ኣዚዩ ኣተሓሳሲቡዎም። ትምህርቲ ህግደፋውያን፡ እንተ ዘይቀተለስ፡ የዕነኒ። እቲ ኤርትራዊ፡ ኸምዚ ዝበለን ኻልእ እተፈላለየ መገድታትን ብልሓታትን ተጠቒሙ ኣብ ጎረቤት ሃገር ወይ ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ምስ ኣተወ፡ ዕቝባ ድማ ምስ ሓተተ፡ እቲ ኣካላቱ ኣብ ባዕዲ ሃገር፡ ኣእምሮኡ ግን ኣብ ውሽጢ ሃገር እዩ።
ሽሕኳ ኤርትራዊ ምዃኑ ዘረጋግጸሉ መገዲ፡ ብቐዳምነት እቲ ዚሕዞ ታሴራ ወይ ወረቐት መንነት እንተ ኾነ፡ ካብኡ ቀጺሉ ግን፡ ንኢትዮጵያን ንኢትዮጵያውያን ምጽላእን ምንእኣስን ከም ቀንዲ መረጋገጺ ኤርትራውነቱ ገይሩ እዩ ዚወስዶ። ነዚ ድማ ብእተፈላለየ ጸርፍታትን ዘለፋን ኣሽካዕላልን ይገልጾ። ቀጺሉ ነቶም ኣባላት ተቓወምቲ ደምበን ንሰዓብቶምን ደገፍቶምን ምንሻውን ምጽላምን፡ ሓደ ካብቲ ንኤርትራዊ መንነንቱ ፍጹም ንምግባር ከማልኦ ዘለዎ ነጥብታት ገይሩ እዩ ዚቘጽሮ። ካብዚ ስዒቡ፡ ነቲ ኣብ ትሕቲ እቲ ስርዓት ከሎ ንነብሱን ዓቕምታቱን ዚልምከት ዘጥረዮ ግጉይ ስእሊ ኣብ ግብሪ ንምውዓል፡ ንነብሱ ከም ፈላጥን ጥበበኛን ገይሩ ይወስዳ። መን ከም ኤርትራዊ፡ ዚብል ሕማም ይድግሶ። ብሓይሊ፡ ብፍልጠት፡ ብመልክዕ፡ ብጥበብ ወዘተ፡ ዚወዳደሮ ከም ዘየልቦ ገይሩ ድማ ንነብሱ ከዐሽዋ ይነብር።
እዚ ብዛዕባ ነብስኻን ብዛዕባ ካልእ ዓለምን ኣብ መብዛሕትኡ ኤርትራዊ ዚጥረ ግጉይ ወይ ጥምዙዝ ስእልዚ፡ ኣብቲ ናይቶም ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዚቕመጡ ናይ መብዛሕትኦም ኤርትራውያን ባህርያትን ተግባራትን ዓቢ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዚገብር ኩሉ ዚፈልጦ ሓቂ እዩ። እቲ ኤርትራዊ ስደተኛ፡ ነቲ ኣብ ሃገሩ ንኺረኽቦ ከም ሕልሚ ዝኾነ መሰላት ደቂ-ሰብ ብምጽብጻብ፡ ካብቲ ዘዕቈቦ መንግስቲ፡ መሰላቱን ሓለፋታቱን ኪሓትት ድሕር ኣይብልን፡ ነቶም ኣብ ኣብያተማእሰርቲ ኤርትራ ዚሓቁ ዘለዉ ኣሕዋቱ ሓራ ንምውጻእ ግን፡ ተቓውሞ ዘይምርኣይ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ምስቲ ገፋዒ ስርዓት ኮይኑውን ይነጥፍ እዩ።
እዚ ኸይኣክል፡ ኣብ መብዛሕትኦም ኣብ ወጻኢ ዚቕመጡ ኤርትራውያን ዚረአ ናይ ምፍልላይ ባህርያት፡ ተስፋ ዘቝርጽ እዩ። እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣውራጃን፡ ቀቢላን፡ ሃይማኖትን፡ ፖለቲካዊ ዝንባሌን፡ ዘተኮረ እዩ። ገሊኣቶም ድማ ኣብ ድሑር ሃይማኖታዊ ሕልሚ ተኣሊኾም፡ ኣድሓርን ሕልና ዘዕርብን ድኹምን ትምህርቲ ኪዝርግሑ ይረኣዩ። ናይ ባዕዲ ሃገራት ኣጀንዳታት ዘጣጥሑ ድማ ውሑዳት ኣይኮኑን ከምዚ ምስ ተጓነፈካ፡ ንበዓል ወዲ ዓሊን ንበዓል ሓጂ ሙሳን ትዝክር። ከምዚኣቶምስ ኣብ ወጻኢ ድማ እንተ ዚፍጠሩ ትብል። ከምኡውን ዝኽሪ በዓል ድሩዕ ንመንፈስካ ይቕስቅሶ።ብሓቂ፡ ድሩዕን ብጾቱን ንኣና ኪብሉ እዮም ተሰዊኦም።
ንሃይለ ድሩዕ፡ ሓደ ንግሆ፡ ቅድሚ ምእሳሩ፡ ኣብ ጥቓ ገዝኡ ብጃማ ገይሩ ደው ኢሉ ኸሎ ረኺበዮ፡ ቅሩብ ድማ ኣዕሊለዮ። ምስ ሃይለ ድሩዕ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ኢና ንፋለጥ። ንቕሩብ ግዜ ኣብኡ ስለ ዝነበረ። ተጋደልቲ ምስ ኣተዉ እቲ ኣብ ቤት ጽሕፈቱ ከይደ ዝረኸብኩዎ ቀዳማይ ብጻይ ተጋዳላይ ንሱ እዩ ነይሩ። ከም ተዋዛይን ምቕሉልን፡ ከም ምሒር ደፋርን፡ ከም ሓደ መከራን ጸገማትን ቅጭጭ ዘይብሎ ሰብን እየ ዝፈልጦ። ነተን ቅድሚ ኣብ ኢድ ገፋዕትን ጠለምትን ምውዳቑ ኣብ መንጎ ዕላልና ዘውሰአን ቃላት ኩሉ ግዜ እዝክረን፤ ንሕና ክንስዋእ ኢና፡ ኣይተርፈናን እዩ፡ ነዚ ኸኣ ተቐሪብናሉ ኢና፡ ግን እዚ ህዝቢ ቀስ ኢሉ እዩ ዚርድኣና፡ ከመይሲ ፖለቲካል ኤንድ ካልችራል ኢነርሻ ኣለዎ (ነቲ ዘጥረዮ ፖለቲካውን ባህላውን ኣረኣእያ ንኺልውጦ ግዜ ኪወስደሉ እዩ፡ ማለቱ እዩ)። ብድሕሪኡ ኣይረኣኹዎን። ግን ኩሉ ግዜ ነተን ዝበለን ቃላት እዝክረን።
ብኣማኑኤል ሣህለ
Recent Comments