ዘይዛሪ ህልኽ፡ ዘይዛሪ ድርቅና፡ ዘይዛሪ ዕሽነት፣ ዘይዛሪ ውዲት!  ኤረ ንሓዋሩኸ እንታዩ እቲ ፍታሕ?

መበል 26 ዓመታት ብዓል ነጻነት! ኪዳነምሕረት ዕለት 24 ግንቦት 2017 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ኣስመራ ተባዒሉ፣ ተባሂሉ።እንታይ እዩሞ እቲ ዝተረኽበ ውጽኢት፣ 26 ዓመታት ኣብዒልና ኣጣቒዕናን ብሕጂኸ ክሳብ ንጸንት ዲና ሃጥውቀጠው መደረ ኢሰያስ ሰሚዕና ብዘይፍጸም ተስፋ ጥራይ ከነጣቕዕ ክነብር? ዓገብ መስሓቕ ሸራፋት!!!

ኣብ ግዜ ውግእ ንሰላም ተዳሎ፣ ኣብ ግዜ ሰላም ከኣ ንውግእ ተዳሎ። ሴጹን ቻይናዊ ስትራተጂስት

ነጻነት ኤርትራ ብመስተንክራዊ ዓወታት እናተዓጀበ፡ ዓሰርተታት አሽሓት ጀጋኑ ደቂ ህዝቢ መስዋእቲ እናኸፈለ እዩ ኣብ ግብሪ ተተግቢሩ፣ ግና ኣድጊስ ተጻዒኑድኣ ጽዕነቱ ኣብዝተኣየዮ ቦታ የብጽሕ ኣምበር ካብቲ ተጻዒኑዎ ዝኸደ እኽልስ ነይበልዓሉ ከምዝብሃል፣ ጻማኦም ብጽዮናውያን ተጨውዩ።
“The GOYIM are a flock of sheep, and we are their wolves. And you know what happens when the wolves get hold of the flock? ” Protocols of Zion, 24-4

እዚ ንምእማኑ ዘፀግም መስዋእቲ ጀጋኑ ደቂ ምድረባሕሪ ንፅድቂ ወይ ንሓደ ድያብሎስ ከም ሓደ መለኮታዊ ብዓል ዓብዪ ሃይለስልጣን ኮይኑ ዓመት መጸ ካብ ሚእቲ እቶ ሚእቲ ሓሶት እንዳወቀጠ ኣብዛ ልሕልሕቲ ሕገ ኣልቦ ስልጣኑ ንኽሰቕሉዎ ዘይኮነስ፡ ንህላዌ ህዝብን ልዕላውነት ሃገርን ኢሎም እዮም ተበጅዎም ወይ በጃ ህዝቦምን ሃገሮምን ሓሊፎም። ንሕናኸ?

1*** ንስለ ሰላም፡ ንስለ ናፅነት፡ ንስለ ዴሞክራሲ።
2***
ንስለ ልምዓትን ምዕባለን ህዝቢ እዩ ተኸፊሉ፡፡

3*** ብሕገ መንግስቲ ትግዛእ ኤርትራ ንምምስራት።

4*** ሰላም ዝሰፈና ኤርትራ፡ ፍትሒ ዝሰፈኖ ህዝቢ ንምቛም፡

5*** ዜጋ ብዝኣመነሉ ኣተሓሳስባ ሓሳቡ ብናፅነት ዝገልፀላ ኢሉውን ዝውደበላ፡

6**
ነፃ ሚድያታት ዝዕንበባላ፡ መሰል ምጽሓፍን ሓሳብካ ምግላጽን ይሰፍነላ5

7***ተናሓናሕቲ ውድባት ዓንቢቦም ዴሞክራሲያዊ መረፃ ዝካየደላ፡

8** ዩኒቨርሲታትን ኮለጃትን ዓንቢቦም መድረክ መፅናዕትን ምርምርን ኮይነን ብቴክኖሎጂ ተዓጂበን ልምዓትን ምዕባለን ህዝቢ ኤርትራ ዘበስራ መታን ክኾና።

9ይ** ልዑል ዲፕሎማስያዊ ዓቕሚ ዘለዎ ኣመራርሓ ፈጢራ ምስ ጎረሮባብቲ ሃገራት ተዓፃፃፋይ ምትሕግጋዝን ርክብን ሃኒፃ: ፍረ እቲ ኣእላፍ ጀጋኑ ዝበልዐ መሪር ቃልሲ ንህዝባ ጆባ/እንካኒ/ ክትብል እዩ ነይሩ፡፡

