ነዚ ታሪኽዚ ከይፈለጥና ኤርትራውያን ኢና ንብል እንተድኣ ሃሊና ዓገብ ዓገብ!!

ዘይተነግረምበር ዘይተገብረስ የልቦን። ዝግበር ተግባራት እንተድኣ ዘይተነጊሩካ ክሳብ ትመውት ክትፈልጦ ኣይትኽእልን ኢኻ። ክቡራት ተኻታተልቲ  መርበብ ሓበሬታ  ደቀባት፣ እስከ ከም ሓበሬታ ክኾነና ነዛ ኣብ ታሕቲ ተዘርጊሓ  ዘላ ብግዱሳት ኤርትራውያን ዝተዳለወት ቪድዮ ንከታተላ። ነታ ን30 ዓመታት ተቓሊስና ዘምጻእናያ ሃገር፣ ዛጊት ን27 ዓመታት ዝኣክል ንሕና እንዳኣጣቓዕና፣ ኣንስቲ ዕልል እንዳበላ ነጥፍኣ ዘሎና ሃገር...

ዕለትካ መጺኣ ኢሰያስ ሰታይ ደም!

ሓመር ፈረስካ ወሪዱ ዕዳጋ፣ ዝናርካ ወሪዱ ዕዳጋ ጥዪትካ ወሪዱ ዕዳጋ፣ የብኪምበር የውጽእዶ ዋጋ። ወይዞም ዓያሹ ደቀባት ተኣኪቦም ሃገሮም ዘፍርሱ ዘይሃገሮም ሃገር መን ፈሪሱ። ዘበኑ ኮይኑዩ ዘመን ቆልዑ ተጸዊዖም ኣይሰምዑ ተላኢኾም ኣየቕንዑ ንዕንወት ሃገር ዝነፍዑ ዝገደዱ ካብ ኣባሓጎታተም ደጓዑ ሓደው ጥፍኡ ሓደው ድምጺ ህዝቢ ስምዑ። ብሓልዮት ደቀባት ካብዚ ቀጺሉ ዘሎ ብሓውና ገጣማይ ኢሰያስ ሥልጣን ዝተዳለወ ግጥሚ...