“ኣብ ዓለም ካብቶም ነጻነት ዘይብሎም ክንሶም፣ ነጻነት ኣሎና ኢሎም ብጌጋ ኣሚኖም ዝነብሩ ህዝቢ ዝኸፍአ ባርነት የልቦን”።
None are more hopelessly enslaved than those who falsely believe they are free. – Johann Wolfgang von Goethe –
ዮሃን ዎልፍጋንግ ጎተ ጀርመናዊ ፈላስፋ
The potential of this region (Eritrea) has never been greater. 70 percent of its population is under the age of 30. Like all young men and women, the Eritreans seek ofcource great futures to build, great national projects to join, and a place for their families to call home. ትርጉም ሰንደቕ ዓላማ ወይከኣ ባንዴራ ሃገር ማለት እንታይ ማለት እዩ፣ ትፈልጡዎዶ? ትርጒም ዓላማ ወይ ራእዪ ሓደ ሃገር፣ መለለዪ ክብርን ልዑላውነትን ሓንቲ ሃገር፣ ምልክት ዓወት ሓደ ህዝቢ፣ ወይከኣ ትሕዝቶ ዓላማ ህዝብ ሃገርን ዝሓዘ፣ ሃገራዊ ምልክት ወይ ሃገራዊ ሎጎ ማለት እዩ።
ኣስተብህል፣ ዝኾነት ትኹን ሓንቲ ሃገር ባንዴራ ዲዛይን ክትገብር ከላ፣ እቲ ህዝባ ዘይኮነስ እቶም መሃንድሳት ጽዮንነት እዮም ብስዉር ኢድ ዝሕንጽጽዎ። ስለዚ ከኣ እየን መብዛሕትአን ባንዴራታት ዓለም፣ ኮኾብን ስሉስ ኲርናዕን ወይ ቅርጺ ፒራሚድ ዘለወን።
ንምውካስ ዝኣክል እስከ ኣብዚ ብዘዕባ ባንዴራታት ዓለም ዝሕብር LINK the List of Flags alphabetical list ጠዊቕኩም ተኻታተሉ።
እስከ በሉ ብዛዕባ ባንዴራ ኤርትራ ከኣ ብመጠኑ ሓበሬታ ክንህብ፣-
እዛ ባንዴራ ኤርትራ ማለት ኣብ ግዜ ፈደረሽን ብድልየት ህዝቢ ተመሪጻ ቅኑዕን ሃገራዊን ሰላማዊን ትርጉም ዘለዋን፣ መግለጺ መንነት ኮይና እያ ብነጻን ሓራን ምርጫ ህዝቢ ሃገራዊ ባንዴራ ንኽትከውን ተመሪጻ። እቲ ወኪል ሕብራት ሃገራት ዝብሃላ (Leaug of Nations) ዝነበረ ማቴንሶኣ ድማ፣ ነታ ብህዝቢ ተኣሚኑላ ዝቐረበት ባንዴራ ብዘይምቅዋም ኣሚኑላ። ካብኡ ባንዴራ ፈደረሽን ኮይና ን10 ዓመታት ኣብ መላእ ሃገር ኤርትራ ኣንበልቢላ።
ቀንዲ ትርጒማ ከምዚ ዝስዕብ እዩ።
1ይ) ሰማያዊ ሕብሪ ማለት ትርጒሙ፣ ሕብሪ ባሕርናን ሰማይናን ማለት እዩ።
2ይ) ቆጽሊ ኣውሊዕ፣ ምልክት ሰላም ማለት እዩ። እዚ ድማ ነቲ ታሪኽ ማይ ኣይሂ ዘዘኻኽር እዩ። ማለት እታ ርግቢት ንኖህ ማይ ኣይሂ ደው ከምዝበለ ዝሕብር ቆጽሊ ኣውሊዕ ሒዛ ከምተመልሰት ስለዝእመነሉ፣ ኣብኡ ተመርኲሶም እዮም መዲቦሞ። እተን ቆጽሊ ኣውሊዕ ከኣ 8 እየን፣ ንሰን ድማ ምልክት 8 ኣውራጃታት ኤርትራ ዘመልክታ እየን።
Flag of Ethiopia | Flag of Eritrea |
ካብ መሰረቱ ሻዕብያ ንሜዳ ካብ ዝወፍር ጀሚሩ፣ ነዛ ባንዴራ ኤርትራ ኣይኣምነላንን ኣይሰቕላን ከኣ ነበረ።
ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብሓቂ ድዩ ኤርትራዊ ኮይኑ፣ ንኤርትራ ንጻ ንኸውጽእ ንሜዳ ወጺኡ? እስከ ነቲ ስዉር ምስጢር ብዛዕባ ሓቀኛ ተልእኾ ኣብዛ ኣብ ታሕቲ ቀሪባ ዘላ ብቋንቋ ኣምሓሪኛ ዝተዳለወት ቪድዮ ንከታተል።ጸኒሑ ጽዮናውያን ሓንጺጾም ዝሃቡዎ ንሰራዊት ንኸታልል ሓንቲ ባንዴራ፣ ግንከኣ ሰለስተ መኣዝናትን (ስሉስ ኲርናዕ ትርያንግል = ፒራሚድ) ኣብ ማኣከላ ኮኾብ ዘለዋን ገሩ ኣወጀ። እቲ ሰራዊት ከኣ ላህመታዊ ትሕዝቶኣ ድኣምበር፣ ምስጢራዊ ትርጒም ባንዴራ ከይስተብሃለ ከምትልሙድ ብስምዒት ጥራይ ኣሚኑላ። እቲ ውዲታዊ ስዉር ምስጢር ግና ካልእ እዩ ዝነበረ። እታ ኮኾብ ምልክት ፔንታጎን እያ። ትርጒማ ድማ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ሚንስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ ምዃና ዝሕብር ምስጢራዊን ውዲታውን ትርጒም እዩ።
Why were the Members of Executive Committee of EPLF 13? ኣብ ህዝባዊ ግንባር፣ እቶም ፈጻሚት ዝብሃሉ ቊጽሮም ስለምንታይ 13 ጥራይ ኮይኑ? ብጥንቊልናን ብሜታፊዚክስ ወይ ኦኩልት መሰረት ቊጽሪ 13 እንታይ እዩ ምስጢራዊ ትርጒሙ? What is the meaning of Number 13 in the Language of Numerology? Meaning: NUMBER 13 is a karmic number and is the number of upheaval so that new ground can be broken. The number 13 has great power.ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ ቊጽሪ 13 ትርጒሙ ዕንወት ማለት እዩ። ንመረዳእት ጳጳስ ፍራንኪስ ብዕለት 13.03.2013 ዓ.ም.ፈ. ተመሪጹ። ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጡዎዶ። ጳጳስ ፍራንኪስከ ኣብዚ እዋንዚ እንታይብልን ይፍጽምን ኣሎ? If this power is used for selfish purposes, it will bring destruction of the self, and in turn, this will bring dis-ease and illnesses. Why were the Members of Executive Committee of EPLF 13? ኣብ ህይባዊ ግንባር፣ እቶም ፈጻሚት ዝብሃሉ ቊጽሮም ስለምንታይ 13 ጥራይ ኮይኑ? ብጥንቊልናን ብሜታፊዚክስ ወይ ኦኩልትኸ ቊጽሪ 13 እንታይ እዩ ምስጢራዊ ትርጒሙ? What is the meaning of Number 13 in the Language of Numerology? Meaning: NUMBER 13 is a karmic number and is the number of upheaval so that new ground can be broken. The number 13 has great power.ብሕጽር ዝበለ ኣገላልጻ ቊጽሪ 13 ትርጒሙ ዕንወት ማለት እዩ። ንመረዳእት ጳጳስ ፍራንኪስ ብዕለት 13.03.2013 ዓ.ም.ፈ. ተመሪጹ። ስለምንታይ ምዃኑ ትፈልጡዎዶ። ጳጳስ ፍራንኪስከ ኣብዚ እዋንዚ እንታይብልን ይፍጽምን ኣሎ? If this power is used for selfish purposes, it will bring destruction of the self, and in turn, this will bring dis-ease and illnesses.
