24 May 1993: ነጻነት ኤርትራ ተረኺቡ ተባሂሉ፣ ብሕቡራት መንግስታት ዓለም ድማ ተፈሊጡ። በቲ ዓለምለኻዊ ሕጊ ዝፈቕዶ ግና ብዛዕባ ኢትዮጵያ ንኤርትራ ክትክሕሶ ዝግብኣ ካሕሳ ግን ኣይተላዕለን። “ሓጺሩኒ እንተበልኩዎስ ተደቢርቱ ይስዕስዕ” ከምዝብሃል፣ እንደገና ብስም ዶባዊ ኲናት ተባሂሉ ዝተባርዐ ኲናት ድኣ ተባርዐ።
-
6 May 1998: መሰረት ዘይብሉ ዶባዊ ኲናት ተወሊዑ። ካብ 200000 ንላዕሊ መንእሰያት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ በሊዑ። ብፍላይ ህዝቢ ኤርትራ ን17 ዓመታት ድኣ ኣይ ሰላም ኣይኲናት ኮይኑ፣ ካብ ምዕባሌ በዂሩ፣ ንድሕሪት ክጕዓዝ ጸንሐ።
-
18 June 2000: ክልቲኦም ሰልፍታት፣ ህግደፍ ሃገር ኤርትራን፣ ኢህኣዴግ ሃገር ኢትዮጵያን፣ ኲናት ደው ንኽብል ተሰማሚዖም። ንይምሰል ድኣ እቲ ኲናት ደው ይበል እምበር፣ እቲ ኲነታት ሰላም ግና ከይተረጋገጸ ድኣ ቀጸለ።
-
12 December 2000: ኣብ ከተማ ኣልጀሪስ ክልቲኦም ሰልፍታት፣ ህግደፍን ሃገር ኤርትራን ኢህኣዴግ ኢትዮጵያን፣ ውዕል ዶባዊ ፍታሕ ተፈራሪሞም። እታ ካብ 3000 ህዝቢ ዘይበዝሑ ህዝቢ ዝነብሩላ ዝነበሩ፣ ግንከኣ 200.000 ደቂ ኤርትራን ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ዝጠፍኡላ ቍሸት ድሕሪዚ ኩሉ ጥፍኣት ንኤርትራ ተዋሂባ ተባሂላ ከተብቅዕ፣ ብወገን ወያኔ ግና ገና ወሳኒ መልሲ ኣይተረኽበን።
-
18 መስከረም 2001 እቶም ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ፣ ግንከኣ ገዳይም ተጋደልትን ኣባላት ላዕለዋይ መሪሕነት ህ.ግ.ሓ.ኤ. ንብልሽውናን ምልካዊ ስርዓት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ስለዝተቓወሙ፣ ብዘይ ፍርዲ ንቤት ማእሰርቲ ዒራዒሮ ተዳጒኖም። ንነጻነት ክሒድኩም ተጣዒስና ኢና ኢልኩም እንተድኣ ፈሪምኩም ምሕረት ክግበረልኩም እዩ፣ ምስተባህሉ ግና፣ ንሕና ንነጻነት ኤርትራ ኢልና ን30 ዓመታት ስለዝተቓለስና ኣይንጠዓስን ኢና ኢሎም እምቢ ስለዝበሉ፣ ክሳብ ሎሚ ኣብ ፍርዲ ከይቀረቡ መሽሚሾም በብሓደ ይዓርቡ ኣለው።
-
እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ግና፣ ብወገን ጭፍራ ወያኔ 15 ዝኾኑ ነባራት ተጋደልትን፣ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ወያኔን ንቤት ማእሰርቲ ተዳጒኖም ከብቅዑ፣ ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ተፈቲሖምሲ፣ ገሊኦም ከም ብዓል ስየ ኣብርሃን፣ ገብሩ ኣስራትን ዝኣመሰሉ ንኣሜሪካ ንኽስደዱ ተፈቒዱሎም፣ ገሊኦም ከኣ ከም ብዓል ኣባይ ጸሃየ ዝኣመሰሉ፣ ተጣዒሶም ኣብቲ መንግስቲ ኢህኣዴግ ተጸንቢሮም። ኣብዚ እዋንዚ ግና ብዓል ስየ ኣብርሃን፣ ገብሩ ኣስራትን፣ ስለላዊ ስልጣኔ ኣብ ኣሜሪካ ኣጠናቒቖም፣ ድሮ ምስቲ ውድቦም ወያኔ ወይ ኮፒ ወያኔ ብዓሬና ዝፍለጥ ኣንቖራ ውድብ ተጸንቢሮም ኣለው።
-
13 April 2002: እቲ ኣብ ዴንሃግ ዝርከብ ቤት ፍርዲ “final and binding” “ኣግባይ ዘይብሉ ብዪን“ ብዝብል ውሳኔ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣሕሊፉ፣ ከብቅዕ እቲ ዶብ ግና ብሕቡራት መንግስታት ይኹን ብውድብ ኤውሮጳ ሕብረት ጸማም እዝኒ እዩ ተዋሂቡዎ።
-
