

ብ1928 ካብ ኣቦኦም ቀሺ ገብረመድህን ደብረጽዮንን ካብ ኣዲኦም ወ/ሮ ኢለን ቀለታን ኣብ ሕምብርቲ ዝተወልዱ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብ ወዲ 5 ዓመት ጀሚሮም ኣብ ገዳም ኣቡነ እንድሪያስ ዝዓበዩ መንፈሳዊ ኣቦ እዮም፡፡ ንኣስታት 40 ዓመታት ዝኣክል፡ ኣበምኔት (ኣማሓዳሪ) ገዳም ኣቡነ እንድሪያስን ኣብ ዘመነ ንጉስ ሃይለስላሰ ከኣ ካልኣይ ሊቀ ጳጳስ ብምኻን ተመሪጾም፡፡ ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልሲ ናብ ገዳም ኣቡነ እንድሪያስ ንዝተጸግዑ ተጋደልቲ ኣዕቒቦም ኣባታዊ ምኽሪ ዝልግሱ፡ ዝርካበን እኽለ ማይ ብምሃብ ዝዕንግሉ፡ ሃገሮም ዘፍቅሩ ግዱስ ሃይማኖታዊ ኣቦ ነይሮም፡፡

ግንቦት 2003 ብሙሉእ ፍቓድ ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶደኩስ ተዋህዶ ቤትክርስትያን ተሓሪዮም ፓትርያርክ ኤርትራ ብምኻን ተመዚዞም፡፡ ፈለማ ብመንግስቲ ተሓሪዮም ፓትርያርክ ንክኾኑ ዝተደለዩ ካልእ ኣቦ (ሕጂ ስሞም ክረቑሖም ዘይደለኹዎም) ነይሮም፡፡ ቅዱስ ሲኖዶስ ነቶም ዝለዓለ ተፈታውነትን ተቐባልነትን ዝነበሮም ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብሙሉእ ፍቓድ ምስ መረጸ ካብ 1991 ጀሚሩ ንናጽነት ዝግበር ቃልሲ ብዓቕምና ደጊፍና ኢና፡፡ ድሕሪ ናጽነት ሃገር ሓራ ምስኮነት ከኣ ኣብ ሃይማኖት ከይኣተኹም ብሩሑቕ ደጉፉና ዝብል ጽኑዕ መትከል ዝነበሮም ኣቡነ ኣንጦንዮስ መንበረ ፓትርያርክ እውን ከምቲ ዝተጸበዩዎ ኣይነበረን፡፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ፓትርያርክ ምስኮኑ፡ ፈለማ ዝተቓውምዎን ክፍታሕ ኣለዎ ኢሎም ዝተዛረብሉ ምትእትታው ሃይማኖታዊ ጉዳያት እዩ፡፡ ብፍላይ ካብ 2000 ጀሚሩ ኣብ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብመንግስቲ ተመሪጹ ንኦርቶደኩሳዊት ቤትክርስትያን ዘራሰየን ብዙሓት ኣቦታት ዘሳቐየን ምስ ዋና ጸሓፊን ኣማሓዳሪን መንበረ ፓትርያርክ ዝነበረ ኣቶ ዮፍታሄ ዲመጥሮስ ዝነበሮም ርክብ ሕማቕ ኔሩ፡፡ ዩፍታሄ ዲመጤሮስ ወዲ ቀሺ ዲመጤሮስ ኮይኑ ኣብ ዘመነ ደርግ ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ሃገረ እስራኤል ተመዲቡ ዘገልገለ እዩ፡፡ ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት፡ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ውሽጣዊ ጸጥታን ብኢድ ናይዝጊ ክፍሉ ዝተጸሓፉ ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ፡ ዮፍታሄ ዲመጤሮስ ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ዝነበሩ ኩሎም ሓበሬታትን መረዳእታታትን ቀንዲ ምንጪ ከምዝነበረ ዘረድኡ እዮም፡፡ ንጉዳይ ኣፈላላይ ዮፍታሄ ዲመጤሮስን ኣቡነ ኣንጦንዮስን ኣመልኪቶም ካብ ዝተልኣኹ ጸብጻባት (ብወገን ዮፍታሄ፡ ሰመረ በይንን ውሽጣዊ ጸጥታን) ከምዝሕብርዎ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ልዕሊ ዮፍታሄ ዝነበሮም ተቓዉሞታት ብሓጺሩ ኣብ ዝስዕቡ ጉዳያት የድህብ፡፡

  • ኣቡነ ኣንጦንዮስ ልዕሊ ኩሉ ዮፍታሄ ብትምህርተ ቤተክርስትያን ተቐሪጹ ዘይዓበየ፡ ስጋወደሙ ተቐቢሉ ዘይቆረበ፡ ቃለ-ኣዋዲ (ሕጋጋት ቤ/ክርስትያን) ዘየኽብር ብምኻኑ ከምዝነጸግዎ

  • ኣብ ሰልጣን ፓትርያርክ ኢዱ ብምእታው ንኹሎም ኣባላት ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ትሕቲኡ ክመሓደሩ ከምዝገበረን ብደረጃ ፓትርያርክ ክዕመሙ ዝግበኦም ምምሕዳራዊ ስራሓት ብምብሓቱ ከምዝቃወሙ

  • ኣብ ሞንጎ ሃይማኖታዊ ኣቦታትን መራሕቲ ሃገረ ስብከትን ከምኡ ውን ኣብ ሞንጎ መንበረ ፓትርያርክን ጳጳሳትን ሕንፍሽፍሽ የእትወልና ኣሎ ዝብል ተቓዉሞ ከምዘለዎም

  • ቃል-ኣዋዲን ሕጋጋት ቤተክርስትያን ናይ ትሕዝቶ ለውጥታት ብምግባር በይኑ ገባሪ ሓዳጊ ክኾውን ፈተነታት እንዳካየደ ምኻኑ

  • ብደረጃ መራሕቲ ዘቦታታትን ጉባኤ ሊቃውንትን ዝዕመሙ ተግባራት ብዘይኣፍልጦኦም ናብ ቅዱስ ሲኖዶስ ክሰሓብ ምግባሩ

  • ቅድሚ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ፓትርያርክ ምስ ዝነበሩ ኣቡነ ያኢቆብ ዝነበሮ ፍሕፍሕን ጸገማትን ከምዝቀጸለሉን ናይ ዋና ጸሓፊ ኣቡነ ጴጥሮስ (ሊቀ ጳጳስ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ) ዕማማት ቢሒቱ ካብ ስራሕ ወጻእ ከምዝገበሮም

