ኣብ እዋን ገድሊ ትግራይ፣
ኣየወ ዘመን ግሪንቢጥ ማይ ንዓቐብ !
ሓርበ ኛታት ከም ብዓል ሒዳሪናይ መለስ ዜናዊ፣ ጅግና ሓየሎም፣ ሓርበኛ ስየ ኣብርሃን፣ ሃገራዊ ተወልደ ዕውርን፣ ካልኦት ሃገራውያን ጀጋኑ ደቂ ትግራይን ወዘተ፤…..ኣብ ባህላዊ ጸወታ ህውሓት እናሳዕስዑን እናተሓጎሱን ክለው ዘርኢ መዘክር ቪድዮ።
ኣየወ! “እዚኦምየ! እዚኦምየ! ሽኮር ኣገዳ እዮም ክጥዕም ላዝኦምየ! እንታ ዚኣቶም ፣ ደቂ ሩባና እሸዊናና” ክብሃል ከሎስ ክንደይኮን ጥዑም ነይሩ።
ነይሩ ቅድሚ ዕብዳኖም እንታይ ዋጋ ኣለዎ …..ሰብ ከመይ ዝበለ መንግስቲ ኣብ ክልቲኡ ክቐውም ይኸውን ኣብ ሞንጎኦም ድማ ካብ በረኻ ብደም ዝኣሰሩዎ ሕውነትን ውዕልን ኣለዎም ናብ ሓደውን ክመጹ እዮም ንታ ባህጊ ኣቦታትና ምድሪ ኣግኣዚትውን ክምስርቱ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃውን ማንም ዘይደፍራ ኢኮኖምያዊ ምትእስሳር ምስ ዝተረፉ ህዝብታት ዝህልዋ ትግርኛ ተዛራቢት መንግስቲ ኣብ ዓለምና ክትገሃድ እያ እንዳበለ ሰብ ኣምባሂቑ ኣትሪፎምዎ እዞም ክልተ በሃማት !!!
እወ፣ እንታይ ዘረባ እለዎ ኢልካዮ ወዲ መኮነን፣ ዘስድምም እዩ ጉዳይ ጥንታውያን ደቂ ኣግኣዝያን። ብሉዕ ፈድዮም። ብቱርኪ ዘይ ደኸምና፣ ብግብጺ ዘይተሓለልና፣ ንብዕል ጀለብያ ማህዲ ኣብ መተማ ኣብ ክልተ ምዓልታት ዝስዓርና፣ኣብ እዋን ጀጃዊ ወራር ጣልያንውን ኣብ ዶጋልን ኣብ ዓድዋን ቅያ ዝሰራሕና፣ ትማልውን ኣንጻር ሩስያን ካልኦት “ሓያላት መንግስታት ” ዝብሃላ መኪትና ኣግእዝያዊ ጅግንነት ዘረጋገጻና እኮ ኢና። ጽኒሖም ግን መሃንድሳት ስለላ መርበብ ጽዮናውያን፣ከምቲ ኣብ ኲናት ደጓልን ዓድዋን መታን ከየጋጥሞም ብውዲት ንኢሰያስን ንሓያሎ ኣባላት ፖሊት ቢሮ ህውሓትን፣ ከም ብዓል ስዩም መስፍን፣ ስብሓት ነጋ፣ ሕዳሪናይ ለገሰ ዜናዊን፣ ከምኡውን በረኸት ስምኦንን፣ ብስዉር ስለዝወደቡዎም፣ ብረቂቕ ውዲት ህዝቢ ኣግኣዝያን ንኽጠፍእ መዲቦምልና። ክንደይ ግን ከይቀንዖም!! ኣምላኽ ይሓግዞ እምበር ንህዝቢ ኣግኣዝያን እሞከኣ ፈሪሃ እግዚኣብሔር ዘለዎ ጭዋ ህዝቢ፣ እከይ እዩ ዝሕሰበሉ ዘሎ። ነዚ ግን ብዓል የውህንስ ኣይርድኦምን እዩ። ጉዳይ ኤርትራን ትግራይን ሓደ እዩ። ፈላሊኻ ግዛእ ውዲት ጽዮናውይን ግና፣ ንክልተ ኣሕዋት ኣብ ባድመ ኣፋሊሶሞ ጥራይ ከይኣኽሎም፣ ንለገሰ ዜናዊ ቀንጺሎም፣ ነዚ ዕቡድ ኢሰያስ ቀጠልያ መብራህቲ ወሊዖም ሒዝካዮም ጥፋእ ይብሉዎ ኣለው።
መራሕቲ ወያኔ ክልብሙ እንተይዘይክኢሎም!! ብሰንኪ ወያኔን ህግደፍን ብዘይ ጥርጥር ተላኻኺምና ክንጠፍእ ኢና። ጉዳም እዩ! ንሳቶም ድማ ሕማቕ ታሪኽ ገዲፎም ክሽመሙ እዮም! ክልተና ህዝቢ፣ ግንከኣ ሓደ መበቆል፣ ሓደ ቋንቋ፣ ሓደ ሃይማኖት፣ ሓደ ባህሊ ከሎናስ፣ ብሰንኪ ካብ ማህጸን ኣዴታት ኣግኣዝያን ዝተወልዱ፣ ግንከኣ ብጽዮናውያን ዝተዓስቡ ክንጠፋሲ ሃየንታዶ ኣይኮነ??? መሃንድሳት ጽዮናውያን ሲኣይኤን ሞሳድን ኤምኣይ6ን፣ ገረብ ብሓኽላ ገሮም እባ ይጻወቱልና ኣለው!!!! እንተዘይለቢምብናን ልቢ ገርናን ተላፊንናን ንድሕነት መንነት ደቂ ኣግኣዝያን እንተዘይ መኪትና፣ ተፋላሊና ክንዓርብ ኢና!!! ክቡር ወዲ መኳንንቲ፣ ወዲ መኮንን !! ኣምላኽ ጥራይ ይርድኣና እምበር ብህውሓትን ህግደፍንሲ ተጠሊምና ኢና።
ሎሚ ድኣ ወርቅናን ቡንናን ካልኣ ባህርያዊ ጸጋናን፣ተጓሕጒሑ ብብሳዕዳውያን እንዳተዘምተ ከሎ፣ ብሁግ ስትራተጂካዊ ቦታና ድማ ንኽቆጻጸሩዎን ክውንንዎን እሞ ብደምና፣ ወተሃደራት ህውሓት ኣብ ሶማል ሓለውቲ ረብሓ ጽዮናውያን፣ ወተሃደራት ኢሰያስ ድማ ኣንጻር ሶማልን ደገፍቲ ኣልሸባብ፣ ከምኡውን ወተሃደራት ኢሰያስ ምስ ስዑድያ ኣብ የመን ምስቶም ሰብ ጀለብያ ተሰሊፎም ኣለው። ኣይገርመካንዶ ሓው ወዲ መኮንን?? እዚ ደይኮነን እቲ ሓቂ?? ንየውሃንስ ከኣ እንተኺኢልካ ከተረድኦ ፈትን ኢኻ። ድንቁርና ገበን ኣይኮነን ተማሂርካ ትስዕሮ ኢኻ። ዕሽነት ግን ዋላ እንተተማሂርካ ዘይስዓር ጸላኢ እዩ። ስለዚ ንለብም ኣይንዓሹ። ኣባሓጎታትና ብዙሕ ኣይተማህሩን ለባማት ሓቦኛታት ስለዝነበሩ ግና፣ ንምድረ ኣግኣዝያን ሓልዮምልና ንመዋእል ጸኒሖም። ሕጂኸ ብዓል ክናናን ምናናን ፊደል ቆጺሮም ከብቅዑ፣ በዚ ረሳሕ ባጤራ ተታሊሎም ክብሪን መንነትን ህዝቢ ኣግኣዝያን ይጣልዕሉ ኣለው። እሞ ብሓባር ኮንና እዚ ትግራዋይ እዚባ ኤርትራዊ ከይበልና፣ኣግኣዝያዊ መንግስቲ ኣብ ክልቲኡ ክቐውም ክንጽዕር ኣሎና። ኣብ ሞንጎኦም ድማ ካብ በረኻ ብደም ዝኣሰሩዎ ሕውነትን ውዕልን ድማ በጃኹም ዘክሩዎ ንበሎም። ኣብ ሓደ እንተዘይ መጺኦም ግና ተለኻኺምና ዕርበት እያ። ባህጊ ኣቦታትና ምድሪ ኣግኣዚትውን ክምስርቱ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃውን ማንም ዘይደፍራ ኢኮኖምያዊ ምትእስሳር ንኽገብሩ እስከ እቶም ለባማት ንምከሮም። ንመን ኢሉዎ፣ ሓደ ምዓልቲ ትግርኛ ተዛራቢት መንግስቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትከል ትኽእል እያ፣ ግን ንሕና እንተለቢምብና!!!!