2 ሚያዝያ 2018 ዓ.ም.ፈ. (2 April – 2018) 1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ነበር ሃይለማርያም ደሳለኝ “ብፍቓ“ ካብ መዝነቱ ወረዱ ተባሂሉ። ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ታሪኽ ህዝቢ ኦሮሞ ኣቢዪ ኣሕመድ ዓሊ ዝተባህለ፣ በብኡ ኣስላማይ፣ በዲኡ ክርስትያን፣ ብእምነቱ ጴንጠቆስጠ ብህዝቢ ዘይኮነ ብሰልፊ ኢህኣዴግ 1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ተሓርዩ።
-
ብ19 ምያዝያ 2018 ዓ.ም.ፈ. (19 April -2018) ኣብ ካቢነት ገለ ምቅይያር ተራእዩ።
-
ኣብ ወርሒ ግንቦት 2018 ዓ.ም.ፈ.( May -2018) ኣብ ኢትዮጵያ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ እሱራት፣ ካብቲ ንዓመታት ዝተኣስሩዎ ማእሰርቲ ክፍትሑ ጀሚሮም።
-
ብዕለት 5 ሰነ (5 June -2018) እቲ ኣዋጅ ስዓት ሕላፍ ኮፕሪፎኮ ተሳሒቡ።
-
ብዕለት 5 ሰነ 2018 ዓ.ም.ፈ. (5 June -2018) እቲ ኣብ ኣልጀርስ ዝተፈረመ ኣብ መንጎ ህግደፍን ወያኔን ዝነበረ “ዶባዊ ውዕል” ብዘይቅድመ ኲነት ብሰልፊ ኢህኣዴግ ብወግዒ ጸዲቑን ተኣዊጁን።
-
ብዕለት 26 ሰነ 2018 (26 June -2018) ልኡኻት ህግደፍ ፣ የማነ ገብርኣብን፣ ኣርኣያ ደስታን፣ ወጻኢ ሚንስተር ህግደፍ ንኣዲስ ኣበባ ኣተው።
-
ብዕለት 9 ሓምለ 2018 ዓ.ም.ፈ. (9 July -2018) እቲ (The Secretive and Paranoid President of Eritrea Iseias Aafewerki) እቲ ከም ሰላዪን ብስነ- ኣእምራዊን ዕብዳን ዝተለኽፈን፣ ተባሂሉ ዝንገረሉ “ፕረሲደንት” ህግደፍ ኢሰያስ ኣፈወርቂ፣ ካብ ሕጂ ንድሓር ኲናት ምስ ኢትዮጵያ ከምዘይህሉ፣ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓደ ሃገር ምኻነንን፣ መራሒና ድማ ዶር. ኣቢዪ ኣሕመድ ዓሊ ምኻኑን፣ ኣብ ማaከል ከታም ኣዲስ ኣበባን፣ ከተማ ኣዋሳን ተጠሊዑ ገሊጹ።
-
ብዕለት 11 መስከረም 2018 ዓ.ም.ፈ. (11 September 2018) ወግዓዊ ዘይኮነ ዶባዊ ርክባት ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ኣብ ከባቢ ዛላንበሳ ተራእዩ። እቲ ብኣሽሓት ዝቝጸር ህዝቢ ኤርትራ ግና፣ ካብቲ ዶብ ትግራይ ንሃገሩ ኣይተመልሰን።
ርእይቶና፣ ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራ፣ ምናልባት ደኾን ጽዮናውያንን ሃጸያውያንን ከም ኣመሎም፣ ንኣቢዪ ኣሕመድ ዓሊ ኖበል ፕራይስ ይስልምዎ ይኾኑ፣ ኣይፍለጥንዩ ኣይግዳዶም ስለዝኾኑ ጸገም የብሎምን።
-
በዚ 1ይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢዪ ኣሕመድ ዓሊ ብፍላይ ብዛዕባ ጉዳይ ኤርትራ ጀሚሩዎ ዘሎ፣ ብዋጋ ህዝቢ ኤርትራ ኣርቲፊሻል ውዕላት ምስ ኢሰያስ እፈወርቂ፣ ነቲ ስትራተጂካዊ መደብ ዕዮ ጽዮናውያን ከይተጻረረ፣ የተግብሮ ስለዘሎ፣ ምናልባት ጽዮናውያን ከም ኣመሎም ኖበል ፕራይስ ክሽልሙዎ እዮም ዝብል ጽንጽንታ ኣሎ።
መደምደምታ
እዚ ኣብ መንጎ 1ይ ሚንስተር ኣቢዪ ኣሕመድ ዓሊን፣ ኢሰያስ ኣፈወርቂን ዝካየድ ዘሎ ኣብ ምድማርን፣ ፍቕርን፣ ሰላምን፣ ይቕሬታን ዝተመርኮሰ ድራማዊ መስርሕ፣ ብወገን ክልቲኤን ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ክማልኡ ዘለዎም ረቛሒታት ኣማሊኡ ድዩ ?
መልሲ፣ ኣብ ኢትዮጵያ እሱራት ተፈቲሖም። ኣብ ኤርትራ ግና እሱራት ኣይተፈትሑን።
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ተቓወምቲ ሓይልታት ንሃገሮም ኢትዮጵያ ተመሊሶም።
Recent Comments