ትርጉም ምድረ ባሕሪ (ምድረ ኣግኣዝያን)፣
ምድረ ባሕረ-ነጋሲ፣ ከምኡውን ምድረ ሓማሴን ማለት እንታይ እዩ ትርጉሙ ?
1ይ) ብቀይሕ ባሕሪ ዝተኸበን ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝርከብን መሬት እዩ።
እቲ ሃገር በቲ ዝዓበየ ቀይሕ ባሕሪ ዝብሃል ባሕሪ ተኸቢቡ ስለዝርከብን፣ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ድማ፣ እቶም ትግሪኛ ተዛራረብት ህዝቢ ኣጋእዝያን ዝነብሩሉ ዝነበሩ፣ መኣዛ ዘለዎ ኣየር ዘለዎን፣ ብባህርያዊ ጸጋ ዝተዓደለን ብኤሮጳውያን ዝተባህገን ሃገር እዩ። እወ፣ ህዝቢ ኣገኣዝያን ክሳብ ወራር ቱርኪ ንገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝተቐልቀለሉ ዘመን፣ 15 ክፍለ ዘመን ማለትዩ፣ ኣብ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ እዮም ንመዋእል ሓራ ኮይኖም ዝነብሩ ዝነበሩ። ግዝኣት ቱርኪ ኦቶማን ሞናርኪ፣ ንከባቢ ዓሰብን ኣዱሊስን ባጽዕን ምስ ወረረ ግና፣ ኩሎም ትግራዎት ዝኹኑ እዞም ሎሚ ኤርትራውያ ዝብሃሉን፣ ካብቲ ገምገም ባሕሪ ኣብቲ ሎሚ ሓማሴንን ኣከለጉዛይን፣ ሰራየን ዝብሃልዘሎ ምድሪ ከበስን፣ ኣብቲ ጎቦታት ሳሕልን ምድረ መንሳዕን፣ ትግራዎት ድማ ንጎቦታት ተንቤንን ሽረን ዓድዋን ዋልቃይት ጸገደን ወዘተ….፣ ዘሎ ቦታታት ክግዕዙ ተገደዱ። ህዝቢ ኣገኣዝያን፣ ኣብ ዘመነ ሮማውያን ብስርዓት ኣብ ንግዲ ተዋፊሮም ዝነግዱ ዝነበሩ ምዕቡላት ህዝቢ እዮም ዝነበሩ። ብፍላይ እኳድኣ ኣብ ግዜ ንግስነት ኣኽሱም፣ ምዕባሌ ደቂ ኣገኣዝያን ምስ ሮማውያን ዝወዳደር እዩ ዝነበረ። ስለዚ በዚ መኽንያት እዚ እቲ ህዝቢ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ይንብር ስለ ዝነበረ፣ እቲ ምሬት ምድረባሕሪ ክስመ ባህርያዊን መጎታዊን እኳድኣ ታሪኻዊን መርትዖን መሰረታዊ ሓቂ ዘለዎ ስም እዩ።
2ይ) ባሕሪ ዘለዎ ሃገር ዘመሓድር ንጉስ
እቶም ኣመሓደርቲ ነገስታት ምድረ-ባሕሪ (ሎሚ ኤርትራ)፣ ባሕረ-ነጋሲ (ባህረ-ነጋሽ) እቶም ኩሎም ኣመሓደርቲ ምድረ-ባሕሪ ካብ ጥንቲ ጀሚሮም ክሳብ 16 ክፍለዘመን ብባሕረ ነገስታት እዮም ዝጽውዑ ነይሮም። እዚ ከኣ መጎታዊን ሓቀኛ መርትዖን (ፕላውዚብሊቲ) ዘለዎ እዩ።
3ይ) መሬት ሓማሴን፣