ባንዴራ ኢትዮዮጵያ፣
ብህዝቢ ኢትዮጵያ ሰንደቅ ኣላማ ትብሃል። ምልክታ ድማ ቀጠልያን ብጫን ቀይሕን ሕብሪ ዘለወን ስለሰ ርቡዕ ኩርናዕ ዘለወን ሕንጻጻት፣ ኣብ ማእከል እታ ብጫ ሕንጻጽ ድማ ምስሊ ኣንበሳ ዘለዋ እያ። እዛ ባንዴራ እዛ ካብታ ኢትዮጵያ ከም ሃገር ዝተፈለጠትላ ዘመን ኣብ 19 ክፍለዘመን ማለትዩ ዝነበረት ጥንታዊት ምልክት ሃገር እያ።
ኮሎንያል ጣልያን ንኢትዮጵያ ምስወረራ ግና እዛ ምልክት ባንዴራ ጣልያን ተቐየረት።
ስለምንታይ ድኣ ተቐይራ? ንዝብል ሕቶ ክልዓል ግድነት እዩ።
እቲ ቀንዲ ትርጉም ባንዴራ ኢትዮጵያ ግና እዚ እዩ ነይሩ። እዚ ግን ጸረ ዓመጽትን ወረርትን ጽዮንነት ስለዝኾነ ግድነት ክቕየር ኣሎዎ።
ባንዴራ ኢትዮጵያ፣ ካብቲ ጥንታዊ ቅርጻን ዝተቐየረትሉ መኽንያት ኮሎንያል ጣልያን ብዓመጽ ወሪሩ ንኢትዮጵያ ስለ ዝሓዛ ምልክት መግዛእቱ ኢሉ ናቱ ባንዴራ ምሂዙ።
እታ ን5 ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ተሰቒላ ተንበልብል ዝነበረት ባንዴራ ኮሎንያል ጣልያን ከኣ ኣዛ ኣብ ታሕቲ ዘላ እያ።
ዓላማ ሰበስልጣናት ኮሎንያል ጣልያን ዝነበረ ግና፣ እዛ ባንዴራ እዚኣ፣ ባንዴራ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምግባር እዩ ዝነበረ። ሃገራዊ ማሕበርነት ጀርመን፣ በቶም ስዉራት ጽዮናውያን ተመዊሉ፣ 2ይ ኲናት ዓለም ብፍላይ ኣብ ኤውሮጳ ምስ ወልዐ፣ በተን 4 ሕቡራት ሃገራት ዓለም ዝብሃላ ዝነበራ፣ መንግስታት ኣሜሪካን፣ ዓባይ ብሪጣንያን፣ ሶቭየት ሕብረትን፣ ፈረንሳን ተላፊነን ስዓርኦ። ኮሎንያል ጣልያን ድማ መላፍንቲ ኣዶልፍ ሂትለር ስለዝነበረ፣ ካብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ካብ ሶማልያን፣ ሊብያን ተሳዒሩ ወጸ። ካብኡ እታ ጥንታዊት ሰንደቕ ዓላማ ኢትዮጵያ እንደገና ኣንበልበለት፣ ክሳብ መንግስቲ ወያኔ ይትከል ድማ ጸንሐት።
እታ ህውሓት ኣብ ሜዳ ከለው ንህዝቢ ትግራይ ነጻ ከነውጽኦ ኢና ይብሉሉ ይነበሩ እዋን ዝነበረት፣ ሕጂውን ኣብ ትግራይ ከም ሎጎ ህውሓት ተንበልብል ዘላ ባንዴራ እንተድኣ ኣስትብሂልኩምላ፣ ስሉስ ኩርንዕ፣ ኣብ ማእከል እታ ቀዪሕ ዝሕብሩ ርቡዕ ኩርናዕ ድማ፣ ብጫ ዝሕብሩ ኮኾብ ኣለዋ። ምልክት ፔንታጎን።
ስለምንታይ ግና ኮኾብን ስሉስ ኩርናዕን ክኸውን ተመሪጹ?