  • ልዕሊ ኩሉ “መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ሃይማኖት ኢዱ ከእቱ የብሉን” ብዝብል ንዮፍታሄ ምስዞም ናይ እንዳ ጻጥታ ርክብ ንኸቋርጽ ምዒዶም ከምዘይሰምዖም ከምኡ ውን ዘይምለከቶም ወትሃደራውያን ሓለፍቲ ናብ ቤ/ጽሕፈት ሒዙዎም ክመጽእ ከምዘይብሉ ከምዝቃወሙ ብዝርዝር ይትንትን፡፡

ብተወሳኺ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዎም መርገጺ ብዝምልከት ኣብ ዝተለኣኸ ጸብጻብ ብሓጺሩ ቀጺሎም ዝስዕቡ ሓሳባት ዝሓዘ እዩ ፡

  • ብ1993 ቅዱስ ሲኖዶስ ቃል-ኣዋዲ ኣብ ዘጽደቐሉ ግዜ ንገንዘባዊ ድጋፍ መንግስቲ ኣምልኪቶም ንሕና ኣገልገልቲ እግዝኣብሄር ኢና፡፡ ናይ መንግስቲ ምውላ ኣየድልየናን፡፡ ምስ መንግስቲ ዘራኽብ ዓንቀጽ ክኣቱ የብሉን፡፡ ሓይልና ኣብ ኣምላኽ እምበር ኣብ ኢሳይያስን ሰበ ስልጣንን ኣይኮነን፡፡ ዘድልየና ካብ ምእመናን ክንረክብ ንኽእል ኢና፡፡ ዝብል ሓሳብ ብምልዓል ብካልእ ወገን “ድጋፍ መንግስቲ የድለየና እዩ” ዝብል መርገጺ ምስ ዝነበሮም ኣቡነ ዮውሃንስ (ሊቀ ጳጳስ ዞባ ዓንሰባ) ዝኣመሰሉ መራሕቲ ምስሕሓስ ከምዝገበሩን ብዝምልከቶ ኣካል ምዕዶ ከምዝተገብረሎም

  • ብትእዛዝ መንግስቲ ብዋና ጸሓፍነት ዝተመዘ ዮፍታሄ ዲመጤሮስ ኣብ 2004 ኣብ ዝተኻየደ ጉባኤ ምስ ቅዱስ ሲኖዶስ ክትእከብ ስልጣን የብልካን፡፡ ንጉባኤ ዘብቅዕ ክርስትያናዊ መንነት የብልካን፡፡ ከምዝበልዎን ዮፍታሄ ከም ብሓድሽ ንኹለን ዞባታት ዝበተኖ ቃለ ጉባኤ ኣውጊዞም ብደብዳቤ ንኹሎም ጳጳሳት ከምዝጸሓፉን ብመንበረ ፓትርያርክ ተቐባልነት ከይረኸበ ብመንግስቲ ዝተሾመ ምኻኑ ዝሕብር ደብዳቤ ምጽሓፎም፡፡

  • ኣፋላላዮም ንምፍታሕን ንምሽምጋልን ብመንግስቲ ዝተልኣኹ ሓለፍቲ (ብር/ጀነራል ኣብርሃ ካሳን ናይዝጊ ክፍሉን) ቤተክርስትያን ካብ ቀደም ጀሚሩ ዝጸንሐ ናይ ባዕላ ሕጊ ኣለዋ መንግስቲ ጣልቃ ክኣትወና የብሉን፡፡ ኢሎም ከምዝመለስሎም

  • ኣብ 2004 ኣብ በዓል ልደተ ክርስቶስ ንምእመናን ዘስምዕዎ ቃለ-ቡራኸ ኣዳሊዮም ከብቅዑ ብዮፍታሄን ቀሺ ሃፍቶምን ዝተልኣኸ መልእኽቲ መንግስቲ ወሲኾም ከንብቡ ምስተነገሮም ፈለማ ነጺጎም ደሓር ጸኒሖም ብክንደይ ልመና ምንባቦም፡

  • ኣብ ተመሳሳሊ ግዜ ምእመናን እንዳተጸገሙ ስለዝኾኑ ናይ ግዜ ኣቆጻጽራና ብግእዝ ይኹን ዝብል ሓሳብ ከምዘንቀሉን ነዚ ጸብጻብ ዝጸሓፈ ኣባል ካብ ጽልዋታት መግዛእቲ ኢትዮጵያ ኣይወጹን ዝብል ርእይቶ ወሲኹ ምልኣኹ፡፡

  • ኣብ ኦርቶዶኩስ ተዋህዶ ተሸጊጦም ናይ ጸጥታ ጸገም ዝገበሩ ኣመንቲን ቀሳውስን ብኣካላት ጸጥታክድለዩ ከለው ኣየረክብን ምባሎም፡ ኣብ ቀይዲ ዝኣተው ቀሳውስ ምኽንያት መቐየዲኦምን ፍርዶምን ይነገረኒ ዝበሉ ሕቶታት ብድፍረት ከምዝሓቱ ብዝርዝር ተሰኒዱ ኣሎ፡፡