እንታይሞ ይገበር!! ንርእሱ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ሰሪዑ፡ ክብሩ ልዕሊ ክብሪ ህዝብን ሃገርን ገሩ ከም ፅጋበኛ ጓሳ በረኻ፣ ኣብ ህልኽን ሓሸውየን ተሸሚሙ፡ትዕቢት ኣርሒቑ ከይርኢ ብሕክምና ሞሳዓድ ዝፈዘፈዚዙ።

ብኣሽካዕላልን ኣንነትን ጥራይ መደረ እናገበረ፡ ሕሉፍ ሓሊፋ ነቲ ገርሀኛ ህዝቢ ከሽካዕልለሉን ክንዕቆን እንሆ ድሮ 26 ዓመታት ሓሊፉ።

እንታይሞ ይገበር!! እንታይከ ገብር ኣለኹ? ኢሉ ንኸይሓስብ ቀደም ንተልኣቪቭ ወሲዶም ቺፕ ኣብ ውሽጢ ቆርበቱ ሰኺዕም ፈዛዝ ዞምብ ከምዝኸውን ገሮሞ እዮም።

እወ፣ ከመይ መፂአ ከመይ ኣለኹበይ ገጸኸ እኸይድ ኣለኹ? ዘየብል ጋኒን  እዮም ወጊኦሞ።

ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ይብል ኣሎ፣ ከመይ ኣሎ? ኣብ ከመይ ዝበለ ሃዋህው ገዲፈዮኣርግ ኣለኹ? ምስ መንከገድፎ ኣለኹ? ካን ከም ፕረሲደን ዚብቨ ሮበርት ሞጋበ፣ ኣብ ኣኼባን ፓርላማን እንዳሓርነኽኩ ክሳብ ዝድቅስ ከምኡ ኢለ ክቅጽል እየ ማለቱ ደኾን ኮይኑ? እወ፣  እዪ ሰብዚ እቶም ጎይተቱ ንርእሱ ክፍትሽ ከምዘይክእል ገሮም ሰሪዮሞ እዮም።

ትዕቢት ንውድቀት ትቕድማ፡፡ይለክመከ”! ይብል መፅሓፍ ቅዱስ፣ ገና ክልክመና እዩ እዚ ድያብሎስ ዞምቢ እዚ።

እወ፣ ኣብ ሓደ ድፋዕ ተድጊኡና፡ ኣብ ሓደ ጉድጓድ ተቐቢርና፣ ከምታ ብነዊሕ ገመድ ዝተኣስረት ደርሆ ኰንና ከሎና፣ ነንባዕልና እናተባላላዕና፣ ግዳይን ኣደዳን እቶም ዝሳዓርናዮም ፀላእትና ክንከውን ከቶ የብላን። ፎእ ኣይ ኣመልናን ኣይኒሕናን ኣይሓቦናን! ኣባሓጎታትና እኮ ንኮሎንያል ጣልያን ኣብ ዶጓሊ ብዕለት 27 ጥሪ 1887 ዓ.ም.ፈ. መኪቶም ስዒሮሞ እዮም። ቅድሚኣኡ ዝነበረ ዘመናት ድማ ንወራር ቱርኪ፣ ግብጺ፣ማህድን ግራኝን እኮ የባህረሩ እዮም ወሊዶማን።

ራእዪና ራእዪ ብሔራዊ ሓርነት፡ ራእዪና ራእዪ ራህዋን ቅሳነትን፡ ራእዪና ራእዪ ምዕባለን ብልፅግናን እኮ እዩ ነይሩ፡፡ ነዚ ሒዞም ድማ ኣቦታትናን ኣያታትናን፣ መዛኑና ይኾኑ ምሕዙትናን ኣሕዋትና ኣሓትናን፣ ነቲ ብጽዮንነትን ብህስጽርጽነትን ኣግላሲ ሶቭየት ሕብረትን ይምወል ዝነበረ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዓንዲ ሕቘኡ ሰይሮም እኮ እዮም ነስመራ ኣትዮም። ድሓር ግን ባህ ክብላ ልባ ጽብሓላ ዱባ ድኣ ኮነ።

ሕጂውን ኣንተድኣ ለቢምናን ምስ ነብስና ትዓሪቕናን፣ ክንብል በለምበር ኣይተኻዕወን፡ ከምይብሃል፣ ጥራይ ብውህደት ጸላእትና ኣለሊና ንበገስ እምበር፣ብዘይ ተዂሲ ነዚ ኲርኲር ሃጸይነት ተባዕታይ ወኻርያ ሳሕል ክንግልብጦ ንኻል ኣኢና። ኣብ ክንዲ ግያ ጒያ ንመቐለን ኣዲስ ኣበባን ግና፣ ኣብዘዘሎናዮ ሃገር ተኣኻኺብና፣ ኣስላምና ክርስትያና፣ ኢሂን ምሂን ክንብል ክንበቅዕ ኣሎና። 

