ቀዳማይ ክፋል  

ግርህነት ንድንቊርና ይመርሕካ፣ ምፍላጥን ምልባምን ድማ የድሕነካ።
ኣብ ግዜ ውግእ ንሰላም ተዳሎ፣ ኣብ ግዜ ሰላም ከኣ ንውግእ ተዳሎ።
 ሴጹን ቻይናዊ ስትራተጂስት

ርግጽዩ ኣብዚ እዋንዚ ብዛዕባ ደቀባት ጀጋኑ ኤርትራውያን ኣልዒልና ክንጽሕፍ ከሎና፣ ገለገለ ሰባት፣ ብፍላይእኳ ኣባላት ህግድፍ፣ ደም ከምዝጥዕሞም ኣይንስሕቶን ኢና። ግንከኣ ንሕና “ዋላ ትንፈር ጤል እያ” ዝብሉ ኣባሓጎታትን ኣቦታትን ስለዘይወለዱና፣ “ራዛ ናየባኡ ሓዛ”! ካብዝብል መርሆ ተበጊስና፣ እቲ ቀንዲ መብቆል ጅግነት ህዝቢ ኤርትራ ኣንታይ ምዃኑንን፣ ካበይ ከምዝመጸን ንምግላጽ ወሲና።

እወ፣ ኩባንያ ህግደፍ ተልእኾ ስለዘለዎ ብዛዕባ ታሪኽን፣ ባህልን፣ ሃይማኖትን ህዝቢ ምድረባሕሪ ብግቡእ ክገልጽ ይትረፍስ ክትንክፎ እውን ኣይደልን እዩ። ስለምንታይ ክገልጽ ከምዘይደሊ ድማ ኣጸቢቕና ንርዳእ ኢና። ስለዚ ብጽልዋ ህግደፍ ከይተታለልና፣ ነቲ ኣብ ሓቀኛን፣ ጥንታዊ ታርኻዊን፣ ባህላዊን፣ ሃይማኖታዊን ዝተመርኮሰ ጅግንነት ኣቦሓጎታትና፣ ብዓቕምና ንመንእሰይ ወለዶ ንኸነውርስ ግድነት ኮይኑና።

ስለዚ እቲ ብፈዛዝ ኢሰያስ (Zombi)ዝምራሕ ብውሽጡ ከኣ ፕሮጀክት ባዕዳውያን (ገድሊ ባዕዳውያን)፣ ብደገኡ ድማ “ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ”!  “ዓወት ንሓፋሽ” እንዳተባህለ ገድሊ ህዝቢ ይመስል ነይሩ። “ዓሻ መሲልካስ ድራሮም ወድኣሎም” ዝብል ውዲት ተመኲሱ፣ ንኣእምሮ ሰራዊትን ህዝብን ሰሊቡን ሓጺቡን ኣብዚ ሎሚ ወዲቑዎ ዘሎ ደልሃመት ከምዝወድቕ ስለዝተረዳእና፣ እስከ ኣብ ክንዲ ዓጀውጀው ምጽሓፍስ፣ ዝከታተል እንተተረኺቡስ፣ ነቲ ክውንነትን መርትዖን ዘለዎ ታሪሕ ጀጋኑ ኤርትራውያን (ደቂ ምድረ-ባሕሪ) ብፍላይ ነዚ ብሰንኪ ኩባንያ ህግደፍ ኣእምሮኡ ተሓጺቡ ኣብ መዓስከር ባርነት ሳዋን፣ ባርነታዊ ሃገራዊ ኣገልግሎትን (ኮንሰንትረሽን ካምፕ) ተዳጒኑ፣ ግዳይ ስደትን መከራን ዝኸውን ዘሎ መንእሰይ፣ ኣብ መወዳእታ መታን ፈዛዝ (Zombi ዞምቢ) ኮይኑ ሓዲግ መዲግ ንኸይተርፍ፣ እቲ ቅኑዕ መንነቱን ታሪኽ ጀጋኑ ኣቦሓጎታቱን እቦታቱን ብግቡእ መታን ኣለልዩ ንኽርዳእ ካብዝብል ተበግሶ ኢና ነዚ ኣኣርእስቲ እዚ መሪጽና።

