ብጎይትኦም ኹፍሎም

                                               ገጽ 1

ኣብ ዓለምና ድሕሪ ባንክ ምምስራቶም ዝኾነ ኲናትን ኩደታን ዕግርግርን ሃገራት ብድሕሪት ባንክታት ከም ዘለዉ ናይ ኣደባባይ ምስጢር’ዩ። (ኣብ ናይ ሎሚ ጽሑፈይ ነዚ ዝብሎ ዝድግፉ ጸሓፍትን መጽሓፍትን ክቅርበልኩም ኣይትጸበዩኒ። እቲ ጉዳይ ዓይንና ከፊትና ምስ ንርኢ ኣብ ቅድሚ ገዛና ዘሎ ሓቂ’ዩ። ንነብሮን ንበልዖን ንሞቶን ንስደዶን ሂወትና ምስክር’ያ።) ድሕሪ ሙዉዳቕ ሓደ ወገን ከኣ ነታ ዝወደቐት ሃገር ዳግማይ ንምህናጻ ሓፍ ዘይብል ዕዳ ልቓሕ ሂቦም ኣብ ትሕቲ እግሮም የእትዉዋ። ዝኾነ ካብ’ዚ ናቶም ትራፖላ ክወጽእ ዝፈተነ ሞት’ያ ትበጽሖ። ብኲደታ ወይ ብኲናት ወይ ብህዝባዊ ዕግርግር ብዝኾነ ሚኽንያት ክጠፍእ ኣለዎ። ሓደ ናይ ወጻኢ ሚንስተር እንግሊዝ ‘’ባንኪ ተንኮል ይጠንሱ ወንጄል ዪወልዱ’’ ይብሎም። ዓለምና ሎሚ ብስዉር ዘማሓድርዋ ባንክታት’ዮም። ብኸመይ ይኣትዉን ብኸመይ መኽሰቦም ይሕልዉን ግደፉ ኣፍሪቓ ሃገራትን ህዝብን ባዕሎም እቶም ዝሰልጠኑ ሃገራት እኳ ነዚ ናይ ባንክታት ሽርሒ ክርድእዎ ዓቕምታት ዘይብሎም ኮይኖም ኣለዉ። ክፈልጡ ምስ ዝጅምሩ ከኣ ሞት ወይ ከኣ ዱብ ዝበለ ብኲናት ይሕምሶዎም’።