  • መንግስቲ ምዕባለ ሃገር ንምርግጋጽ ኣብ ዝሓንጸጾ “ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ” ዘለዎም መርገጺ ብዝብል ከኣ ምስ ሓደ ኣብ 2004 ዘጓነፈ ጉዳይ ብምትሓሓዝ ተጸብጺቡ እዩ፡፡ ብመሰረት እዚ ኣብ ኣስመራ 2004 ኣብ መካነ ሂወት መድሂንኣለም ቤተክርስትያን ዝነበረ፡ ልዕሊ 2000 መንእሰያት ዝተኣኻኸብሉ ስብከተ ሰንበት፡ መንግስቲ ንካልኦት ዘይሕጋዊን ብኮታትተ ጸጥታ ዝዕድምምኻኑ ኣሚኑ ክቋረጽ ኣብ ዝሓበረሉ እዋን ኣቡነ ኣንጦንዮስ ግን ፈለማ ቅድሚ ምቁራጹ ትሕዝቶ ትምህርቲ ክጽናዕ ኣለዎ፡፡ ዝወሃብ ዘሎ ኣስተምህሮ ካብ ሃይማኖትና ወጻእ እንተኾይኑ ቤተክርስትያን ናይ ባዕላ መቕጽዒ ሕጊን መመለሲ ንሰሃን ስለዘለዋ ባዕልና ክንሪኦ፡፡ ንሕና ቤተክርስትያን ክንከፍት እምበር ንክንዓጹ መንፈሳዊ ሓላፍነት ስለ ዘይብልና ኣይነቋርጽን ኣይንዓጹን፡፡ ስልጣን ዘለዎ ክዓጹ እንተይሉ ሓጥያቱ ይሰከማ፡፡ ዝብል መርገጺ ምውሳዶምን ኣብ ልዕሊ ኣገልገልቲ ቤተክርስትያን ዝካየድ ግፋን ወትሃደራዊ ኣገልግሎትን ብትሪ ከምዝቃወሙን ካልኦትን ብደቂቕ ዝቐረበ ጸብጻብ ኣብ ሃገራዊ ድሕነት (ውሽጣዊ ጸጥታ ኣካል ምምሕዳርን ስነዳን ምስ ኮሎኔል ሃይለ ክቡርነቱ)ን ቤ/ጽ ፕረሲደንትን ይርከብ፡፡

ካብ ጸብጻባት ሃገራዊ ድሕነትን ቤ/ጽ ፕረሲደንትን ምርዳእ ከምዝከኣል፡ ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ሃይማኖቶምን እምነቶምን ዘድህቡ፡ ብኣምላኾም ዝተኣማመኑ፡ መንግስቲ ካብ ሃይማኖት ኢዱ ከልዕል ተሪር መርገጺ ዝነበሮም ምንባሮም’ዩ፡፡ ኣብ መወዳእታ ዝተገልጸ ጉዳይ መካነ ሂወት መድሃኒኣለም ቤተ ክርስትያን ልዕሊ ኩሉ ምስ መንግስትን ዮፍታሄን ዝነበሮም ምስሕሓብ ክብ ኣቢልዎ’ዩ፡፡ መንግስቲ ብፍላይ ካብ 2004 ንደሓር ኣብ ጎደናታት ኣስመራ መንእሰያት ክተኣኻኸቡ ምርኣይ ካብ ኩሉ ንላዕሊ የሕምሞ ስለዝነበረ፡ ብሃይማኖታዊ ምኽንያት ምትእኽኻብ መንእሰያት ንዝደገፉ ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ ፍሉይ ጠመተ ከንብረሎም ጀመረ፡፡ ኣብ መድሃኒኣለም ሰንበት ሰንበት ዝካየድ ዝነበረ ስብከት ከምቲ ዝተዓዘብናዮ “ብኣካላት 03” ናይ መንፈሳውያንን ናይ ግዳማውያን ሓይልታትን ምኻኑ ውዕውዕ ዘረባታት ምስተገብረሉ ኣብ መወዳእታ ዮፍታሄ ዲመጤሮስን ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ንቅዱስ ሲኖዶስ “ኣእሚኖም” ፋሕ ክብል ጌርምዎ፡፡

መንግሰቲ ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝገበሮ ሓባል ጠመተን ዝቀሰሮ ኣጻብዕን ዝተዓዘቡ ገለ ግዱሳት ብኣግኡ ይምዕድዎም ኔሮም፡፡ ፕረሲደንት ዘይፈልጥ ዝመሰሎም ኣቦና ግን ንፕረሲደንት ኣራኹቡኒ፡፡ ኣነ ጉድለት የብለይን፡፡ ብምባል ተሪሮም ምዝራብ ቀጸሉ፡፡

ፈተነታት ናይዝጊ ክፍሉን ብር/ጀነራል ኣብርሃ ካሳን

ደድሕሪ ጉዳይ መድሃኒኣለም ቤተክርስትያን፡ ኢሳይያስ ነቲ ድሕሪ ዓመታት ሞይቱ ሓመድ ኣዳም ዓደቦኡ ዝኸልከሎ ሚኒስተር ዞባዊ ምምሕዳር ነበር ናይዝጊ ክፍሉ፡ ናብ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ሊእኹ “ዝገብርዎ ዘለው ምንቅስቓስ ብመንግስቲ ተቐባልነት ዘይብሉ ምኻኑ” ክሕብሮም ኣዚዝዎ፡፡ ናይዝጊ እውን ንተልእኾኡ ፈጺሙ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ እቶም ሰብኣይ ኣብ መርገጺኦም ነቂጾም ኣለው፡ ዋላ እንተፈራርሕናዮም ዘገድሶም ኣይመስሉንንመንግስቲ ከይኣስረኒ ኢለ ካብ ሕጊ ቤተክርስትያንን ፈጣሪናን ኣይወጽእን ምስ ዮፍታሄ ብሓባር ከስርሕ ዘኽእል ባህሪ የብልናን፡፡ ተደሊኻ ምስ ኢሳይያስ ኣራኽበኒ ከምዝበልዎ፡፡ ይገልጽ፡፡ ብ/ጀ ኣብርሃ ካሳ ከኣ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ምስ ገለ ኣባላት ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብሓባር ከላዝቦም ከምዝፈተነ ገሊጹ ኣቡነ ኣንጦንዮስ መንግስቲ ብሓቂ ንቤተክርስትያን ዝሓሰብ እንተኾይኑ ከም ናይ ሃይማኖት ኣቦ ዝምዕደኩም ነዚ ኩሉ ዝነጸጎ ግለ ሰብ ኣልዒልኩም ኣብ ካልእ ቦታ መድብዎ፡ ንንስሃ ክበቅዕ ግበርዎ፡፡ ከምዝበሉዎ ይገልጽ፡፡

