ምኽሪን መተሓሳሰቢን ንተኻታተልቲ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት፣

እዞም ኣባላት ህግደፍ ኔርና እንዳበሉ፣ ሓለይቲ ህዝቢ ተመሲሎም፣ ገሊኦም ብስም ብርዒ “ፓይሎት” ወይ “ሓጎስ” ወይ “ፎሮ” ሎሚ ድማ “ወዲ ጣባ” እንዳበሉ፣ ገሊኦምውን ብቅኑዕ ስሞም እንዳተፋለጡ፣ ወግሐ ጸብሐ ኣብ ፓልቶክ ዝቐርቡ ዘለው ወይጦታት፣ 95% ካብ ሚእቲ ሓሶት 5% ካብ ሚእቲ ከኣ ንገርሀኛታት ዘእምን ሓቂ ዝመስል መልእኽቲ ተዀልዂሎም እዮም ከይሓፈሩ ቆርበት በጊዕ ተተኸዲኖም ዝቀላቐሉ ዘለው። ነዚኦም ወኻሩ ዚኦም ህግደፍ እምብኣር ኣብ ውሽጢ ሃገርዝፍጽሙዎ ዝነበሩ ዓመጽን ቅንትለንት ከይኣኽሎም ኣባና መጺኦም ከይሓነኹ ክምህሩና ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘሕፍርን እዩ።

ነዞም ኣብ ውሻጤኦም ተኸዊሎም ንገርሀኛታት ደለይት ሰላምን ሓርነትን ሃገራውያን ከዳናግሩ ዝሓድሩ ዘለው ወይጦታት ወጊድ ክንብሎም ኣሎና። ይኣክል ንገርሀኛታት ደቂ ሃገር ምህማልን ምድንጋርን ኢልና ስጉምቲ ክንወስደሎም  መድረኽ ይጠልበና ኣሎ።

እወ፣ ንኣብ ወጻኢ ዘሎ ሃገራዊ ንምድንጋርን ብግቡእ ንኸይቃለስን ኢሎም፣ ብስርዓት ብስለላ መርበብ ህግደፍ ብባዶ 3 ተመልሚሎምን ሰልጢኖምን ዝተላእኩ ምዃኖም ከነለልዮም ኣሎና።

ብሕጂውን መልክዖምን ኣስማቶምን እንዳ ለዋወጡ ገና ክቀላቐሉና እዮም እሞ፣ ከይተገራህና ንድሃሎምን፣ ኣብ ዘዘለውዎ ከድና ድማ ነባህርሮም። እንተተኻኢሉ ድማ ከምታ ንማንኪ ኣብ ሮማ ዘጋጠመቶ ታስክፎርስ ብምግባር መዓት ከነውርደሎም ኣሎና። ንኣድጊ ዝገበረካ፣ ጠይቂ ግበሮ ከምዝብሃል፣ ገጽ ኣይንሃቦም፣ ካብዚኦም ጥፍኣት እምበር ድሕነት የልቦን።

ኣብ ፓልቶክ ኣቲኻ ዓጀውጀው ጃሱሳት ህግደፍ ምስማዕ፣ መደንቆሪ እዩ እምበር ኣስተምህሮ ዝህብ ሓበሬታ ስለዘይኮነ፣ “ድሕር ሰለፋ እንታይ ተረፋ”፣ ከምዝብሃል ጭፍራ ህግደፍ ካብዚ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ዝፍጽሞ ዘሎ ባርባራዊ ግፍዕታት እንታይ ክደግሙና ኢልና ኢና ክንጽበ። ኣንቱም ሰባት በጃኹም እባ ቁሩብ ንሕሰብ ነስተንትንን” ፣ እዚኦም ማሕበር ሰይጣን እዚኦም እኮ፣ንኸይንቃለስ እዮም ዝቃለሱና ዘለው። ንህግደፋውያን ብግብረ-መልሲ ብTask £orce እንተዘይመኪትናዮም፣  ኣሳናቢድናዮምን፣ ጭርኦም ደጒሎም ክጠፍኡ እዮም። ዘረብኦም ክንሰምዕ ንብህግ እንተድኣ ኮይና ግና ብቐጻሊ ኣብ ፓልቶክ ተጎልቢቦብ እንዳተቐልቀሉ ገና ክላገጹልና እዮም።

 

ሳልሳይ ክፋል

ክቡራት ኣንበብቲ ዕዙዝ ሰላምታይ ብድሕሪ ምቕራብ፡-

ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ (ወዲ-ጣባ) ነፀረኣብ ኣስመላሽ ሕጹይ ወያናዊ ፕረሲዯንት ኤርትራ ብድሕሪ ምባሉ፡ ንነብሱ ድማ ኣብ ሰደግኤ ብደረጃ ሚኒስትሪ ተመዚዙ ምንባሩ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ባእታ’ዚ ወትሩ ሂወቱ ምስ ስሱዕ ግዜያዊ ረብሓታትን ፖሎቲካዊ ስልጣንን ዜተኣሳሰረ ብምዃኑ፡ ኣእምሮ ንዘለዎ ሰብ ናይ ኩሉ ግዜ ሕልምታቱ’ዩ ኣግሂዱ። ኣበናይ ጽፍሒ ሚኒስትሪ ተመዱቡ ከም ዜነበረ ስለ ዘይሓበረ ግን ኣብ ዝመጽእ እዋን ክሕብር ተስፋ ንገብር። ካልኦት ኣብ ሚኒስትሪ ዝተመዘዙ ክትሕብረና ትኽእል’ዶ? ብዝብል ክልተ ግዜ ንዝቐረበሉ ሕቶ ካብቶም ብተደጋጋሚ ዝጽውዖም ባእታታት ሓድሽ ኣስማት ከቕርብ ፍጹም ኣይኸኣለን።

ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ (ወዲ-ጣባ) ሓንሳብ ሕጹይ ወያናዊ ፕረሲደንቲ ኤርትራ ሓንሳብ ድማ ኣብ ጅዳ ኣውቲስታ ታክሲ ዜነበረ ተራ ሰብ’ዩ ብምባል ንምንእኣስ ምፍታኑ ዘገርም ኣይኮነን። ነቲ ኣጉል ትዕቢቱን ጃህርኡን ንጎኒ ብምግዲፍ፡ ዋላ’ኳ ሽሕ ግዜ ተራ ሰብ ምዃነይ ዘርዲእ እንተኾንኩ፡ ከምቲ ናቱ ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝብን መንእሰያትን ኤርትራ ዝበጽሕ ዘሎ ኩሉ-መዲያዊ ግህሰታትን ግፍዕታትን ብምኽሓድ፡ ኣብ ፖሎቲካዊ ስልጣን ናይ ምምጻእ ሕልምታት ከም ዘይብለይ የረጋግጽ። ምስ ዝሓልም’ውን ኣብ ንኡስ ዕድመይ ነጻነት ኤርትራ ንምርግጋጽ ንቃልሲ ብሰንኪ ምብጋሰይ፡ ንፕረሲደንት ኤርትራ ዘብቅዕ ዓቕሚ ዘይብለይ ምዃነይ ኣጸቢቐ ይፈልጥ’የ። ምስቲ ኩሉ ንኡስ ዓቕመይ ግን ሕልናይ ንባዕዲዊ መግዚእቲ ይኹን ንምልክነት ደቂ-ሃገር ንሓንቲ ደቒቕ’ውን እንተኾነ ዘይሸይጥ ምዃነይ፣ ካብቲ ኣዝዩ ዝሕበነሉን ዝኾርዒሉን መንነተይ ምዃኑ ከረጋግጽ እፈቱ።

ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ (ወዲ-ጣባ) ብሓደ ካብቶም ኣብ ፓልቶክ ዜነበሩ፡ “ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ እንታይ ፍሉይ ነገር ስለ ዝነበሮ’ዩ ብህግደፍ ተቐቲሉ ዝብሉ” ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ፡ ካብቶም ካልኦት ዝኾነ ይኹን ፍሉይ ነገር ኣይነበሮን ክብል መሊሱ።

ብርግጽ እቲ ኣዝዩ ዘገርምን ዘሕዝንን ኣብዚ ህሞት’ዚ ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ መላገጺ ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ ወ/ጣባን መሰልቱን ምዃኑ’ዩ። እዚ ባእታ’ዚ ንስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ፍጹም ዘይፈልጦ ክንሱ ብዛዕባኡ ክምልስ ይኹን ምስክርነት ክህብ ቅንጣብ ብቕዓትን ሞራልን ዘለዎ ሰብ ኣይኮነን። ኮይኑ ግን ዕሱብ ኩሉ ግዜ ዕሱብ ብምዃኑ ወትሩ ቀለቡን ስንቁን ድማ ሓሶት ስለ ዝኾነ፡ ፍጹም ኣብ ዘይፈልጦ ታሪኽ ክቆማጣዕ ግድነት’ዩ። ከምቲ “ሰይጣን’ሲ ከምስል የምሰልስል” ዝበሃል፡  ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ከንቱ ኣይኸውንን’ዩ ብምባል ድራማ ክሰርሕን ንብዓት ሓርገጽ ክነብዕን’ኳ እንተፈተነ፡ ከምቲ ልማዱ ግን ከቕትሎ ዜኽእል ካብቶም ካልኦት ፍጹም ፍሉይ ነገር ኣይነበሮን ብዝብል ከነኣእሶ ፈቲኑ።

ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ (ወዲ-ጣባ) ነቲ ኣብ ከቢድ ሕሰምን ዓዘቕትን ዝርከብ መላእ ህዜቢ ኤርትራ ብሓፈሻ፡ ፍቆዶ በረኻታት ምድረ በዲታትን ባሕርታትን ሂወቶም ዜስእኑ፡ ኩሊቶም ዜሽየጥን ዘሎ መንእሰያትን ኣብ ዜተፈላለየ መቁሕ ገባቲ ስርዒት ህግዯፍ ንዒመታት ዝተደርብዩ ፖሎቲካዊ እሱራትን ድማ ብፍላይ ክደናገጽን ክማጎትን ቅንጣብ ሰብኣዊ ሕልናን ሞራልን ዘይብሉ ክንሱ፡ ብሓቂ ብስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ዜጣበቕ ክመስል በየናይ መምዘኒታት? ሎሚ ብከምዙ ዜኣመሰለ ድራማ ዜታለልን ዜኽወል ታሪኻዊ ገበናትን ኣይህሉን’ዩ። እዙ ኣብ ቦትኡ ከሎ፡ ነቲ ኣብ ፓልቶክ ንስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ከቕትሎ ዜኽእል እንታይ ፍሉይነት ስለ ዜነበረ’ዩ? ብምባል ንዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ ወ/ጣባ ወጣሪ ሕቶ ዘቕረበ ባእታ ፖሎቲካዊ መንነቱን እምነቱን ብዘየገድስ፡ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ልኡል ምስጋናይ የቕርብ። ምክንያቱ ታሪኽ ሂወት ስውእ ዘካርያስ ንጉሰን ከቕትሎ ዘኽእል ፍሉይነትን ክንሕብር ስለ ዝሓገዘ። እቶም ብዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ ወ/ጣባ ጻልጣ ሓሶት፡ ኣንነት፡ ትዕቢት፡ ትምክሕቲ፡ ጃህራን ፈኸራን ክመሃሩ ዜሓድሩ መንእሰያት ካብዚ ተባዕ ታሪኽ’ዚ ትምህርቲ ክቐስሙ’ውን ተስፋ ይገብር።

ብሓጺሩ መለለዪን ፍሉይነትን ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ብዘሕ’ዩ ነይሩ። በሊሕን ርሑቕ ዜጥምትን ካብ ዝኣመነሉ ፖሎቲካዊ ዕላማ ጽኑዕ፡ ኣብ መርገጻቱ ተሪር፡ ሂወቱ ብዘይተጉላባነት ንህዝቢ ዝብጁ ኣብ ስርሑ ትጉህን ውፉይን ምንባሩ’ዩ ዝፍለጥ። ብህዝባውነቱ ልሉይ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ንመላእ ኣህዚብ ብማዕረ ዝምት ፖሎቲካዊ ብስለት ይውንን ነይሩ። ኣብ ልዕሊ ኩሎም ጸረዝዲሞክራስን ጸረ-ህዜብን ስርዒታት ብሓፈሻ፡ ኣብ ልዕሊ ትምክሕታዊ ስርዓት ህግደፍ ድማ ብፍላይ ብርቱዕ ጽልኢ ዜነበሮ ባእታ’ዩ። ብስነ-ጽሑፍ ሓያልን ብሱልን ጻዕረኛን ድማ’ዩ ነበረ። ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ንምርጋግጽ ሃገራዊ ነጻነት፡ ብንእስነት ወይ ግዜያዊ ረብሓታት ከይተታለለ፡ ኣብ ሸዊት ዕድሚኡ ትምህርቱ ኣቋሪጹ ኣብ መጀመርያ 1974 ኣብ ተሓኤ ተሰሊፉ። ኣብ ቃልሲ ምስ ተጸበረ ብቀጥታ ምስቶም ምስ ርእይቶኡ ዝሰማምዐ፡ ብቅጽበት ክላለን ክሕወስን ግዛ ኣይወሰደሉን። ሽዑ ንሽዑ ድማ ምስቲ ብማርክሳዊ ጉጅለ /ማጉ/ ዜፍለጥ ስውር ውዯባ ኣብ ውሽጢ ተሓኤ ተወዱቡ፡ ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ውድባት ተሓኤን ህ/ግንባርን ዜካየድ ዜነበረ ኣዕናውን ጨካንን ሕድሕድ ኲናት ቅኑዕ ዘይምዃኑ ብትብዒት ምሂሩን ኮኒኑን። ኣብ መወዲእታ 1974 ካብቶም ኣዕናውን ጨካንን ኲናት ሕድሕድ ዯው ክብል ልሉይ ተራን ብርቱዕ ኣስተዋጽኦን ዘበርከቱ ሓዯ’ዩ። ቀጺሉ’ውን ሓዯ ካብቶም ንኩሉ’ቲ ጉጉይ ፖሎቲካዊ ምሕዯራን ኣሰራርሓን መሪሕነት ተሓኤ ብትብዒት ዜቓወሙ ተጋዯልቲ ነበረ። ኣብ ልዕሊ ኣባላት ማርክሳዊ ጉጅለ /ማጉ/ ማእሰርትን ምስኡ ዜተኣሳሰር ንምዕራይ ተሓኤ ብኣሽሓት ዜቁጸሩ ተጋዯልቲ ዜካየድ ዜነበረ ነጻ ምንቅስቓስ ብስም <<ፋሉል>> ብ11/07/1977 ብረታዊ ስጉምቲ ምስ ተወሰደን ብዘይፍቶቱ ንሱዲን ክስደድ ተገደደ። ብ1979 ድማ ካብ ሱዲን ንኣሜርካ ተጓዕዘ። ኣብ ኣሜርካ ብከቢድ መነባብሮ ከይተሰነፈ ትምህርቲ፡ ስራሕን ቃልስን ብሓባር ተተሓሓዞ። ኣብ ኣሜርካ ኣካል’ቲ ኤርትራውያን ንናጽነት ሰሜን ኣሜርካ /ኤናሰኤ/ ተባሂሉ ዜፍለጥ ምንቅስቓስ ተመሃሮ ኮይኑ ይነጥፍ ነይሩ። እቲ ምንቅስቓስ ነጻነቱ ዜሓለወ ምንቅስቓስ ኮይኑ፡ ንቃልሲ ህዜቢ ኤርትራ ኩሉ ካብኡ ዜጥለብ ኣበርክቶ ክገብር ዝብል ርእይቶ ምስ ዝነበሮም ኣካላት ሰጢሙ ይዋሳእ ነበረ።

እቲ ምንቅስቓስ ሞግዚት ህ/ግንባር ክኸውን ዝቐርብ ዜነበረ ሓሳብን ንጥፈታትን ሓደ ካብቶም ብትብዓት ዘቓለስዎ ምንባሩ ይፍለጥ። ብ1987 ኩሉ ኣብ ኣሜሪካ ክረኽቦ ዜኽእል ጽቡቕ ዕድልን ምቹእ ናብራን ገዱፉ፡ ንምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ንቃልሲ ወሲኑ ንኢትዮጵያ ተመልሰ።ኣብ ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ /ደምሓኤ/ ምክትል ኣቦ-መንበርን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፕሮፖጋንዲን ዜናን ኮይኑ ብናህሪ ይነጥፍ ነይሩ። ኣብ ስነ-ጽሑፍ ብዝነበሮ ብስለትን ብርታዐን ሓንቲ መዒልቲ ደኺመ ዝብል ቃል ካብ ኣፉ ከይወጸ ኣብ ምድላው ወርሓዊ መጽሔት ደምሓኤ ኣግእዝን ማዕበል ሸቃላይን ዒቢ ተራን ኣስተዋጽኦን የበርክት ነበረ። ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ነቲ ኣብ ውሽጢ ህ/ግንባር ብስም ኤርትራዊ ማሕበራዊ ሰልፊ /ኤማስ/ ዜፍለጥ ዜነበረ ሕቡእን መርዛምን ሰልፊ ኣብ ምቕላዕ ልሉይ እጃም ዜተጻወተ’ዩ። እቲ መርዛም ሰልፊ 95% ተጋደልቲ ህ/ግንባር ዝፈልጥዎ’ውን ኣይነበሩን።

ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ኣብ ስነ-ጽሑፍ ብዙሕ ልሉይን ኣወንታውን ኣበርክቶ’ዩ ኣበርኪቱ። ብድሕሪ ውድቀት ፋሽስታዊ ስርዓት ደርጊ ህ/ግንባር ስልጣን ምስ ጨበጠ፣ ንኩኹሉ ፖሎቲካዊ ኣረኣእያን ዝንባሌታትን ዝሓቁፍ ምምስራት ግዜያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ተሓሲሙ፡ ብ20 ሰነ 1991 “ካብ ሕጂ ንድሓር ኣብ ኤርትራ ብስም ውድባት ምጥቋስ ከቢድ ገበን’ዩ” ዝብል ኣዋጅ ምእዋጁ ኣይዝንጋዕን። ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ እዚ ኣዋጅ’ዚ ምስ ኣድመጸ ብቅጽበት “መንግስቲ ህ/ግንባር ከይጎበዘ ዝኣረገ፡ ተጽግበኒ ቅጫስ ኣብ መቖልኣ ከላ ይፈልጣ……….ወዘተ”: ዝብል ጽሑፋት ኣዲልዩ ንንባብ ኣብቂዑዏ። እቲ ኩሉ ደምሓኤ ብፍላይ’ውን ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ዝጻወቶ ዝነበረ ልሉይ ተራ ኣብ መሪሕነት ህ/ግንባር ብርቱዕ ቁጥዐን ነድርን ይፈጥር ምንባሩ ድማ ኣይዝንጋዕን።

እንበኣርከስ ክቡራት ኣንበብቲ!!
ንስውእ ዘካርያስ ንጉስ ብፍሉይ ንምቕታሉ ዜዯፍአ ረቋሒታት ነዙ ይመስሉ። ብመሪሕነት ህግዯፍ ብዜተበየነሉ ናይ ሞት ፍርዱ ብ31 ነሓሰ 1996 ብቀጥታዊ ትእዚዜ መተዒብይቱን መማህርቱን ነበር ኮረኔል እንባየ ሃንስ፡ ብድምጺ ኣልቦ ሽጉጥ ቀንጻሊ ሽዯን መለስ ብምትሕብባር ዕሱባት ነጋሲ ዯስታን ሙሴ ዮሃንስ ወ/ጣባን ልክዕ ሰዒት 06.30 ኣብ ቅድሚ ኣፍዯገ ገዜኡ ብጭካኔ ተቐዜፈ። ስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ክቕተል ከሎ፡ ኣብ ጽሑፍ ዜተሓጋገዜዎ ዜነበሩ ብጾቱ ሓድሽ ዒ/ብርሃን፡ ፍርቱና ሃይለ፡ ፍዮሪ፡ ዜተባህሉ ነበሩ። ንፖሊስ ይኹን ንውድብ ብቀጥታ ዜሓበሩ ኢዶም ብዯሙ ዜጨቐወን ሬስኡ ዘልዕሉን ንሳቶም ክኾኑ ከለዉ፡ ክሳብ ሕጂ ኣይሓመሙ፡ ኣይተደነሱ፡ ኣይሞቱ ኣብዚ ዓለም ምስ ምሉእ ጥዕንኦምን ኣእምሮኦምን ብሂወት ህልዋት’ዮም። ስለዚ ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ ወ/ጣባ ንነብሱ ይኹን ንቀንጻሊ ህግደፍ ካብዚ ጭቡጥ ታሪኻዊ ገበን’ዚ ሓራ ንምውጻእ ዘቕርቦ ዘሎ ኣጉል ጽውጽዋይን ምዕልባጥን ከንቱ’ዩ። ምስዚ ኣተሓሒዘ’ውን ቅንጣብ ሕፍረት ከይተሰምዖ ኢሳቕ ዕ/ሚካኤል፡ ብርሃነ ማንጆስ ብሂወት ዝጠፍኡ’ዮም ክብል መዱሩ። ብቀዲምነት ኢሳቕ ዕ/ሚካኤል ዘይኮነስ፡ ኢሳቕ ሃ/ማርያም /መርሓኖ/ ዝበሃል ምዃኑን ገና ኣብ ቃልሲ ኣ/ኣበባ ከም ዘሎን ከረጋግጽ ይፈቱ። ብርሃነ ማንጆስ ኣብ ሓውሲ ከተማ ራማ ግላዊ መነባብሮኡ ይመርሕ ምህላዉ ይሕብር። ካብዚ ክውንነት’ዚ ብምብጋስ፡ ሓደ ካብቶም ብዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ ወ/ጣባ ሓሶት ክምሃሩ ዜሓድሩ፡ ከምቶም ጭዋታት ኣቦታቱ ብልቢ ሓቂ ንምልላይ ዝብህግ እንተልዩ፡ እዋኑ ዘበነ ተክኖሎጂ ብምዃኑ ኩሉ ነገር ንምጽራይ ብዘሕ ጻዕርታት ዜሓትት ጉዳይ ኣይኮነን። ስለዚ መን’ዩ ድራማ ዝሰርሕ ዘሎ ነፀረኣብ’ዶ ወይስ ዕሱብ ወ/ጣባ? ንምርጋግጽ ብንጽህና ዝብገስ እንተልዩ ምስዞም ብሂወት የለዉን ዝተባህሉ፡ እንተላይ ምስ ሓፍቲ ስ/ዘካርያስ ንጉሰ ብዝመረጾ ኣገባብን ሰባትን ንምርካብ ድልው ምዃነይ ይሕብር። ሃየ ሕጂ ወ/ጣባ ትብዓትን ድፍረትን እንተሃልዩ ንርኢ። ካብ ኩሉ ሓሳዊ ምሁር ካብዚ ዓለም የጥፍእ።

ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ ወ/ጣባ ነድሪ ብዝተሓወሶ ድምጺ “ህግደፍ ኣይኣስር ኣይቀትል”! ክብል ብዒውታ መዱሩ። እዚ መደረ’ዚ ብርግጽ ብህዝብን፡ መንእስያትን፡ ኣካለ-ስንኩላን ኤርትራን ድማ ብፍላይ ምልጋጽ’ዩ። ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ ወ/ጣባ ብዓውታ ስለ ዝመደረን ዜጨደረን ይትረፍ ንካልእ ሰብ ንነብሱ’ውን በዚ መደረ’ዚ ከዕግብ ኣይኽእልን’ዩ። ቀንዱ መለለዪ ህግደፍ ብጀካ ምእሳር፡ ምጭዋይ፡ ምቕታል፡ ኲናትን ወራርን እንተዘይኮይኑ፡ ብጣዕሚ ንንኡስ ሕቶታትን ጉዲያትን ብስልጡን ዜኾነ ዘተን ልዝብን ክፈትሕ ዘኽእል ባህሪ የብሉን። እዚ እቶም ትማሊ ብድሕሪ ምርግጋጽ ሃገራዊ ነጻነት ዝተወልደ ዝፈልጥዎ ሓቂ’ዩ። ኣብ ሜዲ ኤርትራ ነቶም ብዝተፈላለየ ሸርሕታት ዝተሰወሩ ገዲፍና፡ መንካዕ፡ የሚን፡ ቅዋም ራሻ ብዝብል ኣስማት ዝተቐንጸሉ ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ ወ/ጣባ መን ከም ዝቐተሎም ክነግረና ድፍረት’ዶ ይህልዎ ይኸውን? ልዕላውነት ሱዳን ብምድፋር፡ ስዒድ ሳልሕ፡ ማሕሙድ ሓሰብ፡ ወልደዲዊት ተመስገን፡ እድሪስ ሓንገላ፡ ሃይለ ጋርዛ፡ ዓብደላ ጸጋይ፡ ዐስማን ዒጂብ……ወዘተ፣ ብመን ከም ዝተቐንጸሉ ክሕብርና ይኽእል’ዶ? ንልዕላውነት ኢትዮጵያ ብምድፋር ንተ/ሚካኤል ጀርጆ ዝቐንጸለ መን ምዃኑ ክገልጸልና መዓንጣ ይህልዎ’ዶ? እዚ ኩሉ ካልእ ዕባራ ምስምሳት መታን ከይወሃቦ፡ መነባብሮና ይመሓየሸልና ዝብል ሕቶታት ንዘቕረቡ ኣካለ-ስንኩላን ኤርትራ ዜቐንጸለ እቲ ጨካን ህግዯፍ ምዃኑ ይከሓድ’ዶ? ብዛዕባ እቶም ኣብ ፍቆዶ ግንባራት ኣብ እኩብ ሰራዊት ብላዕለዎት መኮንናት ህግደፍ ዝተረሸኑ መንእስያት ብዓውታ ክምድር ትብዓት ኣለዎ’ዶ? እቶም ህቡባት ስነ-ጥበባውያን የማነ ገ/ሚካኤል /ባርያ/ ኣብርሃም ኣፎወርቂ ብህግደፍ ’ዮም ተቐቲሎም ዝብል ጥርጣረ ብዘሓት ምዃኑ ሰሚዑ’ዶ ይፈልጥ? ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ ወ/ጣባ ኩሉ ሕልምታቱን ባህግታቱን ኣብ ሚኒስትሪ ዛናን ሓበሬታን ህግደፍ ምሕኳር ክሳብ ዜኾነ፣ እዚንዕኡ ብምሉኡ ኣይንታዩን’ዩ። እዚ ሓቂ’ዚ ክስምዖ’ውን ዘጽየፎ’ዩ።