እዚ ስም እዚ መጸውዒ መላእ ምድረ-ባሕሪ ድኣ እምበር፣ ነዛ ክሳብ ህግደፍ ዝኣቱ “ኣውራጃ ሓማሴን” ትብሃል ዝነበረት ጥራይ ኣይኮነን።ሎሚ እዛ ጥንታዊት ኣውራኋ እዚኣ ግና፣ ካብቲ ሕገ እልቦ ጭፍራ ህግደፍ ካብ ዱርን በረኻ ነኣስመራ ዝኣተውሉ ግዜ ጀሚራ ስም ኣልቦ ኮይና ኣላ። ብርግጽ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ኩሉ እቲ ዓዲ ጀጋኑ ዝነበረ ኣውራጃታት፣ክሳብ ህግደፍ ብዘይ ሕጊ ኣብ ስልጣን ዝውጣሕ፣በስማት ጀጋኑ ኣቦታት እዩ ክጽዋዕ ጸኒሑ። ንመረዳእታ፣ ኣውራጃ ኣከለጉዛይ፣ ብስም ኣከለን ጉዛይን ተጸዊዑ። ወረዳ ጽንዓደግለ ድማ ብስም ጽንዓይን ደግለልን ተሰዪሙ። ወረዳ ድንበዛን ብስም ኣባሓጎና ልኡል ወደባት ድንበዛን ተጸዊዑ። ኣብ 7 ደቀተሽም 8ናዮም ሙሳን ድማ ብስም ኣባኻጉኦም ተሽም እዩ ተጸዊዑ። ምለዛናይ ብስም ዛኖይ ተጸዊዑ። ዓዲ ንኣምን ድማ ብስም ኣቦኻጎና ንኣምን ብዓል ሓለንጊ እዩ ተጸዊዑ። ንመረዳእታ፣ ሎሚ ንኣውራጃ ሓማሴን ህግደፍ ተማሲሖማ ኣለው። ማለት ደቂ ወሰን ዝነበሩ ብኢድሰወነኖም ደቂ ማእከል ኮይኖም ይላገጹ ኣለው ንግዜኡ። እወ እቲ ፍርቂ ሓማሴን ኣውራጃ እምብኣር፣ ብዞባ ዓንሰባ፣ ዞባ ሰሜናዊ ባሕርን፣ ደቡብን ዝብል ብመሰረት ዘይብሉን ኣስማት፣ ግንከኣ መደብ ኮሎንያል ጣልያን ዝነበረ ውዲታዊ ፕሮጀክት እዩ ኮይኑ ዘሎ። ሎሚ ኣውራጃ ሓማሴን ተቆራሪጻ መሃነና ጠፊኡ ዘላ ኣውራጃ እያ። ዘሎ ቦታ ኮይና ኣላ። ሊቃውንቲ እቶም ትኖሎጂካዊ መጽናዕቲ፣ ትምህርቲ ወለዶን መበቆልን ህዝብታትን ዓሌታትን መጽናዕቲ ዘካይዱ ሊቃውንቲ፣ ንሓማሴን ክገልጹዋ ከለው፣ ካብ ዓሌት ወይ ዘርኢ ሓማውያንን ሴማውያንን (ካብ ዘርኢ ኩሽን ሴምን ዝተሓናፈጹ ህዝቢ እዮም ይብሉ። ሓያሎ ተማራመርቲ ታሪኽ ምድረ ባሕሪ ድማ፣ ካብ ዘመነ ዘጽኣት ወይ ዘመን ሙሴ ጀሚሮም፣ እብ ገማግም ባሕሪ ስለዝነብሩ፣ ካብ ሓምበሰ ዝብል ቃል ዝተፈጥረ ስም እዩ ይብሉ። እቲ ቀንዲ ክእመን ዝክኣል ግና እቲ ካብ ዘርኢ ሐሚቲክን ሴሚትክንወይከኣ ሰማውያንን ሓማውያንን (ኩሽ)ዝብል ቃል እዩ።
እምብኣር ኣቲ ታሪኽ ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ ኣብ ቦትኡ ከሎ እዩ፣ ብኮሎንያል ጣልያን ኣልዕል ኣቢልካ ዝተሰንዐ ባዕዳዊ ግሪኻዊ ቃል “ኤርትራ” ተባሂላ ተጠሚቓ። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ድማ፣ እቲ ሕብሪ ኣግኣዝያን ዘለዎም መሃንሳት ህግደፍ ከኣ ነቲ ኮሎንያል ጣልያን ዝመሃዞ ስም ኩሓሒሎም ይኣይ “ሓዳስ አርትራ” ዝብል መቐጸልታ ኮሎንያል ጣልያን ካልእይ ጥምቀት ራዛ ናየብኡ ሓዛ። ብቐደሙስ ካብ aእንዳ ህግደፍ እንታይ ትጽበ። ካብ ዝብኢዶ ዕጽሚ እንድዩ እቲ ጉዳይ። ክንድይኳ፣ እዛ ብባህርያዊ ጸጋ ዝተዓደለት መሬት ከነኣን፣ ካብ ድሕሪ ሙሴ ንባሕሪ ጨዲዱ ንምድረባሕር ዝኣተወሉ እዋን ጀሚራ ጥንታዊት ምድረ-ባሕሪ፣ ወይ ድማ ምድረ-ኣገኣዝያን ተባሂላ ትስመ ዝነበረት ስትራተጃዊት ሃገር ጀጋኑ ክነሳ፣ ኮሎንያል ጣልያን ብውዲት ስለላን ኮለላን ዓባይ ብሪጣንያ ተደጊፉ በከመይ ከምዝወረራ ኣብ ዝቕጽል ክግለጽ እዩ። ፋሺስታዊ ኮሎንያል ጣልያን ስለምንታይከ ስማ ቀዪሩዎ ንዝብል ሕቶውን ገና ከነብርሆ ኢና። ህግደፍከ ድሕሪ 30 ዓመታት “ሰውራ” ምክያድ ስለምንታይ ነቲ መለለዪ መንነትን ዝኾነ ጥንታዊን ስም ምድረ-ባሕሪ ረሲዑ፣ እኳድኣ ነቲ ብኮሎንያል ጣልያን ዝትጸውዐ “አርትራ” ዝብሃል ስም ከም መቐጸልታ ኮሎንያል መግዛእቲ ጣልያን ተቐቢሉ፣ “ሓዳስ ኤርትራ” ኢሉ ጸዊዑዋ። ዘበን ገበል ዝበሉኽ ተቐበል እዩ እቲ ጉዳይ። ኮሎንያል ጣልያን ንህዝቢ ምድረ-ባሕሪ ኣብ ዶብ ከሰላ ዘሪዑ ከም ግልያ ክገዝኦ፣ንመላእ ምድረባ ባሕሪ ግና፣ መሬታን ባሕራን ብስራሕ-ኣልቦ ኢጣልያውያን ክትህዘብ እዩ ዝነበረ ሕልሙ። ንህዝቢ ኤርትራ ንኸጽንት ወጢኑዎ ዝነበረ ውጥን ግና ብ1945 ዓ.ም.ፈ.ፈሺሉ ተሪፉ። ስለምንታይ ግና ፈሽሉ? ሎሚኸ እቲ ብልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዝምራሕ ዘሎ ጭፍራ ህግደፍ ግንከኣ መቐጸልታ ኮሎንያል ጣልያን ዝኾነ፣ ንኹሎም ኤርትራውያን መንእሰያት ከካብ ዓራቶምን ንእዶምን ብቐስብ እንዳገፈፈ፣ ንዶብ ሱዳን ኣብ ኮንሰንትረሽን ካምፕ ብስም ፍሹልን ስኑዕን “ሃገራዊ ኣገልግሎ” ዝብሃል፣ ብግብሪ ግና ዘመናዊ ግልያነት ዝኾነ፣ ዝዳጉኖም ዘሎስ፣ መቐጸልታ መደብ ዕዮ ኮሎንያል ጣልያን ደይኮነን? ከመይድኣ! ይገድድ እምበር!!! ብኻልእ ኣገላልጻ፣ነቲ ፋሽቲ ኮሎንያል ጣልያን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ምድረ-ባሕሪ ከተግብሮ ዝወጠኖ ውጥን እሞ ሽዑ እዋን ብኮሎንያል ዓባይ ብሪጣንያ ዝፈሸለ፣ ሎሚ ግና ልኡኽ ባዕዳውያን ኢሰያስ ኣፈወርቂ ምስቶም ካብ ብኣእምርኦም ብሕምብርቶም ዝሓስቡ መንነቶም ዝኽሓዱን ጭፍራ ህግደፍ ኣዳዕዲዑ የተግብሮ ኣሎ።ስለምንታይ ? ንዝብል ሕቶ ግና፣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ጽሩይ ንዋት ጽዮናውያን፣ ንሕልሚ ኮሎንያል ጣልያን ንምትግብር ጥራይ ዘይኮነስ ፣ ንሕልምን መደብ ዕዮን ጽዮናውያንን ዓለምለኽ-ኤሊትን፣ ብኻልእ ኣገላልጻ ድማ ልኡኽ ሰላዪ ኢሰያስ ዋላኳ እቲ ተልእኾኡ ዓሻ መሲልካ ድራሮም ወድኣሎም እንተኾነ፣ግንከኣ ንመደብ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ንምትግባር እዩ። እወ ንውዕል ቪየና ንምትግባር ከምዝኾነ፣ ነቲ ከስተብህል ዝኽእልን ታሪኽ ኮሎንያል ገዛእቲ ዝከታተልን፣ብፍላይ እኳድኣ፣ ነቲ ምሽማው ሃገራት ኣፍሪቃ (The “Scramble for Africa” was the invasion, occupation, division, colonization and annexation of African territory by European powers