” መራሕቲ ወያኔ ክልብሙ እንተይዘይክኢሎም!! ”
ኣቦታትና ” ጉይይ ካብ ምውዓል ፡ ክሳድ ምሓዝ ” ከም ዝበልዎ ነቲ ቁም-ነገር ጹቡቕ ጌርካ ዓትዒትካ ሒዝካዮ ። ኤርትራውያን ፡ ምሁራትን ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝተነፍጎምን ፡ ብዘይ ኣፈላላይ ኣብ ቋንቋ ትግርኛ ብዙሕ ገበን እዮም ዝፍጽሙ ። ኣብ ክንዲ ከማኻ ትኽ ኢሎም ብላዛ ዘለዎ ኣገባብ ሓሳቦም ዝገልጹ ኣብ ዘየድሊ ሸንኮለል ኣትዮም ናይ ንባብ ደስታኻ የባላሽዉልካ ።
ናይ ብሓቂ እታ ኩዕሶ ምስ ተጋሩ (ብፍላይ መራሕቲ ወያነ ) እያ ዘላ ። ብመሰረቱ እውን ናይ ዶብ ጸገም ዝፈጠሩ ሱሱዓትን ደናቁርና መራሕቲ ዎያነ ደኣ እምበር መንግስቲ ኤርትራ ኣይኮነን ። ነግራም ወያነ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊ ክሩኩዕ እንታይ ዘይገበረ ። ንክትፈልጦ ናይ ወያነ ናይ መጀመርታ ግዳይ ዝኾኑ ኣብ ታሕታይ ኣድያቦ ዝርከቡ ዝነበሩ ደቂ ሎጎ-ጭዋ ዝርከብዎም ኤርትራውያን እዮም ። ታቦትኩም ሒዝኩም ውጽኡ ተባሂሎም ምስ ገዓዙ ብድሕሪኡ ወያነ ውግእ ምስ ተጀመረ ሽዑ ንሽዑ ብነፈርቲ ወያነ ዝተቐትሉ ንሳቶም ድማ እዮም ። ወያነ ስጋዕ ተሰነይ መሬተይ እዩ እንዳ በለ ምስ ኤርትራ ዘታርኽ ብዘይካ ብትዕቢት ዝተደረኽ ( ኣብ ጁጅ-ማጁጅ ኣምሓራን ኦሮሞን ዝሕደሮ ደንቆሮ እምነት ) ኣጭበርባሪ መንፈስ ካልእ ምኽንያት ኣይነበሮን ። ሓቂ ምስ ኣታቶም ኣይነበረትን ። ሕጂ ባድመ መሬት ኤርትራ ምዃና ብሕጊ ስለ ዝተረጋገጸት ወያነ ሰላሕ ኢሉ ካብ መሬት ኤርትራ ክወጽእን ካብ ናይ ሌብነትን ዘይ ናትካ ምህራፍን ክቑጠብ ይግባእ።
ዝኸበርካ ሓው የውሃንስ፣ ርእይይቶኻ ተረዲና ኣሎ። ጉዳይ ኣምሆ ዘመን ህውሓት፣ ሎሚ እህኣዴግን፣ኣምሆ ዘመን ህ.ግ.ሓ.ኤ. ሎሚ ህግደፍን፣ ገርሀኛ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዘይበጽሖ፣ንብረት ጽዮናውያን ኮይኖም እዮም ተፈጢሮም። ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ድማ ነቲ ውዲታዊ ምስጢር ዳርጋ ብዙሓት ግዱሳት ሃገራውያን ትግራዎትን ኤርትራውያን ዝኾኑ፣ ብመጽናዕትን ምርምርን ንኣፈጣጥራ ወያኔን ህዝባዊ ግናባርን ዘለለዩዎ ኣለው። ከይገልጹዎ ግና ጆጅዮም ኣስቂጦም። ዘስደምም እዩ። ብርግጽ ግና እዞም ክልተ ጭፍራ እዚኦም፣ ገና ኣምሆ ዘመን ክፍጠሩ ከለው፣ትካል ጽዮናውያን ኮይኖም እዮም ብመሃንድሳት ሲኣይኤን ስለላ መርበብ ሃገር እንግሊዝን እስትራኤልን ተጠፍጢፎም። ንህዝቢ ኣግኣዝያን ኢሎም ኣይኮኑን። መስኪን ተጋዳላይ ወይንን ሣዕብያን ግና ነዚ ምስጢር እዚ ኣይፈልጦን እዩ። ቀንዲ ተልእኾኦም ድማ ንስትራተጂካዊ ዞና ቀርኒ ኣፍሪቃ ዋርድያታት ጽዮናውያን ኮይኖም ንኽሕልዉ ዝተሰርሑን ዝተመልመሉን እዮም። ንረብሓ ጽዮናውያንን ሃጸያውያንን ድማ ነዚ ብመበቆል ሓደ ዝኾነን፣ሓደ ቋንቋ ዝዛረብን ህዝቢ ምድረባሕርን ትግራይን (ኣግእዝያን) ፈላልዮም ግዳይ ስትራተጂካዊ ረብሓ ጽዮንነት ይገብሩዎ ኣለው። እወ፣ ጉዳይ ባድመ ገዲፍካ፣ ኣብ ጉዳይ ሶማል ምጻእሞ፣ ምዓራባውያን ንቀርኒ ኣፍሪቃ ንኽቆጻጸሩ ንህዝቢ ሶማል ድቃስ ከልኦሞ ኣለው። ባዕሎም ኣብ ክንዲ ዝቃለስዎ ግና ንወያኔ ገንዘብ እሕቒፎም ልኢኾም ጉዳይ ኢትዮጵያ ገዲፎም ካም መርሲኔሪ ኮይኖም ኣብዘይ ስርሖም ኣትዮም ኣለው። እንዳ ህግደፍ ድማ ንኣልሸባብ ይሕግዝዎ ኣሎው። ኣልሸባብ ግና ከም ኣይሲስን ኣልቃሂዳን ንብረት ሲኣይኤ እዩ። ጽንብላሊዕሲ ነብሳ ዘይከደነት ጎልጎል ከደነት። ዕዮ ገዛውቶም ዘይገበሩስ ዕዮ ግዳማውያን ሓይልታት ይገብሩ ኣለው። ጉዳይ ባድመ ድማ ብውዲት ጽዮናውያን ዝተወልዐ ኲናት እዩ። እዞም ነዚ ክልተ ውድባት ኣብ ግዜ ሰውራ ተላፊኖም፣ንጀብሃ ካብ ገጽ ኤርትራ ሰጒጎማ፣ ንሓይሊ ናደውን፣ መብረቕን፣ ውቃውን ድማ ተላፊኖም ደምሲሶሞ። ስለምንታይ ድኣ ነስመራን ንኣዲስ ኣበባን ምስ ኣተዉ ተላፊኖም ንህዝቦም ዘይሕብሩን ዘየማዕብሉ? ኲናት ባድመ ንምንታይ ኣድለየ? ብእንዳወያኔ ድማ ነቲ ንመዋእል ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብር ዝነበረ ክፋል ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝኾነ ህዝቢ ኤርትራ፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ነስመራ ምጕሓፍ ስለምታይ ተገበረ? ንመን ረብሓ እዩ? ሓቂ ክንዛረብ እንተድኣ ኮንና ኣብ ወራር ባድመ፣ ሓይሊ ህግደፍ ባረንቱን እምባስይራን ምስተታሕዘ ተሳዒሩ እዩ ነይሩ። መንግስቲ ኣሜሪካ ግና ንኢሰያስ ከይትትንክፉዎ ኢሎም ንወያኔ ኣዚዞሞም። ኲናት ድማ ደው ኢሉ። ኣብ እልጀርያ ተኸይዱ፣ ተጣላቒና ተባሂሉ። ስለምንታይ ድኣ ፍጹም ሰላም