ኣብዙ እዋን’ዙ ኤርትራ ቅንጣብ ገበን ብዘይብሎም ዒባይ ቤት ማእሰርቲ ተቐይራ ከላ ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ ወ/ጣባ ህግዯፍ ኣይኣስርን’ዩ ክብለና ዘደንጹ ጥራይ ዘይኮነስ ሃየንታ’ዩ። ንዓመታት ዝኾነ ይኹን ክሲ ከይቀረበሎም ኣብ ቤት ፍርዲ’ውን ከይቀረቡ ዝተሓየሩ ስድራ-ቤቶም ከይርእይዎም ዝተኸልከሉ፡ ገሊኦም’ውን ሂወቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሓለፈ ንጹሃት ዜጋታት ምህላዎም፣ ንዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ ወ/ጣባ መዓስ ጠፊእዎ ኮይኑ።

ዕሱብ ኩሉ ግዜ ሓሶትን ክሕደትን ኣመሉ ስለ ዜኾነ ጥራይ’ዩ። ብዋጋ ሓሶትን ክሕደትን ዘማዕድዎ ፖሎቲካዊ ስልጣን ምህላዉ ካብ ማንም ስውር ጉዲይ ክኸውን ኣይኽእልን’ዩ። ቢተወደድ ኣብርሃ፡ ብ1995 ካብ ዝተፈላለየ ከተማታት ተጨውዮም ዝተወሰዱ መሻይኽ፡ ፓትራሪክ ኦርቶዶክስ ቤተ-ክርስትያን ኣባ እንጦንዮስ፡ ብርክት ዝበሉ መራሕቲ ሃይማኖት ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን፡ ብዘሓት ፓስተራትን ኣመንትን ጴንጠ፡ ብጉጅለ 15 ዝፍለጡ ላዕለዎት መሪሕነት ህግደፍ ዝነበሩ፡ ካብቶም ብዘሓት ብዘይዝኾነ ገበን ንኣመታት ኣብ ሙቘትን ጸልማትን ጎዲጉዱ ዜርከቡ ንጹሃት ዛጋታት ምዃኖም ምኽሓድ ዝከኣል ኣይኮነን። ኣብ ዝተፈላለየ ኣብያተ ማእሰርትን ኮንቴነራትን፡ ብቁጽሪ 8 ዜፍለጥ መቕጻዕቲ ምሉእ ኣካሎም ተንጠልጢሉ ዝሳቐዩ መንእሰያት ኤርትራ ፍጹም መወዲእታ የብሎምን።

ኽለ-ብርሃን ገብረጻድቕ ወ/ባሻይ፡ ወ/ማርያም ባህልቢ፡ ዘርኡ ብኢደ፡ መሓመድ ዒሊ ኢብራሂም፡…………ወዘተ፣ ልዕላውነት ሱዳን ብምድፋር ካብ ከሰላ ብጨካን ህግደፍ ተጨውዮም ዝተውስዱን ንዒመታት ዝተሰውሩን እዮም። ኣብ ላዕለዋይ ጽፍሒ ኮይኖም ንምጭዋይን ምቅንጻልን ውሳኔታት ዘሕልፉ ኢሳይያስ ፡ ጴጥሮስ ሰሎሞንዓሊ ሰይድ ዓብደላ ክኾኑ ከለዉ፡ ኣብ ወጻኢ ንመሓውራት ስለላ ዘዋፍሩ ዝነበሩ፡ ዶክቶር ዓ/ብርሃን ወ/ገርጊስ፡ ብ/ጀነራል ወይ ኣንባሳደር ዒሳ መሓመድ ብ/ጀነራል ግርማይ መሓሪ ነበሩ። ኣብ ሃገር ሱዳን ብቀጥታ ንምጭዋይን ምቅንጻልን መምርሒ ዘወጽኡ ዝነበሩ፡ ብጀነራል ወይ ኣምባሳደር ዒሳ መሓመድ ብጀነራል ግርማይ መሓሪ ነበሩ። ሰመረ ርእሶም፡ ብ/ጀረናል ወልልደዝጊ ባህታ ኮረኔል መልኣከ ፊተውራሪ፣ ድሒሩ ድማ ዒብደላ ኣደም ከም ዝተጸበሮም ይፍለጥ።

ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ ወ/ጣባ “ኣቦ-መንበር ዲሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ /ደምሓኤ/ ነበር ገ/ብርሃን ዘርኤ ኣብ መንጎ ክልቲኡ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ብዝነበረ ስምምዕ’ዩ፡ ብኢትዮጵያ ንመንግስቲ ኤርትራ ኣሕሊፉ ተዋሂቡ” ይብል። እዚ ባእታ’ዚ ንነብሱ ካብ መጠን ንላዕሊ ብምግዛፍን ተኣማንነት ንምርካብን፣ ኣብ ዘይፈልጦ ታሪኽ ክትርኽን ተመሊሱ ብህግደፍ ዘሕትቶን ዘሕቕቆን ዶብ ዜሰገረ መደረ የካይድ ብምህላዉ፡ ንባዕሉ ክሳብ ክንደይ ኣብ ከቢድ ሓደጋ ይኣቱ ከም ዘሎ’ውን ዘስተውዕል ኣይኮነን። ህግደፍ ክሳብ’ዚ ዕለት’ዚ ብመሰረት ስምምዕ ክልቲኡ መንግስታት ንገ/ብርሃን ዘርኤ መ/ኢትዮጵያ ኣሕሊፉ ሂቡኒ ዝብል እምነትን ሞጎትን የብሉን። ህግደፍ ብዚዕባ ዝጨወዮምን ዘቐተሎምን ብሓፈሻ ንገ/ብርሃን ዘርኤ ብዝምልከት ድማ ብፍላይ ቅንጣብ መግለጺ ሂቡ ኣይፈልጥን’ዩ።  ክህብ’ውን ፍጹም ድሌት የብሉን። ገ/ብርሃን ዘርኤ ብሂወቱ እንተልዩ ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ ወ/ጣባ ኣብ ዜመጽእ ግዜ ኣበናይ ማሕዩር ምህላዉ ክሕብረና ምስ ዝኽእል “ዲጎስ ያለ ሽልማት”, ይብሉ ኣምሓሩ ክንሽልሞ ኢና። ምክንያቱ እዚ ባእታ’ዚ ገንዘብን ስልጣንን ጥራይ ዝርከበሉ ይኹን እንበር ሂወቱ ምሉእ ንማንም ተዒሲቡ ክሰርሕ ኩሉ ግዜ ቅሩብ ስለዝኾነ። ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ ወ/ጣባ እዚ ሓበሬታ’ዚ ካበይ ረኺብዎን ካብ ሓላፍነቱ ንላዕሊ ዓዘፍዘፍ ዘብዝሓሉ ኩነታት ስለ ዘሎን ሕቶ ግዜ እንተዘይኮይኑ፡ ተመሊሱ በቲ ከም ፈጣሪ ዘምልኾ ህግዯፍ ዘሕትቶ ጉዲይ ምዃኑ ዘይሰሓት’ዩ።

ንሱ ቀስ ኢሎም ንሕድሕዶም ዝተሓሳሰቡ ጉዲይ ይኸውን። ብዝኾነ እቲ ጉዳይ ብቀንዱ ንዋናታቱ ስለ ዜምልከት፡ ብወገና መ/ኢትዮጵያ ንገ/ብርሃን ዘርኤ ብመሰረት ስምምዕ ክልቲኡ መንግስታት ንስርዒት ህግደፍ ኣሕሊፉ ከም ዝይሃቦ በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ከነረጋግጽ ንፈቱ። ንደምሓኤ ካብ ሱሩ ንምምሓዉ ብድሕሪ ንስውእ ዘካርያስ ንጉሰ ምቅንጻል ገ/ብርሃን ዘርኤ ብ04 የካቲት 1997 ካብ ከባቢ ሑመራ ብፍስሃየ ሓድጉን ብምትሕብባር ብዓልቲ ቤቱን’ዩ ተጨውዩ። ፍስሃየ ሓድጉ ፍረ ዓስቡ መዓርግ ኮረኔል ተሸሊሙ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ከባቢ ተሰነይ እምሓጀር ኣብ ምክትታል ዶባት ተመዱቡ ይሰርሕ ምህላዉ ይፈልጥ። ስለዚ ዕሱብ ሙሴ ዮሃንስ ወ/ጣባ ኣብ ዘይፈልጦ ታሪኽ ብሓሶት ክሕንብስን ክዕንድርን ዘፍቐደሉ ኣይኮነን።

ክሳብ ብራብዓይ ክፋል ንራኸብ ሰላም ቕነ

ብነፀረኣብ ኣስመላሽ

23 ሕዲር 2017