እዚ ብትእዛዝ መሃንድሳት ጽዮናውያን ዝግበር ዘሎ ሸበድበድ መራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣበይ ገጹ እዩ ክኸይድ ጽባሕ ብጊሓት ክንርእዮ ኢና። ንህዝቢ ኤርትራ ኣወጊንካ ዝግበር መስርሕ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከኣ ከንቱ ጥራይ እዩ ክኸውን። ጉዳይ ኤርትራ ብሰላም ክሳብ ዘይተፈትሐ ድማ ኣብ መላእ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ተረኽበ ማለት ዘበት!


ፕረሲደንት ሃገር ሶማል ሞሓመድ ዓብዱላ ሞሓመድ ምስ መራሒ ህግደፍ ኢሰያስ ኣፈወርቂ።

ነዚ ፕረሲደንት ሃገር ሶማል ሞሓመድ ዓብዱላ ሞሓመድ መን ምኻኑ ትፈልጡዎዶ? ምስ መንግስቲ ኣሜሪካ ዘለዎ ዝምድናን፣ ተመኩሮን ንዝምልከት እስከ ነዚ ኣብ ታሕቲ ተዘርዚሩ ዘሎ መግለጻ ንከታተል።

ፕረሲደንት ሃገር ሶማል ሞሓመድ ዓብዱላ ሞሓመድ ብ1962 ኣብ መቓድሾ ተወሊዱ። መበቆሉ ካብ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሶማል እትርከብ ኣውራጃ ጌዶ ትብሃል እዩ። ሃይማኖታዊ እምነቱ ምስልምና እዩ። ፕረሲደንት ሞሓመድ ዓብዱላ ሞሓመድ ኣሜሪካዊን ሶማላዊን ዜግነት ከኣ ይውንን። ካብ 1989 ክሳብ 1993 ዓ.ም.ፈ. ኣብቲ ኣሜሪካ ዝርከብ ኢንባሲ ሶማል ከኣ ኣብ ክፍሊ ፊናንስ ኮይኑ ይሰርሕ ነይሩ። ቅድሚ ናaሜሪካ ምስዳዱ ድማ ብ1990 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ወጻኢ ሚንስተር ሶማልያ የገልግል ነበረ። ካብ 1989 ክሳብ 1993 ዓ.ም.ፈ. ኣብ ቡፋሎ ዩኒቨርሲቲ ዝብሃል ኣብ ኣሜሪካ ብዛንታ ትምህርቲ ብምጽናዕ ቢቻሎር ዲግሪ ተቐቢሉ። ድሕሪ ትምህርቲ ምውድኡ ድማ ኣሜሪካዊ ዜግነት ወሲዱ። ጸኒሑ ትምህርቲ ብምቕጻል ድማ ፖለቲካል ሳይንስ ብጽናዕ ማስተር ኦፍ ኣርትስ ማስተር ዲግሪ ተቐቢሉ። እቲ Master Degree U.S. Strategic Interest in Somalia from the Cold War to the War on Terror ኣጽኒዑ። ካብ 1994 ዓ.ም.ፈ. ክሳብ 1997 ዓ.ም.ፈ. ድማ ኣብ ኣሜሪካ እትርከብ ቡፋሎ እትብሃል ከተማ ኣብ ምምሕዳር ገዛውቲ ኣገልጊሉ። ካብ 1995 ክሳብ 1999 ዓ.ም.ፈ. ድማ ኣብ ምጽራይ ጉሓፍ ፕሮግራም ኣገልጊሉ። ካብኡ ቀጺሉ ካብ 2000 ክሳብ 2002 ዓ.ም.ፈ. ኣብ Erie Country እትብሃል ከተማ ኣብ Equal Opportunities Office ዝብሃል ቤት ጽሕፈት ኣገልጊሉ። ካኡ ድማ ኣብ ኣገልግሎት መጕስሽስዝያ ከተማ ቡፋሎ ኣገልጊሉ። ፕረሲደንት ኣቦ ክልተ ኣወዳትን ክልተ ኣዋልድን እዩ።

ዕለት 14 ሕዳር 2010 ከኣ ብፍቓድ ፕረሲደንት ሣሪፍ ሻይክ ኣሕመድ ን1ይ ሚንስተር ተሓርዩ። ድሕሪ ውሽጣዊ ዘይምቅዳው ዖመር ዓብዲራሺ ዓሊ ሻርማርከ ስልጣኑ ብድልየቱ ድሕሪ ምውራዱ ድማ፣ መንእሰይ ምኻኑን ኣብ ኣሜሪካ ዝገበሮ ተመክሮን ኣብ ግምት ተኣትዩ፣፣ ብዕለት 31 ሕዳ ብፓርላማ ሃገር ፕረሲደንት ሃገር ሶማል ኮይኑ ተመሪጹ። ቅድሚኡ ዝነበረ ፕረሲደንት 40 ሚንስተራት ክነብሮ ከሎ፣ፕረሲደንት ሞሓመድ ዓብዱላ ሞሓመድ ግና 18 ሚንስተራት ጥራይ እዩ ዘለዎ። ካብቶም ቀዳሞት 40 ሚንስተራት 2 ሚንስተራት ጥራይ መሪጹ ኣትሪፉ።

