ጉጅለ ህግደፍ እዚ እከይ ግብሪ ዘየሕንኾ ነውሪ
ህውከት እምበር ነገር ዘየዐሪ

ምስኡ ዘይዓበየ ፈሪሃ-ፈጣሪ
ዘይፈልጣ ንሰናይ ዝበለጸ ምኽሪ
እንኩም ዘይወጾ ሃቡ’ምበሪ
ካብ ገዳምትን ኣድባራትን ኣእዳዉ ዘርጊሑ ሞባእ ዝኣራሪ

ቤት መቕደስ ዘነውር ዘርክስ እዚ እከይ ግብሪ
ውጽዕቲ ሃገርና ምስህዝብኺ ጽሎትኪ ኣስምሪ
ናይዚ እከይ ሥርዓተ-ኣልቦ ንኽሓጽር ዕምሪ

ኩላቶም ገዳማት ምስ ቤተ-ክህነት
ዓበይትን ንኣሽቱን ቅዱሳት ኣድባራት
መካነ ካህናት መነኮሳት
ኣብቲ ሕማቕ እዋን ወጥሪ ህሞት
ብመሓመድ ግራኝ ዘይረኸቦም ግህሰት
ተደፊሮም ሎሚ ብኢሰያሳዊ መላኺ ስርዓት
ኣየ ዘመን! እየ ተካል ስዓት!
ገዳሞም ጠንጢኖም ክሃድሙ ተራእዮም መነኮሳት
ብጹእ ፓትርያርክ ሃገር በልዮም ኣብ እስራት
እዚስ ዘብኪዩ ኣኺሉዩ ምጽኣት

ነጋዳይ ከይገብር ኣመት ንግዱ
ሓረስታይ ከይሓርስ ናውቲ ምሓረሱ ጸሚዱ
ሸቃላይ ርሂጹ ከይበልዕ ከምቲ ቀደም ልምዱ
ዝምሃር መንእሰይ ጓሉ ኮነ ወዱ
ፍልጠት ንኸይቀስም ቤት ትምህርቲ ከይዱ
ትሕንጊጡ ጠመንጃ ክሳብ ዝምንጉድ ክሳዱ
ተባሂሉ “ሃየ በል ዓድኻ ኣማዕዱ”!
ብስርዓተ-ኣልቦ ህግደፍ ኣይግዳዱ
ባርያን ጊላን ንኽኸውን ተፈሪዱ
ባዕዳዊ ገፋፍ ዓሳናን፣ ዘማቲ ዕደና ውርቅናን ከኣ ኮፍ ኢሉ ይዕዘብ የማዕዱ!!

ጭፍራ ህግደፍ ኣይኣ ንኽፍኣት
ብህልውና ኣምላኽ ዝጠራጠር ስርዓት
ዘነኣእስ ንሓይሊ መለኮት ንፍጹም ኣምል፿ኾት
እንካብ ንእስነቱ ዘይኣምን ብኡነት
ኣብዛ ኤርትራና ክሳብ ዘሎ ህሞት
ዘስግእዩ ከይወርደና ምዓት!
ንሱ ካብ ዝመጽእ ብድሕሪ ነጻነት!
ስኽራን ምንዝርና ብልሽውና ጥሜት
ምቍንጻብ ንዕቀት ትምክሕቲ ኣንነት
ሃርገፍገፍ ስስዕቲ ዕርቂ ኮነ ቅትለት
ሓሶት ቅንኢ ጥልመት ዘይናትካ ምጥማት
ዝውቱር ኮይኑ ከም ክእለት መንፍዓት
ኣይተራእየን ፍጹም ቁጠባዊ ዕብየት
ከምቲ ጢጡ ኢሉ ዝተጃሃሮ ኣብ ፈለማ ዓመት
ብሰንኩ ማዕቢሉ ዓጸቦ ድኽነት
ጠፊኦም ኩላቶም ሃገራውያን ሃብታማት
ማዕረ ተሰሪዖም ብድኽነት!!

ኣብ እዋን ገዛእቲ ባዕዳውያን ቀዳሞት
ከምዚስ ኣይነበረን ቅጥዒ-ኣልቦ ስደት
ብኣእላፋት መንእሰይ ብቐጻሊ ህልቀት
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ሲናይ ቆላታት
ብዘስካሕክሕ ተሳቒኻ ሙማት
ዓለምና ደንጽዩዋ እንታ’ዩ ጉዱ እንዳበለት
ኣብ ልዕሊ ስውኣት ስንኩላን ህልዋት
ስርዓተ-እልቦ ኢሰያስ ዝለመደ ጥልመት
ኣይፈልጦምን ኢሉ ኣስሚዑና ክሕደት።

ህዝባዊ ኣግእዞ
(ኤርትራዊ ሆመር)
ካብታ “ሃገራዊ ቅዋምዶ ሰብዩ መዋቲ እትብል ሓዳስ መጽሓፍ” ዝተቐድሐ ግጥሚ

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባ-ኣግኣዝያን
15 የካቲ 2017 ዓ.ም.ፈ.