Melanin is the Chemical Key to Black ሜላኒን ሓደ ምፍትሕ ስነ-ቀመማዊ ጸለምቲ እዩ። ኣብ ጸለምቲ ጥራይ ዝርከብ ከኣ እዩ።

ካብ ብዙሕ ዓመታትን ዘመናትን ጀሚሮም፣ ሊቃውንቲ ኤውሮጳውያን፣ ንጸሊም ሕብሪ ዘለዎም ኣፍሪቃውያን፣ ከም “ረስሓት”፣ “ካብ እንስሳ ዘይሕሹ”፣ “ርጉማት ” ወዘተ….. እናበሉ ከካፍእዎ ጸኒሖምን፣ ክሳብ ሎሚ ድማ የካፍኡዎ ኣለዉ። ስለምንታይ ግና? ካብ ቅኑዕ ምርምርን መጽናዕትን ተበጊስና ነቲ ሓቂ ተኻታቲልናዮ ግና እቲ ሓቂ ካልእ እዩ። እወ እቶም ኣብ መዝገበ ቃላት ከይተረፈ፣ ንጸሊም ሕብሪ ከም ረሳሕን፣ ከም ክፉእን ገሮም ተርጊሞም፣ ንሕብሪ ቆርበቶም ግና፣ ከም ጽሩይ፣ ከም ጻዕዳ ሕብሪ ገሮም ንህዝቢ ዓለም ኣብ ሕብሪ ቆርበት ዘለዎ እምነት ኣዘንቢዖሞ እዮም። እቲ ሓቂ ግና ኣብ መጻሕፍቲ ባዮሎጂን፣ ከሚስትሪን ብኣድህቦ እንተድኣ ተኻታቲልና፣ ኣብ ውሽጢ ኣካላት ጸሊም ሕብሪ ቆርበት ዘለዎም ደቂሰባት፣ ሜላኒን (Melanin) ዝብሃል ፍሉይ ተፈጥሮእዊ ውህበት፣ ከምዘሎ ክንፈልጥ ንኽእል። እዚ ብባህርያዊን ተፈጥራዊን ዝተረኽበ ውህበተ-ጸጋ ወይ ባህርያዊ በረኸት እዚ ድማ፣ ንጸሊም ሕብሪ ቆርበት ዘለዎ ዓሌት ወዲ ሰብ (ኣፍሪቃውያ) ዝተዓደለ እምበር፣ ነቶም  ከይሓፈሩን ከይ ሓነኹን “ጽዓዱ ኢና” “ብሉጻት ኢና”  “ሕሩያት ኢና ” ዝብሉ፣ ግንከኣ ሕብሪ ቆርበቶም ከምቲ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦ፣ ሕብሪ ዝሓለቐ ስጋ፣ ወይ ምጕሊ ዝኾነ፣ ምዕራባውያን ኣይተዓደለን። ንክትበልዕ ዝደሌኻ ኣባጉምባሕስ ዛግራ ትብላ።

Melatonin.svgሜላቶኒን ኣብ ግዜ ዕብየት ወዲሰብ ከም መድሃኒት ኣንጻር ኢንሶምንያ፣ ንሓጺር ግዜ ትጥቀሞ መድሃኒት እዩ። እቲ ቀንዲ ጥቕሙ ድማ ጽቡቕ ንምድቃስ ጽቡቕ ካብ ድቃስካ ምብርባርን ዝሕግዝ እዩ

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሄልሲንስኪ (ኣብ ሃገር ፊንላንድ) ዝተቃመመ ከም መድሃኒት ኮይኑ ንመሸጣ ዝቐረበ ኣሎ። ኣብ ኣካላት ጸለምቲ ግና ብተፈጥሮኣዊ ውህበት ሰሪጹ ኣሎ።

 እዚ ብልቃት እዚ ድማ ከኒናታት ሜላቶኒን ዝሓዘ እዩ። ከምኡውን ከም ሽሮቦ ተዳልዩ ኣብ ዕዳጋ ተዘርጊሑ ይርከብ። ኣብ ኣካላት ጸለምቲ ግና ብተፈጥሮኣዊ ውህበት ሰሪጹ ኣሎ።

Melatonin molecule ball.png

እዚ ፍሉይ ተፈጥራዊ ውህበት እዚ፣ ሓደ ወሳኒ ጥዕናን ሕይወት ምዃኑ ሊቃውንቲ ኣረጋጊጾሞ እዮም። ከምኡውን (PEANAL GLAND)  ክልተ ሜለቶን ዝብሃሉ ሆርሞን ዝፈጥር፣ ሓደ ክፍሊ ሓንጎል እዩ። እዚ ጽቂ እዚ ሓደ ሜለቶን ሆርሞን ብመዓልቲ፣ ሓደ ድማ ብለይቲ ይፈጥር። እዚ ሆርሞን እዚ ጽቡቕ ንክትድቅስ ዝሕግዝ ፈውሲ እዩ። ምዕራባውያን ወይ ኤውሮጳውያን ነጋዶ ቆርበት፣ እቲ ዝበለጸ ቦርሳ ይኹን ካልእ ነገራት ከም ጫማ ወዘተ….. ካብ ጸሊም ቆርበት እንስሳ ከምዝስራሕ ስለዘረጋገጹ፣ እቲ ኣብ ዕዳጋ ዝርከብ ዝኸበረ ቦርሳ ይኹን፣ ቁልፊ፣ ወይ ጫማ፣ ካብ ጸሊም ቆርበት ከምዝሰርሑዎ ተፈሊጡ ኣሎ። እቲ ኣዝዩ ዘስደምም ግና፣ እቶም ርኹሳት “ሊቃውንትን ደረስቲ መጻሕፍትን” ኤውሮጳውያን፣ ኮነ ኢሎም ንሕብሪ ቆርበት ኣፍሪቃውያን ዘይናቱ ክህቡዎ ጸኒሖም እዮም። ኣብዚ እዋንዚ ዘለው ሊቃውንቲ ብፍላይ እኳ ጸለምቲ ኣፍሪቃውያን መእምራን ነቲ ሓቂ ብድፍረትን ምስ መርትዖ ዘለዎ ጭብጥታትን ዝተሰነየ ገሮም ይዝርግሑዎ ኣለው።

ሓይሊ ሜላኒን ኣዝዩ ትእምርቲ ዘለዎ። ህዝቢ ዓለም ነቲ ሓቂ ከይፈልጥ ግና እቲ ኩሉ ስርዓተ ትምህርትታት ምዕራባውያን ብሓሶት ጥራይ ክምህር ጸኒሑ። ገናውን ሓሶት ይምህር ኣሎ።

Illu pituitary pineal glands.jpg

Diagram of pituitary and Pineal Glands in the human brain እዚ ፒናል ግላንድ ወይ ጽቂ ክብሃል ይከኣል፣ንሕይወትና እዝዩ ጠቓሚ ዝኾነ ተፈጥሮኣዊ ህያብ እዩ።

መኽንያቱ ሓቀኛ ታሪኽን ቅኑዕ ምርምራዊ ትምህርትን እንተድኣ ክምህሩ ፈቲኖም ግና ወዲ ሰብ ነቲ ሓቂ ምስተረድኦ ክቃዎሞም ከምዝኽእል ስለዝፈልጡ።በትሪ ሓቂ ግና ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን እያ። ኣብዚ በጺሕናዮ ዘሎና ክፍለዘመን ብዙሕ ተዕቢጡ ዝነበረ ሓቅታት ብተባዓትን ደፋራትን ምሁራት ክወጽእ ይጅምር ኣሎሞ፣ ምንባብን ምክትታልን ግና ካብ ደቂ ሰባት ይኸውን።