during the period of New Imperialism, between 1881 and 1914. It is also called the Partition of Africa and the Conquest of Africa.) ዝብል ኣጀንዳ ቭየና ዝተኻታተሉ ሃገራውያን፣ንምትግባር ህርድግ ይብል ከምዘሎ ክስሓት ኣይክእልንዩ። ብፍላይ እኳድኣ ነት ዘስተብህል ወዲ ኣግኣዝያን ከቶ ስዉር ኣይኮነን። (እንታሞ ይገበር ምሁራት ደቂ ኣግኣዝያን እንድዮም መብዛሕትኦም ካብ ካብ ባaእምርኦም ብሕምብርቶም ዝሕስቡ ኮይኖም ) እወ፣ እቲ መንነቱ ክሒዱ ንመደብ ዕዮ ሃጸይነት ወይ ጽዮንነት ሓደ ብሓደ የተግብሮ ከምዘሎ ድማ ንብዙሕ ሰብ ምርምር ዘድልዮ ጉዳይ ኣይኮነን። ኮሎንያል ጣልያን ንአርትራ ክወርር ከሎ፣ብዲሕሪኡ ኮይኖም ዘዋፈርዎ ዝነበሩ መሃንድሳት ስዉራት ሓይልታት መን ምኻኖም ትፈልጡዎምዶ? ሎሚኸ ንኢሰያስ መልሚሎምን ብስለላ ኣሰልጢኖምን ኣዋውፊሮም፣ ንህዝቢ እንዳንጸንተ ገና ዓገብ ዘይብሉዎ ዘለው ንሶም እዮም እቶም ደቂደቆም ነቶም ኣብ ውዕል ቪየና ዝነበሩ ጽዮናውያንን፣ ሃጸያውያንን። ብኣንጻሩ እኳድኣ ዝሕግዙዎ ዘለው ግሁዳትን ስዉራት ሓይልታት ንሶም እዮም። ንሶም ክንብል ከሎናስ ብዓል መን ምኻኖምከ ትፈልጡዎምዶ? ኣብ ዝቕጽል እዋን ኣብዘን ኣብ ላዕሊ ቀሪበን ዘለዋ ሕቶታት ተመርኲስና፣ብታሪኻዊን ስነመጎታዊን ኣገባብ መግለጺ ብዝርዝር ከነቕርብ ኢና እሞ ሰናይ ንባብ።
መዘክር
ንቀርኒ እፍሪቃ፣ኢትዮጵያን ኤርትራን፣ ብፍላይ እኳድኣ ነቲ ቅይሕ ባሕርን ፈለግ ኒልን፣ ተከዘን ንምቁጽጻር፣ ብሓፈሻ ድማ ንመላእ ኣፍሪቃ ሕዛእቲ ኢምፐርያሊዝምን ዚዮኒዝምን ንኽኸውንን፣ ብ1814 ክሳብ 1845 ዓ.ም.ፈ. እዩ ተወሲኑ። ኤውሮጳውያን ግና ብኣካል ወይ ብድሎ ከይትዕሎ ክሳብ ሎሚ ነዚ ከባቢ እዚ ክዕወትሉ ኣይከኣሉን። ብሓዲሽ ፍልስፍናን ስትራተጂካዊን ስነኣእምራዊን ሜላ፣ ማለት ብረቂቕ ስለላን ኮለላን ግና፣ ኣብ ዝተናውሐ እዋን ንኸተግብሩዎ፣ ከድዓት ኣፍሪቃውያን ከም ኣቐዲሞም ከም ንጉስ ሃይለስላስየን ጸኒሖም ድማ መተካእታ ንጉስ ሃይለስላሴ ንሰላዪ ኢሰያስ ኣፈወርቂ መልሚሎም ኣዋፊሮም። እንሆ ድማ ሎሚ ኤርትራን ኢትዮጵያን ላቦራቶሪ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ኮይነን ንዕዘብ ኣሎና። እወ ዘመትን ገበትን ምዕራባውያን፣ብዘገምታዊ መስርሕ ዓላኦም ንምትግባር ከደምቲ ኮይኖም ዘገልግሉዎም ኣንጊሆም ንደቂ ኣፍሪቃ ግንከኣ ቅልውላው መበቆል ዘለዎም ኣፍሪቃውያን ካብ 1960 ዓ.ም.ፈ. ጀሚሮም እዮም መልሚሎም። ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብ1969 ዓ.ም.