ንረብሓኦም ክብሉ ብኢድ ኣዙር ዝኸደ ጎነጽን ኲናትን ብስዉር ጥበብ ቅትለትን ብባንክታት ኣብ ኣሜሪካን ኢወሮጳን ዝሞቱ መራሕትን ጋዜጠኛታትን ፈርድትን ህዝብን ዝለዓለ ቁጽሪ ኣለዎ። ቀዳምይ ኲናት ካልኣይ ኲናት ናይ ደቡብን ሰሜን ኲናት ሓድሕድ ኣሜሪካ ካልእን ክጥቀስ ዪከኣል። ኣብ ኤውሮጳ ሰብ ሰሪሑ ክበልዕ ዕድል ክረክብ ተኻኢሉ’ዩ። ስራሕ እንተዘይብሉ ከኣ ጸገም ንባምክታት ከየምጽእ ገለ ናይ ረድኤት ማሕበራት ብዝተፈላለየ ኣስማትን ዕላማን ኣጣዪሶም ንመንበሪ ፈይ እናበሉ ኣፉ ዪዓብስዎ። ነቶም ዝነቁሑ ከኣ ባዕልና መሪጽና መታን ክብሉ ፓርትታት ኣጣይሶም እቲ ዝምረጽ 100 ብ100 መን ከምዝምረጽ ምስ ኣረጋጊጹ፣ ሃየ ምረጹ ይብልዎም። ንረብሓ ባንክታት ዘይትክፍ መሰል ዘረባን ጽሑፍን ውደባን ቁዋማት ብባይቶን ፓርለማን ኣለዎም። እቶም ዘይተረድኦም ኣብ እሜሪካ ዪኹን ኣብ ኤዉሮጳን ሙሉእ ናጽነት ከም ዪዛረቡ። እንተኾነ ምዕቡላት ሃገራት ኤዉሮጳን መራሕቶምን ቀንዲ ሓለዉቲ እዚኤን ባንክታት’ዮም። ስለ’ዚ ሓንቲ ሃገር ኤዉሮጳ ዕግርግርን ካልእ ምልልዓትን ከይትገብር ባንክታት ብኹሉ መዳይ ይሕልዉወን። ጸገም ቁጠባ ዘላዓዓሎ ህዝባዊ ነዉጺ ምስ ዝለዓል ድማ ለቓሕ ብምሃብ ንግዜኡ የዝሕልዎ። እንተ ትርፊ ዝህብ ዕግርግር ኮይኑ ግን ብፖሎቲካ ማሕበራትን ተጣብቅቲ ማሕበራትን የንበድብድዎ። ንሓንቲ ኣጃኺ ነታ ሓንቲ ኣጆኺ እናበሉ ኣብ ህልም ዝበለ ኲናት ዪሸሙወን። እምነትን ክብሪ ሰብን ድሕነት ሰባትን ሰላምን መሰልን እዚ ኹሉ ድሕሪ ረብሓኦም’ዩ። ቅድም ረብሓኦም ዝስራዕ ዶብን ሃገርን’ውን የሎን። ጎሎባሊዘሽን ናቶም ፍለሲፊና ስለ ዝተዓወተ እቲ ቅድም ብስዉር ዝኸይድ ዝነበረ ሎሚ ተጋሂዱ። ኣብ ማእከል ኤዉሮጳን ኣሜሪካን ዝኸይድ ዝኾነ ምንቅስቓስ ወይ ናይ ዉልቒ ድልየት ካብ ባንክታት ዝተሰወረ’ዩ ምባል ዕሽነት’ዩ። ኣሜሪካን ኤውሮጳን ብፍጹም ሱውር ብዝኾነ ኣገባብ ብባንክታት ዝመሓደራ ሃገራት’የን ክንብል ንደፍር። እንተኾነ ነዚ ተረዲኦም ዝቓለሱ ስለ ዘለዉ እቲ መግዛእቲ ባንካታት ፍጹም ክበሃል ኣይከእልን።

