ፊደላት ትግሪኛ፣ መለለዪ መንነትና እዮም።
ፊደላት ትግሪኛ፣ መለለዪ መንነትናን፣ ርቱዕ ሃይማኖትናን (ብግሪኽኛ ቋንቋ ኦርቶዶክ)፣ ታሪኽናን፣ ኣተሓሳስባናን፣ ባህልናን ንዓና ንትግሪኛ ተዛረብቲ፣ እዮም።
ነዚ ፊደላት ትግሪኛ ካብ ዓለም ዝተፈልየ ምስጢር ዝሓቖፈ ምኻኑን፣ መለለዪ መንነትን፣ ሃይማኖትን፣ ባህልን፣ ክብርታትን፣ እምነትን፣ ጅግንነትን፣ ተዛረብቲ ትግሪኛን ግእዝን ኣምሓሪኛን ከምዝኾነ ዝሕብር ብቪድዮ ዝተሰነየ ሓበሬታ፣ ኩሎም ግዱስ ኤርትራውያንን ትግራዎትን ክከታተሉዎ እንሆ ብኸምዚ ዝስዕብ ነቕርቦ ኣሎና።
ኣብ ምድረ-ባሕርን ምድረ-ሓበሣን፣ ኣግኣዝያንን እምብኣር፣ ብሰንክቶም ባርባራውያን ኣስላም ዝወረደ ገጂፍ ሃጓፍ፣ ነቲ ዝነበረ ምዕባሌ ህዝቢ ምድረ ሓበሣ ንድሕሪት ጎቲቱዎ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ነቲ ህዝቢ ኣዝዩ ኣደንቊሩዎ እዩ። ድሕሪ ኣዕራብ ድማ ሮማውያንን ቱርካውያንን ደጋጊሞም ንህዝቢ ሓበሣ፣ ከምዘይ ምዕብል ገሮም ሃስዮሞ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ካብ ኣስላም ተሓቢኦም ዝጸንሑ ንዋየ ቅዱሳን ንብረቱን፣ ጥንታውያን መጻሕፍቱን፣ ቅዱሳት ምልክታት መንነቱን ፊደላቱን፣ ሓውልቱን ዘሚቶሞ ንርእሶም ተጠቒሞምሉ እዮም። ጸኒሖም ማሕበር የሱሳውያን፣ ወይ ቫቲካን ብስም ሃይማኖት ካቶሊክ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ሃይማኖት ምድረ-ሓበሣ ዘይተኣደነ ዕንወት ኣውሪዶምሉ እዮም። እቲ ብሃገር ሲዊድን ዝተቐልቀለ ሃይማኖት ከኒሻ እንተኾኑውን፣ ኣብ ርእሲ ሓናትስ ጽግዕ ከምዝብሃል፣ካብ ሃይማኖት ካቶሊክ ዝገደደ ዘይተኣደነ ዕንወት ኣብርእሲቲ ጥንታዊን ርትዓዊን ቅዱስ ሃይማኖት ምድረ ሓበሣ ኣውሪዶም እዮም።
ካብኡ ጸኒሑ ድማ ኮሎንያል ጣልያን ብዙሕ ብልጭልጭ ዝብል ምዕባሌ እኳ ኣብ ምድረ ሓበሣ እንተኣተኣታተወ፣ኣብ ልዕሊ ጥንታዊን ብሉጽን ባህልናን እምነትናን ግና ዘይተኣደነ ጽልዋታት ኣተኣታትዩልና እዩ። ድሕሪ ኮሎንያል ጣልያን ድማ ኮሎንያል እንግሊዝ ቋንቋ ዓረብኛ ብምትእትታው፣ ብፍላይ ንቋንቋ ትግሪኛ ጸልዩዎን ሃስዩዎን እዩ።
ብድሕሪ ኮሎንያል እንግሊዝ ድማ እቶም ኣሕዋትና ዝኾኑ ሓበሣ መሳፍንቲ ኢትዮጵያውያ ትግራይን መሳርሒ ምዕራባውይን ንምኻን መሪጾም፣ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምድረባሕሪ ኣራዊታዊ በደላት ፈጺሞም እዮም። ብፍላይ መስፍናዊ ንግስነት ኣምሓራውን፣ኣብ ልዕሊ ቋንቋ ትግሪኛ ብዙሕ ሃስያታት ኣስዒቡ እዩ።