እወ፣ ሕጂኸ ኣይበርሀልና ድዩ? ሕጂውን ኣይተመሃርናን ዲና? ሕጂ ድማ ኣይፀገመናን ወይ ኣይተሸገርናን እምብኣር? ሕጂኸ ኣየሕመመናን ድዩ ኣሽካዕላል ፈዛዝ ኢሰያስ? ውሽጥናባ ንርአ ግደፉ ብጃኻትኩም? ዝብሉ ዛዕባታት ኣልዒልና ጥራይ እንተድኣ ተመያዪጥና ወኻሩ ህግደፍ ዓቕሚ ከምዘይብሎም ስለንርዳእ ፍርቂ ዓወት ክንዕወት ንኻል ኢና። እንቱም ሰባት ካባኦም ኣድሕንኩም! ብሓይሊ ስለላን ኮለላን ሞሳድን ሲኣይኤን ጥራይ እኮእዮም ጠጠው ኢሎም ዘለው። ትርጉም ምንባር ንረዳእ ግደፉ? ንፅባሕ ንርአ ግደፉ? መናእሰይ ኣበይ ኣለኹም? ኣቦታትናን ኣሕዋትናን ዝግበኦም ታሪኽ ሰሪሖም ሓሊፎም እዮም፡፡ ንሕናኸ እንታይ ንግበር? “ሰብ ይተኣከብ ምክሪ ክርከብእዩሞ መድረኻት ፈጢርና ኢሂን ምሂን ንባሃሃል ስለይግሄር፡፡ ልብናን ቀልብናን ህዝብናን ንመለስ፡፡ ካብ ስሚዒትን ኣጉል ውድድርን ንውፃእ፡፡ እንዳ ህግደፍ ንገብሮ ዘሎና ኣስተብሂሎም ጥራይ እዮም ዕድመ ማቱሳላ ክገብሩ ገልዳሕ ዝብሉ ዘለውሞ፣ ሕድሪኹም ሕድሪ እዝግሄር፣ ኣስላምባ፣ ጀበርቲባ፣ ወያኔባ፣ ጀብሃባ ገዲፍና፣ ንሕናባ ክንብል ንፈትን!!!!

 

ሽግ ነፃነት ንዝወላዕኩም ጀጋኑ ክብርን ሞጎስን፡፡ ሽግ ሓርነት ንምውላዕ ትቃለሱ ዘለኩም ድማ ኣብ ጎድንኹም ኣለና፡ ኣብ ጎድንና ኩኑ፡፡ እቲ ኣተሓሳስባና እንተሃፍቲሙ፡ ወዮ ድኽነትና ሽዑ ኣኸቲሙ ካብ ትማሊ ሎሚ፡ ካብ ሎሚ ፅባሕ ክሓይሽእዩ?

 

ብሰንኪ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ውሽጢ ሃገር ጥራይ ዝትግባርን ዝርኤን ዘሎ ተርእዮታት፣

እስከ ነዘንስዕባ ግንከኣ ኣብ ኣስመራ ይፍጸማ የለዋ ፍጻሜታት ንመራመረለን

1. እኽልን ዘይትን ካብ ተሰነይ ንኸተማታት ከበሳ ከይሓልፍ ምእጋድ፣ ኣሜሪካድያ ነዚ እገዳዚ ኣዊጃቶ?

2ይ. ጣፍን ካልእ ዓይነት ኣካልን ጥረምረን ካብ ሰራየ ብነጻ  ንኸተማ ኣስመራ ከይኣቱ ተኣጊዱ። እንግሊዝ ድያ ኣጊዳቶ?

3ይ. ዶላርን ባጤራ ወጻኢ ሸርፍታትን ኣብ ሃገር ብነጻ ከይንቀሳቐስ ተኣጊዱ። ኣሜርካ ድያ ኣጊዳቶ?

4ይ. ሓረስታይ ከይሓርስ፡ ነጋዳይ ከይነግድ ተኣጊዱ። መንዩ ኣጊዱዎ? ኤውሮጳ ሕብረት?

5. ለፊዕካን  ደኺምካን  ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ባንክ ዘቐመጥካዮ ገንዘብካ ብህግደፍ ተገቢቱ። መንዮም ኣይዚዞም ኣሜርካዶ እስራኤል?

6. ሓርጭን ቢሑቕን ከይተረፈ ካብ ቦታ ኣብ ቦታ ከይመሓላለፍ ዝቆጻጸርን ዝእግድን ዘሎ ስርዓት ኢሰያስ ጥራይ እዩ፣ ዶስ ኣሜሪካ እያ ኣጊዳቶ?

