ክሳብ ምዓስ እዩ መንግስቲ ኣሜሪካ፣ ፖሊስ ዓለም ኮይኑ ክዕንድር ክነብር? ንመረዳእታ፣ ፕረሲደንት ትራም ኣብ ውሽጢ ኣሜሪካ ዘሎ ዘይተኣደነ ሽግር ክፈትሕ እየ ኢሉ ኣብ እዋን ምርጫ ከምዘይግዓረስ፣ ድሮ ነቲ ዝተመባጽዖ መብጽዓታት ረሲዑ፣ኣዲኣ ገዲፋ ሓትኖኣ ትናፍዕ ይገብር ኣሎ። እዚ ፕረሲደንት ትራም ዝገብሮ ዘሎ ካብ ዜሮ ዝተላዕለ ዘይኮነስ መድብን ፕሮጀክትን እቶም ንዓለም ክገዝኡዋ ዝሓልሙ ዘለው ሃጸያውያን እዮም። እወ፣እተን ቀንዲ ፎርሙላታት እቲ ፕሮጀክት መንግስቲ ኣሜሪካ ዝጥቀመለን ድማ፣እዘን ዝስዕባ እየን፣ንንቡር ብጸረ ንቡር ኣዕኒኻ = ዘይንቡር (Theses-Antitheses= Syntheses) ምምስራት። ወይከኣ መሰረታዊ ሽግር ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፣ ጓል ነገር ኣልዒልካ፣ ኣብ ፍታሕ ከይበጻሕካ ኣብ ዕንክሊል ምንባር Problem – Reaction = Solution እየን። እዚ ድማ ካብቲ ንቀያሕቲ ህንዳውያን Red Indians ኣጽኒቱ፣ ንመሬት ሜክሲኮ (መላእ ካሊፎርንያ ተክሳስ ወዘተ) ዘሚቱ፣ ንጸለምቲ ኣፍሪቃውያን ከምባረዩ ገሩ ንረብሓኡን ምዕባሌ ሃገሩ ዝተላገጸሎምን ዘመን ጀሚሩ፣ ክሳብ ሎሚ ዝጥቀመሉ እከይ መስርሕ እዩ። እቶም ደቀመዛምርቲ ትራም ዝኾኑ ጭፍራ ህግደፍን ወያኔን ዝዘውትሩዎ ዘለው መደብ ዕዮ እንተድኣ ኣስተብሂልናሎም፣ በዘን ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሳ ፎርሙላታት እዮም ዝነብሩ ዘለው። ንኣብነት፣ ሰውራ ኤርትራ፣ንነጻነት ሽግር ኤርትራ ንምፍታሕ(Problem) ማለት ኤርትራ ነጻ ንምውጻእ (Solution)፣ ዝብል ዓላማ ኣደስኪሉ፣ ውግእ ሓድሕድ ጀብሃን ሻዕብያን (Reaction)ኣባሪዑ። ሃገር ምስገበተ ድማ ሕግን ስርዓትን ኣብ ክንዲ ዘጽድቕ በብዓይነቶም ውግኣት ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ወሊዑ። ወያኔ እንተኾነውን፣ ሓባራዊ ጸገም ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፣ እንጻር ኦሮሞን ሶማልን ኤርትራንኲናት ወሊዑ። ሻዕብያን ወያኔን ተዘራርዮም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ስዒሮም ከብቅዑ፣ እንደገና ብዶብ ማዱመ ኣመኽንዮም ካብ 200.000 ዝበዝሑ መሳኪን ደቂ ሃገር ኣጽኒቶም። ሕጂ ከኣ መሰረታዊ ፍታሕ ረሲዖም ኣብ ጓል ነገር Problem-Reaction = Solution ዕንክሊልክብሉ ንዕዘቦም ኣሎና።
BY ANDREW CHEETHAM WAR AND TERROR WORLD NEWS
‘Trump went on at great length about how America respects the sovereignty of every country and the people’s will of every country, and how the US, despite its overwhelming military power, never tries to impose its will on any country።
ትራም ክምዝብሎ እንተድኣ ነቲ ላህመቱ ተዓዚብና፣መንግስቲ ኣሜሪካ ንልዑላውነት ሃገራት ዓለም ከምዘኽብር እዩ ዝእምት። እወ፣መንግስቲ ኣሜሪካ ምስቲ ዘይተኣደነ ኣጽዋራ፣ ንካልኦት ሃገራት ክትጎድእ ኣይትደልን እያ ዝብል ይመስል። ክሰርቀኒ ከሎ ዝርኣኹዎስ ክህበኒ ነይኣምኖ። ነቲ ምስጢራዊ ተልእኾኡ እንተድኣ መርሚርናዮን፣ ብዝሓለፈ ተመክሮ መንግስቲ ኣሜሪካ ተኻታቲልና ርኢናዮን ግና፣እቲ ኣብ ዩጎዝላቭያ-ሰርቢያ፣ ኣብ ኣፍጋኒስታንን፣ ኢራቕን፣ ሊብያን፣ ሶማልያን ዝተኻየደን ግህሰት ልዑላውነት ሃገራት፣ከምኡውን ኣብ ልዕሊ ሶርያን፣ ፓኪስታንን፣ ክሪማን፣ ኡክራይንን፣ ቬኑዝዌላን፣ሆንዱራስን፣ ኤኳዶርን፣ ቦሊቭያን፣ ብራዚልን፣ ኣርጀንቲናን፣ ኣብ መበል 21 ክፍለዘመን ብመንግስቲ ኣሜሪካ ዝፍጸም ዘሎ ግህሰት ልዑላውነት ሃገራት ከድኣ ምምሕዳር ትራም ረሲዒዎ ማለት ድዩ? ወይስ ንህዝቢ ዓለም ንምዕንጃል እዩ?
What was the administration thinking, or can it think? What about Yugoslavia/Serbia, Afghanistan, Iraq, Libya, Somalia, Egypt, Syria, Yemen, Pakistan, Crimea, Ukraine, Venezuela, Honduras, Ecuador, Bolivia, Brazil, Argentina, just to mention countries in the 21st century that have been subjected to US military attacks, government overthrows, and removals of political leaders who did not conform to US interests?
Is it respect for the sovereignty of countries to force them to support US sanctions against Iran, Russia, China, North Korea, Venezuela? Is it respect for the sovereignty of countries to impose sanctions on the countries? If this is not imposing Washington’s will on other countries, what is?
ልዑላውነት ሃገራት ዘኽብር መንግስቲድኣ፣ ነተን ዘስግኣኒ ሃገራት፣ከብ ብዓል ሩስያ፣ ቻይና፣ ሰሜን ኮርያ፣ ቬኑንዜላን እገዳ ንኽገብረለን፣ ሃየ ሓግዙኒ፣ እንተዘይተሓባበርኩምኒ ወይ ምሳይ ኣድማ እንተዘይገርኩም ግና ክወቕዓኩም እየዶ ይብልዩ?
Is it respect for other countries to inform them that unless they do as they are told, “we will bomb you into the stone age”?’
Read more: Trump’s UN Speech. War for Countries that do not Accept Washington’s Hegemony
Recent Comments