ፈ. እዩ ግዳይ ጽዮናውያን ንኽኸውን ተመልሚሉ ንሱዳን ተላኢኹ። ቅድም ኣብ ጀብሃ ከምዝሰሉኽ ተገሩ። ጸኒሑ ድማ ትካል ሲኣይኤ ዝኾነ ውድብ ህዝባዊ ግንባር ንኽምስርት(ሰልፊ ህዝባዊ ግንባር ሰልፊ ሲኣይኤ እያ) ተላኢኹ። እንሆ ድማ ኣስታት ፍርቂ ዘመን ኮይኑ ሎሚ ህዝቢ ኣግኣዝያን፣ ብፍላይ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን፣ ብሰንኪ ልኡኽ ባዕዳውያን ኢሰያስ ኣፈወርቂ ዘይ ኣመሉ ኣብ ኣላሽ ዝብለሉ ስዓት በጺሑ ይርከብ ኣሎ። እስከ ብኽብረትኩም እቶም ደቂ ኣግኣዝያን ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሰነድ ተኸታተልዎ።
CONFERENCE OF BERLIN, 1884-1885 CARVING UP AFRICA
European powers knew that the tensions that were mounting, so to avoid war, they came together in Berlin. Made an agreement to end slavery and allow for free trade in Africa. BUT, also drew lines on the map. They decided who would get what parts of Africa.
ውዲት ምሽማዎ ንኣፍሪቃ ብሃጸያውያን ዓሻ መሲልካ ድራሮም ወድኣሎም እዩ ዝነበረ
ውዲት ኮሎንያሊስትስ ወይ ጽዮናውያንን ሃጸያውያንን ከምዚ ነበረ። ኣብ እዋን 1880ን 18890 ዓ.ም.ፈ. አውሮጳውያን ኣጽዋር ዓጢቖም ነቲ ወደባት ኣፍሪቃዊ፣ ከነሰልጥነካ ኢና ብዝብል ብልሓት ብጭካኔ ወሪሮም ንመልእ ኣፍሪቃ ተቓጻጺሮሞ። እዚ ማለት ድማ እቲ ኣብ በርሊን ዝነበረ ምሽማው ኣፍሪቃ ዝብል ዝነበረ ውዲታዊ ውዕሎም ጋህዲ ኮነ። እወ ኣብቲ መጋብኣያ በርሊንግና ማንም ኣፍሪቃዊ ኣይተዓደመን። እወ እ€ውሮጳውያን ንኣፍሪቃ፣ ሓንቲ ጸላም ኮንቲነንት ኣራዊት ዝኾኑ ህዝ፣ ወይ ባዕዳው ወይ ከኣ ዘይልሙድ ገሮም እዮም ዝትርጉምዎ ዝነበሩ። እቲ ቀንዲ ዓላምኦም ግና ባህርያዊ ጸጋ ኣፍሪቃ ንምግሓጥን ንምዝማትን ጥራይ እዩ። በቲ ሓደ ሸነሥኹ ድማ ኤውሮጵዋያን ብሉጻትን ሕሩያትን ፍጥረት ከምዝኾኑ እዩ ዝሕብር። During the 1880’s and 1890’s, Europeans armed with new weaponry and a sense of entitlement descended, as if overnight. Europe had captured a continent. The Act of Berlin legalized the “Scramble for Africa.”No one asked any Africans to attend the Berlin Conference. Europe thought of Africa as the “Dark Continent” – wild, exotic and in need of enlightenment.