ሽርሒታት ቀይዲን ፍጻመ ኣቡነ ኣንጦዮንስን

ብኹሉ ኣንፈት ጸቕጥን ታህዲድን ዝበዝሖም ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ መወዳእታ ዝወሰድዎ እንኮ ኣማራጺ “ነቲ ዘይፈልጥ ዝበልዎ” ፕረሲደንት ኢሳይያስ ምርካብ እዩ፡፡ ፈለማ ንኣቶ የማነ ገብረመስቀል ቻርሊ ብደብዳቤን ብኣካልን ኣረዲኦምዎ፡፡ ብዕለት 02/01/2005 ኢሳይያስ ናብ ካልእ ጉዳዩ ክገይሽ እግረ መገድ ኣብ ቤ/ጽሕፈቶም ረኺቢዎም ኩሉ ነገር ብዝርዝር ምስ ኣረድእዎ፡ ንዮፍታሄ ክኣልይዎን ኣብ ቤት ማእሰርታት ዝርከቡ ኣቦታት ጉድለት እንተሊእዎም ንፍርዲ ክቐርቡ፡ እንተዘይኮይኑ ከኣ ብምሕረት ክፍትሑ ተላቢዮምዎ፡፡ ኣብዚ ዕለት ኢሳይያስ ምስ 6 ሓለፍቲ ኮይኑ ዝሃቦም መልሲ ንዮፍታሄ ዝመደብናልኩም ናብ ወጻእ ክትገሹ ከለኹም ብቋንቋ ንኽሕግዘኩም እዩ፡፡ ዝተረፉ ሕቶታት ግን ክንምልሰልኩም ኢና፡፡ ዝብል ነበረ፡፡

ክቡር ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ ንኣቦታትን ምእመናንን ዝበቅዕ ምላሽ ካብ ፕረሲደንት እንዳተጸበዩ ብዕለት 12/01/2005 ለይቲ ካብ መንበሪኦም (እንዳ ስዩም ኣለማዮህ) በዓል ጥምቀት ንምኽባር ናብ ዝጽበዮም ኣማኒ ክወፍሩ እንዳተዳለው ብብርጋዴር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ዝተላኣኹ 4 ኣባላት ጉጅለ ዓፈናን ስጉምትን ገለ ኣባላት ሓይልታት ምክለኻልን መንበሪኦም ተኸቢቡ ሓዲሩ ንጉሆ ተዓጊቶም ካብ ቤቶም ከይወጹ ተገይሮም፡፡ ካብዛ ዕለት ጀሚሮም ምስ ዝኾነ ሰብ ርክብ ከይገበሩ ኣብ መንበሪኦም ንሓደ ዓመት ብጽኑዕ ሓለዋ ምስተሓየሩ ምዕዝምዛም ህዝቢ ምስ በዝሐ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናብ ዕዳጋ ላኻ ከባቢ (እንዳ ኣቡን) ክዛወሩ ተገይሮም፡፡ ደመዞም ካብ 4000 ናቕፋ ንምግቢ ጥራይ ብዝብል ናብ 2000 ናቕፋ ተቐኒሱ ን10 ዓመት ዝኣክል ብሓንቲ ብውሽጣዊ ጸጥታ ፍሉይ ክትትል ዝግበረላ ወ/ሮ ተመርጻ ሃይለ ዝተብሃለት ግለ ሰብ ክእለዩ ብምግባር፡ ብሽፍቲ ዝተመደቡ ወትሃደራት እንዳተሓለው ደገ ከይረኣዩ ኣብ ሓደ ካንሼሎ ተሓይሮም ጸኒሖም፡፡ ኣብ ውሽጢ 9 ዓመት (ክሳብ ዝጸናሕኹሉ) ናብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት ዝለኣኹ ጸብጻባት ከምዝገልጽዎ ኣብ ከቢድ ኣካላዊን ስነ-ኣእመራዊን ማህሰይቲ ከምዝነበሩ ብሕማም ሽኮርያ ከምዝተሳቐዩን’ዩ፡፡ ብተወሳኺ ሓደ ዶ/ር ሸዊት ዝተብሃለ ሓኪም መመርመሪ ሽኮርያ ብሕቡእ ሒዙሎም ከምዝኣተወን ኣብ ምክትታል ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ጸኒሑ ከምዝሃደመን ዝተሓባበሩዎ ኣባላት ኣብ ቀይዲ ከምዝወዓሉ ይሕብር፡፡

ክቡራት ኣንበብቲ!!!

ስርዓት ኢሳይያስ ጾታ፡ ዓሌት፡ ሃይማኖት ከይፈለየ ሃገር ከጽንት ወለዶታት ከብርስ ተዓጢቑ ዝተበገሰ ጉጅለ ምኻኑ ንኹሉ ግሉጽ እዩ፡፡ ደድሕሪ ምቕያድ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብ ልዕሊ ኣርቶደኩስ ኣብያተ ክርስትያን ኤርትራ ዝተፈጸመ ሽርሒታትን ግፍዕታትን ከምኡ ውን ንምኽንያት ምፍታሕ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዘዳለኹዎ ትንታነ ቀጺለ ክገልጽ፡፡

ድሕሪ ምእሳር ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝተርኣዩ ፍጻመታት

  • ብኣመንቲ ክርስትና ጉዳይ ምእሳር ኣቡነ ኣንጦንዮስ ስለዝተወዓወዐን ሓያል ነድሪ ስለዝተፈጠረን ንምትህድዳእ ብዝብል ካብ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ብቐጥታ ስሞም ንምጥፋእ ሓያል ናይ “03” ዘመተታት ተኻይዱ፡፡ ትሕዝቶ ዘመተታት ኣብ ሰለስተ ዓንኬላት ኣድሂቡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ሕቡእ ኣማኒ ፕሮቶስታንት (መንፈሳውያን) ምንባሮም፡ ኣብ ገዝኦም ብግዳም ዝተለኣኸሎም 15 ሺሕ ዶላር ብፖሊስ ከምዝተረኸበን ምስ ኣባላት ጉጅለ-15 ርክብ ከምዝነበሮም ዝገልጽ ሰነድ ከምተረኸበ ኣብ መላእ ሃገር ብ”03” ክፍኖ ተገብረ