7. ማይ ዘመላልሳ ቦጣት ነቲማይ ቅልቅል ኢላ ነይራስ ሕጂ ከኣ ጠፊኣ ክብል ዝውዕልን ዝሓድርን ዘሎ ህዝቢ፣ ኣብክንዲ ሓላፍነት ተሰኪመን ብግቡእ ማይ ዝዕድልኦ ኣብ ሓዲሽ ጸሊም ዕዳጋ ተቐይረን ኣለዋ። ነዚኸ ኣሜሪካ ድያ ኣጊዳቶ ወይስኡኽ መላኺ ኢሰያስ እዩ?

8. ገንዘብ ህዝቢ ክዘርፋን፣ ገበን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክፍጽሙን ዝውዕሉን ዝሓድሩን ሰበስልጣ ህግደፍ ሊቸንሳ ይዕድሎም ኢሰያስ እዩ እምበር፣ እገዳ ኣሜሪካ ኣይኮነን። እንታይድኣ እዩሞ እቶም ካብ ኣፍንጭኣኦም ኣርሒቖም ዘይሓስቡ ሰባት፣ እገዳ እገዳ እንዳበሉ ዓንገረር ዝብሉ ዘለው? ዕደና ወርቂ ብሻን ሃይኮታን ብጽዮናውያን ተመንጢሉ ንውጻኢ ይጓረት ኣሎ፣ ካብቲ ሽያጥ ወርቂ ድዩ መግዝእ ማይ ተሳኢና? ዓሌክ ኣላህ!

9ይ. መራሕቲ ህግደፍ ከም ብዓል ማንክን ዘምህረትን ኣኣብ መላእ ዓለም፣ ክሸራሸሩ እንዳርኣናስ፣ እገዳ ኣብ ልዕሊ ጭፍራ ህግድፍ ኣሎ ክንብል ከሎና፣ ፈዛዛት ጥራይ ኢና።

10. ኣብ ውሽጢ ኤርትራ  እዩ እገዳ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብህግደፍ እዩ ተወሲኑን ኣብግብሪ ዝትግበር ዘሎን ኣምበር፣ ካብ ሕቡራት መንግስታት ዝተኣወጀን ኣብ ግብሪ ዝውዓለን እገዳ ክሳብ ሎሚ የልቦን።ባዕሉን ብኾራኹርንፕረሲደንት ሓዳስ ኤርትራይተመርጸ ግንከኣ ልኡኽ ባዕዳውያን ይኾነ ኢሰያስ፡ ንኸምስል ነቲ ባዕሊ የፍቀዶ ደረት ዘይብሉ ምዝመዛ ነጋዶ፡ ኣዝዩ ዝንሃረ ክራይ ገዛን፣ ስጒምቲ ክውሰደሉ እዩ ክብል ይስማዕ ኣሎ። ውሓጥዮ እንተበልኩዋስ ትጎስሞ።

11ይ. ምቕያር ባጤራ ናቕፋ ስለምንታይ ምዃኑ ድሕሪ ማይ ኣብ ብዓቲ ተረዲኡና። ሕጂውን ገና ዘይተረድኦም ሰባት ብዙሓት ኣለው።

12ይ. ኣብዚ እዋንዚ ድማ ምቕያር መንነት ወረቐት ህግደፍ ይጓየይሉ ኣለው። እዚኸ እንታይኮን ይኸውን እቲ ብልሓቱ?

 

13ይ. ኣብ እዋን መበል 26 ዓመታት ብዓል ነጻነት ኤርትራ ድማ፣ መንግስቲ ኣሜሪካ ንኤርትራውያን ነጻ ቪዛ ኣፍቂዳ ንሰምዕ ኣሎና። ኣብ ክንዲ ሓናትስ ጽግዕ!  እዚ ኣዋጅ እዚኸ ካበይ ተበጊሱ ኣበይ ንምብጻሕ ኮን ይኸውን?

14ይ. ስለምንታይ ከድኣ መራሕቲ ውድብ ሕብረት ኤውሮጳን፣ ዶናልድ ትራምፕ ፕረሲደንት ኣሜሪካን፣ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣፍሪቃውያን፣ ደረት ክግበረሉ ኣለዎ ኢሎም እንዳመደሩ ከለው፣ ስለምንታይ ኣሜሪካ ድኣ እብዚ እዋንዚ ነጻ ቪያ ንኤርትራውያን ተፍቅድ ኣላ?

15ይ. ድሕሪዚ ኣዋጅ እዚኸጽባሕ ብጊሓት ኣንታይ ዓይነት ኣዋጅ እዩ ክመጽእ?

ብሓልዮት ክፍሊ ምርምርን መጽናዕትን መርበብ ሓበሬታ ደቀባት 25.05.2017 ዓ.ም.ፈ.