እስከ ነዘን እብ ታሕቲ ተዘርጊሐን ዘለዋ ብክቡር ሓውናን ኣያናን መእምር (መምህር) በኽረጽዮን ዝተዳለዋ 26 ቪድዮታት፣ ግንከኣ ብፍላይ ብዛዕባ ምስጢር ፊደላት ትግሪኛ ዝገልጻ፣ ብኣቕልቦ ንከታተለን እሞ፣ ምስቲ ስለምንታይ ህዝቢ ምድረባሕር፣ ምድረ ሓበሣ፣ ወይ ምድረ ኣግኣዝያን ብገረብ ብሓኽላ ንኽጠፍእ ከምዝተወጠነ ኣዋዳዲርና ክንርድኦ ነፈትን። ብዛዕባ በዅሪ ፊደላት ዓለም ዝኾኑ ፊደላት ትግሪኛ፣ እስከ ብተገዳስነትን ብምስትንታንን ተኸታቲልና ምስጢሮም ክንግንዘቦ ንፈትን። ካብኡ ስለምንታይ እንዳ ህግደፍ ከም ዓላማ ወሲዶም፣ ንፊደላትናን ንህዝብና ከጽንቱ ይረባረቡና ከምዘለው ድማ ክንርዳእ ክንክእል ኢና።
1ይ ምዕራፍ
2 ምዕራፍ
3ይ ምዕራፍ ፊደል “ሀ”
4ይ ምዕራፍ ፊደል “ሀ”
5ይ ምዕራፍ ፊደል “ለ”
6ይ ምዕራፍ ፊደላት “ዐ ሮ”
7ይ ምዕራፍ በፅዐ > ባፅዕ
8ይ ምዕራፍ ፊደላት “ሀ ል”
9ይ ምዕራፍ ፊደል “ሐ”
10ይ ምዕራፍ
መበል 11 ምዕራፍ መቐጸልታ ፊደል “ሐ”
መበል 12 ምዕራፍ
መበል 13 ምዕራፍ ፊደል “መ”
መበል 14 ምዕራፍ “ስም”
መበል 15 ምዕራፍ
መበል 16 ምዕራፍ ፍኖተ ታሪኽ መንነት ኃበሳ /ሓበሣ/ ሓበሻ
መበል 17 ምዕራፍ
መበል 18 ምዕራፍ መቐጸልታ ፍኖተ ታሪኽ መንነት ኃበሳ /ሓበሣ/ ሓበሻ
መበል 19 ምዕራፍ ዓሚቚ ምስጢር ፊደል “በ “
መበል 20 ምዕራፍ
መበል 21 ምዕራፍ
መበል 22 ምዕራፍ
መበል 23 ምዕራፍ
መበል 24 ምዕራፍ
መበል 25 ምዕራፍ
መበል 26 ምዕራፍ
መበል 27 ምዕራፍ
መበል 28 ምዕራፍ
መበል 29 ምዕራፍ ፊደል ሠ = ሸ
መበል 30 ምዕራፍ
PART 30) Pre-historic development of the languages & scripts of Eritrea and Ethiopia ካብ መእምር በኵረ
መበል 31 ምዕራፍ
መተሓሳሰቢ፣
ትርግጒም ፊደል “ለ” እንተድኣ ተረዲእናዮ እቲ መበቆል ፒራሚድ ዝብሃል መስመዪ እዩ። ፊደል ለ ምስ ተረድኣና ፒራሚድ ካበይ ከምዝነቐለ ክንርዳእ ንኽእል። እስከ ነዛ ቪድዮዚኣ ብምእማር ንከታተላ።
ትርግጒም ፊደል “ለ” እንተድኣ ተረዲእናዮ እቲ ፒራሚድ ዝብሃል መስመዪ ካበይ ከምዝነቐለ ክንርዳእ ንኽእል። እስከ ነዛ ቪድዮዚኣ ብምእማር ንከታተላ።
Recent Comments