  • ኦርቶደኩስ ቤ/ክርስትያን ኤርትራ ንሓደ ዓመት ዝኣክል ብዘይ ዓቃቢ መንበር (ዝትክእ ጳጳስ) ክትጸንሕ ብምግባር ብቐጥታ ብወኪል ሃገራዊ ድሕነት ንይፍታሄ ዲሜጥሮስ “ካብ ሕሉፍ ተሞኩሮ ትምህርቲ ብምውሳድ” ዝትክእ ዓቃቢ መንበር ከዳሉ ተሓበሮ፡፡

  • ዮፍታሄ ዲሜጥሮስ ንኣቡነ ዴስቆርዮስ (ሊቀ ጳጳስ ዞባ ደቡብ)፡ ኣቡነ ማርቆስ (ሊቀ-ጳጳስ ዞባ ደ/ቀ/ባሕሪ) ብምሓዝ ንውሳንታት ክድግፍዎም ንምሕጽንታ ናብ ኣቡነ ሽኖዳ ፓትርያርክ ኦርቶዶኩሳዊት ቤት ክርስትያን ምስሪ ከይዶም፡፡ ንምስዓር ካብ መንበር ፓትርያርክ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣመልኪቱ ንኣቡነ ሽኖዳ ንኽሕበሮም ብሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝተዳለው ምኽንያታት

  • ንመንፈሳውያን ድጋፍ ስለዝሃቡን ኣማኸርቲ ነገረ-መለኮት ብገዛእ ስለዝመዘዙ፡

  • ኣብ ስራሕ መንግስቲ ጣልቃ ስለዝኣተው፡

  • ምምሕያሽ ቃል-ኣዋዲ (ሕጊ ተዋህዶ ቤተክርስትያን) ስለ ዘውገዙ

  • ቅዱስ ሲኖዶስ ኣብ ሓደ ቤተክርስቲያን ዝነበረ ምትእኽኻብ ናይ መናፍቓን ምኻኑ ብጉባኤ ሊቃውንቲ ምስተረጋገጸ ከይቋረጽ ምኽልካሎም

  • ብገበን ተሓተቲ ዝኾኑ “ዘይኣመንቲ” መናፍቓን ክፍትሑ ኣንጻር ሲኖዶስ ደው ምባሎምን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጸቕጢ ምግባሮምን ዝብሉ’ዮም፡፡

ኣቡነ ሽኖዳ ሓደ ፓትርያርክ ካብ መንበሩ ዝእለየሉ ኣግባብ ብሰለስተ ምኽንያታት ማለት ብእምነት ምጉዳል (ክሕደት)፡ ብዝሙትን ብዕድመን ኣካላዊ እርጋንን ምኻኑ ብምሕባር ኦርዶክሳዊት ቤተክርስትያን ምስሪ ከምዘይትድግፎ ገሊጾምሎም፡፡ ኣቡነ ሽኖዳ ስለዘይተቐበሉ ንዖኦም ስዒቦም ማሕበር ኦሬንታል ኦርቶደኩስ ኣብያተ ክርስትያናት (ምስሪ፡ ግሪኽ፡ ኢትዮጵያ፡ ኣርመንያ ዝርከብዎ) ንምእላይ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ከምዘይቅበልዎን ኤርትራ ካብቲ ማሕበር ከምትእለን ኣፍሊጦም፡፡

ኣብ ከቢድ ምስሕሓብ ዝጠሓለት ኦርቶዶኩሳዊት ቤ/ክርስትያን ኤርትራ ብሃይማታዊ ጉዳያት ኣቢላ ኣብ ግሪኽ ጥራይ ዝስራሕ ልብሰ-ተክህኖ (ኣልባሳት) ንዝትክእ ፓትርያርክ ንከምጽኡ ንዮፍታሄን ኣቡነ ማርቆስን ሊኢኾምዎም፡፡ ኦርቶዶኩሳዊት ቤተክርስትያን ግሪኽ ግን ብማሕበር ኦሬንታል ኦርቶዶኩሳዊት ኣብያተ ክርስትያን ኣፍልጦ ስለዘይተውሃበኩም ብዝብል ከልኪሎምዎም፡፡

ኣብ መወዳእታ ኣማራጺ ስኢኖም ኣብ “ውሽጢ ሲኖዶስ ዝረአ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ናብ ምእመናን ከይልኹሕ” ብዝብል ኢሳይያስ ባዕሉ ኢዱ ብምእታው ንዮፍታሄን እሙናት ዝበሃሉ ኣገልገልቲ ሊእኹ ካብ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ልብሰ-ተክህኖ ክምንጥልዎም ኣዘዘ፡፡ ንጽባሒቱ ካብ ፍቓድ ቅዱስ ሲኖዶስ ወጻኢ፡ ኣቡነ ባሲሎስ (ሊቀ-ጳጳስ ዞባ ማእከል)፡ ኣቡነ ሰላማ (ሊቀ ጳጳስ ገዳማት) ከምኡ ውን ቀሺ ገበረ ዮስጣጥዮስ ዝተብሃለሉ ኣባላት ተላኢኾም ልብሰ ትክህኖአም ከረክቡ ሓቲቶምዎም፡፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ግን ልብሰተክህኖ ብፍቓድ እዝግኣብሄር እምበር ብመንግስቲ ዝተዓደለኒ ኣይኮነን ብምባል ከልኪሎም፡፡ ብዕለት 18/02/2006 ንካልኣይ ግዜ እቶም 3 ኣገልገልትን ካፒተን ጊላይ ዝተብሃለ (ኣብዚ እዋን ኣብ ምምሕዳር ጸጸራት ዝተመደበ) ሽዑ ኣብ ትሕቲ ሓላፊ ኣካል ምክትታል ሃይማኖታዊ ጉዳያት ውሽጣዊ ጸጥታ ኮሎኔል የማነ ዓንደማርያም (ሰኮሎቭ) ዝሰርሕ ዝነበረ ኣባል ብምልኣኽ ከረክብዎም ሓተትዎም፡፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ነዚ ተግባር ኣውጊዞም ነቶም ጳጳሳት ንዓመታት ዝተኸብረት ቤተክርስትያን ንኣዛብእ ኣሕሊፍኩም ሂብኩም ብዝብል ኣውጊዞም፡ ልብሰ-ተክህኖ ንዖኦም ኣይህብን ብምባል ንቀሺ ፍጹም ተስፋይን ቀሺ ገብረጣጢዮስ ኪዳነን ዝተብሃሉ ሂቦም ከምዘፋነውዎም ዝሕብር ጸብጻባት ሕጂ ውን ኣብ ቤ/ጽ ፕረሲደንት’ሎ፡፡