ኣማን ብኣማን ተስፋጽየን በትሪ ኣቦታተይን ጭራ ኣቦሓጎታተይን ኣዘከርካኒ፥ ገለ እባ በለኒ ተስፋጽየን ብዛዕባ እዚ ያሲን ዕሞር ቕጫ ዝበሃል ሰብ
ናተይ ሓሳብ እነሃልካ ኣብ ታሕቲ። ካብ ሓውኻ ወዲ ሕግ እንዳባ
ዝኸበርካ ያሲን፥ ድርሰት ክትሰሪሕ ምፍታንካን ነቲ ዘጋጥም ዘሎ ኪትገሊጽ ምፍታንካን ብልሒ ኢዩ። ግን ንመን ፣ ነየናይ ሕብረተሰብ ኢኻ ክትምህር ደሊካ ዘለኻ፣ ኩሉ ኣእምሮ ኣለዎ ሽግሩ ኸኣ ይፈሊጥ ኢዩ። ግና ኣነ ዘሕዝነኒ ናይቶም መሳሪሕትኻ ኢዩ። ኣስላማይ ምኻንካ ጥራሕ ኣይኮነን፡ ዋላ ሃተፍተፍ ኣበሃላኻን ኣጀውጀውካን። ሰብ ብ ሕጊ ኣምላኽ ኢዩ ዝነብር። ስጋዊ ርክብ ውን ይፈላለ ኢዩ፣ ቕዱስን ርኹስን ከኣ ይበሃል። እቲ ቅዱስ ኣምላክን ሰብን ዚሕጎሰሉ ኢዩ። እቲ ርኹስ ግና ናይ ርኹሳትን ጥፏትን ኢዩ። ሕፍረትካ ከፊትካ ብጉልባብ ፊልም ኣምሲልካ ገንዘብ ክትዘምት ምፍታን ከኣ ንነብስኻ ኣታሊልካስ ኒ ካሊኦት ዊን ድሮ ኢካ ጀሚርካዮ። ድምጻዊ ማዕበል ውን ኣብ ጥፉእ ኣይትዛረብ ኩፍእ ኮይኑዎ ኢዩ እምበር ዚተሓጎሰ ከይመስለካ። ዋላ ዊን እንተትሃጎሰልካ ዊን ን ህዝቢ እስሊሚናን ክርስትናን ከምዚ ኣነዋሪ ባህርያትካ ን ኽትምህሮ ዝጽበ ህዝቢ ኣይኮነን። ዓገብ ሕፍረትካ ያኽለካ። ወይለኹም ኣቱም ኣዝማሪኖታት ኢና በሃልቲ ,,,,,,,,,,,,ሕግኹም ሕጊ ኢንዳባ ረሲዕኩም ሲ ምስ ኣስላማይ፣ ሓሊማ ናይ ኣሪትራ ኣይቲሕጎስ እታ መስኪነይቲ ኣደ ክርስትያን ኣይቲሕጎስ።
https://www.meksebalem.com/
ሰላም ስጋ ዓደቦይ!
ኔው በሎም ወይከኣ ያዕ በሎም፣ ረስዓዮም! ንብዓል ዕመር ከይመርመርካዮ ይምርመር! ግዜኻ ኣይተጥፍእ ምስኦም፣ ሰብ ጸውዓለይ እንተበልኩዎስ ብዓል በለስ። እታ ባቡር ኣግኣዝያን ትውንጨፍ ኣላ። ካልእ ዓጀውጀው ገዲፍና ጥራይ ንስዓባ። ዑመር ኣይላጸን እንተበለ፣ ቍማል ይብልዓዮ። ኣንታይ ከይዱካ??!! ነዚ ጥንታዊ መበቆል ኣግኣዝያን፣ ዝዓግቶ ውሕጅ የልቦን። ካብ ጸላእትና ጽዮናውያን ጥራይ የድሕነና እምበር ዑመር ይኹን ወዲ ዕመር፣ ዝዓብሱዎ ነገር የልቦን። ፍቓደኛታት እንተድኣ ኮይኖም ምስ ደቂ ኣግኣዝያን ኣብታ ባቡር ኣግኣዝያን ክስቀሉ ኣይንነፍጎምን ኢና። ኣይንስቀልን እንተ በሉ ድማ ካሮሳ ብገመል ስሒቦም ይስዓቡና።