ፕረሲደንት ትራምፕ ቅድሚ ምርጫ፣ ብዛዕባ ስትራተጂ ኣፍጋኒስታን ዝተመባጽዖን ሎሚ ዘተግብሮ ዘሎን መደብ ዕዮታት ኣፍጋኒስታን ነንሓድሕዱ ዝጋራጮ ተዋስኦ እዩ። “ኣዲኣ ገዲፋስ ሕትኖኣ ትናፍቕ”፣ ከምዝብሃል ንህዝቢ ኣሜሪካ ንምህማል፣ ኣብ እዋን ምርጫ ፕረሲደንትነት ኣሜሪካ፣ ኣሜሪካ ትቕደም እንዳበለ ኣእዛን ገርሀኛ ህዝቢ ኣሜሪካ ከምዘየጽመመስ፣ ሎሚ ከኣ ኩሉ ዓቕምና ንኣፍጋኒስታን ሓራ ንምውጻእ እዩ እንዳበለ ይፍክር ኣሎ። እዚ ኩሉ ሃተፍተፍ ሃልክን እዚ ግና፣ “ንኽትበልዓ ዝደሌኻ ኣባጉንባሕስ ዛግራ ትብላ” ጥራ እዩ እምበር, እቲ ረብሓስ ነቶም ኣሳፊሖም ንዓለም ንኽቆጻጸሩ ዝሓልሙ ዘለው ጽዮናውያን ጥራይ እዩ።

ኣፍጋኒስታን ኣብ ምብራቓዊ ኣስያ እትርከብ ስትራተጂካዊትን ሃብታምን  ሃገር እያ። ህዝባ ግና ግዳይ ባህርያዊ ጸግኡ ኮይኑ፣ ኣብ መላእ ዓለም ተሰዲዱ ከርፋሕ ናብራ ይነብር ኣሎ። ኣዝያ ሃብታም ሃገር ስለዝኾነት ድማ፣ ነቲ ባህርያዊ ሃብታ ንምዝማት ጽዮናውያን፣ በብዓይነቱ ሽጣር እንዳ ምሃዙ ንባህርያዊ ጸጋኣ ድሮ ክቆጻጸሩዎ ተዓጢቖምላ ንዕዘቦም ኣሎና። ብወገን ሩስያን ቻይናን ድማ እንታይ መኸተ ይጽበዮም ኣሎ፣ ጽባሕ ብጊሓት ክንርእዮ ኢና።

እቲ ስትራተጂካዊ ዓላማ ዘለዎ ወራር ጽዮናውያን፣ ነታ ገና ባህርያዊ ጸግኣ ዘይተበልዐ ኣፍሪቃን ኣፍጋኒስታንን መልክዑ ድኣ ይፋላለ እምበር እቲ ዓላማስ ብርግጽ ሓደ እዩ። እወ፣ ብፍላይ ግን ጉዳይ ኣፍሪቃ በቶም ካብ ብኣእምርኦም ብኸብዶም ዝሓስቡ ደቂ ኣፍሪቃ፣ ግንከኣ ዕሱባትን ልኡኻትን ጽዮናውያን ገዛእቲ፣ ባዕሉ ይሳለጠሎም ኣሎ። ብርግጽ ግን ንሃብቲ ኣፍሪቃ ንምምዝማዝ፣ ብገረብ ብሓኽላ ገሮም ገሮም እዮም ብግሁድን ብርስዉርን ዘካይዱዎ ዘሎዉ። እወ፣ ከም ብዓል ፈዛዝ (ዞምቢ) እሰያስን፣ ኣረጊት ድያብሎስ ሮበርት ሞጋበን፣ (ወዲ 92 ኣረጊት እንዳሓርነኸ ፓርላም ዚብቨ ገና ዝመርሕ ዘሎ)ን፣ ፋሽስታዊ ገዛኢ እታ ንእሽቶ ሃገር ርዋንዳ፣ ርእሲ ተመን ፓወል ካጋመን፣ ገዛኢ ሃብታም ሃገር ኮንጎን፣ ዮሴፍ ካቢላ ወዱ ንነፍሰሄር ካቢላን፣ ዲክታቶር ዑመር እልባሽር ገዛኢ ሃገር ሱዳንን፣ ድቓላ እስራኤል ኣልሲሲ ገዛኢ ግብጽን፣ ሎሚ ገዛእቲ ኢትዮጵያ ዘለው ጭፍራ ወያነን ወዘተ. . .ከም ፕሮክሲን ሜርስኔሪን ብቅድመ ግንባር ፈንዮም፣ ብፍላይ ንቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብሓፈሻ ድማ ነተን ዓበይቲ ቀላያት ዘለወን፣ ከም ኡጋንዳን፣ ኬንያን፣ ሩዋንዳን፣ ኣብ ምብራቓዊ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራትን፣ ንቀይሕ ባሕርን፣ ንፈለግ ኒልን፣ ንሶማልያን ንምቍጽጻር፣ ብፍላይ እኳድኣ ነቲ ንፍርቂ ዘመን ዝኣክል ብጅግንነት፣ ንሓርነትን ነጻነት ዘረባረቦም ህዝቢ ኤርትራ ቃልሱ ሰሪቖም፣ ባርያዊ ሃብቱ ዘሚቶም፣ ንወለዶኡ ኣንዳጽነቱ ይላገጽሉ ኣለው። ብሓፈሻ ድማ ንህዝቢ ኣፍሪቃ፣ ብባርባራዊ መግዛእቲ እንዳ ጨቆኑ ግዳይ ባህርያዊ ጸግኡ ገሮም፣ ነቲ ኣፍሪቃዊ ወለዶ፣ በታ ትማሊ ልዕላውነታ መንጢሎም መተሓላለፊ ስደተኛታት ኣፍሪቃውያን ዝጥቀሙላ ዘለው ሃግር ሊብያ ፣ ኣብቲ ቀደም ዝተበልዐ ሃገራት ኤውሮፓ ንስደት የግዕዙዎም ኣለው። እዚ ስትራተጂ ኣፍሪቃን ኣፍጋኒስታንን እምብኣር ብመልክዕ ይፈላለ እምበር ብዓላማስ ሓደ እዩ።