ንደቡብ ኣሜሪካን ንኤስያን ማእከላይ ኤስያን ኣፍሪቓን’ውን እዚ ናይ ባንክታት ሓይሊ ብዉልቂ መንግስታትን ብዉልቂ ሰባትን ወይ ከኣ ብእኩባት መንግስታትን ብእኩባት ማሕበራት እናገበሩ ከንበርኽወን ኪኢሎም’ዮም። ካብ ደቡብ ኣሜሪካ ኣብነት እንተወሰድና ኩባ ምስ ንርኢ ንዓመታት ኣብ ቓልሲ ኣላ ቨንዝወላ ኣብ ጻሪ ሞት ኣላ፣ ካልእ ክጥቀሱ ዪከኣል። ናይ ኤስያን ናይ ማእከልይ ምስራቕን ዳርጋ ዝተደምደመ ዪመስል። ካብ ሰማይ ሓሶት ኣኣዉሪዶም ንዒራቕ ከምኡ’ውን ንሶራይ ኣብ ሓሙኹሽቲ ቅዩሮመን። ስመኢነ ኮረያ ክሳብ ክንደይ ክኸይድ’ዩ ዘይፍለጥ ፈንጠርጥ ዪብል ኣሎ። ክልተ ሃገራት ሩስያን ጪናንን ክሳብ ሕጂ ነጻ ናይ ምምሳል ምልክታት ትርእየለን እዚ ግን ንግዜኡ ሓቅታት ኣይወጽኤን ኮይኑ እንበር እዘን ጠንቓማት ባንክታት ብታሕቲ ከም ዘለዋስ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ኣፍርቓ ቅድም ጉልባት ሰብ የግድሶም ስለ ዝነበረ ብዙሓት ኣፍሪቓዉያን ካብ ገዝኦም ብሓይሊ ብረት ከም እንስሳ ካብ ቤቶም ወሲዶም ክሳብ ሩሑቕ ኣሜሪካ ከም ባሮት ይሸጥዎም ነበሩ። ጸኒሖም ጎቢጦመን ከም ንኦም ዝጥዕሞም ኣብ ሃገራት መቀቃቂሎም ጥረ ሃብትን ጉልበት ሰብን ብጥርሑ ንዓመታት መዝሚዞመን። ንቅሓት ህዝብን ሓፍ ምስ በለን ካልእ ኣማራጺ ምስ ረኸቡን ድማ ሓለዉቲ ሕዛእቲ ዝኾኑ መራሕትን ናይ ፖሎቲካ ውድባትን ኣጣይሶም እንኩም ናጽነትኩም ኢሎም፣ ብልክት ናጽነቶም ባንዴራ ሂቦም እቲ ዘድልዮም ጥረ ነገርን ሙሁራት እዘን ሃገራትን ገንዘቦምን ኣብ’ዘን ባንክታት ሃገራት ምዕራባዉያንን ፋሕ ኢሉ ዪርከብ። ዝኾነ መራሒ ወይ ውድብ ንናንቶም ረብሓ ዝጻባእ ክሳብ ሎሚ ክሞቱን ክሓቁን ንርኢ ኣሎና። ካልእ ዘገድሶም መተሓላለፊ እስትራተጂ ናይ መጎዓዓዝያ ሃብቶም’ዩ። ኣብ ሓምሳታት ናይ ወጻኢ ሚንስተር ናይ ኣሜሪካ ‘’ኤርትራ ናጽነታ ዪግባእ’ዩ ኣንተኾነ ንረብሓና መንግስቲ ኢትዮጵያ’ዩ ዝያዳ ዋሕስ ስለ’ዚ ንፈደረሽን ንድግፍ’’ በለ ጸሃይ ብርሃን ኩሉ እናሰምዖ ዝተባህለ’ዩ። ናይ ሰላሳ ዓመት ስቓይን መከራን ገድልን መስዋእትን ሞትን ስደትን ህዝብና ጠንቑ ንሶም እተን ባንካታት’የን። ናይ ሶማል ዕንወትን ሞትን’ውን ምስ ምስ እስትራተጂ ባሕሪ ዝተሓሓዝ’ዩ። ካልእ መሊኡ

                                                       ገጽ 2

ኣብነት ኣሎ። ኮንጎ ሃገረ ሉቡባ፣ ደቡብ ኣፍሪቓ ሃገር ማንደላ፣ ቡርኪናፋሶ ሃገረ ሳንካራ፣ ሊብያ ሃገረ ቀዳፊ እዘን ትዃን ዝኾና ሃገራት ኤዉሮጳን ኣሜሪካን ኣይንደል ስለ ዝበሉ ክሳብ ሞትን ዕንወትን በጺሕዎም። ሰውራታት ናይ ኣፍርቓ ከም ናይ ኣልጀርያ ሞዛንቢክ ኤርትራ ዝተቆጽዩ ናይ ዉሽጢ ኣድሓርሓርቲ ልኡኻት እዘን ባንካታት ስለ ስለ ዝኾነ እቲ ሰዉራ ተቆጽዩ። ኣብ ኣፍሪቓ ሓደ ሰብ ውይ መንግስቲ ጸረ እዘን ባንክታት መርገጽ ምስ ዝሓስብ ብስለያኦም ተኸቢቡ ስለ ዘሎ ኩዴታን ዕግርግርን ከም ዝገጥሞ ምንም ዘጠራጥር ኣይኮነን። ከም እምኒ ኮፍ ኢሉ ንህዝቡ ብማርተሎ ኳሕ ዘብል ንኦም ዪሃብካ’ዩ። ጥራሕ ረብሓኦም ኣይተንክፍ፣ ኤረ ኣብ ገለ እዋንሲ ዲሞክራስያዊ መንግስቲ እናበሉ ኢዮም ዘጭብጭቡሉ።

