ብብልዮናት ዶላር ዝግመት ምህርቲ ዕደና ወርቂ ዘለዋ ሃገር ክነሳ፣ ብሰንኪ መግዛእቲ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ግና፣ መጓዓዝያ ባቡር ካብ ከተማ ምጽዋዕ ንከተማ ኣስመራ፣ በታ ብዘመነ ኮሎንያል ጣልያን እተሰርሐት ዝመረተትን ዋሕስና ሕይወት ንህዝቢ ዘይብላን ባቡር ኮይኑ መጓዕዝያ። ኣብዚ እዋንዚ ግና ይኣይ ኢትዮጵያውያን ንኤርትራ ከማዕቡሉዋ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንበይኑ ብዘይ ፍቓድ ህዝቢ ኤርትራን ብዘይ ምውካስ ሚንስተራቱን ጀነራላቱን ይዕድሞም ኣሎ። ክንብርኩት ከይንብርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ!! ንዓና ንኤርትራውያን ግና ሓዲሽ ነገር ኣይኮነን፣ ቅድሚ 60 ዓመት፣ ኮሎንያል እንግሊዝ ነቲ ብመሃንድሳት ኮሎንያልን፣ ብህዝብናን ዝተሃንጸ ምዕቡል ፋብሪካታትን ባቡራትን ዘሚቱ ንፓኪስታንን፣ ንሱዳንን፣ ንስዑዲ ዓረብን ብዘይ ንሕስያ  ምስ ሓረጆ፣ “ኤርትራ ድኻ ሃገር እያ፣ ርእሳ ክኢላ ክትነብር ኣይትኽእልን እያ “ኢሉ ፈሪዱና። ሽዑ ድማ ዛጊት ነቲ ውዲት እንግሊዝ ቀልጢፎም ዝተረድኡ ደቂ ሃገር ኤርትራ ከምዚ ኢሎም ደረፉሉ፣….እያ እንግሊዝ እንታ ነዃል ሰልዱ፣ ካብ ድኻን ሃብታምን ዝበልዕ ኣዋሊዱ፣ ንሃብቲ ሃገርና ጓሕጒሑዎ  ከደከደ ንሎንድራ ዓዱ” !!! ክብሉ ደረፉሉ።  ሎሚ ከኣ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ታሪኽ ቶኽላ መንግስቲ እንግሊዝ ክደግም ንዕዘቦ ኣሎና።!

ካብ 400 ቢልዮን ዝግመት ሽያጥ ምህርቲ ዕደና ወርቂ ብሻን፣ ዛራን፣ ሃይኮታን፣ ብባዕዳውያን ተዘሚቱ ንወጻኢ ሃገራት  እንዳተጓረተ፣ ኣብ ኤርትራ ግና “ገንዘብ ተሳኢኑ” ተባሂሉ፣ ካብ ከተማ ባጽዕ ክንከተማ ኣስመራ ከምኡ’ውን ካብ ከተማ ኣስመራ ንከተማ ባጽዕ እትመላለስ  ኣብ ዘመነ ኮሎንያል ጣልያን ዝተሰርሐትን ዝመረተት ሓንቲ ኣረጊት ባቡር፣ ብጥሮተኛታት ተልሜደን ኤርትራውያን ተጸጊና ትመላለስ ኣላ። ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ካብ እትዋት ሃብቲ ባሕሪ ይኹን፣ ካብ እትዋት ምህርቲ ዕደና ወርቂ ዝተረኽበ ብቢልዮናት ዝግመት ገንዘብ ንወጻኢ ባንክታት እንዳኣግዕዞን፣ ምንጪ እቶት ኤርትራ ንባዕዳውያን እንዳዓደሎን፣ ህዝቢ ኤርትራ ግና ምስ ፍልጠቱን ምስ ባህርያዊ ጸግኡን ከሎ ኣገዲዱ ኣብ 40ታት ንድሕሪት መሊሱ የረብርቦ ኣሎ። እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ግና ኢንቨስ ክገብሩ ዓቕሚ ዘለዎም ደቂ ሃገር ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ኣፍሪቃ ተዘሪኦም ከለው፣ “ንኤርትራ ዘማዕብሉዋ ኢትዮጵያውያን ጥራይ እዮም”፣ ካብ ዝብል ክሕደት፣ ሎሚ ኢትዮጵያውያን ኢንቨስቶርስ ንውሽጢ ሃገር ኤርትራ ንኽኣትዉ ይዕድሞም ኣሎ። ኣዝዩ ዘተሓሳስብ ጉዳ!

ንመረዳእታ እስከ ነዛ ኣብ ታሕቲ ተዘርጊሓ ዘላ ብቛንቋ ጀርመን ዝተደርሰት ቪድዮ፣ ንከታተላ።

መንእሰያት እንeርትራ ” ንሃገራዊ ኣገልግሎ፣ ወፍሪ ዋርሳይ ይከኣሎ” ብዝብል ሽጣራን ውዲትን፣ ኣብ  ኣጻምእን ምድሪ ዓሶን ብዘይ ደሞዝ ብዘመናዊ ባርነት ክሳቐዩ ከለው፣ መጕዓዝያ ባቡር ኣብ ኤርትራ ግና በቲ  ብ1935 ዓ.ም.ፌ. (ብዘመን ትሬንታ ቺንኰ)  ብመሃንድሳት ኮሎንያ ጣልያን ብርሃጽ ኣቦታትናን  ዝሃነጹዎ መንገዲ ኮይኑ ኣሎ። እተን ባቡራት ድማ ዝመረታ ብ1935 ዓ.ም.ፈ. ብኢጣልያውያን ዝተሰርሓ ሎሚ ብኣረገውቲ ጥሮተኛታት ኤርትራውያን ተጸጊነን ዋሕስና ሕይወት ዘይብለን ይመላለሳ ኣለዋ። ኣብ ኢትዮጵያ ግና ብመንግስቲ ቺና ኣቢላ ዘመናዊ መንገዲ ባቡር ካብ ጂቡቲ ንኣዲስ ኣበባ፣ ከምኡውን ንመቐለ፣ ኣስታት ካብ 70 ሽሕ ንላዕሊ ኪ.ሜ. ዝንውሓቱ ጽርግያ ባቡር ትሃንጽ ኣላሰ። ኢሰያስ ግን ነቲ ስልጡንን በሊሕን ህዝቢ ኤርትራ ንዝነበሮን ዘለዎን ሃብትን ኣእምሮን ባሕጊጉ ኣብ ድኽነት ሸሚሙዎ ኣሎ። 

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ 15 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም.ፈ.