እታ ድሕሪ ህውሓት ኣብ ስልጣን ምስመጹ ወግዓዊት ባንዴራ ኢትዮጵያ ኮይና ዝተወሰነት፣ ነቲ ሎጎ ኣንበሳ ዝነበረ ተኪኣ 5 ኩርንዓት ዘለዋ ኮኾብ ኮይና። ነቲ ምልክት ኣንበሳ ዝዘነበረ ደምሲሶም ብመደብ ብሎጎ ወይ መለለዪ ምልክት ፔንታጎንን ገሮም ቀሪጾሞ። እታ ወግዓዊት ባንዴራ ኢትዮጵያ እምብኣር እዚኣ እያ።
ባንዴራ ኢትዮጵያ
እዚ ኦሪጂናል ፔንታጎን ማለት 5 መኣዝን ወይ ፒራሚድ ዘሎዋ እዚ
ኣብ መብዛሕትአን ባንዴራታት ሃገራት ዓለም ኣላ።
ፔንታጎን ማለት ድማ እቲ ዋና ቤት ጽሕፈት ሚንስተር ምክልኻል ሃገር ኣሜሪካ እዩ።
ኣስተብህል፣ ምልክት ሚንስትሪ ምክልኻል ሕቡራት ሃገራት ኣሜሪካ ፐንታጎን ይብሃል፣ ትርጉሙ ድማ 5 መኣዝን ዘሎዎ ኮኾብ ኮይኑ፣ እቲ ሕቡእ ትርጉሙ ግና ኣብ ጥንቆላ ዝተመስረተ እዩ። መብዛሕትአን ባንዴራታት ሃገራት ኣፍሪቃን ኣስያን ኣብ ማእከለን ምልክት ኮኾብ ኣለወን። ብዛዕ ባንዴራታት ሃገራት ዓለም ኣብ መብዛሕትአን ኮኾብ ምልክት ከምዘለወን ንምፍላጥ ኣብኡ ኣብዚ ጠውቑ።
ኣስተብህል፣ ስለምንታይ እታ ኣብ ባንዴራ ህ.ግ.ሓ.ኤ. ዝነበረት ኮኾብ፣ ካብ ባንዴራ ህ.ግ.ሓ.ኤ.ተቐይራ ኣብታ ባንዴራ ኢትዮጵያ ግዒዛ? ስለምታይከ እታ ኣብታ ጥንታዊት ወይ ባንዴራ ፈደሬሽን ኤርትራ ቀጠልያ ቆጽሊ ኣውሊዕ ዝነበረት፣ ብብጫ ቆጽሊ ወይ ብዝነቐጸት ቆጽሊ ተተኪኣ?