መድረኻውን ብሩህ ዕላማን እሞ ኣብ እታ ዓባይ ኢትዮጵያ፣ ኣብ’ታ ማእከል ሃገራት ኣፍሪቓ፣ ብብዝሒ ኣፍሪቓዊ ከም ዘውዲ ጸሊም ትውሰድ ሃገር፣ ብመለስን ብጾቱን ሓዲስ መስመር ንህዝቢ ኣፍሪቓ ድሕነት ዝኾነ ክልስ ሓሳብ ኣብ መስርሕ ስራሕ ኣትዩ። እዚ መስመር ክሰርሕ እንተኾነ ንህዝቢ ሙሉእ መሰል ሂብካ ከም ዝፍጸም ስለ ዝተረድኡ ብዓቕሚ ሕብረተሰቦም ቁዋም ሓንጺጾምን እጽዲቖምን ብኡ መሰረት ድማ መንግስቲ መስሪቶም። ኣብ ሓጺር እዋን ኢትዮጵያ ብሓይሊ ኣፍሪቓዉያን ክግበር ዘይሕሰብ ቴክኖሎጅን ካልእ ተስፋ ዝህብ ስራሓትን ክትገብርን ካብ ድኽነት ክትላቐቅ ፋሕተርትር ክትብልን ዓለም ሪኡ ተገሪሙ ከኣ። ባንክታት ግን ኣይተገረማ ኣይ ደነና እኳ እዚ መስመር ከይዕወት ንኢትዮጵያ ንምትምራስ ብመንግስታት ብዉልቂ ሰባት ብማሕበራት (ማሕበራት ክብል ከሎኹ ናይ ኣህጉራዊ ናይ ገንዘብ ማዕከን IMF ሕቡራት መንግስታት UN ወዲ ሰብ መሰል ተጣበቕትን ካልእ ንሕማማትን ሕርሻን ቖልዑን ደቂ ኣንስትዮን እናበልካ ዝጣየሳ ማሕበራት) ብኢድ ኣዙር ከዉድቅዋ ካብ 1995ዓም ኣብ ፈተነ ኣለዋ።

