ምንጪ ሓበሬታ ብቢሲ ትግሪኛ

ዑስማን ሳልሕ ሳበ

ምንጪ ስእሊ, D.M

ካብ መወዳእታ ሓምሳታት ክሳብ ጊዜ ሞቱ ንናጽነት ኤርትራ ዝተቓለሰን፡ ንምስሊ ቃልሲ ኤርትራ ኣብ ኣህጕራዊ መድረኽ ዜቕረበ፡ ካብ ተደናገጽቲ ሓይልታት ግዳም ንተጋደልቲ እግሪ ዘትከለ ሃገራዊ ምንባሩ ሰነዳት ታሪኽ ይምስክርሉ።

ይኹን እምበር ኣብ ሃገራዊ ዝኽርታት ስሙ ብዙሕ ኣይጥቀስን እዩ? ስለ ምንታይ?

ብ ሕርጊጎ ክሳብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ

ኣብ ገምገም ቀይሕ ባሕሪ፡ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ምጽዋዕ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ሕርጊጎ እተወልደ ተጋዳላይ ዑስማን ሳልሕ ሳበ መምህርን ጸሓፋይን ነይሩ።

ኣብ ግዝኣተ-ኦቶማን ከም ዕርዲ ቱርካውያን ዘገልገለት፡ ምስ ወደብ ምጽዋዕ ተማራዂሳ ንነዊሕ እዋን ንከባቢኣ ዘገልገለት ጣባ-ቓፍላይ ሕርጊጎ፡ ኣብ ሓደ እዋን ከም ንእሽቶ ወደብን ማእከል-ንግድን ዀይና ተገልግል ነበረት።

ብ1975 ብስርዓት ደርግ ምስ ነደደትን ህዝባ ምስ ተቐትለን እቲ ካብ ሞት ዘምለጠ ናብ ቃልስን ስደትን ንሱዳን ተበታተነ።

በቲ ዝወረዶም ኣደራዕን ግፍዕን ከኣ ብዙሓት ደቂ ሕርጊጎን ከባቢኡን ኣብ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዕዙዝ እጃም ነበሮም። ዑስማን ሳልሕ ሳበ እውን ሓደ ካብቶም ብኣበርክትኡን ቃልሱን ዝጥቀሱ ተወላዶ እዩ።

ድሕሪ ናጽነት ሕርጊጎ እቲ ዝዓበየ ምንጪ ጸዓት ኤሌክትሪክ ተደኵኑዋ ይርከብ።

ሓጺር ድሕረ-ባይታን ናይ ሽዑ ኵነታትን

ብ1934 ኣብ ሕርጊጎ ተወሊዱ፡ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ብዓቕሙ ዝተዋስአ ገዲም ተጋዳላይ ሳልሕ ሳበ ብ1987 ከኣ ኣብ ካይሮ ዓረፈ።

ክሳብ ሕጂ ከኣ ኣስከሬኑ ኣብቲ ዝዓረፈሉ ከተማን ሃገርን ተቐቢሩ ኣሎ።

ሳልሕ ሳበ፡ ካብ ኣሕዋቱ መበል ሓሙሻይ፡ መበቆሉ ድማ ካብ ሳሆ ኰይኑ ኣባሓጎታቱ ንገማግም ቀይሕ ባሕሪ ምስ ገዓዙ ምስ ደቂ ዓዲ ብምውሳብ ኣብ ሕርጊጎ ናብርኦም ኣጣጢሖም ከም ዝሰረቱ ይንገር።

ኣቦኡ ዓስከር ጣልያን’ዮም ነይሮም፤ ጣልያን ምስ ተሳዕሩ ድማ ከም ባሕረኛን ነጋዳይን ኰይኖም ንደቆም ኣዕብዮሞም።

ኣብ ፈለማ 40ታት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሰሙናዊ ጋዜጣ ድልየቱ ይጽሕፍ ነበረ።