ዘይተገብረ? ጽዮናውያን ስለዘይደለይዎ ጥራይ እዩ። ስለምንታይ ጂ15 ተኣሲሮም፣ ስለምንታይከ ኣብ ፍርዲ ዘይቀረቡ? ስለምንታይከ 15 መራሕቲ ወያኔ ብዓል ስዬን ገብሩ ኣስራትን ተኣሲሮም፣ ስለምንታይ ግና ንሶም ኣብ ቤት ፍርዲ ቀሪቦም ንኣሜሪካ ድማ ተፋንዮም፣ እቶም ደቂ ተካሊት ጂ15 ኤርትራውያን ግና ኣብ ዕራዒሮ ይምሽምሹ ኣለው? ስለምታይ ቅዋም ኣብ ኤርትራ ዘይተተግበረ? ስለምንታይ ሓይሊ ወያኔ ካብ ባድመ ፈጺሙ ዘይለቐቐ? እዚ ኩሉ ሕቡእ ኣጀንታታት ጽዮናውያን እዩ። እዚ ኩሉ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ፍታሕ እንተድኣ ተገሩሉ፣ መራሕቲ ህግደፍን መራሕቲ ወያኔን ኣይክህልዉን እዮም። ስለዚ መሃንድሳት ጽዞናውያን ፈላሊኽ ግዛእ ዝብል ስሚ ብምንዛሕ፣ ነዞም ክልተ ጭፍራታት እዚኦም ከም ባንቡላ ይጻወቱሎም ኣለው። ንሕና ከኣ ንጠፍእ ኣሎና። እዚ ወድሓንካ።
ወዲ ሓወቦይ!
ኣብ ከባቢና ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መላእ ዓለም እውን ከይተረፈ ንሰላም ክንሰርሕ ከም ዘሎና ምሳኻ ይሳማማዕ ። ብናይ ኣል-ሸባብ ዝምልከት ግን ኣይትሓዘለይ ደኣ እምበር ፡ ብጋህዲ ክነገረካ ፡ ርእይቶይ ካብ ናትካ ፍልይ ዝበለ እዩ። ዓለም ብዝመስከሮ ኤርትራ ምስ ኣል-ሸባብ ዋላ ሓንቲ ርክብ የብላን ። እዚ ግን ምስ ህዝቢ ሶማል ተባቲኽና ማለት ኣይኮነን ። ካልእ ኣነን ንስኻን ትፈላልየና ነጥቢ ” ወያነ ኣብቲ ብበቢ ዓይነቶም ናይ ግዳም ሓይልታት ኣጆኻነትን ዘራይነትን ዕስለታት ፈንጂ-ረጋጭ ኣምሓሩን ኦሮሞን ስኺሩ ዝገበሮ ዕንደራ ፈሺሉ ዶ ኣይፈሸለን ? ” ትብል ሕቶ ኢያ ። ኣነን — ተስፋ-ጽዮን ዘኣግኣዚ ዘለውዎም – ብዙሓት ሰባትን ” እሂኒ ደኣ ፈሺሎም እምበር፡ ሕርሕራይ ጌሮም ፈሺሎም ! ” ኢና ንብል ። መፍሸሊኦም ድማ ጅግንነት ህዝቢ ኤርትራን ብልሒ ናይ መራሕቲ ኤርትራን እዩ ። ” ኣድሒንዋ ሃገር ፡ ኣብ ሳዋ ዓሊሙ ” ተባሂሉ ክድረፍ እንከሎ ኩልና ኣይሰማዕናዮን ዲና ?
እቲ ናይ ምጥልቓይ ካብ ኣልዓልካዮ እቲ ከምኡ ዝበለ ሓውናን ቀረብናን ስለ ዝኾነ ንዑዑ ጥራይ እዩ ዝምልከቶ ኢለ ክሓልፎ ይመርጽ ። ከም ንቡር ኣብ ጽንኩር ኩነታት ገለ ገጥ ክብል እንከሎ ካልእ ድማ ኣብ ወለቕ-ዘለቕ ይኣቱ ። ህዝቢ ሎጎ-ጭዋ ምስ እቶም ዝመጸ ተመጸ ድምብርጽ ዘይብሎም ሰብ ስረ እዩ ዝቑጸር ። ሓቀይ ዶ ?