ኢትዮጵያ ኣብ እዚ ዝሓለፈ ዓመታት ምስተንክር ዝኾነ ዕብየት ምዕባሌ ከም ዘርኣየት ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ’ዩ። እዚ ዝኾነ ዓቕምታታ ኮምቲታ ንዓቕምታታ ቀዳምነት ሂባ ወፍሪ ሓያላን ባንክታት ማዕጾ ዓጽያ ንህዝባ ኣብ ጎና ገይራ ስለ ዝስርሔት’ዩ። ኩሎም እዞም ባንክታት ዘማሕድርወን ሃገራት ኣሜሪካን ኤውሮጳን ብዉልቂ ብእኩብ ካልኦት እውን ነዚ ናቶም ዕላማታት መሳርሒ ዝኾኑን ከምኡ’ውን ኣህጉራዉያን ማሕበራት ማይ ቀጠነ ኣሳቢቦም ነዚ መንግስቲ እንተኺኢሎም ብናቶም ሃሱሳት ዝኾኑ ሰባት ክትክእዎ እንተሓመቑ ኣብ ድርድር ዕላማ ኤእትዮም ናቶም ወፍሪ ዝቅበል መንግስቲ ክተኽሉ ብላዕልን ብታሕትን ብዉሽጥን ብደገን ኣብ መንቀራቁሮ ከእትዉዋ ሓንሳብ ፈተውቲ መሲሎም ሓንሳብ ጸልማት ተኸዲኖም ባዕሎም ወይ ንካልኦት ሹት ኢሎም ክርምስዋ ዘይፈንቀልዎ እምኒ የሎን። ቀ/ሚ/ መለስ ምስ ዓረፈ እቲ ምእጋድ ወፍሪ ባንክታት ዓለም ሹዑ ንሹዑ ካብ ቁዋም መንግስቲ ዝለዓል መሲልዎም ንብዓት ሓርገጽ ነቢዖም’ዮም። ንሱ ሙዃን ምስ ኣበዮም ድማ ነታ ብዲሞክራስያዊ ቁዋም ትመሓደር ሃገር፣ እቲ ቁዋም ድማ ባዕሉ፣ ብዓቕሙ፣ ምስ መድረኽ ምዕባሌኡ፣ ይሕሸኒ ኢሉ ህዝቢ ኢትዮጵያ ዝሓንጸጾን ዝጽደቆን በዚ መሰረት ከኣ ሾብዓተ መንግስታትን ፓርለማን ሃገራዊ ሰራዊትን ትኸይድ ብመራሕን ሓንጻጽን ፈርድን ኣካልት ንዝቆሞ መንግስቲ ‘’ናይ ወይኔ’’ ኢዩ ክብሉ ኣይሓፈሩን። ናይ ቀደም ጎንጽታትን ገለ ዘይምርድዳእ ብመሳፍንቲ ዝተወቅረ እናደለዩ ኣብ ማእከል ህዝብታት ኢትዮጵያ ጽልኢ ከሳዉሩ ከም ደገፍትን ኣፍቀርትን ህዝብታት ኢትዮጵያ ኮይኖም ‘’ባንዴራዂም ወየኔ ቀይሩዎ’’ ‘’ከባሰኩም ናይ ብሔራት መሰል ርእሰ ዉሳኔ ብዓንቐጽ 39 ኣረጋጊጹ’’ ‘’ነዛ ቅድስቲ ሃገር ብጉቦን ሰበይ ሰብካን ኣባዕሊግዋ’’ ‘’ንደቅኹም የባዕልግወን ኣለዉ’’ ኢሎም ዓሌትነት ከሳወሩ ብሚድያን ክንሰሚዕ ጸኒሕና ሕጂ’ውን ይቅጽሉ ኣለዉ። እዚኦም መን እዮም ዝብል ሓቐኛ ክሳብ ዝሰኣን ንህዝቢ ወጪጮም ኣብ ህጉም ከእትዉዎ በል ይብሉ ኣለዉ። ሰብ ረሳዓይ እዩ። ወሎ ብጥሜት ክሞቱ እንከለዉ ንንጉስ ሓቁፎም ከም ዘይነበሩ፣ ስሜን ኢትዮጵያ ብድርቂ ክደርቑ ከለዉ ምስ ደርጊ ከም ዘይተሓቛቆፉ፣ ሰላሳ ዓመት መስኪን ሰላማዊ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኣብ ኣጽናቲ ኩናት ኣትዩ ከሎ ብረት ዘዕጥቁ ክመ ዘይነበሩ፣ ኣብ ብ30ሳታት ጥልያን ብባኦባ ጋዝ ንህዝብታት ኢትዮጵያ ከጽንት ከሎ ከም ዘይጽቐጡ ሎሚ ሓዋርያ ዲሞክራስን መሰል ሰብን ክብሉ የጸብቀሎምዶ? ኣንቱም ኣፍሪቓዉያን ኣሓተይ ክሳብ መእስ ኢና ብሽርሕታት ክንድፋእ ክነብር። ኣብ ጽርግያ ንለሚኑ ዝድረር ትግራዋይ ከይተረፈ ‘’በልዎ’’ ‘’ቅተልዎ’’ ‘’ዝረፍዎ’’ ዝብል ጭርሖታት ዝእምንግድ ቲቪን ረዲዮን ዝእንግዱ ፈተዉቲ ኣፍሪቓ’ዮም። ሎሚ ንትግራይ ጽባሕ ንኻልኦት ህዝብታት ኢትዮጵያ እዚ መዓትን ስቓይን ሞአትን ስደትን ከም ዝወርድ ካብ ናይ ቀደም ባዓለገ ስራሖም ክመሃር ዘይንኽእል እንታይ ዓሚትና። እዚ ክብል ከሎኹ መንግስቲ ኢትዮጵያ መንገብገብ ዝገበረ መልኣኽ’ዩ ዪብል የሎኹን። ሰብ ኢዮም ሰብ ብሰቦም ድማ ኣፍሪቓዉያን ሳባት’ዮም። ኩሉ ዕድል ተዓጺዩዎም ዝጸንሔ፣ ኣብ ዓለም ከለዉ እንትርፊ መራሕቶም ዓለም ዘይትፈልጦም፣ እንተፈለጠቶም ከኣ ብጥሜትን ብድሕረትን ዝፍለጡ።