ኢብራሂም ሱልጣን ኣብ ሰሜንን ምዕራብን ኤርትራ ንጊልያነት ንምድምሳስ ምንቅስቓሶም አሐይሎም ነበሩ።

እንግሊዚ ንዓሰክር ጣልያን ስለ ዝበታተኖም ኣብ ፍጹም ድኽነት ወደቑ። ኣብ ኤርትራ ሽፍትነት ስርቅን ከትርን ነገሰ።

ፖሊስ ኤርትራ ነቲ ኩነታት ክቆጻጸሩ ዓቕሚ ኣይነበሮምን። እቲ ንጥልያን ኣብ ካልኣይ ኵናት ስዒሩ ንኤርትራ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዘመሓድራ ዝነበረ ኢንግሊዝ እውን ንብረት ይዘምትን ትሕተ-ቅርጺ ይጓርትን ምንባሩ ሰነዳት ታሪኽ ይዛረቡ።

ኣብ’ቲ እዋን’ቲ፡ ብ 1944 ምዃኑ’ዩ፤ እንዳ ኬክያ ዝበሃሉ ፍሉጣት ስድራቤት ኣብ ሕርጊጎ ን500 ተማሃሮ ብቋንቋ ዓረብኛ ትምህርቲ እተስንቕ ቤት-ትምህርቲ ተኸሉ።

እታ ብስም ኬክያ እትፍለጥ ቤት ትምህርቲ ኣብ ሰውራ ኤርትራ ፍልጠታዊ ብቕዓት ዝነበሮም ብርክት ዝበሉ ዓበይቲ ሃገራውያን ከም ዘፍረየት ሰነዳት ታሪኽ ኤርትራ ይምስክሩ።

በዓል ኢብራሂም ዓፋ፣ ሮሞዳን መሓመድኑር፣ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፣ መሓመድ ዓሊ ዑማሮ ከም ኣብነት ክጥቀሱ ይከኣል።

ብዓቢኡ ኸኣ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ባዕሉ ትምህርታዊ መበቖሉ ኣብኡ’ዩ።

ሳልሕ ሳበ ኣብ ቤት ትምህርቲ ኬክያ ድሕሪ ምምሃሩ ናይ ምምህርና ትምህርቲ ንኽቀስም ናብ ኣዲስ ኣበባ ተጓዕዘ።

ትምህርቱ ጨሪሱ ድማ ንሕርጊጎ ተመልሰ፣ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ኬክያ ድማ ከም መምህር ኰይኑ ተቘጽረ። ጸኒሑ ኸኣ ከም ሓለቓ ኰይኑ ኣገልገል።

ኣብ 50’ታት ምንቅስቓስ ናጽነት ኣብ ፈቐድኡ ዝዕንብበሉ ዝነበረ እዋን፡ ዑስማን ሳልሕ ሳበ፡ ቤት-ትምህርቲ ኬክያ እናኣካየደ ኸሎ ሃገራዊ ስምዒቱ እናሓየለ ከደ።

ኣብ መጠረስታ 50’ታት ሰላማዊ ሰልፊ ተሪፉ ወትሃደራት ኢትዮጵያ ሓይሊ ክጥቀሙን ክዕምጹን ዝጀመርሉ እዋን ነበረ፣ ባንዴራ ኤርትራ ዝወረደትሉ፡ ሓራካ (ምስጢራዊ ምንቅስቓስ) ዝተጀመረሉ፡ ኤርትራዊ ሃገራውነት ዝጀማመረሉ እዋን ነበረ።

ሳልሕ ሳበ ሃገራዊ ስምዒቱ እናገንፈለ ብምምጽኡ ስምዒቱ ምስ ካልኦት ሃገራውያንን ተማሃርኡን የካፍል ስለ ዝነበረ ኣባላት ጸጥታ ክጸናጸንዎን ክከታተልዎን ጀመሩ። ብ1960 ከኣ ንዓደን (የመን) ክስደድ ተገደደ። ካብ የመን ንጀዳ (ስዑዲ) ብምስጋር ምስ ኢድሪስ መሓመድ ኣደም (ሓደ ካብቶም ፈለምቲ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ) ተራኸበ።

ብእኡ ኣቢሉ ድማ ናብ ቃልሲ ተጸምበረ።

ዑስማን ሳልሕ ሳበ ብገምጋም ጸሓፍቲ

ጉንተር ሽረደር ዝተባህለ ታሪኽ ኤርትራ ዜጽንዐ ጀርመናዊ ተመራማሪ ብ1980፡ 1983 ከምኡ’ውን 1985 ኣብ ካርቱም ምስ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ቃለ-መሕትት ኣካይዱ ነይሩ።

ሳበ ክሳብ ክንደይ ንሰውራ ኤርትራ ኣብ ግዳም ተራኣይነት ከም ዝፈጠረን ንተጋደልቲ ድማ ሓያል ሓገዛት ጓሪቱ ከም ዘምጽኣሎምን ይምስክር።

ዑስማን ሳልሕ ሳበ

ምንጪ ስእሊ, D.M

ብተወሳኺ፡ ጉንተር ሽረደር ብዛዕባ ታሪኽ ህይወት ሳበ ኣብ ኢንሳይክሎፒድያ-ኤትዮፒካ ሓደ ግሩም ሓተታ ኣቕሪቡ’ዩ።

ኣብ ምስጓም ቃልሲ ኤርትራ ዝተጻወቶ ተራ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ መስርሓት ዉሽጣዊ ምፍሕፋሓት’ውን ዝነበሮ ተራ ኣስፊሑ ገሊጹዎ ኣሎ።

ብተወሳኺ፡ ሓደ ካብ’ቶም ብዛዕባ ዑስማን ሳልሕ ሳበ ዝጸሓፉ ሒደት ኤርትራውያን ሳልሕ ‘ጆሃር’ ቃዲ ዝተባህለ ደራሲ፡ ጋዜጠኛ፡ ኣካያዲ መርበብ ‘ዓዋተ’፡ ቀንዲ ኣባል ምንቅስቓስ ንለውጢ ኢዩ።

ሳልሕ “ሳበ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ኤርትራ ዝገበሮ ኣስተዋጽኦ ዓቢ’ዩ” ብምባል ይምጕት።

“ሳበ ካብ’ቶም ብጊዜ ሰውራ ዝነበሩ መዘነታቱ ጸብለል ዝበለ፡ ብስርሑን ኣተሓሳስብኡን ብዅሉ-እንተናኡ ዝሓሸ ተቓላሳይ’ዩ ነይሩ” ይብል ሳልሕ።

ቀጺሉ፡ “ሳበ ንባህልን ልምድን ህዝብና ፈትፊቱ ዝፈልጥ፡ ቋንቋታት ኤርትራ ዀነ ደቀቕትን ዓበይትን ፍልልያት ህዝብና ዝርድኦ ሰብ ብምንባሩ ካብ’ቶም ካልኦት ጽብብ ዝበለ ኣረኣእያ ዝነበሮም መራሕቲ ሰውራ ኤርትራ ኣዝዩ ዝሓሸ’ዩ ነይሩ” ክብል ይገልጾ።

“ሳበ ግዳይ ቅንእን ግዳይ ናይቲ ኣብ ሰውራ ዝተኸሰቱ ምፍሕፋሓት ነይሩ ክብል እደፍር” ይብል ሳልሕ ቃዲ።

ሳበ ከም መምህር ኰይኑ ኣብ ኬክያ ካልኣይ ደረጃ ዘገልገለሉ እዋን ብዙሓት ካብ’ቶም ዝመሃሮም ሰባት ብፖለቲካዊ ኣተሓሳስብኡ ተመሲጦም ንሰውራ ኤርትራ ዓቢ ኣበርክቶ ከም ዝገበሩ ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ምዝጉብ’ዩ።

ጸብጻብ ዳን ኮኔል ዝተባህለ ኣሜሪካዊ ደራሲ ከም ዘርእዮ – ኣብታ ዓባይ “ታሪኻዊ መዝገበ-ቃላት-ኤርትራ” እትበሃል መጽሓፉ – ሓደ ካብኦም መሓመድ ዓሊ ዑማሮ ነበረ።

ዑማሮ ብሳላ ሳበ ንካይሮ ንክምሃር ተጓዕዘ፣ ኣብኡ ኸኣ ምስ’ቶም ንሓርነት ኤርትራ ዝንቀሳቐሱ ዝነበሩ ተምሃሮ ተጸንበረ።

ጸኒሑ፡ ብ1963 ምዃኑ’ዩ፡ ንክዕለም ንሶርያ ከደ። ካብ ታዕሊም ተመሊሱ ድማ ከም ኮማንደር 4ይ ክፍሊ ኰይኑ ተመዘዘ።

4ይቲ ክፍሊ ከኣ ብሳልሕ ሳበ ትምወል ዝነበረት ወትሃደራዊ ክፍሊ ነበረት።

ንኣንባቢ ንምዝኽኻር፡ ብ1965 መሪሕነት ተ.ሓ.ኤ. ንሜዳ ኤርትራ ኣብ ወገን ዝተመስረተ (ኣብ ናይ ኣልጀርያ ሞዴል ዝተሞርኰሰ) ኣብ ሓሙሽተ ክፋላት ከፋፊሉዋ ነበረ። እቲ ስርዒት’ቲ ንገድሊ ኤርትራ ኣብ ሓደጋ ከም ዘውደቓ ኣብ መጻሕፍቲ ታሪኽ ንረኽቦ።

ዑስማን ሳልሕ ሳበን ሃገራት ዓረብን

ሳልሕ ቃዲ ” ዑስማን ሳበ ኤርትራ ክፋል ሃገራት ዓረብ’ያ ይብል’ንዶ ኣይነበረን?” ንዝብል ሕቶ …

“ኤርትራ ኣብ ፍሉይ ዞባ’ያ ትርከብ፣ ኣብ ዉሽጢ ብሃገራት ኣዕራብ ዝዕብለል ሓጹር’ያ ትርከብ። ኰይኑ ድማ እቲ ጂኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ ኤርትራ ክልወጥ ከም ዘይከኣል ርዱእ’ዩ። ናብቲ እዋን’ቲ ምልስ ኢልና እንተድኣ ርኢና – ዘበነ ሰውራ ክተኣታቶ ኣብ ዝጀመረሉ እዋን – እቶም ኣብ ካይሮን ሱዳንን ዝነበሩ ኤርትራውያን ነቲ ምንቅስቓስ ኣብ ምጅማር ዓቢ ተራ ነይሩዎም እዩ።

“በዓል ኢድሪስ መሓመድ ኣደም ኣብ ካይሮ ዀይኖም ክሰርሑ ገለ ካብ’ቶም ኣብቲ ምንቅስቓስ ዝዋስኡ ዝነበሩ ናይ ፈለማ ተጋደልቲ ተምሃሮ ሳልሕ ሳበ’ዮም ነይሮም። ስለዚ ሳበ ካብ ባዶሽ ከም ዝጀመረ ገርና ኣይንርኣዮ … እኳ ድኣ ማእምርታዊ ሞቶር ናይ’ቲ ምንቅስቓስ’ዩ ነይሩ ኢለ ክገልጾ እኽእል” ኢሉ ብኣድናቖት ይገልጾ።

“እቲ ዝዓበየ ተራ ሳልሕ ሳበ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝተጻወቶ ተራ ንተጋደልቲ ንዋታዊ ሓገዝ ካብ ሃገራት ኣዕራብ ከምጽእ ብምኽኣሉ’ዩ። በቲ ዘበን’ቲ ሳበ እቲ ንሰውራ ንምክያድ ዜድልዩ ብረትን ገንዘብን እንተ ዘየምጽእ ነይሩ እቲ ሰውራ እግሪ ኣይምተኸለን፣ ዓይኒ’ውን ኣይምኸፈተን” ኢሉ ሳልሕ ቃዲ።

ወሲኹ “እቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ባእታታት ግን ሰኣን ክእለቶም ንሳልሕ ሳበ ከነኣእሱ፡ ክብረቱ ክዘልፉ ርኢና ኢና። ባዕሎም ተማሃርኡ ዝነበሩ ድሓር ህዝባዊ ግንባር ዝመስረቱ ተጋደልቲ ደጋጊምሞ ንሰበ ክዅንኑ ሰሚዕና።

እዚ ኸኣ ኣብታ ዝደለይዋ ጽፍሒ ልዕልነት ንክበጽሑ ዘካየድዎ ዉሽጣዊ ቃልሲ ዝተመስረተ’ዩ ነይሩ ኢለ እትርጕሞ። ጌጋታት ኣይነበሮን ማለት ኣይኰነን፡ ግናኸ እቲ ዝገበረ ገይሩ ንቃልሲ ኤርትራ ኣብ ካርታ ዓለም ንምእታው ዘካየዶ ጻዕሪ ካብ’ቶም ጌጋታቱ ኣዝዮም ከም ዝዓብዩ ዘይምርሳዕ” እናበለ ንተቓወምቲ ሳበ ይምጉት።

