ምሉእ ጥዕና ዝርከብ ካብ ባህርያዊን ጥዑይ መግቢን እዩ።

እቲ ኣብ ኤውሮጳን ኣሜሪካን እንምገቦ መግቢ መኣዛ ዘለዎን ባህርያውን ድዩ ወይስ በቶም ሊቃውንቲ ዝብሃሉ ዝተበከለን፣ ዝተቃመመን እዩ?

ኣነ መግቢ ክምገብ እንተድኣ ኮይነ፣ ሓኪም ዝኣዘዘለይ ዘይኮነስ፣ ባዕለይ ዝመረጽኩዎ መግቢ ክምገብ ኣሎኒ። እወ፣ ኣብ ሃገረይ ክነብር ከሎኹ፣ ኣቦይ ዝሓረሶን ዝዘርኦን ዘፍረዮን እኽልን ዝተኸሎ ፍሬታትን፣ ኣሕምልትን እየ ዝምገብ ነይረ። ካብተን ኣቦይ ዘጥረየን ጥሪትና፣ ከብትና፣ ኣባጊዕና፣ ኣጣልና ዝተሓልበ ጸባ እንዳሰተኹ ከኣ ዓብየ። ጥዕናይ ድማ ክሳብ ንስደት ዘምርሕ፣ ምሉእ ዘይጉዱል ነይሩ። ሎሚ ግና ካብታ ዝፈትዋ ሃገረይ፣ ብሰንኪ ልኡኻት ጽዮናውያን፣ ጭፍራ ህግደፍ፣ ብቐስቭ ንኤውሮጳን ኣሜሪካን ምስ ተሰደድኩ ፣ ሓኪም ዝኣዘዘለይ መግቢ ክበልዕ ጀሚረ። ድሕሪ ክንደይ ግዜ ግና፣ እምነት ጽቡቕ እዩ ምቍጽጻር ግና ዝሓሸ እዩ ካብ ዝብል ኣምር ተበጊሰ፣ መጻሕፍቲ ብምንባብን፣ ሓበሬታታት ብምእካብን፣ ክፈልጥ መኣዛ ዘለዎ መግቢ ኣየናይ ምዃኑ ከለሊ ከኣልኩ።

ብሰንኪ በቶም ገበርቲ እከይ ዝተቓመመን፣ ዝተበከለ መግቢ ኣብ ዕዳጋ ተዘርጊሑ ከምዘሎ ድማ ኣጸቢቐ ክርዳእን ከለልን በቓዕኩ። ከምኡውን ነዚ ዝተበከለ ዓይነት ምግቢ እንተድኣ ተመጊበ፣ ማእለያ ዘይብሉ ሕማም ክሓምም ከምዝኽእል ተረዳእኩ። እወ፣ እቲ መንሽሮ ዝብሃል ዛፊ ሕማም እንተኾነውን፣ ብሰንኪ ኣመጋግባ ከምዝመጽእ ክፈልጥ ከኣልኩ። ካብኡ ንድሓር ግና ከምቲ ኣብ ዓደይ ዝምገቦ ዝነበርኩ ዘይተበከለ መግቢ ክምገብ ጀመርኩ። ኣብ ጃርዲነይ ድማ ኣታኽልቲ ባዕለይ ክትከል ጀመርኩ።ጥዕናይ ድማ ከምቲ ቀደም ተወሊደ ዝዓበኹሉ ህይወት ምሉእ ዘይጉዱል ኮይኑ ኣሎ። Exposing Industry and Government Lies about the Safety of the Genetically Engineered Food.

Presented by Jeffery M. Smith Autor of the Book –
Seeds of Deception. Kindly follow up this Video and
read this Book as well.

SOURCE: