ሮበርት ሞጋበ ን37 ዓመታት ሃገር ለኪሙ ከብቅዕ ኣብ ፍርዱ ቀሪቡ ኣብ ክንዲ ዝፍረድ። ገጸ በረኸት 10 ሚሊoን ዶላርን ክሳብ ዝመውት ድማ 150.000 USD ክኽፈል እዩ ይብሃል ኣሎ። ጽባሕ ብጊሓትውን ኢሰያስ ኣፈወርቂ ከም ናይ ሞጋበ እዮም ክገብሩሉ እምበር ኣብ ቅድሚ ፍርዲስ ኣይቀርብን እዩ። መኽንያቱ ንጎይቶቱ ድኣ እዩ ዘገልግል ዘሎ እምበር ንህዝቢ ኤርትራስ ኣገልጊሉ ኣይፈልጥን። እቶም ጎይቶቱ፣ ክሳብ ዝኸደመሎም ድማ ከምታ መንግስቱን ሞጋበን ዝረኸቡዋ ዓስቢ እዮም ክገብሩሉ።
ንመረዳእታ ገዛኢ ሃገር ኮንጎ ሞቡቱ ሴተሴኮ፣ ሓይሊ ካቢላ ንኮንጎ ክቆጻጸራ ከሎ፣ ሞቡቱ ሴተሴኮ ብፍሊይቲ ነፋሪት እዩ ንናይጀርያ ግዒዙ። ኢዲ ኣሚን፣ ድማ ሓይሊ ዲክታቶር ዮወሪ ሙዘቪኒ (Yoweri Museveni) ንካምፓላ ቅድሚ ምቍጽጻሩ፣ ብፍልይቲ ነፋሪት ንስዑድያ ግዒዙ። ሰይድ ባረ ገዛኢ ሶማልያ ዝነበረ ድማ፣ ንሰማልያ ሓዊ ወሊዑላ፣ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይብቆላ ኢሉ፣ ብሳላ ጎይቶቱ ጽዮናውያን ብፍልይቲ ነፋሪት ንወጻኢ ግዒዙ። ገዛኢ ቱኒዝያ Zine El Abidine Ben Ali ካብ1987 – 2011 ዓ.ም.ፈ. ንህዝቢ ቱኒዝያ እንዳተሳቐየ ኣብ ስልጣን ድሕሪ ምጽናሕ፣ ካብ 70 ቢልዮን ኣሜሪን ዶላር ኣብ ወጻኢ ኮሚሩ ከብቅዕ፣ ህዝቢ ቱኒዝያ ናዕቢ ምስ ኣልዓለ፣ በተን ዋህስነት ሕይወቱ 70 ቢልዮን፣ብጎይቶቱ ምዕራባውያን እዩ ንSaudi Arabia ብፍልይቲ ነፋሪት ተፋኒዩ። ገዛኢ ግብጺ ሑሳኒ ሞባራክ ድማ፣ ሃገር ለኪሙን፣ ካብ ሓደ ሽሕ ንላዕሊ ሰላማዊ ሰልፊ ዝገበሩ ደቂ ሃገር ምቕንጻልን፣ ፍርዱ ከተቐበለ፣ ንምምሳል ን6 ዓመታት ኣብ ጽቡቕ ቦታ ክነብር ድሕሪ ምጽናሕ፣ ካብኡ ሓራ ኮይኑ ኣብዚ እዋን እዚ ኣብ Heliopolis እትብሃል ኣውራጃ ግብጺ ኣብ ሓደ ገነት ይነብር ኣሎ።ጎይቶቱ ኣሜሪካን እስራኤልን ስለዝኾኑ ከኣ እዩ ገና ምስ ኩሉ ገበናቱ ዝነብር ዘሎ። ካብ ኢትዮጵያ ድማ መንግስቱ ሃይለማርያም፣ መንእሰይን ውሩይ ሰራዊት ኢዮጵያን መንቊሱ ከብቅዕ ኣብ ፍርዲ ከይቀረበ፣ ንዚንባቨ ብፍልይቲ ነፋሪት እዩ ግዒዙ። እዚ ኩሉ ተርእዮታት እዚ እምብኣር ገና ንመራሕቲ ኣፍሪቃ ዝጓስዩዎም ምዕራባውያን ምዃኖም ምግንዛብ የድሊ። ኩሎም ገዛእቲ ኣፍሪቃ ግበሩ ተባሂሎም ጥራይ እዮም እዚ ኩሉ ግፍዒታት ኣብ ልዕሊ ህዝቦም ዝፍጽሙ ዘለው። እምቢ እንተይሎም ድማ፣ ከምቲ ንመዓመር ጋዳፍን ሳዳም ሑሴንን ዘጋጠመቶም በጃ ይኾኑ። ወይከኣ ከምታ ንሒዳሪናይ መለስ ዜናዊን፣ ንሁጎ ቻቨስ መራሒ ቨኒዝዌላ ዝጋጠመቶም ስመማ ተሰሚሞም ይቕዘፉ።
Recent Comments