እዚ መንግስቲ ዪኹን እዛ ሃገር በዚ ሓድሲ ጎደና ክትጎዓዝ ካብ ትጅምር ሓጺር እዋን’ዩ ምስ መስርሕ ምዕባሊ ክረኤ ከሎ። ቅድሜኦም ዝነበሩ ሃጻይ ሃይለስላሴ ካብ ምስ ህዝቦም ምስ ኣናብሶም ዘሕልፉዎን ምስ ሃንደስቲ ኲናት ብረት ኣብ ምሕራይን’ዮም ኣሕሊፎም። ደርጊ እሞ ንምቅታል ሰብን ከም ምሕራድ ባጊዕ ሞያ’ዩ ሒዝዎ። ኢሃደግ እንበኣር ፈኸራን ጃህራን እያ ተረኪባ እንበር ኣብ መሬት ሓንቲ ንህዝቢ ዝጠቅም ክዝረበሉ ዝኽእል ኩሎም መራሕቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ኣራት ኪሎ ከይወረዱ ስጋ ጮማ ኣብ ምብላዕ’ዮም ኣሕሊፎሞ። እዚ በቲ ሓደ ወገን ዓቢ ሽግር ከሎ ንዘይከኣል እካእል

                                                     ገጽ 3

እዩ ኢሎም ኣብ ስራሕ ኣትዮም። ሓድስ መስመር ሒዞም ኣብ ሓጺር ግዜ ምዕባሌ ብዙርያ ሃገር ዓንቢቡ። ኣብ ኩሉ ድማ ሓላፍ ዘላፍ ስራሕ መጺኡ። እዚ ግን ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዝተራእየ ጸገም ኣይኮነን። ምስ ምዕባሌ ሕብረተሰብ ዝኽሰት ሃጓፍ’ዩ። ሓንቲ ኣደ ሾመንተ ትወልድ እንተላ ዩንፈኢርስቲ ኣብ ዓመት 100ሺሕ ተማሃሮ ንስራሕ ዝቅርብ እንተኾነ ገጠራት ስራሕ ክድልዩ ብኣሻሓት ንኸተማታት እንተኣተዉ ግደፍ ሓደ መንግስቲ ኢዮጵያ መንግስግስታት ሓዊስካ ነዚኦም ስራሕ ክትፈጥር ከቢድ’ዩ። ኣብ ኣፍርቓ ሓማቕ ባሊ ዘሎና ካብ ኣቡኡ ዝተረፎ ብመንግስቲ ክምልኣሉ’ዩ ዝደሊ። መንግስቲ ሰልማን ፍትሕን ትምህርትን ጥዕናን ቤትን ግራትን ክህብ ናይ ግድን ንበሎ እንተኾነ ስራሕ ግን ሰብ ሰሪሑ ስራሕ ክፈጥር’ውን ከም ዝግባእ ክርዳእ ኣለዎ። ኩሉ ሃንቐዉ ዝብሎ ከኣ ስራሕ መንግስቲ ሙዃኑ’ዩ። ስራሕ ድሕሪ ሕጅ’ውን ምስ ግዜ ዝቓለልን ዝመሓየሽን’ዩ እንበር ስራሕ ኣልቦነትን ብልሽዉና ናይ መንግስቲ ሰራሕተኛታትን ፈጺሙ ዝዉገድ ኣይኮነን።