እዘን ዝስዕባ ሚንስተራት ድማ ኣቒሙ ኣሎ።

  • ሚንስተር ፊናንስ: Abdi Halane

  • ሚንስተር ወጻኢ: Mohamed Abdullaahi Omar

  • ሚንስተር ስድራቤት: Dr. Maryan Kasim Ahmed

  • ምንስተር Wሽጢ ሃገር: Abdishakur Sheikh Hassan Farah

  • ሚንስተር ምሕደራ ገዛውቲ: Abdirashid Khalif Hashi

  • ሚንስተር ሕጊ: Abdullahi Abyan Noor

  • ሚንስተር ሓበሬታ: Abdikarim Hassan Jama

    ርእይቶ መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ፣

  • እዚ ኣብዚ ቀርባ እዋን ተጀሚሩ ዘሎ ምቅዪያር ፖለቲካዊ ኩነታት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኣበይ ገጹ የምርሕ ከምዘሎ፣ ነቶም ዝመራመሩን ንታሪኽእዊ መስርሕ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝከታተሉ ግዱሳት ደቂ ሃገር ሶማልን፣ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሩህ እዩ።

    እወ፣ ቀርኒ ኣፍሪቃ ካብተን ካብ መላእ ዓለም ሃገራት፣ ብምዕራባውያን ይኹኑ ብምብራቓውያን ሩስያን ቻይናን ሓይልታት ዝብሃጋን ግንከኣ መላገጺኦም ኮይነን ድማ ክሳብ ሎሚ ዝጸንሓ፣ 3 ገጀፍቲ ስትራተጂካውያን ሃገራት፣ ኣፍጋኒስታን፣ ማእከላይ ምብራቕን (ብፍላይ ሃገር ኢራቕ) ሓደ ገጂፍን ተደላዪን ስትራተጂካዊ ቦታ እዩ።

  • ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ካብ ዕልዋ መንግስቲ ንጉስ ሃይለስላሴን፣ መራሒ ሶማል ሰይድ ባረን፣ ድሕሪቲ ንፍርቂ ዘመን ዝወሰደ ሰውራ ኤርትራን፣ ብዙሕ ደም ምፍሳስ ዘስዓበ ኣብ ሃገር ሶማልን፣ ድሕሪ ማእለያ ዘይብሉ ደም ዘፍሰሰ ዶባዊ ኲናት ወያኔን ህግደፍ (ሻዕብያ )  እንሆ ሎሚ፣ ንክትበልዓ ዘደለኻ ኣባጉምባሕስ ዛግራ ትብላ ከምዝብሃል፣ ነቶም ባዕሎም ዘሰልጠኑዎም መራሕቲ ግብረሽበራ ከም ብዓል ኢሰያስን፣ መራሕቲ ወያኔን፣ መራሕቲ ሃገር ሶማልን ስለዝኣረጉ፣ ብሓደስቲ መንእሰያት ግንከኣ ባዕሎም ዘሰልጠኑዎም ክትክኡዎም ንዕዘብ ኣሎና። ንመረዳእታ፣ ንዶር. ኣቢ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ፕረሲደንት ሃገር ሶማል ሞሓመድ ዓብዱላ ሞሓመድ ኣብ ኣሜሪካን ዝሰልጠነን፣ ምስ ኢሰያስ ከራኽቡዎምን ብሓባር ጽርግያ ስትራተጂ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንጽዮናውያን ክጸርጉሎም ከዋፍሩዎም ንዕዘብ ኣሎና።

    እቲ ካብ ኩሉ ዘስደምም ግና፣ መንግስቲ ኣሜሪካ ይኹም መንግስታት ኤውሮጳ ሕብረት፣  መንግስቲ ሩስያ፣ ወይከኣ መንግስቲ ቻይና፣ ነቲ ብሰንኪ ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ኣብ ልዕሊ ወሪዱ ዘሎ ስደትን ህልቀትን፣ ፋሉልነትን፣ ሕገ ኣልቦነትን ትም ኢሎም ይዕዘቡዎ ምህላዎም እዩ። መኽንያቱ ድማ። ኣብ ኢትዮጵያን ኣብ ሶማልን መንእሰያት መራሕቲ ክምልምሉ ከለው፣ ስለምንታይ ድኣ ንህዝቢ ኤርትራ በቲ  ን57 ዓመታት ዝኣክል ከሳቕዮ ዝጸንሐ ወዲ 76 ዓመት ኣረጊት ኢሰያስ ጥራይ ክምራሕ ገዲፎማ?

    እቲ ቢግ ብራዘር ኢሰያስ ኣፈወርቂ ተመኵሮ ግብረ ሽበራ መታን ክምህሮምን ወይ ከውርሶም ስለዝተደልየ ድዩ፣  መንእሰይ ወዲ 43 ዓመት መራሒ ኢትዮጵያ 1ይ ሚንስተር ዶር.ኣቢዪ ኣሕመድን፣ ከምኡውን ወዲ 56 መራሒ ሃገር ሶማል ፕረሲደንት  ሞሓመድ ዓብዱላ ሞሓመድ ምስ ኢሰያስ ዘራኽቡዎም ዘለው? ህዝቢ ኤርትራ ን57 ዓመታት ተቓሊሱ ክነሱ ሰብኣዊ መሰሉ ተገፊፉ እንዳነበረ፣ ስለምንታይ እቶም ሕቡራት መንግስታት ዓለም ዝብሃሉን፣ እተን ከም ኤውሮጳ ሕብረትን፣ መንግስቲ ኣሜሪካን፣ መንግስቲ ሩስያን፣ ቻይናን ዓገብ ዘይብላ?

  • ዝመጸ ይምጻእ እምበር ኣምላኽ ግና ምስ ህዝቢ ኤርትራ እዩ።

ብሓልዮት መርበብ ሓበሬታ ደቀባት ኤርትራ

30 ሓምለ 2018 ዓ.ም.ፈ.