መልሲ፣ እቲ ዓላማ ሓዲሽ ዓለማዊ ስርዓት ጽዮናውያን፣ ሕልሙን መደቡን ኣብ መወዳእታ ግዜ፣ እታ ባንዴራ ኤርትራ ተደምሲሳ፣ በታ 5 ኮዋኽብቲ ወይ ሎጎ ፔንታጎን ዘለዋ ባንዴራ ኢትዮጵያ ንምትካእ እዩ። እታ 5 ኮዋኽብቲ ወይ ሎጎ ፔንታጎን ዘለዋ ባንዴራ ኢትዮጵያ፣ ባንዴራ መላእ ኢትዮጵያን ኤርትራን ጥራይ ዘይኮነስ ባንዴራ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንምግባር እዩ እዚ ኩሉ ብውዲትን ብዘግምታዊ ጒዕዞን ጽዮናውያን። “ንሰብኣዊ መሰል ደቂሰባት ምግሃስ ማለት፣ መሰረታዊ መንነቶም ወይ ህላዊኦም ንምግሃስ እዩ”። ኔልሰን ማንዴላ
ባንዴራ መንግስቲ እስራኤል ከኣ 6 ስሉስ ኲርናዕ ዝሓዘ ኮኾብ እዩ። እዚ ድማ ረቂቕ ውዲታዊን ጥንቆላዊን ትርጉምን ትሕዝቶ ዘለዎ ኮይኑ፣ ብመሃንድሳት ጽዮንነት ዝተሓንጸጸን ዝተቀየሰን፣ ንገርሀኛ ህዝቢ ንምትላል፣ “ባንዴራ ንጉስ ዳዊት እያ፣ ንሕናከኣ ኣምላኽ ዝሓረየና ሓቀኛታት ደቂ ኣምላኽ ኢና” ኢሎም እዮም ንህዝቢ ዓለም ክሳብ ሎሚ ዝዓንጅሉዎ ዘሎው።
ምልክት።
|
ኣብዚ ንምብጻሕ እዩ እቲ ቀንዲ ኣራባራብ፣ እታ ኣብ ማእከል ፒራሚድ ዘላ ሓንቲ ዓይኒ ትርጒማ፣ ሓደ መንግስቲ ሓደ ባጤራ ሓንቲ ዓለም ማለት እዩ። እቶም ስዉራት ሓይልታት ንዂለን መንግስታት ዓለም ከምዝርእያን ከምዝቋጻጸራን እዩ እቲ ትሕዝቶ። ንዘስተብህሉን ንዝመራመሩን ግዱሳት ሃገራውያን፣ ማለት ኣፍሪቃውያን ይኹኑ ኣሜሪካውያን ወይ ኤውሮጳያን፣ እዛ ንነብረላ ዘሎና ዓለም ብዓል መን ይቆጻጸሩዋ ከምዘለው ክፈልጡ ይኻሉ እዮም። እዛ ሓንቲ ዓይኒ ምልክት ዘላታ ፒራሚድ፣ ኣብ ባጤራ ዶላር ኣሜሪካ ተለጢፋ ኣላ። ብዓባያ እታ ፒራሚድ ድማ ኣብ ኩለን ባንዴራታት ሃገራት ዓለም ኣላ። ኣብ ባንዴራታት ኩለን ምዕራብ ኤውሮጳ ሃገራት ግና ምልክት ፒራሚድ የብለንን። ኣፍሪቃን ኣስያን ሩስያን ችሂናን ወዘተ ግና ኩለን ፒራሚድን ኮኽብን ኣለወን። እወ፣ ባንዴራ ሃገር ግሪኽን፣ ዓባይ ብሪጣንያን፣ ስዊድንን፣ ስዊዘርላንድን፣ዴነማርክን፣ኣይስላንድ፣ ኖርወይ፣ መስቀልን ኮኾብን ኣለወን። ባንዴራ ቱርኪ ድማ ኮኾብን ወርሕን ኣለዋ። ኮኾብ ድማ ኣብ ውሽጣ ብፒራሚድ ወይ ሰለስት ኲርናዕ ከምዘለዋ ከነስተብህል ኣሎና። ማለትሲ ንባዕላ ፒራሚድ እያ።
እስከ እቶም ቋንቋ እንግሊዝኛ እትመልኩ ግዱሳት ነዚ ሊንክ እዚ ክተንብብዎ ፈትኑ።
-
ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ
27.05.2017 ዓ.ም.ፈ
Recent Comments