ኤርትራዊ ኮይነ ነቲ ዘሎ ከይወሰኽኩ ከም ዘሎ ምስክርነተይ ክህብ ከለኹ ኣፍሪቃዊ ግዴታ ከም ዘሎኒ ስለ ዝኣምን’የ። ነዚ ጽሑፈይ ብቅኑዕ ልቢ ዘይቅበሉ ንኣፍርቓ ዘለዎም ፍቕርን ሓልዮትን ባዕሎም ንነፍሶም ክፍትሹ እናተላበኹ፣ ጠንቂ ዝቀደመን ዝደሓረን ኲናት ኢትዮጵያን ኤርትራን ስቓይን ሞትን ህዝብና ከምኡ’ውን ሶማልን ኮንጎን ሩዋንዳን ደቡብ ኣፍሪቓን ሊብያን ኣብ ኢትዮጵያዉያን ከይወርድ ኩሉ ሰብ ክነቕሓሉ ኣለዎ።

እዛ ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገር ሃገር ግን ዘውዲ ጸሊም ቆርበት ዘለዎ  ኣፍሪቃዊ እያ። ንሳ ሰላም እንተድኣሃሊዩዋ ንሕና’ውን ብቀዳምነት ተረባሕቲ’ና። ካብ’ዚ ነቒልና ንሕና ኤርትራዉያን ብፍላይ ደለይቲ ፍትሒ ኣብ ሽርሒ ጸላእቲ ኩልና ዝኾኑ ኢድና ኣይንምለስ። ብኸንፈር ዪኹን ብጹሑፍ ብጽልኢ ይኹን ብቂም ነዛ ኢትዮጵያ እትብሃል ሃገር ኣይንበድላ። እኳድኣ ብጸሎትን ብንኽሎን እዚ ጸሊም ደበና ጸላእቲ ክበንን ንርዳኣያ። ስደት ህጻዉንትን ኣዴታትን ሙሁራትናን ብሰንኪ ኲናት ኣብ ኣፍሪቃ ክብቅዕ እዚ መስመር ኢትዮጵያ ደዉ ክብል ብሙሉእ ልበይ ክድግፎ ኣፍሪቃዊ ግዴታይ’ዩ። ዳግማይ ኮንጎን ሩዋንዳን ክመጽእ ትደልዩ እንተሎዂም ሓንጎልኩም ተሰሪቕኩም ኣሎኹም እሞ ነፍስኹም ፈትሹ። ከም መንግስቲ ኤርትራ ንህዝቡ ዘጽንት ንጎረባብቱ ብጸልማት ዝወግእን ኣብ ኣፍሪቃ እንተድኣ ትደልዩ እንተኾንኩም፣ ኪዱ ኣብ ኤርትራ ንበሩ። ንቓለስ ኣሎና እኳ ኣይትበሉ።