ንህዝቢ ኣሜሪካ ድማ፣ ንፕረሲደንት ትራምፕ ከም ባምቡላ ቆጺሮም ፈኒዮምሉ ንርእዮም ኣሎና። እወ፣ ንህዝቢ ኣሜሪካ ንምትላል ዝሩብ ዘይዝሩብ ተዛሪቡ፣ ማእለያ ዘይብሉ መብጽዓታት እንዳተመባጽዔ ኣብ ምርጫ ፕረሲደንትነት ብውዲት ከምዝስዕር ገሮሞ። ሎሚ ድማ ሕንኽ ከበሉ ብቅድመ ግንባር ፈኒዮም ንስትራተጂካዊ ረብሓኦም የኸድምዎ ኣለው።

እሜሪካ ንኣፍጋኒስታን ካብ ትወራ ዛጊት 16 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ክሳብ ሎሚ ግና ብዘይካ ኮከይን እጸፋርስ ዘሚቶም ትሪልዮናት ገንዘብ ምግሓጥ እንተዘይኮይኑ ንታሊባን ስዒሮም ኣይተዓወቱን። ባህርያዊ ሃብቲ ምግሓጥን፣ ንመሬትንህዝብን ኣፍጋኒስታን ብናፓልን ሚሳይልን ምብካልብን፣ ምምንቕቋስን ግና ገና ይቕጽል ኣሎ። ወፍሪ ኣፍጋኒስታን፣ ንህዝቢ ኣፍጋኒስታን ሓልዮት ዘይኮነስ ንሃብቲ ኣፍጋኒስታን ንምግባት ጥራይ እዩ እቲ ቀንዲ ሕልሞም። እወ፣ እቲ ህዝቢ ዓለም ዘየስተብሃለሉ ሕቡእ ምስጢር ግና፣ ኣብ እፍጋኒስታን  ዘይተተንከፉን፣ ዝይተመዝመዙ ማእለያ ዘይብሎም ክቡራት ማዕድናት ኣሎዋ።

ኣስተብህል፣ ህዝቢ ኤርትራ ዝተቃለሶ ቃልሲ ድማ ዓደና ወርቂ ሃገሩ ጽዮናውያን ንኽዘምትዎ ጥራይ እዩ። ወርቂ ብሻን ሃይኮታን፣ ሃብቲ ኤርትራ ቀይሕ ባሕርን ድማ  ብባዕዳውያን (ጽዮናውያን) ክዝመት ሎሚ ብዓይንና ንርእዮ ኣሎና።

There’s a lot of untapped mineral wealth in Afghanistan. No surprise that Trump’s advisor, Stephen Feinberg, wants his military contracting firm, DynCorp, to guard it. Brother Nathanael explains

ነዚ ሓው ነታንያሁ፣ ብዛዕባ መርገጽን መደብን ፕርሲደንት ትራምፕ፣ ብውሕሉልን ዘይጋራጮን መርትዖ ዘለዎ መግለጺ ብቪድዮ መልክዕ ከቕርቦ ከሎ aስከ ንከታተሎ።

 

Brother Nathanael — Aug 29, 2017

ምንጪ ሓበሬታ Source 

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣ ባሕቲ መስከረም 2017 ዓ.ም.ፈ.