ሕቡእ ታሪኽ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ብርግጽ  ኣብዚ በጺሕናዮ ዘሎና እዋን፣ ጽዮናውያን እንታይ ይፍጽሙ ከምዘሎውን፣ ንዝመጽእ ቀረባ እዋን ከኣ እንታይ ክፍጽሙ ይጓየዩ ከምዘለውን፣ እንታይ ሸቶ ክበጽሑ ይደልዩ ከምዘለው ትፈልጡዎዶ? The hidden Story of Whats really hapen in Aafrica.

ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት፣ ወይ ብኻልእ ኣዛራርባ ግሎባል መግዛእቲ፣ ግንከኣ ገባቲ፣ንኣፍሪቃ ብኸመይ ገሩ ክውሕጣ ከምዝደሊ ዘሎስ ትፈልጡዎዶ?

መዓመር ጋዳፊ ንሃገር ሊብያ ምድረገነት (ፓራዳይዝ) ገሩዋ ከብቅዕ፣ ጽዮናውያን ግና ኣብ ኣፍሪቃ ሃብታም ሃገር ክትህሉ ስለዘይደለዩን፣ ህዝቢ ኣፍሪቃ ድማ ጸጊቡ ክሓድር ስለዝይብህጉን ቀንጺሎሞ። ነታ ሃገር ሊብያ ድማ ኣብ ራዕድን ኣብ ሽበራን፣መተሓላለፊ ስደተኛታትን ሸኺሎማ።

ኣብ ሶማሊያ ዝፍጸም ዘሎ ቅልውላው፣ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፍጸም ዘሎ ህውከት፣ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ባርነታዊ መግዛእቲ፣ ዋሕዚ ስደትኛታት ኤርትራውያን፣ ጽዮናውያን ዕደና ወርቂ ኤርትራ ብዘይሕፍረትን ንሕስያን፣ ብፍቓድ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ጓህጒሖም ይዘምቱዎ ኣለው። ኣፍሪቃውያን፣ ጽዮናውያን ምስቶም ኣዛብእ ገዛእቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ተላፊኖም ዝፈጠሩዎ እዩ። ኣብ ኣፍሪቃ ሎሚ፣ ኩናትን፣ ውግእን ወረ ውግእን፣ ግብረሽበራን፣ ጥሜትን ዕርቃንን ብሰንኪ ጽዮናውያን ተኸሲቱ ኣሎ። ኣማስያኡ ኣበይ ንምብጻሕ ምዃኑኸ ትፈልጡዎዶ?

ካብ ኣምሆ ዘምን ጀሚሮም ጽዮናውያን ንቀርኒ ኣፍሪቃ ንምቍጽጻር ዝሓለምዎ ሕልሚ ከምዝኾነኸ ትፈልጡዎ? ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓደ ዓቢ ስትራተጂካዊ ባህጊ ጽዮናውያን እምበር ኣፍሪቃውያን ክውንንዎ ከምዘይፍቀደሎምከ ትፈልጡዎዶ? ኣብ ጂቡቲ ሰራዊት ቻይና ዓሪዱ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ድማ መንገዲ ባቡራት ይሃንጽን መሬት ህዝቢ ኢeትዮጵያ ይምንጥልን ኣሎ። ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፣ ኣብ በኒን ፈረንሳ ዓሪዶም ኣለው። ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ጀርመንን ፈረሳን ተላፊኖም ዓሪዶም ኣለ።ኣሜሪካ ድማ መዓስከር ቃኘው ኣብ ኤርትራ ክገብሩ ይቀራረቡ ኣለው። ንኢሰያስ ልኡኹ መላኺ ሒዞምድኣ ኣበይ ከይስእኑዎ። እስከ ነዚ ብቪድዮ ዝቐረበ መልእኽቲ ተኻታተሉዎ ኢኹም።