ኣብ መላእ ህዝብታት ኣፍሪቃ፣ ከም’ዚ መንግስቲ ኤርትራ ዝኣመሰሉ ጨቖንቲ፣ ካብ ናጽነት ረኺብና ዝበላሉ ዕለት ክሳብ ሎሚ ኣይተገላገላን። ገንዘብናን ማዕድናትን ኣብ ሳጹን እዘን ባንክታት ኣሎ። ሰብናን ሙሁራትናን ገለ ብፍልጠቱ ገለ ብጉልበቱ ነዘን ባንክታት ከገልግል ካብ ሃገሩ ወጺኡ ኣብ ዝየሃገሩ ከም ካልኣይ ዜጋ ይነብር ኣሎ። ገንዘብ ንጉስ ሃይለስላሴ 16ቢልዮን ገንዘብ ሰኩተረ 29ሚልዮን፣ ክንደይ ኢልካሞ ኩቆጽር፣ መሊኦም እዮም ካብ ህዝቦም ዝዘመትዎ ኣብ ባንክታት ኢዉሮጳ ኣሎ። ሎሚ ኢትዮጵያ ነዚ 16ቢልዮን እንተዝህብዋ እዚ ሽግር ኣብ ሰከንድታት ማዕረፊ ምገበሩሉ። ናገንዘብ ኢሳያስ’ውን ኣብዘን ባንክታት ክንደይ ተቐቢሩ ከም ዘሎ፣ ኢሰያስ ምስ ወደቐ ከምኣመሎም ሓለይቲ ተመሲሎም ክነግሩና’ዮም። ተጸበዩ ጥራይ ከምኡ ድማ ጥዕና ጥራይ ዪሃበና እምበር ከነርክበሉ ኢና። እንተ ኣነ ግን ናተይ ለበዋ ንኣሕዋተይ ጽሒፈ ኣሎኹ። ካብ ኩሉ መናእሰይ ኣፍሪቓ ብዶባት ከይተሓጽሩ ብንቅሓትን ብፍቅርን ሓደ ንሓደ ኣሕሊፉ ከይ ሃበ ድሕነት ሓደ ውልቀሰብ፣ ድሕነት ኩሉ ህዝቢ ሙዃኑ ኣሚኑ ነዛ ኣፍርቓ ብልጽግቲ ክግበራ ቅኑዕ መስመር ሒዙ ነዚ ተንኮል ባንክታት ዓለምን ክብድሆ ትጽቢት ህዝብታት ኣፍሪቓ’ዩ።

መንእሰይ ኢትዮጵያዊ ድኻ መሬት የብልካን ድኻ ሓንጎል እንበር ስለ’ዚ ክትሓትትን ክትነቅፍን ክሳብ ኣድማን ካልእ ብሰላም ዝግበር እሞ ቁዋም ሃገር ብዘፍቅዶ ክትጉስጉስ ሙሉእ መሰልካ’ዩ። ኣብ መስርሕ ዲሞክራስን ምዕባሌን ዘላን ሃገርካ ግን ብጸላእትኻ ዝነበሩ ቓላት ተዓሻሺኻ ከይትስእና ተተንቐቅ ሓሉዋ።

እንተ መንእሰይ ኤርትራዊ እሞ እቲ ሓሳረ መከራ ሪኺብካዮን ትነብረሉን ኣሎኻ፣ እንኮ ዘዋጽኣካ ኣብ ቅኑዕ መስመር ስለ ዝኾነ ናብኡ እምን። እቲ መስመር ባዕሉ ናጻ ከውጽኣካ’ዩ። ነዚ መስመር ህዝቢ ከይትሓተሉን ከይትስዕቦን ከይትግደሰሉን ብማዕዶ ክትጸልኦ ዕስለ ጻላእትኻ ለይትን መዓልትን ብጸለመ ኣፈራሪሖም ክሕዙኻ ሑሑ ይብሉኻ ኣለዉ። ኣይትፍራሓዮ ንሶም ክሳብ ግዜ ሞቶም ነዚ መስመር ካይትሕዝን ብኡ ድሕነት ከይትረክብን ፈተዉቲ መሲሎም ከጋግዩኹ ክሳብ መጠረሽታ ክፋረጉኻ ኣይኮኑን። እቲ ሓቒ መድሕን ግን ንሱ’ዩ። ንኻልኣይ ግርጭታትካ ዝፈትሕ ንመሰላት ብዘይቓልዓልም እንካ ዝብል ህዝቢ ዝብህጎን እልል ኢሉ ዝቅበሎን እንኮ ንሱ ስለ ዝኾነ ሰዓቦ ሓዞ ንኤርትራን ኣፍሪቓን ክትከዉን።

ጎይትኦም ኹፍሎም
ኣባል ዲሞክራስያዊ ውድብ ብሌን ኤርትራ/ሆድ