ሓመር ፈረስካ ወሪዱ ዕዳጋ፣ ዝናርካ ወሪዱ ዕዳጋ
ጥዪትካ ወሪዱ ዕዳጋ፣ የብኪምበር የውጽእዶ ዋጋ።
ወይዞም ዓያሹ ደቀባት ተኣኪቦም ሃገሮም ዘፍርሱ
ዘይሃገሮም ሃገር መን ፈሪሱ። ዘበኑ ኮይኑዩ ዘመን ቆልዑ
ተጸዊዖም ኣይሰምዑ
ተላኢኾም ኣየቕንዑ
ንዕንወት ሃገር ዝነፍዑ
ዝገደዱ ካብ ኣባሓጎታተም ደጓዑ
ሓደው ጥፍኡ ሓደው ድምጺ ህዝቢ ስምዑ።
ብሓልዮት ደቀባት

ካብዚ ቀጺሉ ዘሎ ብሓውና ገጣማይ ኢሰያስ ሥልጣን ዝተዳለወ ግጥሚ ብቪድዮን ብጽሑፍን ንተኽዕታተልቲ ንዝርግሖ ኣሎናሞ ሰናይ ንባብ

መጺኣ እዚኣ ጨካን ዕለት፣ ሓሳርን መከራን ንህዝቢ ኤርትራ ዘረከበት ንህዝቢ ግና  ኢሰያስ መን ከምዝልኣኾን፣ መን ምዃኑን ዘፍለጠት።

በዘይ ጠቅም ኲናት ኣናኺሱ፣ ኣጽዋር ተበልናዮ ማሪኽኩም ተኩሱ
ኣንታ ከጥፍኣና ቀደምዩ ገስጊሱ፣ ብዘይ ጠቅም ነገር  ኲናት ኣናኺሱ
ውዲቱን ተግባሩን ከይፍጥ ከይክሻሕ ዩኒቨርሲቲ ዓቢሱ
ንመንአሰይ ካብ መኣዲ ትምህርትም ንድሕሪት መሊሱ።
ኣጽዋር ተበልናዮ ማሪኽኩም ተኩሱ
ክዳን ተበልናዮ ሓንቲኹም ትለብሱ
መግቢ ተበልናዮ ኣንኢስኩም ኮልሱ
ማይ እንተበልናዮ ብዙሕ ኣይተፍስሱ።

ገዛ ንተሰራሕና ብግሬደራት እንዳፍረሱ
መሬት ህዝቢ ኣሕዲጎም ባዕሎም እንዳሓረሱ
ምሁራት መንቊሱዎም ብብረት ተኲሱ
መንእሰይ ኣብ ባሕሪ ጥሒሉ ዘይክእል ሓንቢሱ
መንእሰይ ሓመድ ኣዳም ከሊኡዎም  ከይለብሱ።

ብ1992 ካብ ተልኣቢብ መርፍእ ሞሳድ ተወጊኡ ተመሊሱ
ብድሕሪኡ ሳዋ ኣዊጁ ብኲናት ባዱመ ክንደይ ደም መንእሰይ ኣፍሲሱ
ጸኒሑ በብሕእደ ክንደይ ጀነራላት ሰሚሙ ቀዚፉ ብሕይወቶም  ኣደቂሱ
ገና ግና ካብ 100 እቶት 100 ሓሶት እንዳወቀጠ ይገዝኣ ኣሎ ብመልሓሱ
እሞ ሕጂዶ ይሓይሽ ብዓለም ተኸሲሱ።.

ወዲ መስፍን የውሃንስ ኣሉላ ኣባነጋ
ዘይትቕይር ትመስል ካምቻ ክዳንካ
ተዋግኣይ ንኽትመስል ሳእኒ ኮንጎ ኣብ ኣእጋርካ
ኲናት ምስዝሓለ ኣብ ድፍዓት እንዳዞርካ
ንህዝቢ ከተታልል ትጎዪ ኣብ ዲጋ
ኣንታ ንህዝብና’ምበር ገዚእካዮ ከይከፈልካ ዋጋ!
ንሃገር ከኣ ኣእቲኻያ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ

ከምነዳቓይ እምኒ መሠረት ተቝምጥዕ
ከተምስል ብሑቕካ ኣቐምጢዕካ ቅጫኻ ትግልብጥ (ትስንክት)
ጋዜጠኛ እንተመጸካ ዕንጸይቲ ትፍልጽ
ሓምሳ ዓመታት ሓሊፉ ብህዝቢ ካብ ትላገጽ
ዩኒቨርሲት ኣስመራ ዓጺኻያ ህዝቢ ከይምሃር ከይመራ ከይፈልጥ
ዓሪዱ ዝነበረ ግንባር ዛላምበሳ
ደንከል ዝነበረ ታባ ዓሊ ሙሳ
እግሪ መኸል ዝነበረ ጾሮና በለሳ
ኣብ ባድመ ዓሪዱ ዝነበረ ሰራዊት ዝንቁ ከም ኣንበሳ
ገሊኣ በጃ ሓሊፋ ሓመዳ ለቢሳ
ገሊኣ ሰንኪላ ኣእጋራ ብጥይት ተመልዕሳ
ገሊኣ ኣብ ባሕሪ ጥሒል ኮይና ቀለብ ዓሳ
ገሊኣ ትደንን ትኣቱ ኣብ ማሕረዲ ካራ
ገሊኣ ትጥባሕ ትውሰድ ኲሊታ
ገሊኣ ኣብ እስራአል ሆረት ተኣሲራ
ገሊኣ ኣብ ኤውሮጳ ትልምን ደቂሳ ኣብ ዓራታ
ገሊኣ ትናፍቕ ንኣሜሪካ ወይ ከናዳ
ብድሕሪዚ ኩሉ ሓሳር ብጽዮናውያን ተጀሚሩ ዕደና ወርቂ ሃይኮታ ቢሻ
ሓሳብ ልቦም ሰሚራ ጽዮናውያን ጎይቶት ማንክ ኢሰያስ ኪሻ

ሓሳብ ልቦም ሰሚሩ ደቂ ዓድዋ ተንቤን
ሃየ በሉ ዝለሉ ኣብቲ ብዓልኩም 24 ግንቦት
ካብ ጴጥሮስ ሰለሙን፣ ሃይለ ድሩዕ ዑቕበ ኣብርሃዶ ሓጎስ ኪሻ ይእመን
ካብ መሓመድ ሸሪፎ፣ ቢትወደድ ኣብርሃዶ ማፍያ ጠዓመ መቐለ ይእመን
ካብ በራኺ ካብ ኤርምያስ ደበሳይዶ ማንኪ ይእመን
ተኣሲሮም ደቂ ሃገር ልዕሊ ርብዒ ዘመን
ደቂ ሓወብኡን ሓትንኡን ኣምጺኡዎ ካብ ተንቤን
ኢሰያስ ሰላዪ ተግባሩ ተግባር ቅዪሕ ተመን
ዘዕበኻያ ድሙ ተምጽኣልካ ተመን

ማሕላኹምዶ ኣይነበረን “ሥጋ ብጾት”
ኣብ ሳሕል ከሎኹም ኣብ ኣጻምእ መሬት
ኣብ እዋን ሰውራ ነጻነት ከይመጸት
ሎሚ ድኣ እንታይ ተረኽበ ተጥፍኡዋ ነታ ነጻነት
ማሕላኹም ዘይነበረን እንታ እሕዋት ነሕዋት

ከመይ ድዩ ነገሩ ሎሚ ድኣ ተጨኻኺንና ኣንቱም በላዕቲ ስጋሰብ ጨካናት
ዓለም እኮ ተጨኒቓ ብኤርትራውያን ኣውያት
ዓድና ከይንነብር ተሕዱግን ቃጽዖ ግራት
ትነቓቐፉዶ ‘ይነበርኩምን ብመርፊእ ጽፌታ
ረብሓዶ ኣጋጊዩኩም ሕርሻ ዓርቤታ
ወይ ክዳን ይኸውን ባንዳ ካራቫታ
ዓራትዶ ይኸውን ዶብዮ ኮበርታ
ወይስ መኪናያ ላንድክሮይሰር ቶዮታ
መንእሰይ ትም ኢልኩም ርኢኹማ እንዳ ተሓድገት ኲሊታ
እንዳበልካ መጺእካ ዓወት ንሓፋሽ
ንምሁራትን ጀጋኑን ኣጽኒትካ ብጉራደ ብፋስ
ህዝብና ተበታቲኑ ከም ህቦቡላ ንፋስ
ኣንታ ተሳኢናዶ ክሳድካ ትቖርጽ ፋስ

ነባሪ ህዝቢ እምበር ነባሪ ስርዓት የልቦን ዎ! ህግደፍ ፈስፋስ!
ንጀብሃ ኣጥፊኡዋ ምስ ኣሕዋቱ (ወያነ) ኮይኑ
ንመንካዕ ደጊሙዋ ሕብእቲ ሰልፊ ጌሩ
ንህዝባዊ ግንባር ኣጥፊኡዋ ኣብ ጉድጓድ ኣሲሩ
ንዋርሳይ ሰጒጉ ነተካእትኦም ንደምሒት ኣስፊሩ
ወርቂና ይሕርጆ ኣሎ ማዕድናት ፈፍሒሩ
መንዩሞ ክዛረቦ ህዝቢንዶ ትባሪሩ

 

 

ገጣማይ ኢሰያስ ሥልጣን