ብከምዚ ዓይነቱ ኣግባብ ሕጊ ቤተክርስትያን ተጣሒሱ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ መጻወቲ ፖለቲከኛታትን ኣባላት ጸጥታ ምስኮነ፡ ዮፍታሄ ዲሜጥሮስ ምስ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ብምትሕብባር ኣብ መላእ ሃገር እንዳዞረ ዝተፈላለዩ ጎስጓሳት እንዳካየደ፡ 318 ዝኾኑ ካብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ክርስትያናትን ገዳማትን ዝተመርጹ ኣገልገልቲ ኣኪቡ ንኣቡነ ኣንጦንዮስ ብምውጋዝ 3 “ዓቀብቲ መናብር” ሓርዩ ንምርጫ ኣቕሪቡ፡፡ እዞም ጳጳሳት ኣቡነ ባሲሎስ (ካብ ዞባ ማእከል)፡ ኣቡነ ጨርሎስ (ካብ ዞባ ደቡብ ዓዲቀይሕ)፡ ኣቡነ ዴስቆርዮስ (ሊቀ ጳጳስ ዞባ ዱቡብ) ኔሮም፡፡ ናይ ነፍሰወከፎም ካብ ድሕረ ባይታ ክሳብ ፖለቲካዊ ኣጠማምታ ዝገልጽ ጸብጻብ ኣብ ውሽጣዊ ጸጥታ ይርከብ፡፡ ውጽኢት ምርጫ ናብቶም ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ከም ኣቡነ ኣንጦንዮስ መርገጽ ከይህልዎም ዝተሰግኡ ኣቡነ ባሲሎስ ከምዛዘወ ተፈሊጡ፡፡ ብሕጊ ቤተክርስትያን መሰረት ውጽኢት ምርጫ ፓትርያርክ ብወግዒ ኣብ ጉባኤ ክግለጽ ኣለዎ፡፡ ብኣንጻሩ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ድሕሪ ሰለስተ መዓልታት ኣቡነ ዴስቆርዮስ ከምዝሰዓሩ ሓቢሩ፡፡

ውጽኢት “ዘይሕጋዊ” ምርጫ ፓትርያርክ ኣብ መላእ ሃገር ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያናት ሕንፍሽፍሽ ስለዝፈጠረ፡ ኣብ ትሕቲ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝነበሩ ሓላፍቲ ናብ ኩለን ከባቢታት እንዳተዘዋወሩ ጎስጓሳት ኣካየዱ፡፡ ብፍላይ ኣብ ገዳም ደብረቢዘን “ብኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝተወገዘ ተግባር ኣይንፍጽምን” ብምባል ንኣስታት 6 ዓመታት ካብ ተሳትፎ ሃይማኖታዊ ጉዳያት ተሓሪሞም፡፡

ኣቡነ ዴስቆርዮስ ዝምልከት ጸብጻባት ከምዘረጋግጽዎ ብትምህርቲ ብዙሕ ዘይደፍኡ፡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ጽቡቕ ጠመተ ከምዘለዎም፡ ኣብ እዋን ደርግ ናይ ገዳማት ገንዘብ ኣጠፋፊእኹም ተባሂሎም ንሓደ ዓመት ተኣሲሮም ከምዝነበሩ እዩ፡፡ ምርጫ ኣቡነ ዴስቆርዮስ ንበዓል ዮፍታሄን ሃይማኖታዊ ጉዳያትን ዝደለይዎ ክገብሩ ምቹእ ባይታ ፈጢርሎም፡፡ መንግስቲ ኣብ ሓደ ቤተ ክርስትያን ብጀካ 3 ዲያቆናትን 2 ቀሳውስትን ኩሉ ናብ ሃገራዊ ኣግልግሎት ክውርድ ዘውጽኦ ኣዋጅ በዓል ዮፍታሄ ከተግብርዎ ኪኢሎም፡፡

ማሕበር ኦሬንታል ኣብያተ ክርስትያናት በቢዓመቱ ንቅዱስ ሲኖዶስ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ 2 ሚሊዮን ናቕፋ ምውላ ኣቋረጾ፡፡

ክቡራት ኣንበብቲ!!!

ነዚ ብምኽንያት “ዜና ፍትሓት” ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ ብሃታ ሃታ ዘዳለኹዎ ጽሑፍ ምስ ዘለኒ ውህሉል ሰነዳት ኣወሃሂደ ከቕርቦ ቃል ኣትየልኩም ኔረ፡፡ እንተኾነ ግን ኣብ ኣጋ ዕርበቶም ዘስደምም ሽርሒታትን ውዲታትን ዝፍጽሙ ዘለው ኢሳይያሳውን ግዜ ክህቡኒ ኣይከኣሉን፡፡ ምስ ዘለኒ ግዜ ሕጽረት ዋላ ኩሉ ክቕረቦ እንተዜከኣልኩ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶኩሳዊት ቤተክርስትያን ካብ ዘውረዶም ግፍዕታት ዝተወሰኑ ተወሰኽቲ ሓሳባት ክገልጸልኩም፡፡