ብተወሳኺ እቲ ቀንዲ መኽንያት ነዚ መግለጺ እዚ ከነውጽእ ዘገደደና ድማ፣ ነቲ ኣምሆ ዘመን ብስም ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝጽዋዕ ዝነበረ፣ ሎሚ ከኣ ብስም ኩባንያ ህ.ግ.ደ.ፍ. ዝፍለጥ ዘሎ ጭፍራ-ማፍያ፣ ካብ ዝብገስ ጀሚሩ ክሳብ ሎሚ፣ ብዛዕባ ታሪኽን መንነትን ጀጋኑ ኤርትራውያን (ደቂ ምድረ-ባሕሪ) ኣልዒሉ ተዛሪቡ ስለዘይፈልጥ ስለዘለሌናዮ ኢና። ብተወሳኺ ድማ እቲ ቀንዲ ተልእኾኡ፣ “ኣዲኣ ገዲፋ ሓትኖኣ ትንፍቕ” ከምይኾነ ስለዘረጋገጽና ኢና። እወ፣ ነቲ ንቡርን ጥንታዊን ባህርያዊን ዝኾነ መንነትና ደምሲሱ፣ ግንከኣ ነቲ ጎይቶቱ ኣሊሞምን ሓንጺጾምን ዝሃቡዎ ፍሹል ጸረንቡር ፍልስፍና ማርክሰ ለኒነት፣ ንምትግባር ጥራይ ከምዃኑ ስለዝተረዳእና።

 እወ፣ ኣፈጨለ ልኡዂ ባዕዳውያን ኢሰያስን፣ እቶም ኮራኹሩን ግና፣ ዋላኳ እንዳስዋ ኣንተዓበዩ፣ ነቲ ንቡር ዝኾነ መለለዪ ህዝቢ ኤርትራ ኣይፈልጥዎን ነይሮም ማለት ኣይኮነን። እንታይድኣ ብመሰረቱ ኢቲ ሚሽን “ገድሊ ህዝባዊ ሓይልታት ወይ ሰልፊ ነጻነት ኤርትራ”፣ ብቐንዱ ብፕሮጀክት መሃንድሳት ጽዮናውያን ጥራይ ንኽምራሕ ስለዝተሓንጸጸን፣ ኣብ ዝተናውሐ ዘመን ዝትግበር ፕሮጀክት ከምዘውጽኡሉ ተመራሚርና ስለይበጻሕናዮ ኢና። ነዚ ምስጢራዊ ዝኾነ ውዲታዊ ሚሽን እዚ ግን፣ ሕፋሽ ሰራዊትን ህዝቢን ይትረፍስ፣ ብሰንኪ ህርፋን ነጻነት፣ እቶም ውሑዳት ምሁራትውን ነዚ ዛዕባ እዚ ኣየቕለብሉን። እቶም ነቲ ውዲት ዝቕለብሉ ድማ ካብ 1973 ክሳብ 18 መስከረም 2001 ጂ15 ዝተኣስሩሉ 2001 ዓ.ም.ፈ. ተቐንጺሎምን ተመቚሖምን እዮም። ክሳብ እቲ ሎሚ ኣብ ባርነት ተለዊጡ ዘሎ ግንከኣ ብስም “ነጻነት-ሓዳስ ኤርትራ“ ዝፍለጥ ዘሎ ጭፍራ፣ እቶም ብፕሮጀክት መሃንድሳት ባዕዲ ዝሰልጠኑ፣ ኣብ ክንዲ መማህራንን ፈላስፋታትን ተባሂሎም ዝጽውዑ፣ “ሲኒዮር ጂኒኦር ካድሬታት”፣ ግንከኣ ፓፓጋሎ-ካድረታት ዝብሃሉ ኣብ ስሕል ሰልጠኑ ኣእምሮኡ ክሰልቡዎ እዮም ጸኒሖም። ለኒን ከምዚ በለ ማርክስ ከኣ ከምቲ በለ ጥራይ እንዳበሉ ድማ፣ ኣዝዩ ጋሻን ዘይንቡርን ትምህርቲ ኣከይ ንሰራዊትን ንህዝብን እንዳምሃሩ ከምዝፈዝዝ ገይሮሞ። ሎሚ ከኣ ብባዶ3ን ብኣስመላሽ ዝሓለቕኦም እንዳ ዜናን፣ ኣእምሮ ህዝቢ ይስለብ ኣሎ።

