ኣቶ ገርህላሰ ኣስፍሃ ካብ ኣቦኡ ነፍስሄር ኣስፍሃ ክፍለን ካብ ኣዲኡ ነፍስሄር ኣስካሉ ተወልደን ብ01.01.1953 ኣብ ዓዱ ደቀምሓረ ድንበዛን ተወሊዱን ዓብዩን። ትምህርቲ ግና ጀሚሩ ከብቅዕ ኵነታት ናብራ ንምምሕያሽ ብማለት ትምህርቱ ኣቋሪጹ ኣብ ስራሕ ዓለም ተዋፊሩ፤ እንዳተጓዕዘ ከሎ ከምቲ ኩሉ ኤርትራዊ እተበጀዎ ብ1973 ዓ.ም. ኣብ ሰውራ ኤርትራ ተሰሊፉ እጃሙ ከበርክት ድሕሪ ምጽናሕ ብ1980 ዓ.ም. ንሃገር ሱዳን ኣተወ።
ብ1983 ዓ.ም. ድማ ምስ ወይዘሮ ሓጎሳ መርእድ ብቃል ኪዳን ተጣመረ፤ ካብ ኣብራኾም ዝወጹ ሰለስተ ውላድ ኣለውዎም። 1. ፈቨን ገርህላሰ 2. ኤደን ገርህላሰ 3. ምስግና ገርህላሰን ድማ ይበሃሉ። ኣቶ ገርህላሰ ካብ 1991 ዓ.ም. ጀሚሩ ሂወቱን ሂወት ደቁን ክኣሊ ድሕሪ ምጽናሕ ብ19.12.2016 ገባሪኡ ብዘይተፈልጠ ሓደጋ አብ ትሕተምድሪ ቤት ኣቶገርህላሰ ዚነብረሉ ህንጻ አብ ናይ ሓባር ናይ ሐጸብቲ ክፍሊ መይቱ ተረኺቡ።
ንሕና የሕዋቱን መተዓብይቱን ዝኾና ኣብዚ ሓጺር መረዳእታ(መግለጺ) ብዛዕባ ባህርያት ሓውና ገርህላሰ ኣብ ምሕባር ግዴና ንምግባር ድኣ’ምበር ንገርህላሰ ዝበቅዕ ታሪኽ ነቕርብ ኣሎና ንምባል ኣይኮነን። ማለት ታሪኽ ወዲ ሰብ ብጸብለልትነት ክበጽሖ ካብ ዝኽእል ናይ ስራሕ ዕቤትን ደረጃታቱን ዘይኮነስ እቲ ክርኤ ዝግብኦ ባህርያቱን ስነ ምግባሩን ምዃኑ ካብ ኵላትና ዝተኮወለ ኣይኮነን። ስለ ዝኾነ፣ እቲ ኮርባህሪ ሓውና ገርህላሰ ከም ሓቁ ዝያዳ የሕዋቱን መተዓብይቱን ካልእ ክገልጾ
ኣይክእልን’ዩ። ባህርያት ገርህላሰ ኣስፍሃ ውጹእ ፍሉይነት ነይሩዎ። ገርህላሰ ከም ሰብ መጠን ኣይሓቅን’ዩ ንዝብሎ ነገር ብትብዓትን ብሓቀይና ዕግበቱን ስለ ዝምክት ውጹእ ፍሉይነት ነይሩዎ። እዚ ባህርያት’ዚ ድማ ንገርህላሰ ኣብ መድረኽ ገድሊ ይኹን አብ ውልቀ መነባብሮ ብዙሕ ኣሳግድን ጸገማትን ይገብረሉ ምንባሩ ብቀረባ ስለ ንግንዘብ ምስክርነትና ነቐምጥ ኣሎና። ጽኑዕ እምነት ኣብ ሓቅን ርትዕን ዘስዕቦ መዘዝ አብ ዓለምና ቀሊል ኣይኮነን።
ናይ ጽንዓት ትበተኽን ጠባይ አብ ማይቤት እቲ ስድራ ፍሉጥ መለለዪን ሕላገትን ኢዩ። ገለ ከም ኣብነት ንምጥቃስ’ኳ ናይ ስዉእ ሓድጉ ኣርኣይ ባህርያትን ጅግንነትን አብዚ ክገጥም ይኽእል። ስዉእ ሓድጉን ገርህላሰን ደቂ ሓወቦታት ነይሮም። ሓድጉ ካብ ውሽጢ ተሰነይ ወተሃደር ከሎ ጀሚሩ ክሳብ ናብ ኣስመራ ከም ምሉእግዜ ተጋዳላይ ኴይኑ ዚምደብ አብ ስራሕ ፈዳይን አብ ተ.ሓ.ኤ ብልጫ ነይሩዎ። አብ’ዚ ስራሕ ናይ ፈዳይን እንከሎ ከአ ነታ ካብ ምንጋጋ ኮማንድስ ብተኸስተ ካብቺኖ ትምራሕ ዝነበረት ናይ ጀነራል ጎይትኦም ማርሰደስ አብ ከባቢ ሕምብርቲ ናብ ገለ ሓለፍቲ ተሓኤ (ንኣብነት ዓብደልቃድር ሮሞዳን ሓደ ካብኣቶም ነይሩ) ተረኪባ ናብ ዓዲ ገብራይን ባንብቆን እናምርሑ አብ ጓል ሕምብርቲ ክበጽሑ ሰራዊት ኢትዮጵያ ስለ ዚተኸተሎም፣ ሓድጉ ንብጾቱን መራሕቱን ዚነበሩ ምስቲ ዚነበሮም ዋሕዲ ብኢድ ከይትሓዝዎ መታን ንሳቶም ከዝልቑ ንበይኑ አብ ምትዃስ አተወ፤ አድሒንዎም ከእ። ሰራዊት ኢትዮጵያ ንመጻናንዕን መምለስ እግርን ነታ መርሰደስ ወሲዶም ተመልሱ፣ ካብ መራሕ መኪና ጀሚርካ ኵላቶም ተጋደልቲ ግና ድሓኑ። ጅግና ሓድጉ ኣርኣያ ግና ብ23 ጥሪ 1975 አብ ጓል ሕምብርቲ ዚተባህለት ቦታ ተሰዊኡ ተሪፉ። ይኹን እምበር ጸላኢ ሬሳ ሓድጉ ከይረኸቦ ተመሊሱ፣ ስለዚ ከአ ንሬሳኡ ብጾቱ ተመሊሶም አልዓልዎን አብቲ ቦታ መስዋእቱ ተቐብረን።
ንሓውና ነፍስሄር ገብረ-ስላሰ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ ። ንበዓልቲ ቤቱን ደቁን ቀረቡን ፈተውቱን ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ንብል ።
ደቀምሓረ ( ድንበዛን ) ሰራሕቲ ቅያ እዮም ። ንኣብነት ንምጥቃስ ሓደ ምስ ወለደይ ድልዱል ምትእስሳር ዝነበሮ ሰብኣይ ምስ ነኣሽቱ ደቁን ሰበይቱን ( በዓልቲ ጸሎት ) ንሜዳ ወፊሩ ናብ ኣስመራ ናጽነት ሒዙ ተመሊሱ ።