ሓደ ካብ’ቶም ጸገማቱ ሳበ ኣንጻር ዴስነት ይጕስጕስ ስለ ዝነበረ’ዩ ይብል ሳልሕ ቃዲ።

“ከምኡ’ውን ቻይናን ሶቬት-ሕብረትን ኣብ ሰውራ ኤርትራ ኢደን ከየእትዋ ዓቢ ስክፍታ ነይሩዎ’ዩ፣ ኰይኑ ድማ እቶም ተማህርኡ ዝነበሩ ኣዝዩ ጸጋማዊ ዝንባሌታት ስለ ዝነበሮም ንሳለሕ ሳበ ንከቋናጽቡ ትጽበዮ ጕዳይ’ዩ” ይብል።

ሳበ ንዓረብ ክሸጠና መደብ ነይሩዎ ዝብል ዘረባ ግን ቅቡል ከም ዘይኮነ እቶም ነቐፍቱ እውን ተኸተልቲ ደምበ ዴስነት ምንባሮም ይምጕት።

ሳልሕ ሳበ መድሓርሓሪ ድዩ ነይሩ?

ኣብ ልዕሊ ሳልሕ ሰበ ዝወረደ ኵነኔ ኣብ’ታ ብኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ ዝተጻሕፈት ‘ሰውራ ኤርትራ’ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣልኣሚን ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. (ሰልፊ መንግስቲ) ጸሓፊ ኢዩ።

እታ መጽሓፍ ከኣ ንነገራት ብሓደ ሸነኽ ብኣረኣእያ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ጥራሕ እያ ተጻሒፋ ዝብል ነቐፌታ ኣሎ።

ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ “ሳልሕ ሳበ ሓደ ካብ’ቶም ንሓድነት ኤርትራ ዝዕንቅፉ ዝነበሩ ባእታታት’ዩ ነይሩ” ክብል ይገልጾ።

ምስ’ቶም ኣውራጃውያን፣ ቀቢላውያን፣ ሃይማኖታውያን መድሓርሓርትን ሰሪዑ ድማ ይነቕፎ።

ኣልኣሚን ትውልዱ ካብ ሕጡምሎ እትበሃል ኣብ ከባቢ ባጽዕ እትርከብ ቍሸት ኰይኑ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ኬክያ’ዩ ተማሂሩ – ሳልሕ ሳበ መምህር ዝነበረሉ እዋን ምዃኑ’ዩ።

ኣልኣሚን ብሳልሕ ሳበ ይምሰጥ ከም ዝነበረ፡ ዳን ኮኔል ኣብ መጽሓፉ ኣስፊሩዎ ይርከብ።

ኣልኣሚን ንሜዳ ኤርትራ ብ1964 ወሪዱ፣ ኣብ ምምስራት ህዝባዊ ግንባር ኰነ እታ ምስጢራዊ ሰልፊ መሪሕ-ተራ ዝተጻወተ ተጋዳላይ’ዩ።

ኣብ መጽሓፉ፡” ምስ ምፍጻም ሓርነታዊ መድርኽ ሕቶ ዉድባት ኤርትራ ኣብቂዑ’ዩ” ክብል ይምጕት።

ቀጺሉ፡ “ህዝባዊ ግንባር መዳርግቲ ዘይብሉ ዓወት ኣመዝጊቡ ንጸላእትን መድሓርሓርትን ስዒሩ ንበይኑ ስልጣን ክብሕት’ዩ ኢለ ኣይኣምንን። ንመጻኢ ወለዶ ጥጡሕ ባይታን ህይወትን መድሚድና [ኢና]ንገድፈሉ” ኢሉ ነይሩ።

እንተኾነ ከም ቃዲ ዝኣመሰሉ ንፖለቲካ እታ ሃገር ዝከታተሉ ሰባት እቲ ብድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ዝተኸሰተ ኵነታት ግን ከምኡ ዘይምዃኑ ይምጉቱ።

ሳልሕ ሳበ ኣብ ቃልሲ

ብስሳታት መብዝሕትኡ ዲፕሎማስያዊ ስርሓት ገድሊ ኤርትራ ብዑስማን ሳልሕ ሳበን ኢድሪስ መሓመድ ኣደምን’ዩ ዝካየድ ነይሩ።

ኣህጕራዊ ኣቓልቦ ንክስሕቡ ኣብ ሞቓድሾን ካይሮን ቤት-ጽሕፈታት ከፊቶም ንሃገራት ኣፍሪቃ፡ ንሓርነቶም ዝቃለሱ ዝነበሩ ማሕበራት ዓለም፡ ንተሰማዕነት ዝነበሮም ሰባት ይጕስጕሱ ነበሩ።