እወ፣ ንህዝቢ ነቲ ናቱ ዝኾነ እሞኸኣ ጥንታዊን ንቡርን (ቴዘ) መለዪ መንነቱ ደምሲሶም፣ ምጻእተኛን ግንከኣ ውዲታዊ ዝኾነ ጸረንቡር-ስርዓት (ኣንቲሰዘ) ኣክይዶም፣ ዘይንቡር-ስርዓት (ሲንሰዘ) ምሂዞም። ብዝኾነ ግዕዙይ ስርዓት ኣምጺኦም። ከምዚ ሎሚ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ንዕዘቦ ዘሎና፣ ጸረ ባህልን ጸረ ሃይማኖትን፣ ጸረ ቅኑዕ መንነትን ዝኾነ ስርዓት ኣተኣታትዮም። ብርግጽ ከኣ ነቲ ውርዙይን ጥንታዊን ዝነበረ ስርዓት ምድረባሕሪ፣ ብነውራምን ዘይንቡርን ምጻእተኛ ይኾነ ሕገኣልቦ ስርዓት ተኪኦሞ።

እቲ ኣዝዩ ዝገርም ድማ፣ እቲ ህዝቢ፣ ነዚ ሳይንሳዊ ዝኾነ ውዲት እዚ፣ ብኢሰያስ ጥራይ ተማሂዙ ኣብ ግብሪ ከምዝውዓለ ገሩ እዩ ዝርድኦ ነይሩ።  ክሳብ ሎሚውን ዝርድኦ ዘሎ። እቲ ጉድ ግን፣ ካብ ኣምሆ ዘመን ጀሚሩ፣ ሰራዊትን ህዝብን ብገርሁ ከሎ፣ ብተዃሉ መሃንድሳት ጽዮናውያን ትሓንጺጹ፣ ብቋንቋ ትግሪኛ ንሕናን ዓላማናን ዝብል ማኒፈስቶ ድማ ንዕሱብ ጽዮናውያን (ክሎንድ) ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብሓደራ ተዋሂቡዎ። እንሆ ድማ እቲ ቀንዲ ፕሮጀክት ብውዲት መሃንድሳት ጽዮናውያን እምበር ብፈዛዝ ኢሰያስ ዝተሓንጸጸ ውዲት ኣይኮነን። ዋናታቱ እቶም ሎሚ ወርቂ ብሻን ሃይኮታን ዝዘምቱ ዘለው እዮም። ነዚ ዝምታዚ ንኽሕልውለኦም ድማ ንፈዛዝ ኢሰያስን ጭፍራኡን ገና ዕድሜኣኦም የናውሑሎም ኣለው። ብቢልዮናት ዶልስራት ዝግመት ሽያጥ ወርቂ ኤርትራ እንዳገሓጡ ድኣሞ፣ ንኢሰያስን ንጭፍራኡንዶ ምሕላው ክስእኑ። ዋሕስነት ጥዕና ኢንሹራንሶም እቲ ወርቂ ስለዝኾነ ዋላ ፈዛዝ ኢሰያስ (Zombi) ዞምቢ እንተተጸልኦ ከኣ ኣብዝበለጸ ክኢላ ሓኪም ከምዝሕከም እዮም ዝገብሩ። እዚ ውዲት እዚ ድማ ንፈዛዝ ኢሰያስ (Zombi)ደንጊጾምሉ ዘይኮነስ፣ ዋርድያ ዕደና ወርቅን፣ ቅይሕ ባሕርን ቀርኒ ኣፍሪቃን ስለዝኾኖም ጥራይ እዩ።

ኣብ ይቕጽል ብዛዕባ ጥንታውያንን ዘመናውያንን ጀጋን ደቂ ምድረባሕሪ ክዝርዝር ሺንስ።

         ይቕጽል

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 21.05.2017