ዘይተነግረምበር ዘይተገብረስ የልቦን።

ዝግበር ተግባራት እንተድኣ ዘይተነጊሩካ ክሳብ ትመውት ክትፈልጦ ኣይትኽእልን ኢኻ።

ክቡራት ተኻታተልቲ  መርበብ ሓበሬታ  ደቀባት፣ እስከ ከም ሓበሬታ ክኾነና ነዛ ኣብ ታሕቲ ተዘርጊሓ  ዘላ ብግዱሳት ኤርትራውያን ዝተዳለወት ቪድዮ ንከታተላ።

ነታ ን30 ዓመታት ተቓሊስና ዘምጻእናያ ሃገር፣ ዛጊት ን27 ዓመታት ዝኣክል ንሕና እንዳኣጣቓዕና፣ ኣንስቲ ዕልል እንዳበላ ነጥፍኣ ዘሎና ሃገር ኤርትራ ዝሕብር ቪድዮ። ደንቆሮ ተወሊዱ፣ ደንቆሮ ዓብዩ፣ ደንቆሮ ምኻኑ ከይፈሌተ ከኣ ብድንቒርንኡ ሞይቱ። ምስላ ጀርመን

ታሪኽና መርሚርና እንተዘይፈሊጥና፣ ነብስና  መርሚርና ድማ ምስ ነብስና እንተዘይተዓሪቕና፣ ኣንዳፈለጥና ሃገርና ንኽትጠፍእ ንሰማማዓ ኣሎና ማለትዩ። እወ፣ በት ህግደፍ ብሙዚቃን ደፍን ዳንኬራን ገሩ  ዘስድዓና ጥራይ ሰዲዕና እንተድኣ ንነብር ኮና፣ ኣዚዩ ዘተሓሳስብ እዩ። ህገድፍ ሓደ ካብተን ዓበይቲ ሃይማኖታት ኣብ ኤርትራ ዘለዋ ዝዕበየ ሃይማኖት ኮይኑ፣ ንኣእምሮ ህዝቢ ሰሊቡ፣ ንህዝቢ ኣጽኒቱ፣ ነታ መሬት ከም ሓደ ሓላው ሕዛእቲ ኮይኑ ንባዕዳውያን ክወርሱዋ ይሕልወሎም ኣሎ። ነዚ ፍሹል ውዲት እዚ ግና 80%ህዝቢ ኤርትራ ኣይበጽሖን ኣሎ።

ብዛዕባ ታሪኽ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ከመይን እንታይን ከምዝኾነ ንምፍላጥ ትደልዩ ተኻታተልቲ ነዛ ብኣምሓሪኛ ተዳልያ ዝቐረበት ቪድዮ እስከ ተኻታተሉዋ። መተካእታ ንጉስ ሃይለሥላሰ ንኽኸውን፣ ብመንግስቲ እእሜሪካ ተመልሚሉ ዝሰልጠነ ኢሰያስ ኣፈወርቂ

 ብደራሲ ኣሰፋ ጫቦ ዝተዳለወ ሓበሬታ

ንማዃኑ ኣቶ ኢሰያስ መንዩ ዝብል ሕቶ እትምልስ ቪዶ