ሽዑ ኣብ ሜዳ ኤርትራ ብዙሕ ዘይምርድዳእ ተኸሲቱ ነበረ።

ይዅን’ምበር፡ ሳልሕ ሳበ ብፍሉይ ክእለቱ ተጣቢቡ፡ ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ዓረብን ካልእን እናኸደ፡ ተጋደልቲ ምዕቡል ወተሃደራዊ ስልጠና ንክረኽቡ፡ (ኣብ ሶርያ፡ ክዩባ ዀነ ቻይና)፡ ተ.ሓ.ኤ. ኣብ ማዕከናት ዓለም መድርኽ ኣብ ምርካብ፡ ገንዘብን ጸጋታትን መሳርያን ንተጋደልቲ ኣብ ምርካብን ዓቢ ተራ ተጻዊቱ’ዩ።

ጉንተር ሽረደር ከም ዝብሎ፡ ተ.ሓ.ኤ. እናዓበየ ምስ ከደ ናይ ዉሽጢ ጸገማት ከኣ እናተዓረዩ ከዱ።

ወገናውን ድሑር ዝባህርያቶም ምፍሕፋሓት ክርኣዩ ጀመሩ፣ ገሊኦም ናይ በዓስ፡ ገሊኦም ናይ ዴሳዊ ስነሓሳብ ተዀልኲሎም ኣብ ሓድሕዶም ስኒት ሰኣኑ።

ገሊኦም ከኣ ወተሃደራዊ ስትራተጂ ኣብ ምውህሃድ ተገራጨዉ። ኣብ ገድሊ ኤርትራ ምፍንጫላት ሰዓበ።

ሳልሕ ሳበ ኣብ ገለ ካብ’ቶም ዝተፈጥሩ ሽግራት ኢድ ከም ዝነበሮ ይንገር።

ካብ ገለ ማሕበራት ከንሳሕብን ሓድሽ ውድብ ኣብ ምፍጣርን’ውን ተራ ነይሩዎ’ዩ ይብል ጉንተር ሽረደር።

እቲ ዝተፈጥረ ተባራዒ ኵነታት ኣብ ምዝሓልን ዕርቂ ኣብ ምፍጣርን ተራ’ውን ነይሩዎ።

ይዅን’ምበር እቲ ኣብ መንጎ ጕጅለታት ዝተፈጥረ ኵነታት ካብ ቍጽጽር ወጻኢ ስለ ዝኸደ ናብ ሓድሓድ ዉግእ ዓረገ።

ገድሊ ኤርትራ ኸኣ ኣብ ዘይቅልበሰሉ ኵነታት ወደቐ።

እቲ ‘ገጽ ቃልሲ ኤርትራ’ ዝነበረ ተቓላሳይ፡ በቶም ሱር-ነቀል ኣተሓሳስባ ዝነበሮም መንእሰያት ተጋደልቲ ‘ሳበ ጽምኣተ-ስልጣን ዘሎዎ’ ሰብ ኢሎም ገለጹዎ።

ሳበ ኣከራኻሪ ባህርያት ከም ዝነበሮ ኣብ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ይግለጽ’ዩ፣ ባዕሉ ጉንተር ሽረደር’ውን ከምኡ ይብል’ዩ።

ግናኸ፡ ከምቲ ተጻባእቱ ዝብልዎ ዝነበሩ፡ ‘ሳበ ጸላኢ ሰውራ ኤርትራ’ ድዩ ነይሩ?

ሳልሕ ቃዲ ‘መንከ ንስልጣን ዘይተጓየየ? ‘ ይብል። ‘ሓጥያቶምን ጌጋኦምን ንክሽፍኑ ዝበሉዎ እዩ’ ይብል።

ሓደ ካብ’ቶም ዑስማን ሳልሕ ሳበ ዘበርከቶም መጻሕፍቲ

ሓደ ካብ'ቶም ዑስማን ሳልሕ ሳበ ዘበርከቶም መጻሕፍቲ

ምንጪ ስእሊ, D.M

መግለጺ ስእሊ,

ምንጪ ሓበሬታ ብቢሲ ትግሪኛ
ብሓልዮት መርበብ ሓብሬታ ደቀባት ኤርትራ

ባሕቲ ነሓሰ