  • ኣብ ታሪኽ ኣርቶደኩሳዊት ቤ/ክርስትያን ኤርትራ ዕዙዝ ተራ ዝነበሮም ብፍላይ ኣብ ምውሓስ ጡረታ ኣገልገልቲ ቤተክርስትያን እጃሞም ዘበርከቱ ድሕሪ ናጽነት ናብ ሃገሮም ተመሊሶም ዘገልገሉ ኣቡነ መቃርዮስ ብመንግስቲ ሓያል ጸቕጢ ስለዝተግበረሎም ዳግማይ ተሰዲዶም፡

  • ኣብ 2000 ዓ/ም ኣብ ኣስመራ ዕዳጋ ሓሙስ እንዳስላሰን ማርያም ቤተክርስትያንን ዝነበረ ኣዚዩም ብዙሓት መንእሰያት ዝተሳተፍሉ ሃይማኖታዊ ኣስተምህሮ ንምቑጻይ ብሕቡእ ዝተለኣኹ ወትሃደራት መጽሓፍ ቅዱስ ኣቃጺሎም ሕንፍሽፍሽ ክኣቱ ገይሮም’ዮም፡፡

  • ኣብ 2001 ደድሕሪ ምእሳር ጉጅለ-15 ናጻ ፕረስ ምስ ተኣገደ ብኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ዝሕተሙ ዝነበሩ “ፍኖተ ብርሃን” ጋዜጣን “ብስራተ ግእዛን” መጽሄትን ከይሕተሙ ተከልኪሉ፡፡ ኣብቲ እዋን ኣዳላዊ ዝነበረ ዲያቆን (ኣብዚ እዋን ቀሺ) ተኽለማርያም መርሃጽዮን ዝተፈለላዩ ጸቕጥታት ተገይርሉ ናብ ጀርመን ተሰዲዱ፡፡

  • ኣማሓዳሪ ቤተክርስትያን ዝነበሩ መሪጌታ ይትባረኽ በርሀ ምስ ግዳማውያን ሓይልታት ርክብ ኣለኩም ተባሂሎም ኣብ ወርሒ 9/2004 ብኮሎኔል ሶኮሎቭ ዝምርሑ ኣባላት ተጨዊዮም ተሰዊሮም፡፡

  • ኣብ መካነ-ሂወት መድሃኒኣለም ቤተክርስትያን ኣገልጋልን ሰባኽን ዝነበሩ ቀሺ ዶ/ር ፍጹም ገብረንጉስ ብተመሳሳሊ መገዲ ኣብ ወርሒ 11/2004 ተጨውዮም፡፡

  • ኣብ ከባቢ ባር ጅማ መድሃኒኣለም ቤተክርስትያን ዝነብሩ ቀሺ ገብረመድህን ገብረገርግስን ‘ቶም ፍሉጥ ሰባኺ ቀሺ ዶ/ር ተኽለኣብ ምስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ርክብ ኣለኩም ተባሂሎም ተቐይዶም ’ዮም፡፡

  • ብካህናትን መነኮሳትን “ሊቅ” ተባሂሎም ዝጽውዑ ሕጋጋት ቤተክርስትያን ካብ ቋንቋ ኣምሓርኛ ናብ ትግርኛ ዝተርጎሙን ኣማኻሪ ኣቡነ ኣንጦንዮስ መምህር ዓንደብርሃን ገብረማርያም “ምስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ርክብ ኣለዎም” ብዝብል ብኣባላት ጸጥታ ምስ ኣገልገልቲ ከይራኸቡ፡ ቤተክርስትያን ከይኣትው ተኣጊዶም፡ ካብ ስርሖም ተሰጊጎም ኣብ 2009 ጭንቀት ገይሮም ካብዛ ዓለም ተፈልዮም፡፡

  • ኣማኻሪ ኣቡነ ኣንጦንዮስን ሓላፊ ክፍሊ ጡረታን ዝነበሩ መሪጌታ ተወልደመድህን መንግስቱ ኣብ 2003 ብቃለ-ኣዋዲ መሰረት ብኣቡነ ኣንጦንዮስ ካብቶም ዝተመርጹ 3 ኣማኸርቲ ሓደ ብምኻኑ ካብ ስራሕ ተሰጊጉ እዩ፡፡ እቶም 3ይ ኣማኻሪ ዝነበሩ “ማእከላይ መርገጺ” ዝነበሮም መሪጌታ ሰመረኣብ ወልደገብሪኤል ካብ ኣማኻሪነት ተኣሊዮም ናብ ስብከተ ሰንበት ተመዲቦም፡፡

  • ኣብ መካነ-ሂወት መድሂነኣለም ቤ/ክርስትያን ኣገልጋሊን መምህር ዩኒቭርስቲ ኣስመራ ዝነበረ ቀሺ ሙሴ ገብረሚካኤል፡ ሰባኺ ቀሺ ዮናስ ዓንደጽዮን ቀሺ ቢንያምን ዝተብሃሉ ኣብ 2004 ብሃይማኖታዊ ጉዳያት ካብ ስራሕ ተኣሊዮም፡፡ ቀሺ ዮናስን ቀሺ ቢንያምን ብበዓል ዮፍታሄ “ይቕሬታ ሕተቱ” ተባሂሎም “ሓቲቶም” ናብ ስራሕ ተመሊሶም

  • ቀሺ ሳሚኤል ፎቶ ዝተብሃሉ ሰባኺ ካብ ስራሕ ተሰጊጎም ክሳብ ሕጂ ኣብ ሆላንድ ተሰዲዶም ይነብሩ ኣለው፡፡

  • ካብ 1999 -2004 ኣብ ዞባ ማእከል ኣብ ዝርከባ 35 ኣብያተ ክርስትያናት ዝነበረ ውዕውዕ ስብከተ ወንጌል ሰንበት መኸወሊ ናይ ኣገልግሎት ዘይወረዱ መንእሰያትን ጽልዋ መግዛእታዊ ኢትዮጵያ ዝሓደሮም ሰባኽያንን ተባሂሉ ብወኪል ሃገራዊ ድሕነት ስለዝተጠርጠረ ውሽጢ ውሽጢ ክፈራርስ ብምግባር ተኣመንቲ ሰበኽቲ ክቆጻጸርዎ ተገይሩ’ዩ፡፡

