ኣነኮ “ፕረሲደንት ኢሰያስ“ እትብል ቃል: ካብ ኣፈይ ኣይትወጽእን እያ:: መኽንያቱ ከኣ ብቑዕ መኽንያት ስለዘሎኒ እየ። ንሱ ድማ እዚ ሰብዚ ኣብ ውድድር ምርጫ ቀሪቡ ብሕግን ብህዝብን ስለዘይተመርጸ፣ ንዓይ ይኹን ነቶም ሕግን ኣገባብ ምርጫን ዝፈልጡ ሃገራውያን ግና ኣዝዩ ዘስደምምም ተርእዮ እዩ። እወ፣ብዙሓት ሰባት ግና ከይሓፈሩ ተጠሊዖም ብዙሕ ግዘ ደጋጊሞም፣ “ክቡር ፕረሲደንትና ኢሰያስ ኣፈወርቂ“፣ ወይከኣ “ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ“ እንዳበሉ ክዛረቡን ክጽሕፉን ክሰምዕ ከሎኹ፣ ኣዝዩ እዩ ዝገርመኒ ወረ የሕዝነኒ እምበር። እምበርዶ እዞም ሰባት እዚኦም ኣገባብ ምርጫ ፕረሲደንት ርእዮምን ሰሚዓምን ይፈልጡዮም?  ወይስ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ብሕገ ኣልቦን  ብውዲትን ን27 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ኮረሻ ስልጣን ኮይኑ ንህዝቢ ብምሉእ ምልኪ ዝገዝእ ዘሎ ሰብሲ፣ ከም ሕጋዊ ገርካ ክትዛረበሉ፣ ነቲ ዘይሕጋዊ ኣብ ሕጋዊ ንምቕያር ጥራይ እዩ። ስለዚ እዞም  ሓንሳብ “ክቡር ፕረሲደንትና ኢሰያስ ኣፈወርቂ“፣ ሓንሳብ ከኣ “ፕረሲደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ“ እንዳበልኩም፣ ንሓደ ልኡኽ መላኺ ከም ብህዝቢ ዝተመርጸ ፕረሲደንት ገርኩም ክትጽሕፉን ክትዛረቡን ከሎኹም ኣዝዩ ዘሕፍር እዩሞ፣ ዓገብ!!።

እተን መርበባት ሓበሬታ “መስከረም”ን “ሻባይት”ን ወዘተ….ግና፣ መጋበርያን ልሳን ኢሰያስን ጭፍራ ህግደፍን፣ 03 ስለዝኾና፣ ከምኡ እንዳበላ እንተድኣ ግዒረን ኣይተሓዘለንን እዩ። መኽንያቱ ነቲ ሕገ-ኣልቦ ስርዓት ህግደፍን ምስ ልኡኽ መላኺ ኢሰያስ ኣፈውርቅን ክጠፍኣ  ስለዝኾና፣ ክሳብ ዝጠፍኣ  ግድነት እየን ከምኡ እንዳበላ፣ ነቲ ደላይ ሓቀኛ ሓበሬታን፣ ነጻነትን ሓርነት ህዝቢ ኤርትራ ዝደሊ ሃገራዊ ከታልላ።ንመረዳእታ ንምጥቃስ ኣብቲ ፕረሲደንት ሳዳም መራሒ ኢራቕ ዝወድቀሉ ዝነበረ እዋን፣ 70 ዝኾና መርበብ ሓበሬታን ማዕከን ዜና ራድዮን ብባዕዳውያን ስለላ መርበብ ዝምወላ ይግዕራ ነይረን እየን። ኣብ መወዳእታ ግና ሃገር ኢራቕ ኣብ ከምዚ ሎሚ ወዲቓቶ ዘላ ደልሃመት ከምትወድቕ ገረን እየን። እዘን መርበባት ብስም “መስከረም“ዶ ብስም “ሻባይት“ዶ ወዘተ….. እንዳ ተጸውዓ፣ መርበብ ህዝቢ ተመሲለን መሳርሒ ልኡኽ መላኺ ኮይነን፣ ሓሶትን ገለ ንጣር ሓቂ እንዳ ኣንጣባ ዝራባረባ ዘለዋ፣ “በትሪ ሓቂ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርንያ” ከምዝብሃል፣ ጽባሕ ብጊሓት ምስቲ ፍሹልን ብባዕዳውያን ዝተላእከን  ውልቀ መላኺ፣ ኢሰያስ ክጠፍኣ እየን።

እወ፣ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ፣ እዚ ልኡኽ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ፣ ሕድሪ ስውኣትን ጠለብ ህዝብን ራሕሪሑ፣ ከም ሓደ ዝዓበደ ከልቢ ምስ ጋላለሉ ላዕልን ታሕትን ዝብሎ ዘሎ፣ “ንህዝቢ ኤርትራ ቅኑሕ ሓበሬታ ክንህብ ዝተመስረትና ኢና” ኢለን: ኣብ ጎድኒ፣ሕገ-ኣልቦ ልኡኽ ውልቀ መላኺ ኮይነን፣ ብገንዘብ ተታሊለን ንህዝቢ ከደናግራ ከለዋ፣ወፍረንን መደብ ዕዮአንን፣ ንተግባራት ኢሰያስን ህግደፍን ይሕግዛ ሰልዘለዋ፣ ህዝቢ ኤርትራ ነዚአን መጋበርያ መርበብ ሓበሬታ እዚኤን ካብ ኢሰያስ ፈልዩ ክርእየን የብሉን። ግድነት ድማ ስጉምቲ ክወስደለን መድረኽ ይጠልቦ ኣሎ።

ዓወትንህዝቢ ኤርትራን፣ ንሓቀኛ ሓርነትን ህዝቢ ኤርትራ!!

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ

19 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም.ፈ.