  • ነዞም ዝተገብሩ ኩሎም ገበናትን ግፍዕታትን ዘተግብሩ ምስ ወኪል ሃገራዊ ድሕነት ጥቡቕን ሕቡእን ርክብ ዘለዎም፡ ኣብ ውሽጢ ቅዱስ ሲኖዶስን ዝተፈላለዩ ኣብያተ ክርስትያናትን ተስግሲጎም ዘገልግሉ፡ ኣስታት 16 ውልቀ ሰባት፡ ኣቕሽትን ገለ ጳጳሳትን እዮም፡፡ ብሰንኪ ህግደፍ ዝተፈጠረ ሃጓፍ ሕጂ’ውን ከይጋፋሕ ነዞም ኣገልገልቲ ካብ ምርቋሕ ተቖጢበ፡ ብፈጣሪ ይቕረ ክበሃሃሉ እላቦ፡፡

ኣብ መወዳእታ፡

ታሪኽ ኢሳይያስን ኢሳይያሳውያንን ገሊጽካ ዝውዳእ ኣይኮነን፡፡ ኣብ እዋናዊ ኩነታት “ንምፍታሕ” ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣመልኪትኩም ብዝሓተትኩምኒ ሕቶ መሰረት ገለ ካብ ዝሓዝኩዎም ጸብጻባት ፈኒየልኩም ኣለኹ፡፡ ኣብዚ ኩላትና ክንርድኦ ዝግባእ ቐንዲ ቁም ነገር፡ ምፍታሕ ወይ ከኣ ምእሳር ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝምልከት ጥራይ ዘይኮነስ ብዛዕባ ን25 ዓመታት ኣብ ስቓይ፡ ስደትን ማእሰርትን ዝርከብ ውጽዕ ህዝቢ ኤርትራ’ዩ፡፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብዓለምን ብፈጣሪን ግዴተኦም ዝፈጸሙ፡ ክቡር ሃይማታዊ ኣቦ እዮም፡፡ ድሕሪ ናይ 10 ዓመታት ማሕዩር ኣብ መበል 94 ዓመቶም ክፍትሑ ዝተገብረሉ ቐንዲ ምኽንያት መርኣያ ዓቕሊ ጽበት ጉጅለ ኢሳይያስ እምበር፡ መርኣያ ለውጥታት ባህሪያት ህግደፍ ገይርና ክንሓስቦ ፍጹም ኣይግባእን፡፡ እቲ ምንታይሲ!! ህግደፍ ብኣጃክስን ሊሊን ተሓጺቡ ዘይጸሪ፡ ንዓመታት ብገበንን እከይ ተግባራትን ዝተጨማለቐ ጉጅለ ስለዝኾነ፡፡ ብሓጺር ኣገላልጻ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ብዕድመ ደፊኦም ብሕማም ተሳቕዮም፡ ከም ሰብ ሓሳቦም ብኣግባቡ ክገልጽሉ ኣብ ዘይክእሉ ደረጃ ምስ በጽሑ፡ ምሟቶም ስለዘይተርፍ፡ ኣብ ኢድና ካብ ዝሞቱ፡ ነቶም ICC ዘፈራርሑና ፍታሕ ክመስሎም፡ ነቶም ብእሱራት ፖለቲካ ዝሓሙዩና ተስፋ ክገብሩተባሂሉ ዝተወስደ ሰሙናዊ ውዲት ኢሳያሳውያን እዩ፡፡ ኣጋዋሕቱ ከኣ በዕሎም እቶም ዕሱባቱ ኮይኖም፡ ብሓንቲ ብተንኮላት ዝተብዓጠት ደብዳቤ ኣሰንዮም ኣብ ኤርትራ ተጎሲዩ ዝሓልፍ ነገር የለን፡፡ ሓደ ብሓደ ኩሉ መዕለቢ ክግበረሉዩ፡፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ይቕሬታ ሓቲቶም እንዳበሉ ከምዝተዓዘብኩምዎ ከጽሙሙና ቀንዮም፡፡ መዓንጣ ዘይቋጸሩ ህጻውንቲ “ኣይሳዕሳዕኹምን” ብዝብል “መንፈሳውያን” ተሰሚዮም ፈቐዶ ጎዳጉዲ ሳዋን ምዕጥርን ተድርቢዮም ይቕሬታ ሓቲትኩም፡ ሃይማኖትኩም ሓዲግኩም፡ ፈሪምኩም ውጹ!” ተባሂሎም ከምዘይተገደዱ፡ ሎሚ ከኣ ንወዲ 94 ሽማግለ ሃይማኖታዊ ኣቦ ይቕሬታ ሓቲቶም ወጺኦም ይብሉና ኣለው፡፡ ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ ኣብዚ ዕድሚኦም ዓለም ዝተረፈቶም ንምምሳል፡ ድሕሪ ናይ 10 ዓመት ማሕዩር ያኢ “ይቕሬታ” እንተይሎምስ ይኹነልኩም ኢሳይያሳውያን!!!

ካልእ ይትረፍ ኣቦና ን10 ዓመታት ኣብ ሓንቲ ካንሼሎ ክሕየሩ እንከለው መንበሪኦም ዝመንጠሎም ካብቶም ኣቦ ጓይላ ክፋእ ሓደ እዩ፡፡ ፈለማ ኣብ ሳንሻይን ሆቴል መንበሪ ዝነበሮ ድሕሪ ዝተኻየደሉ ፈተነ ቅትለት መንበሪ ቀይሩ ዝተሓብአላ ኣብ ከባቢ ጣባ ጥቓ ሆቴል መካነ-ሂወት ኣብ ዝርከባ ቪላታት ተዓቒቡ ዘሎ ኣባጓይላ ጥፍኣት ብርጋዴር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ዝነብረላ ገዛ ናይ ኣቦና ኣቡነ ኣንጦንዮስ ዝነበረት እያ፡፡

ወደ ሓንኩም

ከምቲ ልሙድ ሼርን ላይክን ኣብ ምግባር ኣይትሕመቑ !!

ምንጪ ሓበሬታ ሳኪቲዝም.ኮም www.sakittism.com